እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብሪጣንያ፡ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ለብዒ ሕማም ኣንቅጺ ስግኣት ፈጢሩ

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ለብዒ ተላጋቢ ሕማም ኣንቅጺ ክልተ ሰባት ቀቲሉ ነይሩ።

    እቲ ሕማም ፈለማ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ከንት እዩ ተራእዩ። ሓደ ካብቶም ግዳያት'ውን ተመሃራይ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ከንት ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ለንደን ዝርከብ ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣብታ ርእሰከተማ ዝሰርሑ ዝነብርሉ ከባቢታት እዩ።

    ዕድመ ናይቶም ግዳያት 18 ከምኡ'ውን 22 ከምዝኾነ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

    ካብቶም 15 ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቶም ኣርባዕተ 'መን-ቢ' (MenB) ዝተባህለ ዓሌት ናይቲ ሕማም ዝሓዞም ምዃኖም ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እቲ ኩነታት ዘስግኦም እቶም ሰብመዚ፡ ንገለ ካብቶም ተመሃሮ ክታበት ናይቲ ሕማም ክህቡ ምዃኖም ኣሚቶም ኣለዉ።

    ኣንቅጺ ብቫይረስን ብረኽሲ ባክተሪያ (ተሃዋስያን) ዝስዕብ ምዃኑ ይፍለጥ። እንተኾነ እቲ ብባክተሪያ ዝፍጠር ዓይነት ኣንቅጺ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።

    ካብ 2024 ክሳብ 2025 ኣብ ዝነበረ እዋን 378 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ነይሮም። ካብኦም እቶም 31 ከምዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ብሰንኪ'ቲ ሓድሽ ለብዒ ኣብቲ ከተማ ካንተንበሪ ትርከቦ ከባቢታት ክግበር ዝተሓሰበ ገለ ጽንብላትን ህዝባዊ ኣኼባታትን ተሰሪዙ ኣሎ። ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም፡ ክሳብ እቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዝኣቱ ትምህርቲ ተቛሪጹ ክጸንሕ ጠለብ የቕርቡ ኣለዉ።

    ምልክታት ሕማም ኣንቅጽን ረኽሲን እንታይ እዮም፡

    • ልዑል መጠን ረስኒ
    • ምዝሓል ኣእዳውን ኣእጋርን
    • ተምላስ
    • ዕውልውል ምባል
    • ቅልጡፍ ምስትንፋስ
    • ቃንዛ ጭዋዳታትን መላግቦን
    • ጻዕዳ ትኳዕ ዘለዎ ቆርበት
    • ፍሮማይ
    • ቃንዛ ርእሲ
    • ምድራቕ ክሳድ
    • ድሙቕ ብርሃን ምጽላእ
    • ክቱር ድቃስን ወይ ምብርባር ምስኣን
    • ወቕዒ ምንፍርፋር
  2. ትራምፕን ነታንያሁን ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ኲናት ዝሃብዎ መብርሂ

    መራሕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብዛዕባ እቲ ምስ ኢራን ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ዝምልከት እዋናዊ መብርሂ ሂቦም።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብቲ ኣንጻር ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳተፋ ቅሩባት ከምዘይኮና ከምዝገለጻሉ ተዛሪቡ።

    "ኣብቲ ኣንጻር ኢራን እናካይዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ክሳተፋ ኣይደልያን እየን" ዝበለ እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት፡ "ብተግባረን ኣይተገረምኩን" ክብል ወቒሱ።

    እቲ ሃገሩ እትድግፎ ኔቶ፡ ንኣመሪካ ከምዘይድግፍ ዝነቐፈ ትራምፕ፡ "ካብ ዝኾነ ሰብ ደገፍ ኣየድልየናን'ዩ" ብምባል'ውን ተጋራጫዊ መግለጺ ሂቡ።

    "ዘገርም ወተሃደራዊ ዓወታት ስለዝተጓናጸፍና፡ ናይ ሃገራት ኔቶ ደገፍ 'ኣየድልየናን' ወይ ኣይንደልን፡ ደሊና'ውን ኣይንፈልጥን! ከምኡ'ውን ጃፓን፡ ኣውስትራልያ ወይ ደቡብ ኮሪያ።

