እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሰበ ስልጣን ፓኪስታን፡ ኢራን 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ከምዝተቐበለት ገሊፆም
ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኢራን ተኹሲ ደው ንምባል፡ ካብ ኣመሪካ ዝተልኣኸ በዓል 15 ነጥብታት እማመ- ሰላም ከምዝበፅሓ፡ ንኽልተ ሰበስልጣን ፓኪስታን ብምጥቃስ ፀብፂባ።
ኣቐዲሙ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ ሃገሩ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ፡ ዝርርብ ሰላም ክትእንግድ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።
ቻነል 12 እስራኤል እውን ብዛዕባ ዝርዝር እቲ ዛጊድ ወግዓዊ ዘይኰነ ውጥን ጸብጺባ ኣላ።
እንተዀነ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኽበ ዝርዝር ሓበሬታ ኰነ መረጋገጺ የለን።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ድማ፡ ምስ ኣመሪካ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ንዝብሉ ፀብፃባት ነጺጉ ኣሎ።
ትራምፕ: ናብ ኢራን ዝለኣኾ በዓል 15 ነጥብታት እማመ- ሰላም
ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ኢራን ሰዲደዮ ዝበሎ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም፡ ብዕሊ ኣይተገልፀን ኣሎ።
እንታይ ዝሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ወግዓዊ መረጋገጺ ኣይተዋህበን።
ገለ ዝርዝራት ግን ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤልን ኣመሪካን በብቑሩብ ይወጽእ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቻነል 12 እስራኤል ፡ እቲ ውጥን ነዞም ዝስዕቡ ጠለባት ዘጠቓልል እዩ፤
- ኣብ ናታንዝ፡ እስፋሃን ከምኡ’ውን ፎርዶውን ዝርከቡ ኒዩክለራዊ ማእከላት ካብ ጥቕሚ ወጺኡ ክኸውን፡
- ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት ኢራን ቅሉዕ ክትትልን ቁፅፅርን ክገብር፡
- ኢራን ኣብቲ ዞባ ዕጡቓት ምድጋፍ ክትገድፍ፡ ንዞባዊ ዕጡቓት እትህቦ ምወላን ዕጥቅን ደው ከተብል፡
- ማዕቢሉ ዝጸንሐ ኒዩክለራዊ ዓቕሚ እንተሎ ክዓኑ፡
- ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይተፍሪ ቃል ክትኣቱ፡
- ኣብ መሬት ኢራን ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ኒዩክለራዊ ንብረት ናብ IAEA ክርከብ።
- መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉትን ናጻን ኮይኑ ክቕጽል
- ሚሳይላት ኢራን ኣብ መጻኢ ውሳነ ክወሃቦም፡ እንተኾነ ግን ብብዝሕን ርሕቀትን ድሩት ክኸውን፡ ንዕላማታት ርእሰ ምክልኻል ጥራይ ክኸውን፤
ኢራን’ ከ ብምላሹ እንታይ ትረክብ፤
- ኣመሪካ ኣብ ቡሸር ንፍርያት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኸውን ሲቪላዊ ኒዩክለራዊ ፕሮጀክት ኣብ ምምዕባል ሓገዝ ክትገብር።
- ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ ኩሉ እገዳታት ክለዓል
ዘተ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ክብል - ዝብል ጸብጻባት ኣሎ።
ሕጂ ግን፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን፡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተውሃበ ዝርዝር ሓበሬታ'ውን የለን።
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኩራት ትምለሶ ዘላ ጸወታ
ኣመሪካን እስራኤልን ንብዙሓት መራሕቲ ኢራን ቀቲለን እየን፡ ትራምፕ ምስ መን'ዩ ደኣ ክዘራረብ?
