ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ይናዋሕ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ይቕጽል
ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ተናዊሑ።
እዚ ዝዀን ዘሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ መገሻኡ ምድንጓዩ ስዒቡ እዩ።
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ክዘራረቡ እዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።
እቲ ስምምዕ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕቲ ንከብቅዕ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ግን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ምስ ሂዝቦላህ ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝርርብ ዝተናውሐሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ እቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ጸብጺበን ነይረን።
እንተዀነ ኣመሪካ፡ ነቲ ዝርርብ ዘድሊ ትልሚ “ገና ኣይተዛዘመን” ክትብል ገሊጻ። “ቴክኒካዊ ዝርርብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክጅመር” ድሌት ከምዘለዋ እውን ኣፍሊጣ’ላ።
እቲ መዘክር ምርድዳእ ብዝብል ዝጽዋዕ ሰነድ 14 ነጥብታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኢራን ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይትውንን ይገልጽ።
እቲ ስምምዕ ንዳግመ ህንጸትን ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ኣብዚ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብር ኣይግድዳን እዩ። እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን እስራኤልን ግጭት ካብ ዝወላዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ።
እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ተኸታታሊ ዘተ ብምክያድ፡ ክናዋሕ ኣብ ዝኽእል ግን እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ኣብ ምርድዳእ ክበጽሑ ዘገድድ እዩ።