    "እኳድኣስ፡ ከም ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝሓየለት ሃገር ዝኾነት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይነ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ናይ ዝኾነ ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ"።

    ትራምፕ፡ ሃገራት ኔቶ ኣብ ምኽፋት ናይቲ ብኢራን ተረጊጡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ክሕግዛ ዘካየዶ ጻውዒት ጸማም እዚ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ እስራኤል ትቕጽሎ ዘላ መጥቃዕትታት፡ ህዝቢ ኢራን ነቲ ስርዓት "ክኣልዮ ዕድል ንምሃብ ተስፋ ብምግባር" ዝዓለመ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ተዛሪቡ።

    "ኣብ ሓደ እዋን ወይ ብቐሊሉ ኣይከውንን እዩ። እንተቐጺልና ግን፡ መጻኢ ዕድሎም ባዕሎም ኣብ ኢዶም ክሕዙ ዕድል ክንህቦም ኢና" ይብል እቲ ንትራምፕ ናብቲ ኲናት ስሒብዎ ተሂሉ ዝኽሰስ ዘሎ እስራኤላዊ መራሒ።

    ነቲ ተቐቲሉ ዝብሃል ዘሎ ላዕለዋይ ኢራናዊ ሓላፊ ጸጥታ ዓሊ ላሪጃኒ'ውን መራሒ "ናይቶም ንኢራን ዘካይድዋ ዘለዉ ኣባላት ዕስለ ገበነኛታት" እዩ ብምባል ገሊጽዎ።

    ሓይልታት እስራኤል ንዒላማታት ሕዝቦላህ ንምህራም ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ከካይድዎ ዝጸንሑ ስርሒታት ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።

    ሓይሊ ኣየር እስራኤል ሎሚ ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ በይሩት ደብዳባት ኣካይዱ። ብታንክታትን ድሩዓት ተሽከርከርትን ዝተሰነየ ሓይልታት ምድሪ እታ ሃገር'ውን ዶብ ብምስጋር ናብ ደቡብ ሊባኖስ ኣትዩ ከምዘሎ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ዛጊት 880 ሰባት ብደብዳባት እስራኤል ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።

  3. ሓላፊ ጸረ-ሽበራ ኣመሪካ ንኲናት ኢራን ብምቅዋም ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ

    ዳይረክተር ማእከል ሃገራዊ ጸረ-ሽበራ ኣመሪካ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ከምዘይድግፍ ብምግላጽ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።

    "ብቅኑዕ ሕልና ነዚ ምስ ኢራን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ክድግፎ ኣይክእልን'ዩ" ክብል'ዩ ጆ ከንት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

    ኣብቲ ንሓለቓኡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝጸሓፎ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ "ኢራን ንሃገርና ህጹጽ ስግኣት ኣይኮነትን፡ እዚ ኲናት እዚ ብጸቕጢ ናይ እስራኤልን ኣብ ኣመሪካ ዘለዋ ጐስጐስቲን (ሎቢ) ዝጀመርናዮ እዩ" ክብል'ውን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብትራምፕ ዝተመዘዘ ሓላፊ ከሲሱ።

    "ነቲ ኣብ 2016፡ 2020፡ ከምኡ'ውን 2024 ዝጐስጐስካሉን ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣንካ ዝወሰንካዮን ክብርታትን ፖሊሲታት ወጻኢን እየ ዝድግፍ።

    "ክሳብ ሰነ 2025፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝውላዕ ኲናታት ክቡር ህይወት ሓርበኛታት ኣመሪካን ዝተጸንቀቐ ሃብቲን ብልጽግና ሃገርናን ዘኽስር ምዃኑ ኢኻ ትርዳእ ነይርካ።

    "ን11 ግዜ ኣብ ውግእ ከምዝተሳተፈ ገዲም [ወተሃደር]፡ ከምኡ'ውን ወርቃዊ ኮኾብ ናይታ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተፈብረኸ ኲናት ዝተሰውአት ፍቕርቲ ብዓልቲቤተይ ሻነን ወርቃዊ ኮኾብ [ኒሻን] ዝተረከበ ሰብኣይ መጠን፡ ዝቕጽል ወለዶ ናብቲ ንህዝቢ ኣመሪካ ረብሓ ዘይብሉን፡ ምስ ዋጋ ህይወት ኣመሪካውያን ዘይዳረግን ኲናት ከይዶም ክዋግኡን ክሞቱን ምስዳድ ክድግፍ ኣይክእልን እየ" ክብል ተቓውሞኡ ብንጹር ኣስፊሩ'ሎ።

  4. ብወገን ኢራን ዝወጸ ንዓሊ ላሪጃኒ ዝምልከት መግለጺ እንታይ ይብል?

