እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. "ነገራት ፅቡቕ'ዮም ዝኸዱ ዘለዉ" - ትራምፕ ምስ ጋዜጠኛታት ተዘራሪቡ

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፓልም ቢች ቅድሚ ናብ ፕረዚደንታዊ ነፋሪቱ ኤር ፎርስ ዋን ምድያቡ ንጋዜጠኛታት ኣዘራሪኢቡ ኣሎ።

    ትራምፕ፡ ነቲ ቅድም ክብል ዝገለፆ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ምንዋሕ መጥቃዕቲ ጸዓት -ኢራን ብምጥቃስ፡ "ከምዚ ጽቡቕ እንተቐፂሉ፡ እቲ ጐንፂ በዚ ኢና ክንውድኦ፤ ከብቅዕ እዩ" ይብል።

    ትራምፕ ቀፂሉ፡ "እንተዘይኮይኑ ግን፡ ነተን ቦምባታት ክንድርብየን ጥራይ እዩ ዘለና" ክብል ሕዚ’ውን ኣፈራሪሑ።

    ትራምፕ፡ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን፡ "ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ስምምዕ” ከምዝተበፅሐ እዩ ዝገልፅ። ካብ ኢራን ግን ዝዀነ ዝርርብ ከምዘየለ እዩ ዝንገር ዘሎ።

    ኣብ ጎኒ ኤር ፎርስ ዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣማኻሪኡ ስቲቭ ዊትኮፍን ወዲ ሓሙኡ ጃረድ ኩሽነርን ኣብዚ ጉዳይ - ዘተ - ከምዝተሳተፉ ይዛረብ።

    እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ ምስ "ሓደ ላዕለዋይ ሰብ" ክትዛረብ ጸኒሓ ብምባል፡ ምስቲ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ግን ከምዘይኰነ ተዛሪቡ።

    ወሲኹ ድማ "ብህይወት ኣሎ ድዩ የለን’ውን ኣይንፈልጥን" ኢሉ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ቀፂሉ'ውን ምስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ እቲ ጉዳይ ክዛረበሉ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ምስ ኢራን "ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ" ክብል ሓቢሩ።

    ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ከምዝዘተያ ብምግላፅ፡ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ዒላማ ምግባር ንሓሙሽተ መዓልታት ደው ክብል ምዃኑ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።

  2. ኢራን፡ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝተኻየደ ዝርርብ ከምዘየለ ኣፍሊጣ

    ሓያሎ ማዕከናት ዜና፡ ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃረድ ኩሽነርን ምስ ኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ምዝርራቦም፡ ምንጭታት ብምጥቃስ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ኣቢለን፡ ፀብፂበን ነይረን።

    ሕጂ ድማ፡ መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ኣብ ኤክስ፡ ምስ ኣመሪካ ዝኾነ ድርድር ከምዘይተገብረ ኣስፊሩ።

    ወሲኹ ድማ፡ "እዚ ናይ ሓሶት ዜና" ንዕዳጋታት ነዳዲ ንምቁፅፃር ይጥቀምሉ ይህልዉ፡ ህዝቢ ኢራን ድማ ወረርቲ መሊኦም ክቕፅዑ የጠልብ ኣሎ” ኢሉ።

    ቅድም ክብል፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ብተመሳሳሊ ትራምፕ ዝተዛራቦ ዘተ ቴህራንን ዋሽንግተንን፡ 'ሕሶት' ክብል ነፂጉዎ ነይሩ።

    እቲ ሚኒሰትር፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ብዝምልከት ዝበሎ ንነጽጎ" ኢሉ።

    እቲ ብኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ፡ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ዝተጠቕሰ መግለፂ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዕላማታት እቲ ኲናት ቅድሚ ምዕዋታ፡ ዝኾነ ዓይነት ድርድር ከምዘይትገብር ነፍልጥ" ይብል።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ሕዚ'ውን ምስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ክዛረበሉ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ምስ ኢራን "ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ" ክብል ሓቢሩ።

    ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝርርብ ከምዘካየዳ ብምግላፅ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ዒላማ ምግባር ንሓሙሽተ መዓልታት ደው ክብል ምዃኑ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነጡ ነይሩ።

  3. 'እታ ነፋሪት ዳርጋ ኣብ ክልተ እያ ተመቒላ', ቃል መሰኻኽር ዓይኒ

    ወዲ 23 ዓመት ሊዮ መዲና ትማሊ ምሸት ናብ ሚያሚ ክብገስ እናተጸበየ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብመስኮት ኣማዕድዩ ነቲ ኣብ ነፋሪት ኤየር ካናዳ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዓይኑ ዝረአየ እዩ።

    "ቃል ብቓሉ፡ ዳርጋ 100 ሜትሮ ጥራይ ኢና ርሒቕና ነይርና" ይብል፡ እቲ ካብ ቺለ ዝመፀ ግን፡ ከኣ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዝቐነየ፡ መዲና።

    “እታ ነፋሪት ዳርጋ ኣብ ክልተ ክትምቀል ርእይና”።

    ንሱ፡ ወሲኹ ድማ፡ “ኣብ መጀመርታ፡ እንታይ ይኸውን ከምዝነበረ፤ ኣይተረደአንን፤ ድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ኣምቡላንሳትን ካልኦትን መፂአን”።

    መዲና፡ እታ ክትብገስ ተዳልያ ዝነበረት ንሱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት፡ ናብቲ ኣፍደገ ክትምለስ ከም ዝተገብረት ይዛረብ።

    ሕጂ ንሱን ዓርኩ ድየጎ ቻቫርያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ን12 ሰዓታት፡ ኣብ መሬት ደቂሶም ክጽበዩ ተገዲዶም ኣለዉ።

    “በቃ ብተስፋ ክንፅበ ደቂስና ፀኒሕና” ይብል መዲና።

    “እቲ እንኮ ክፉት ቦታ፡ ስታርባክስ ጥራይ'ዩ ዘሎ" ዝበለ መዲና፡ ብፍላይ ነቲ ሓደጋ ምስ ረኣየ ንእሽቶ ስንባደ ፈጢሩሉ ከምዘሎ ይዛረብ።

  4. ክልተ ፓይለታት ብሓደጋ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ሞይቶም

    ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ላ ጓርድያ፡ ነፋሪት ኤየር ካናዳ ምስ መኪና መጥፍኢት ሓዊ ድሕሪ ምግጫዋ ክልተ ኣብረርቲ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

    እታ 72 ተሳፈርትን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ዝጸዓነት ነፋሪት፡ ሰንበት ኣጋ ምሸት ካብ ሞንትርያል መፂኣ ድሕሪ ምዕራፋ፡ ኣስታት 24 ማይል ኣብ ሰዓት ትጓዓዝ ነይራ።

    ኣርብዓን ሓደን ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ምስ ክልተ ኣብታ ዝተጋጨየት መኪና ዝነበሩ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም፤ ሕጂ 32 ካብ ሆስፒታል ወፂኦም ኣለዉ፡ ገለ ካልኦት ግን "ከቢድ መጉዳእቲ" ኣጋጢምዎም ሕክምናዊ ኣለያ ይግበረሎም ኣሎ።

    ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ኒውዮርክ፡ ሰባት "ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ፡ ምትእጉጓል፣ ምዕጻው ጽርግያ፣ ምፅቕቓጥን" ዝኣመሰሉ ጸገማት ከጋጥሞም ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

    ጉጅለ መርመርቲ ፌደራል፡ ጠንቂ እተ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ፡ እንታይ ከምዝዀነ ይምርምሩ ኣለዉ።

  5. 'ዘተኣማምን ኣይኰነን'፡ ምላሽ ኢራናውያን ንመግለፂ ትራምፕ

    ኣብ ውሽጢ ኢራን ኢንተርነት እንተተቛረፀ’ውን፡ ገለ ሰባት ገና ኢንተርነት ዝጥቀሙሉ መንገዲ ይረኽቡ እዮም።

    ሪፖረትር ቢቢሲ ፐርሸያ [ኢራን] ዘዘራረበቶም ሰባት፡ ብሙለኦም ኣንጻር’ዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት እዮም።

    ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን፡ ኣብ ዕስራታት ዕድሚኡ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ኣብ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ትሩዝ ሶሻል ኣካውንት ዝሰፈረ ፅሑፍ ቀዲሙ ነታ ጋዜጠኛ ዝሰደደላ ሰብ እዩ።

    ርእይቶኡ ምስ ሓተተቶ፡

    “መወዳእታ ናይዚ ኩነታት፡ ንህዝቢ ኢራን ኣዝዩ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል እዩ። እስላማዊት ሪፓብሊክ ፀንሐት ኣይፀንሐት፡ ዋላ’ውን መወዳእታኣ ከምዝበፅሐ እንተፈለጠት” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

    ካልእ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኢራን እትነብር ጓል ዕስራ ዓመት ድማ፡ “ትራምፕ የዕብደና እዩ ዘሎ” ኢላ።

    ሳልሳይ ርእይቶ ወሃቢ መንእሰይ ካብ ቴህራን፡ ከምዚ ይብል፡

    “ምስ ዓርከይ ብቴሌፎን ክንስሕቕ ፀኒሕና። እዚ እንነብሮ ዘለና ህይወት እንታይ እዩ?”

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካልእ ጓል ዕስራ ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ተቕማጢት ቴህራን ብወገና፡ “ትራምፕ ብዙሕ ዘተኣማምን ሰብ ኣይኰነን። ፅባሕ እንታይ ከም ዝብል ኣይፍለጥን” ኢላ።

    ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ርክብ ዘለዋ ማዕከን ዜና ፋርስ ኢራን ብወገና፡ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኢራናዊ በዓልስልጣን ብምጥቃስ፡ "ምስ ትራምፕ ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ርክብ ኣይተግበረን" ክትብል ፀብፂባ።

    እቲ ምንጪ፡ "ትራምፕ፡ ኣብ ምዕራብ ኤስያ ዝርከባ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኩለን ዒላማና ከምዝዂና ምስ ፈለጠ እዩ ንድሕሪት ኣንሳሒቡ" ኢሉ።

  6. ትራምፕ: ‘ኣፈታትሓ’ቲ ተፃብኦ’ ብዝምልከት ምስ ኢራን ዕዉት ዝርርብ ከምዝተኻየደ ኣፍሊጡ

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "ምሉእን ፍጹምን ፍታሕ" ብዝምልከት "ዕውት ዝርርባት" ከምዝተኻየደ ገሊፁ።

    ንሱ፡ "ዝኾነ ይኹንን ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን ኢራን" ዝተተተለመ መጥቃዕቲ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ከናውሖ ምዃኑ ይዛረብ።

    ኣብ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ብፍሩይ ፊደላት እንግሊዝኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፡ "ኣመሪካን ሃገር ኢራንን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ ብዛዕባ ምሉእን ፍፁም ኣፈታትሓ ተፃብኦ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣዝዩ ጽቡቕን ውፅኢታውን ዘተ ከም ዝገበራ ክሕብር እፈቱ።"

    ትራምፕ፡ ወሲኹ ድማ ከምዚ ይብል፡

    "ሚኒስትሪ ኲናት፡ ኣንጻር መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን ኢራን ዝተተለመ ዝኾነ ይዅን ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ከናውሖ ኣዚዘ ኣለኹ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታትን ዘተታትን ዕውትነት ይምርኮስ።"

  7. ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ኒውዮርክ ነፋሪትን መኪናን ተጋጭየን

    ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ፡ ነፋሪት ኤየር ካናዳ ምስ ሓንቲ ኣብ ዝተፈለየ ፍጻመ ህጹጽ ምላሽ ትህብ ዝነበረት መኪና ምጥፋእ ሓዊ ድሕሪ ምግጫዋ ተዓጽዩ።

    መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ፡ እታ ነፋሪት ካብ ሞንትርያል ዝተበገሰት ምዃና ሓቢሩ።

    ምስታ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘካይድ በዓል መዚ ወደብ ኒውዮርክን ኒውጀርስን ዝመጸት መኪና ምስ ተጋጨወት፡ ናብ ኣስታት 24 ማይልስ ኣብ ሰዓት ፍጥነት ኣዝሒላ ነይራ።

    እታ ሞዴል CRJ 900 ዝዀነት ነፋሪት ኣስታት 70 ሰባት ኣሳፊራ ምንባራ ተገሊጹ።

    ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ብርክት ዝበሉ መጕዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ይሕብሩ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ እታ ብመሻርኽቲ ኤር ካናዳ ጃዝ ኣቬሽን እትንቀሳቐስ ነፋሪት፡ ኣፍንጫኣ ንላዕሊ ተተኺሉ ይርአ።

    ኣብታ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ዝርከቡዎም 76 ሰባት ምንባሮም ኣቬሽን ጃዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ክፍሊ ፖሊስ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብሰንኪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላጋርድያ ዘጋጠመ ህጹጽ ፍጻመ፡ ኵሎም ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝወስዱ ጎደናታትን መውጽኢ ጽርግያታትን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃቡ ተዓጽዮም ኣለዉ፡" ኢሉ።

    ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ፡ መርማሪ ጕጅለ ኣዋፊሩ ኣሎ።

  8. ዝዀነት ሃገር፡ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ዝኸፍአ ቅልውላው ጸዓት 'ነጻ ኣይኰነትን'

    ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ዘጋጠመን ምስቲ ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወረ ርድሪ ምፍጻማ ዘጋጠመ ጽልዋታት፡ ዝኸፍአ ቅልውላው ጸዓት ከስዕብ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

    ፈጻሚ ዳይረክተር ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ጸዓት ፋቲሕ ቢሮል ንማዕከናት ዜና ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "መብዛሕትና፡ ኣብ ሰብዓታት ዘጋጠመ ክልተ ተኸታተልቲ ቅልውላዋት ነዳዲ ንዝክሮ ኢና... ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅልውላው፡ ዓለም ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን በርሚል፡ ክልቲኦም ብድምር ድማ፡ ኣብ መዓልቲ 10 ሚልዮን በርሚል ከሲራ እያ፡" ኢሉ።

    "ክሳብ ሎሚ ኣብ መዓልቲ 11 ሚልዮን በርሚል ከሲርና ኢና፤ እዚ ልዕሊ ክልተ ዓበይቲ ነውጺታት ነዳዲ እዩ፡"።

    ወሲኹ ድማ፡ ብሓደ ኣገዳሲ መስመር - መጻብቦ ሆርሙዝ - ዝውሕዝ ጽዕነት ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን (LNG) ብእገዳ ኢራን ተጽዩ ስለ ዘሎ፡ ዝዀነት ሃገር ካብ ሳዕቤናት ጸዓት ናይቲ ቅልውላው "ናጻ" ከም ዘይትኸውን ገሊጹ።

  9. ኣመሪካውያን 'ብደረጃ ዓለም' ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ ምሕጽንታ ቀሪቡሎም

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ወጥሪ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመሪካውያን እዋናዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።

    እቲ ሚኒስትሪ ብኤክስ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ፡" ይጽውዕ።

    እዚ ኩነታት፡ "በብእዋኑ ምዕጻው ክሊ ኣየር፡ ምቁራጽ ጉዕዞ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ካብ ማእከላይ ምብራቕ ወጻኢ ሓዊሱ ዲፕሎማስያዊ ትካላት ኣመሪካ ዒላማ ተገይሮም'ዮም፡" ይብል።

    "ንኢራን ዝድግፉ ጉጅለታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ኻልኦት ረብሓታት ኣመሪካ፡ ምስ ኣመሪካን ወይ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ኣመሪካውያንን ዝተኣሳሰሩ ቦታታት ዒላማ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።"