ሎሚ ለይቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕታት ሓዲሩ
ኣብ ሓደ ለይቲ እስራኤል ምስ ኢራን መጥቃዕትታት ክትለዋወጥ እንከላ፡ ነበርቲ ደቡባዊ ቤሩት ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።
ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት’ውን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኻይዱ፡ እዚ መጥቃዕቲ ባርዕ ኣስዒቡ'ኳ እንተነበረ፡ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሐን።
ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣብ ሓደ ለይቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነት ክትሕብር እንከላ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ባሕረይን ድማ ዜጋታት ደወል መጠንቐቕታ ምስ ሰምዑ ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ኣጠንቂቑ።
ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ተስፋ ዝህብ ዝዘርርብ ድሕሪ ምጅማሩ፤ ርኡይ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ኣሎ።
መሓመድ ሳላሕ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ካብ ሊቨርፑል ከምዝወጽእ ሓቢሩ
ሎሚ ለይቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕታት ሓዲሩ
ኣብ ሓደ ለይቲ እስራኤል ምስ ኢራን መጥቃዕትታት ክትለዋወጥ እንከላ፡ ነበርቲ ደቡባዊ ቤሩት ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት'ውን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኻይዱ፡ እዚ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ኣስዒቡ'ኳ እንተነበረ፡ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሐን።ስዑዲ ዓረብ'ውን ኣብ ሓደ ለይቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነት ክትሕብር እንከላ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ባሕረይን ድማ ዜጋታት ናይ መጠንቐቕታ ደወል ምስ ተሰምዐ ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ኣጠንቂቑ። ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝርርብ ተስፋ ድሕሪ ምጅማሩ፤ ርኡይ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ኣሎ።
ተስፋ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ንነታንያሁ ኣብ ጸቕጢ የእትዎ
ሩስያ፡ ኣብ ኣንጎላ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣበጊሱ ዝበለቶ ስርሒት
እስራኤል፡ ንገለ ግዝኣታት ደቡባዊ ሊባኖስ ትቈፃፀር
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ሂዝቦላህ ዝግበር ወፍሪ፡ እቲ ሰራዊት ሰፊሕ ክፋል ደቡባዊ ሊባኖስ ክቆጻጸሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካትዝ፡ ሰራዊቱ፡ ካብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ኣስታት 30 ኪ.ሜ ርሒቑ ክሳብ ሩባ ሊታኒ፡ ዞባዊ ፀጥታ ከቝም ምዃኖም ይዛረብ።
ከምኡ ድማ: ሰሜናዊ እስራኤል ክሳብ ዝሃድእ፡ ተመዛበልቲ ነበርቲ ክምለሱ ከምዘይፍቀደሎም ሓቢሩ።
ብዚ መሰረት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ስዒቡ፡ ከቢድ ዕግታ ትኪ ይረአ ኣሎ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ጢሮን ካብ ዝርከባ ዓድታት- ሃኒየህን ክፋር ተብኒትን፡ ምምስልታት በፂሖምና ኣለዉ።
ኢራን ድሕሪ ቅትለት ላሪጃኒ ሓድሽ ሓላፊ ጸጥታ ሸይማ
ማዕከናት ዜና ኢራን: መሓመድ ባገር ዞልጋር፡ ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት (SNSC) ኮይኑ ከምዝተሸመ፡ ምንጭታት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት'ታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ፀብፂበን።
እዚ ሽመት፡ ድሕሪ ብ17 መጋቢት ዝተፈፀመ ቅትለት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸጥታ ዓሊ ላሪጃኒ ስዒቡ እዩ ዝወሃብ ዘሎ።
ዞልጋድር፡ ምክትል ኣዛዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኮር [IRGC]፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ጸጥታ-ውሽጢ ዓዲ፡ ምክትል ሓላፊ ፍትሕን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ፅፍሕታት ስልጣን ሒዙ እዩ ፀኒሑ።
ኣመሪካን ኢራንን ብሓቂ ይዘራረባ ኣለዋ ድየን?
ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኢራን “ኣዝዩ ሓያል ዝርርብ” ይካየድ ከምዘሎን ነዚ ድማ ናእዳ ከም ዘለዎን እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ ግን ንእሽቶ መእተዊ ጥራይ እዩ ምልክታት ዝርአ ዘሎ።
ኢራን፡ ንርዱእ ምኽንያታት ንኣመሪካ ኣዝያ ብዓይኒ ጥርጣረ እያ ትርእያ ዘላ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ እዋናት ዝርርብ፡ ማለት ኣብ ሰነን ለካቲትን 2025፡ ክልቲኡ ብኣመሪካ ብዝድገፍ መጥቃዕቲ እስራኤል ፈሺሉ እዩ።
ኣብ መንጎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ዝርርብ ተሌፎን ከም ዝተገብረ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ። እዚ ዝርርብ ግን ኣዝዩ መባእታዊ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ፓኪስታን፡ ቱርኪን ግብጽን ዝኣመሰላ ብዙሓት ሃገራት ወጥሪ ንምንካይ ይጽዕራ ኣለዋ። ሰለስቲኦም መራሕቲ እዘን ሃገራት ምስ ትራምፕ ጽኑዕ ውልቃዊ ርክብ ዘለዎም ኮይኖም፡ ኣብዚ ቅልውላው ምስ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ብንጥፈት ይዋስኡ ኣለዉ። እታ ብኢራን ኣዝያ እትእመን መንጐኛ ዖማን እውን ኣብዚ ጉዳይ ትዋሳእ እያ ዘላ።
እቲ ኵነታት ፈጺሙ ክግመት ዘይከኣል ይዅን እምበር፡ በዓል ስልጣን ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ክራኸብ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ ጸብጻባት ሓቂ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ኢራን ኣብ ማእከላይ እስራኤል መጥቃዕቲ ከተካይድ ሓዲራ
ኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ እስራኤል መጥቃዕቲ ማዕበል ሚሳይላት ብምፍጻም፡ ኣብ ተልኣቪቭን ማእከላይ እስራኤልን ኣብ ዝርከቡ ህንጻታት ጉድኣት ኣውሪዳ።
ካብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኣሳእል፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ዕንወት የርእዩ።
ጕጅለታት ምድላይን ምድሓንን ህይወት ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩንን ድማ ተፈሊጡ። መጥን ናይቲ ዝወረደ ሓደጋ ዛጊት ብንጹር’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ትኪን ፍርስራስ ህንጻታትን ግን ይርአ።
ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ካብ ዝተመዝገቡ ምዕባለታት
- ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ሰኑይ እተን ሃገሩ ምስ ኢራን “ሃናጺ” ዝርርብ ከም ዘካየዳ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ ዘሎ ዝርርብ ሕጂ'ውን ኣደናጋሪ ኵነታት እዩ ዘሎ። ሰበስልጣን ኢራን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ጭቡጥ ዝርርብ ከምዘይተገብረ ብምግልጽ ነጺጐምዎ፤ ድሒሩ ዋይት ሃውስ ድማ እቲ ኵነታት ዘይጭቡጥ ምዃኑ ገሊጹ።
- ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን "ብመንገዲ መንጎኛታት ኣቢሉ ካብ ኣሜሪካ ነጥብታት ዘተ በጺሑና ኣሎ፤ ንግምግሞ ኣለና" ከም ዝበሎ መጻርኽቲ ቢቢሲ ኣብ ኣመሪካ ዝዀነ ማዕከን ሓበሬታ ሲቢኤስ ኒውስ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣቃሊሑ።
- ልኡኽ ትራምፕ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓኪስታን ምስ ሰበስልጣን ኢራን ክራኸብ ከም ዝኽእል ጸብጻባት ይሕብሩ። እታ ሃገር ዝድለ እንተድኣ ተገይሩ ዝርርብ ከተአንግድ ሕጕስቲ ምዃና ትገልጽ።
- ትራምፕ ብዛዕባ ተኽእሎታት ዝርርብ ተስፋ ከም ዘሎ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ዋጋ ነዳዲ ንእለት ወሪዱ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ናብ ልዕሊ 100 ዶላር ንሓደ በርሚል ደይቡ።
- እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ እስራኤል መጥቃዕቲ ማዕበል ሚሳይላት ብምፍጻም፡ ኣብ ተልኣቪቭን ማእከላይ እስራኤልን ኣብ ዝርከቡ ህንጻታት ጉድኣት ኣውሪዳ። ኣብ ልዕሊ በይሩት - ሊባኖስ እውን፡ እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣመልኪተን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እስራኤል ጸብጺበን። ሎሚ ሰሉስ ንግሆ ድማ ሰራዊት እስራኤል ንተወሳኺ ትሕተ ቅርጺ ሕዝቦላህ ዒላማ ንምግባር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ነበርቲ ደቡብ ካብቲ ቦታ ክለቍ ሓቢሩ።
- ቻንስለር ዓባይ ብሪጣንያ ራቸል ሪቭስ፡ ንቍጠባዊ ኵነታት ማእከል ኣብ ዝገበረ ዛዕባ፡ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ ብኸመይ ንዓባይ ብሪጣንያ ይጸልዋ ከምዘሎ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ሂባ። ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዋጋ ጸዓት እናወሰኸ እንተኸይዱል ንሰባት ብኸመይ ሓገዝ ምግባር ይከኣል ዝብል እማመ ከተቐምጥ ትጽቢት ይግበር።
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ካብ ምፍዳይ ተቘጢበን?