    እቲ ብዓይኒ እስራኤል፡ ድሕሪ ቅትለት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ መራሒ እስላማዊት ኢራን ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ዓሊ ላሪጃኒ ብህይወት ከምዘሎ ዝእምት መግለጺ ይወጽእ ኣሎ።

    ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሉ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ መግለጺ ከምዘውጽአ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን ኣለዋ።

    እንተኾነ፡ እቲ ዝወጸ መግለጺ ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝሞቱ ባሕረኛታት ኢራን ዝጠቅስ ጥራይ እዩ።

    መራሕቲ እስራኤል ከምዝቐተልዎ ቅድሚ ምሕባሮም ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ ካልእ መግለጺ'ውን፡ እስላማውያን ሃገራት ንኢራን ጭቡጥ ደገፍ ዘይምግባረን ይነቅፍ።

    "ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኢራን ደው ዝበለ እስላማዊ መንግስቲ የለን" ክብል ዘማረረ ላሪጃኒ፡ "ሳሕቲን ፖለቲካዊ መርገጺን ምውሳድ ገዲፍካ" ኢሉ ነይሩ።

    ቃና ናይቲ መግለጺ፡ ህዝባዊ ደገፍ ናይተን መንግስታተን ንኢራን ካብ ምሕጋዝ ዓዲ-ዝወዓሉ እስላማውያን ሃገራት ንምርካብ ዝዓለመ'ዩ ዝመስል።

    "ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ወገን፡ እስላማዊት ኢራንን ሓይልታት ተቓውሞን በቲ ካልእ" ከምዝዋግኡ ዘለዉ ዝጠቐሰ ላሪጃኒ፡ "ምስ ኣየናይ ወገን ኢኹም ደው ትብሉ" ክብል ይብድህ።

    እቲ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ጸጥታ ኢራን ብፍላይ ንሃገራት ወሽመጥ ዘለዎ ወቐሳ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

    "ኣብ ሃገራትኩም ዘለዉ መዓስከራት ኣመሪካ ንኢራን ኣብ ምጥቃዕ እናወዓሉ ኢራን ትም ኢላ ክትሪኢ ትጽበዩዋ?" ክብል ሓቲቱ።

    እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣፈኛ ፓርላማ ዝነበረን ሰፊሕ ተመኩሮ ዘለዎን ላሪጃኒ ተቐቲሉ እንተኾይኑ ነቲ ብኣያቶላህ ዝምራሕ እስላማዊ ስርዓት ዓቢ ክሳራ ከምዝኾነ ኣብቲ ዞባ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ገዲም ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን የረድእ።

    ኣዛዚ ናይቲ 'ባሲጅ' ዝተባህለ ሓይሊ ሚሊሻ ጎላምረዛ ሶለይማኒ ኣብቲ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ እስራኤል ኣፍሊጣ'ላ።

    ባሲጅ ኣካል ናይቲ ብኣያቶላህ ዝምራሕ ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ሲቪላዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ጸጥታን ውሕስነትን ናይቲ ስርዓት ዝዋሳእ እዩ።

    ብፍላይ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣንጻር እቲ ስርዓት ተቓውሞታት ዘስምዑ ዜጋታት እታ ሃገር ብዝፍጽሞ ጎነጽ ዝተሓወሶ ገብረመልሲ ክኽሰስ ዝጸንሐ ሓይሊ'ዩ።

  5. ዓሊ ላሪጃኒ ንመወዳእታ ግዜ ዝተራእየሉ ሰልፊ

    ዓሊ ላሪጃኒ ንመወዳእታ ግዜ ብ13 መጋቢት ኣብ ቴህራን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተስኣሎ እዩ።