  10. ኤርትራ፡ 'ቀዳማይ' ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ተኸፊቱ

  11. እስራኤል፡ 'ንተወሳኺ ሓያሎ ሰሙናት' ውግእ ከም ዝካየድ ኣጠንቂቓ

    እዚ፡ እዋናዊ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕን ዓለምን ብሓጺሩ እነቕርበሉ መድረኽ እዩ።

    ናብዚ ቀጥታዊ ጸብጻባት ሕጂ ትጽምበሩ እንተድኣሃሊኹም፤

    • ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ነቲ ወሳኒ መስመር ምትሕልላፍ ነዳዲ ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ከም ዘድሊ ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ
    • ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ ግን ብዝርዝር ኣይገለጹን
    • ኢራን ዓለምለኻዊ መስመር መራኽብ "ብዘይካ እቶም ንመሬትና ዝጥሕሱ ንዅሎም ክፉት፡" እዩ ኢላ
    • ዓበይቲ ዕዳጋታት ኣክስዮን ኤስያ ሎሚ ሰኑይ ክወድቁ እንከለዉ ዋጋታት ነዳዲ ድማ ይቀያየር ኣሎ
    • እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሕዝቦላህን "ንተወሳኺ ሓያሎ ሰሙናት" ውግእ ክካየድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ
    • ኣቐዲሙ ሰራዊት እስራኤል ኣብ መላእ ርእሰ ከተማ ኢራን - ቴህራን "ሰፊሕ" መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ፡ "ሽበራዊ ትሕተ ቅርጺ" ዒላማ ከም ዝዀነ ሓቢሩ
    • ብተወሳኺ ኣብ ሊባኖስ ኣንጻር ሕዝቦላህ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምስፋሕ ዝተወጠነ መደባት ከም ዝጸደቐ ኣፍሊጣ
    • እዚ ድማ ሰፊሕ ናይ ኣጋር ወራር ከይፍጸም ስግኣት ኣልዒሉ ይርከብ
    • ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ዞባ፡ ኢማራት ዓረብ ንናይ ሚሳይል ስግኣት ምላሽ ትህብ ከም ዘላ ገሊጻ ነይራ፤ ባሕሬን ድማ ብኣጋኡ ድምጺ መጠንቀቕታ ሚሳይል ኣስሚዓ

    እዋናዊ ምዕባለታት እናተኸታተልና ከነቕርበልኩም ኢና።

  12. ትራምፕን ስታርመርን፡ ኣብቲ ን20 ደቓይቕ ዝጸንሐ ናይ ተሌፎን ዝርርቦም እንታይ ዘትዮም?

    ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን፡ ብሰንበት ምሸት ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ሆርሙዝ ብተሌፎን ተዘራሪቦም ኣለው።

    እዚ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ኰይኑ፡ "ሃናጺ" ዘተ ከም ዝነበሮም ማዕከን ዜና ፒኤ ጸብጺቡ።

    ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕን "ብፍላይ ድማ ምንቅስቓስ መራኽብ ንምጅማር መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ከም ዘድሊ" ከም ዝተዘራረቡ ገሊጹ።

    "ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ጸዓት ምርግጋእ ንምርግጋጽ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰማሚዖም፡" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ክዛረቡ ተሰማሚዖም፡" ኢሉ።

    ትማሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ባጫዊ ስእሊ ጠቂዑ።

    ኣብዚ ስእሊ ስታርመርን ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ደቪድ ላሚን ዝዋስኡሉ ስእሊ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዛዕባ ዝነበረ ዝርርብ ተሌፎን ይዛረቡ።

    እቲ ንስታርመር ዝዋሳእ፡ "ዶናልድ እንተ ተቘጥዓኒኸ? እንታይ ክብል ላሚ?" ይብል።

    ወሲኹ፡ "ኣብ ከቢድ ኵነታት'የ ዘለኹ፡ ላሚ። ሊዝ ትራስ ከመይ ጌራ'ያ ነዚ ስራሕ እተቕልሎ?"

