ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ እንተዘይተኸፊቱ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ከም 'ዘዕኑዎ' ኣጠንቂቑ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ናይ 48 ሰዓታት ናይ ግዜ ገደብ ሂቡዋ።
እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣመሪካ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክተዕኑ" ምዃና ኣጠንቂቑ።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ ብ21 መጋቢት ሰዓት 23፡44 GMT እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ጽሒፉ ዘሎ።
እዚ ማለት፡ ኢራን ክሳብ 23 መጋቢት ሰዓት 23፡44 ጂኤምቲ [GMT] ጠለብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክተማልእ ግዘ ኣለዋ።
ቴህራን ብወገና፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙዋ፡ ኣብ መላእ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ምስ ኣመሪካ ምትእስሳር ዘለዎም ናይ ጸዓት ቦታታት ዒላማ ክትገብር ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ።
ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካየደቶ መጥቃዕትን ዘንበረቶ ዕጽዋን ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ተራእዩ።
ኣብ ግዜ ሰላም፡ ኣስታት 20% ፅዕነት ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን (LNG) ዓለም በቲ መጻብቦ ዝሓልፍ ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ወሳኒ ቦታ እዩ።