    ኣብቲ ሰልፊ፡ ኣብ ጎደና ንደገፍቲ ኢዱ እናወዛወዘ ከምዝነበረ ኣብ ኤክሱ ዘስፈሮ ፅሑፍ ይሕብር።

    ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንፕረዚደንት ትራምፕ ኣላጊጹሉ።

    "ትራምፕ ቕልጡፍ ዓወት ይደሊ ኣለኹ’ ዩ ዝብል። ኲናት ምጅማር ቀሊል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ትዊተር ከም ምፅሓፍ ቀሊል ኣይኰነን፤ ክትዕወት ኣይትኽእልን" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

    "በዚ ሕማቕ ውሳነኹም ክሳብ ዘይተጠዓስኩም፡ ዕረፍቲ ኣይንህበኩምንን ኢና" ኢሉ ነይሩ።

    ከምኡ’ውን፡ ላሪጃኒ፡ ብ10 መጋቢት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኢራን “ብታህዲድ ትራምፕ ከምዘይትርበፅ” ብምግላጽ፡ “እቶም ካባኻ ዝዓበዩ’ውን እንተኾኑ ንሃገረ ኢራን ከወግዱ ኣይከኣሉን እዮም” ኢሉ።

    "እኳ ደኣስ፡ ንባዕልኹም ከይትውገዱ ተጠንቀቝ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

  6. ኢራን ሓድሽ ማዕበል ሚሳይላት ናብ እስራኤል ትውንጭፍ

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ተወሳኺ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ከምዝወንጨፈትን ስርዓት መከላኸሊኣ ንምዕጋት ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ሓቢሩ።

    ብኻልእ ወገን፡ መንግስታዊ ተሌቪዥን ኢራን፡ ካብ ኢራን ናብቲ "ዝተጎበጠ ግዝኣታት" ገጹ ሓድሽ ማዕበል ሚሳይላት ከምዝተወንጨፈ ፀብፂባ።

  7. እስራኤል፡ 'ንመራሕቲ ኢራን ምቕንጻል ክቕጽል እየ'

    ሓይልታት እስራኤል ንላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸጥታን ኣዛዚ ባሲጅን ጎላምረዛ ሶሌማኒ እውን ከምዝቐተሉ ገሊጾም ኣለው።

    ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ፡ ንመቕተልቲ ሓላፊ ጸጥታ ኢራን ዓሊ ላሪጃኒ ብዝምልከት መግለጺ ሂቡ ኣሎ።

    ካትዝ፡ "ኣነን ቀዳማይ ሚኒስተርን ንሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንመሪሕነት ስርዓት ራዕዲን ጭቆናን ኢራን ሃድን ክቕጽል መምርሒ ሂብናዮ ኣለና" ይብል።

    ካትዝ ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ፓይለታት ሓይሊ ኣየር እስራኤልን ሰበስልጣን ስለያን ንኢዱ።

    ኢራን፡ ላሪጃኒን ሶሌማኒን ከምዝተቐትሉ ኣየረጋገጸትን።

  8. እስራኤል፡ ንሓላፊ ጸጥታ ኢራን ላሪጃኒ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን፡ ዓሊ ላሪጃኒ ከምዝቐተለት ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን'ታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

    ንሱ፡ ኣብ ነሓሰ 2025 ብፕረዚደንት ማሱድ ፔዘሽክያን ጸሓፊ እቲ ቤት ምኽርን ወኪል ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኮይኑ ተመዚዙ።

    ኣብ ማዕከናት ዜና ኢራን እውን ኣማኻሪ እቲ ላዕለዋይ መራሒ ነበር ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    ካብ ግንቦት 2008 ክሳብ ግንቦት 2020 ን12 ዓመታት ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

    ላሪጃኒ ኣፈኛ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ መንጎ 2005ን 2007ን ዋና ተደራዳሪ ኒዩክለር ኢራን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

    ሓዉ ሳድግ ላሪጃኒ ድማ ኣብ እስላማዊት ሪፓብሊክ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ እዩ።