    ሊዝ፡ ቀዳመይቲ ምኒስትር ብሪጣንያ ነበር እያ።

  13. 'እቲ ስንክልና ዘለዎ ወድና፡ ካብ ጸባብ ክፍሊ ንላዕሊ'ዩ ዘድልዮ'

  14. ሱዳን፡ ዒድ መዓልቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን 64 ሰባት ተቐቲሎም

  15. ኲናት ኢራን ብኸመይ'ዩ ጀሚሩ፤ ድሕሪኡኸ እንታይ'ዩ ክኸውን?

  16. ኲናት ኢራን ንኪም ጆንግ ኡንን ሰሜን ኮርያን የስግእ ድዩ?

  17. እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ሎሚ ንግሆ እንታይ ትመስል?, ብስእሊ

    ቢቢሲ፡ ድሒሮም ዝበፅሑዎ ኣሳእል ኣብ ደቡባዊ እስራኤል: ሰፊሕ ጉድኣት ከም ዝወረደ የመልክቱ።

    ኣብ ጥቓ እታ ትማሊ ምሸት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት ‘ኣራድ’ ዝዓነወ ህንጻታት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ።

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣራድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 88 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ሓቢሩ።

    ኣብቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ እስራኤል ዛጊድ ክንደይ ሰብ ከምዝሞት ኣይፀብፀበትን ዘላ።

  18. ቴህራን፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን መጥቃዕቲ ዝወረደ ዕንወት, ብስእሊ

    ቀዳም ዝተሳእሉ ኣሳእል፡ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሻህራክ-ኢ-ጋርብ ዝበፅሐ ዕንወት የርእዩ።

    ብ16 መጋቢት ሓደ መንበሪ ህንፃን ትካል ንግድን ብሚሳይል ድሕሪ ምውቃዖም፡ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረደ ተሓቢሩ።

    ርእሰ ከተማ ኢራን - ቴህራን፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ብ28 ለካቲት ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዒላማ ዘይርብርብ መጥቃዕቲ ኰይና ኣላ።

  19. ቀንዲ ምዕባለታት'ዚ ዕለት፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ቅድሚ 48 ሰዓታት እንተዘይተኸፊቱ፡ ኣመሪካ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክትድምስሶ" እያ ኢሉ።

    ኢራን፡ ብወገና ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ፡ ምስ ኣሜሪካ ምትእስሳራት ዘለዎም፡ ኩሎም ትሕተ ቅርጺ ጸዓት፡ ሕነ-ከምእትፈዲ ኣጠንቂቓ ኣላ።

    እቲ ሓደገኛ ዝበሃል ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ፡ ኣብ ክንዲ ዝዘሓሓል፡ እናተጓሃሃረ ይኸይድ ኣሎ።

    ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ሎሚ ንግሆ መጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝዓገታ ይገልጻ።

    ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን፡ ልዕሊ 160 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ሓቢሩ። ብውሕዱ ሓደ ሰብ ድማ ሞይቱ ተባሂሉ።

    ዒላማ እቲ መጠቃዕቲ፡ ካብ ከተማ ዲሞና 13 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መሳለጥያ ኒዩክለር ከምዝዀነ እዩ ዝንገር፤ ዛጊድ ኣብቲ መሳለጥያ ዝበሐ ጉድኣት እንተሎ ንፁር ኣይኰነን።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ኢራን- ቴህራን፡ ሎሚ ለይቲ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ሰራዊታ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ብሰንኩ ዝበፅሐ ዕንወት ዘርእዩ ኣሳእል ይወፅኡ ኣለዉ።

    ኢራን ኣብ ደሴት ‘ድየጎ ጋርስያ’ [ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ] ኣብ ዝርከብ ሓባራዊ መደበር ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ፈተነ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

    እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓሙስ ክሳብ ናብ ዓርቢ ዘፅብሕ ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

    ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኢቨት ኩፐር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ’ዚ ግጭት ተጐቲታ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጣ።

  20. ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ፋኖ ሰብስልጣን መንግስቲ ከምዝቐተሉ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደር ገሊፁ