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ኲናት ዝኸፈታላ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ግብረ-መልሲ ሂባን፡ ትቕጽል ኣላን።
እስራኤል፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መፍረዪ ነዳዲ ዝዀነ ትካል ሳውዝ ፓርስ ድሕሪ ምጥቅዓ፡ ብሓሙስ ቴህራን ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ትካል ጸዓት ራስ ላፋ ብምህራም መልሲ ሂባ።
ቐጠር ኰነት ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ግን፡ ነቲ ብኢራን ክሳብ ሕጂ ዝወርደን ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሕነ ክፈድያ ኣይፈተናን፤ ከምኡ ክገብራ'ውን ኣይመረጻን።
ስለምንታይ ካብ ከምዚ ዓይነት ግብረ-መልሲ ተቘጢበን? ናብ ምጥቃዕ ክኣትዋ ዝገብረንከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ መላግቦ ኣቲኹም ኣንብቡ
ሚሳይላት ኢራን ናብ ኣውሮጳ ክበጽሕ ይኽእል ድዩ?
ኢራን ናብታ ኣብ ማእከል ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ፡ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ብልፍንቲ ከም ወተሃደራዊ መደበር ዝጥቀማላ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ሚሳይል ምትኳሳ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ናብ ካልእ ብራኸ ዘዕርግ'ዩ።
እቲ ኢራን ዝተኰሰቶ ሚሳይል ዋላ'ኳ ዕላማኡ እንተዘይሃረመ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ዳሕረዋይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኢራን ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ክትጥቀም እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኢራን ብዛዕባ'ቲ ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ተኲሳቶ ዝተበሃለ ባልስቲክ ሚሳይል ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
እንተዀነ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ነቲ ብናይ ደገ ማዕከናት ዜና ዝተቓልሐ ከም ምንጪ ብምውሳድ ኣብ ገጻተን ኣስፊረን'የን።
ሕጂ ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ዝፈሸለ ፈተነ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ኢራን ዘይኰኑ፡ ብዛዕባ ኢራን ሒዛቶ ዘላ ሚሳይላት ክሳብ ኣበይ ዝበጽሕ'ዩ ዝብል'ዮም ዝዘራረቡ ዘለዉ።
ንኣብነት በዓል በርሊን፡ ፓሪስን ለንደንን ዝርከብአን ርእሰ ከተማታት ኣውሮጳ ኣብ መጻኢ ብኢራን ክህረማ ይኽእላ ድየን ዝብል ነጥቢ የዘራርብ ኣሎ።ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ዛንታ
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ካብ ምፍዳይ ተቘጢበን?
ሚሳይላት ኢራን ናብ ኣውሮጳ ክበጽሕ ይኽእል ድዩ?
ቢል ኮዝቢ፡ ቅድሚ 50 ዓመት ጾታዊ ዓመጽ ንዝፈጸመላ ኣሳሳይት 19 ሚልዮን ዶላር ክኸፍላ ተኣዚዙ