  9. ዋጋ ነዳዲ ሓደ በርሚል፡ ናብ ከባቢ 103 ዶላር ጐዲሉ

    ዋጋ ነዳዲ ሓደ በርሚል፡ ናብ ከባቢ 103.15 ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ።

    እዚ ምጉዳል ዋጋ፡ ሚኒስተር ነዳዲ ዒራቕ፡ ገለ መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ንምፍቃድ ምስ ኢራን ርክብ ድሕሪ ምግባሩ ዝመጸአ ከምዝዀነ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዒራቕ ሓቢሩ።

    ኣመሪካ: ነዳዲ እገዳ ሩስያ ድሕሪ ምልዓላ፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ነዳዲ ቻይና ምስ ኣቕረብቲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ሩስያ ዝርርብ ጀሚረን ከምዘለዋ’ውን ምንጭታት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።

    ኲናት ኢራን ካብ ዝጅምርን፡ ወሳኒ መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕፀን ንደሓር፡ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ሓፍ ኢሉ ምባሉ ይዝከር።

    ሓያሎ መራኽብ ነቲ መስመር ብዘይ ስግኣት ክጓዓዛ ከምዝኸኣላ ምስ ተገልጸ ግን፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ዋጋታት ነዳዲ ከምዝነከየ ተገሊጹ።

    ሓሙሽተ ሲሶ ቀረብ ነዳዲ ዓለም በዚ ብመጻብቦ እዩ ዝሓልፍ።

  10. መገዲ ኣየር ብሪጣንያ፡ ገለ በረራታት ማእከላይ ምብራቕ ክሳብ ሰነ ሰሪዙ

    ብሰንኪ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ፡ መገዲ ኣየር ብሪጣንያ ገለ መስመራት በረራታት ክሳብ ሰነ ሰሪዙ።

    ብዚ መሰረት፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ዖማን፣ ባሕረይን፣ ዱባይን ተልኣቪቭን ዝግበር በረራታት ክሳብ 31 ግንቦት ንግዚኡ ተሰሪዙ፣ በረራታት ዶሓ ድማ ክሳብ 30 ሚያዝያ ደው ኢሉ ኣሎ።

    ወሃቢ ቃል መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ፡ “ብሰንኪ ቀጻሊ ዘይርጉጽነት ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ዘይምርግጋእ'ቲ ክሊ ኣየርን፡ ከምኡ’ውን ንዓማዊልና ዝያዳ ንፁርነት ንምፍጣር ፡ ግዝያዊ ምቁራፅ መደብ በረራታት ኣናዊሕናዮ ኣለና።

    “ነቲ ኩነታት ድማ ብቐፃሊ ንግምግሞ ኣለና፡ ምስ ዓማዊል ድማ ብቐጥታ ርክብ ብምግባር ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ንህቦም ኣለና።”

    ዝኾነ ካብቶም ዝተሰረዙ በረራታት ቲኬት ቆሪፆም ዝነበሩ ሰባት፡ ናብ ካልእ በረራ ናይ ምቕያር፡ መገሻኦም ናብ ካልእ ዕለት ናይ ምቕያር ወይ ድማ ሙሉእ ገንዘቦም መሊሶም ናይ ምርካብ ኣማራጺ ኣለዎም።

    እንተዀነ፡ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሪያድን ጅዳን ዝሓዞም በረራራተት ይቕጽል ኣሎ።

  11. ኢራን ብተደጋጋሚ ንኢማራት ዓረብ ትሃርም

    ኲናት ኢራን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኢራን ልዕሊ 1900 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወንጪፋ’ላ።

    ኢራን: ንመሰረተ ልምዓት መጓዓዝያን ነዳድን ኢማራት ዓረብ እያ ዒላማ ክትገብር ጸኒሓ።

    ትማሊ ሰኑይ ኣብ ጥቓ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ "ምስ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተኣሳሰር ፍጻመ" ባርዕ ሓዊ ድሕሪ ምውላዱ፡ በረራታት ንግዚኡ ተቛሪጹ ውዒሉ።

    ኣብቲ ዞባ ካብ ዝዓበዩ መኽዘናት ነዳዲ ሓደ ዝኾነ ፉጃይራ ኣብ ዝርከብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ወደብ ባርዕ ኣጋጢሙ።

    ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ኣብ ወሰን ርእሰ ከተማ ኢማራት ዓረብ ኣቡዳቢ፡ ሓደ ፍልስጤማዊ ዜጋ ከምዝሞተ ቤት ጽሕፈት እታ ከተማ ሓቢሩ።

    ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከምዝበጽሖን፡ እዚ ድማ ዓቢ ምድንጓያትን ምዝንባዕን ኣኸቲሉ ኣሎ።

  12. ኢራናውያን ብዛዕባ'ቲ ኲናት እንታይ'ዩ ዝንገሮም ዘሎ?

  13. ኣብ እዋን ኲናት፡ ነፈርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ'የን ዝበራ?

    ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣብ ሰማያት ኢራንን ወሽመጥ ዓረብን ኣብ ዝውንጨፉሉ ዘለው እዋን፡ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር፡ ብ ጽዑቕ ክሊ ኣየር ኣቢሎም ነፈርቲ መጓዓዝያ ክሓልፋ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

    ኣብ ንቡር ግዜ፡ ሓደ ውልቀ ተቘጻጻሪ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ከባቢኡ ሽዱሽተ ነፈርቲ ከማሓድር ይኽእል እዩ። ኲናት ምስ ዝህሉ ግን ዕጽፊ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ኣብ 2014፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ማሌዥያ ኤምኤች17 ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ብሩስያ ብዝተሰርሐ ሚሳይል ተሃሪማ ድሕሪ ምውዳቓ ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 298 ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

    ኣብቲ እዋን ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ውግእ ይካየድ ነይሩ። እዚ ሓደጋ ድማ ግጭት ንመስመር ነፈርቲ ተጓዓዝቲ ብኸመይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ዘጉልሕ እዩ።

    ኣብቲ እዋን ዩክረይን ብተዛማዲ ትሑት ደረጃ ግጭት ዝነበራ ዞባ እያ ነይራ።

    እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ውግእ ብኣየር ናብ ዝግበረሉ ኲናት ሰፊሑ ኣሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ ብርክት ዝበላ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ተሃሪመን ወዲቐን ነይረን። እዚ ዝዀነ ሰብ ክድገም ዝደልዮ ክስተት ኣይኰነን።

  14. ኣብ ዒራቕ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይፍጸም

    ዒራቕ፡ ኣብዚ ሰሙን ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክወርዳ ቀንዩ ኣሎ።

    ሎሚ ንግሆ ኣብ ባቕዳድ ብብዝሒ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲን ኤምባሲታት ሃገራት ወጻእን ዝርከበሉ ዓብዪ ሆቴል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣጋጢሙ።

    ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብማዕበል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሮኬትን ዒላማ ከምዝኾነ ጸብጻባት ሮይተርስን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስን የመልክቱ።

    ሓደ በዓል ስልጣን ጸጥታ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣርባዕተ ሮኬታትን ኣብ ልዕሊ እቲ ኤምባሲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን፡ ብውሑድ ሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ውሽጢ ከም ዝወደቐትን፡" ገሊጹ።

    ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብ ኤምባሲ ኣመሪካ ገጸን ክበራ ከም ዝረኣየ ሓቢሩ።

    እተን ክልተ ኣብ ሰማይ ከለዋ ክባራዓ እንከለዋ፡ እታ ሳልሳይቲ ግን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ኤምባሲ ከም ዝተሸኽለት ንሮይተርስ ሓቢሩ።

    ምንጭታት ጸጥታ ዒራቕ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ "እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እዚ እቲ ዝኸበደ መጥቃዕቲ'ዩ፡" ኢሎም።

  15. ነዳዲ ንምቁጣን ረቡዕ ረቡዕ ህዝባዊ በዓል ክኸውን ዝኣወጀት ሃገር

    ብሰንኪ ምውላዕ ኵናት ኣመሪካን እስራኤል ምስ ኢራን ሕጽረት ነዳዲ ዘጋጠማ ስሪላንካ፡ ረቡዕ ረቡዕ ህዝባዊ በዓል ክኸውን ኣዊጃ።

    ፕረዚደንት ስሪላንካ ኣኑራ ኩማራ ዲሳናያከ ትማሊ ሰኑይ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ኣኼባ “ካብዚ ዝኸፍእ ከይመጽኣና ንምነ፡ ንዝኸፈአ ነገር ግን ክንዳሎ ኣለና” ኢሉ።

    ኣመሪካን እራኤልን ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ኵናት ምስ ጀመራ፡ ኢራን ነቲ 20 ሚኢታዊት ጠለባት ነዳዲ እዛ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያቶ።

    90 ምኢታዊት ካብቲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓለፍ ነዳዲ ናብ ሃገራት ኤስያ’ዩ ዝኸየድ።

    እተን ኩሉ ጠላባት ነዳዲአን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዘማልኣ ሃገራት ደቡብ ኤስያ ነዚ ዘጋጠን ሕጽረታት ነዳዲ ንምቅላል ዝተፈላለየ ስጉምታታት ይወስዳ ኣለዋ።

    ስሪላንካ ከኣ ረቡዕ ረቡዕ ህዝባዊ በዓል ክኸውን ኣዊጃ ኣላ።

    ካልኦት ሃገራትከ እንታይ ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ?

    ታይላንድ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ተጠቃምነት ኣየር ኮንድሽነር [መዝሓሊ] ንኸጉድሉ ፎዅስ ክዳን ክኽደኑ መንግስቲ ይምዕድ ኣሎ

    ምያንማር፡ ናይ ውልቂ መካይን፡ ኣብ መለለዩ ቅጽረን ተሞርኵሰን፡ ታርጋአን ጎደሎ ቁጽሪ ዝውድእ ሎሚ ክንቀሳቐሳ እንተውዒለን፡ ጽባሕ ከኣ ታርጋአን ምሉእ ቁጽሪ ዝውድእ ከምዝንቀሳቐሳ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

    ባንግላድሽ፡ ጸዓት ንምቁጣን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኤለትሪክ ምሉእ ንምሉእ ትጠፍኣሉ ሰዓታት ኣተኣታትዩ ኣሎ

    ፍሊፕንስ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ከምዝሰርሑ ገይሩ ኣሎ

    ቬትናም፡ ሰባት ብሽክለታን ህዝባውያን መጓዝያታትን ጥራይ ክጥቐሙ የተባብዕ ኣሎ

  16. ኣብ እዋን ኲናት፡ ነፈርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ'የን ዝበራ?

  17. 'ዘይተምልጠሉ መጻወድያ': ብምውላደን ዝጠዓሳ ዘለዋ ኣደታት

  18. ናብ ሃገራት ወሽመጥን እስራኤልን ክድርበ ዝወዓለ ሚሳይላት ኢራን

    እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ከካይድኦ ዝጸንሓ መጥቃዕትታት ሎሚ'ውን ክቕጽልኦ ውዒለን።

    "ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ሕምብርቲ ቴህራን ዘካየዶ መጥቃዕቲ" ንሳተላይታት እስራኤል ስግኣት ፈጢሩ ዝተባህለ ህንጻ ጠፈር ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ።

    ብዘይካ ኣብታ ርእሰከተማ ዘካየዶ ደብዳባት፡ ኣብ ከተማታት ሺራዝን ታብሪዝን'ውን "መጠነ-ሰፊሕ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ" ከምዘካየደ ይጠቅስ።

    ኢራን ብወገና፡ ናብ እስራኤል ሚሳይላትን ድሮናትን ክትውንጭፍ ውዒላ'ያ። ገለ ካብቲ ብጸረ-ኣየር ሚሳይላት ዝተርመ ፍንጫላት ኣብ ጥንታዊ ክፋል ከተማ ዮሩሳሌም ከምዝወደቐ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ቴህራን ናብ ሃገራት ወሽመጥ'ውን ሚሳይላትን ድሮናትን ክትድርቢ ውዒላ ኣላ።

    ቐጠር፡ ንዝተፈነወላ ክልተ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ምክልኻል ከምዝወዓለት ወኪል ቢቢሲ ካብታ ከተማ ሓቢራ።

    ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣቡ-ዳቢ ሓደ ሰብ ብመጥቃዕቲ ኢራን ክቕተል እንከሎ፡ ኣብ ፉጃይራህ ዝርከብ ዓቢ ትካል ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ ዳርባ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ተኻይዱ።

    ዛጊት እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣብ ኢማራት 7 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት 145 ከምዝቖሰሉ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

    ንግስነት ስዑዲ ዓረብ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ድሮናት ከምዘውደቐት ትሕብር።

    ኲዌትን ዒራቕን'ውን ካብ ዳርባ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ክድሕና ኣይክኣላን።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓይልታት ኣመሪካ ኣብታ ስትራተጂካዊት ደሴት ካርግ ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ደብዲቦም ምንባሮም ይዝከር።

    ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኢራን ነቲ 20% ነዳዲ ዓለም ካብ ወሽመጥ ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያቶ ብምህላዋ፡ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ተሰቒሉ ይርከብ።

  19. ሆርሙዝ፡ ምላሽ ሃገራት ኤውሮጳ ንጠለብ ፕረዚደንት ትራምፕ

    ሃገራት ኣውሮጳን ዓለምን ኣብቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ብቐጥታ ከምዘይኣትዋ ይገልጻ ኣለዋ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ብፍላይ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ነቲ ዳርጋ ተረጊጡ ዘሎ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምውሓስ ክሳተፋ ድሕሪ ምጽውዑ'ዮም መራሕቲ ምላሽ ክህቡ ጀሚሮም ዘለዉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ነቲ ዓለማዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ኩነታት መጻብቦ ሆርሙዝ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ውጥን ክሳተፍ ቅሩብ'ኳ እንተኾነ ብመንገዲ ኔቶ ከምዘይከውን'ዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

    ጀርመን ብወገና፡ ኣብቲ ኲናት ክትሳተፍ መደብ ከምዘይብላ ገሊጻ ኣላ።

    ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ቦሪስ ፒስተሪየስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እዚ ናትና ኲናት ኣይኮነን፡ ባዕልና ኣይወላዕናዮን" ክብል ንጠለብ ዶናልድ ትራምፕ ነጺግዎ።

    እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት፡ ካልኦት ምዕጋት ዋሕዚ ነዳዲ ዘገድሰን ሃገራት ዓለም'ውን ግደአን ክጻወታ'ዩ ሓቲቱ ዘሎ።

    ደቡብ ኮርያ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ዋሽንግተን ክትላዘብ ምዃና ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ገምጊማ ምላሽ ከምእትህብ ኣፍሊጣ'ላ።

    ንጃፓን ወኪሉ መልሲ ዝሃበ ሚኒስተር ምክልኻል ንጂሮ ኮይዙሚ ድማ ሃገሩ " ጸጥታዊ ስርሒት ባሕሪ" ናይ ምእዋጅ ሓሳብ ከምዘይብላ ተዛሪቡ።

    ቻይና ብወገና፡ ቀረብ ጸዓት ከይተገደበን ከይተዓናቐፈን ክውሕዝ ናይ ኩሎም ወገናት ሓላፍነት እዩ ካብ ምባል ሓሊፋ ንጻውዒት ትራምፕ ንጹር ምላሽ ኣይሃበትን ዘላ።

    ኣውስትራልያ ግን ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ መራኽብ ኲናት ከምዘይትሰድድ ብመገዲ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት ዝኾነት ካተሪን ኪንግ ገሊጻ።

  20. ቀዳምነት ብሪጣኒያ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ህዝብና ምሕላው እዩ - ስታርመር

    ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፡ ቀዳምነት ሃገሩ ድሕነት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዜጋታት ምውሓስ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

    እታ ሃገር ንጹርን ቀጻልን ዕላማታት ከም ዘለዋን፡ እቲ ቀዳምነት "ኣብቲ ዞባ ዘሎ ህዝብና" ምሕላው ምዃኑን ገሊጹ።

    ስታርመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብቲ ሰፊሕ ኲናት ክትጽንበር ከም ዘይትስሓብ ይገልጽ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኢራን ክመጽእ ዝኽእል ስግኣታት ደው ንምባል ክትሰርሕ ምዃና ግን ኣይሓብአን።