እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሱዳን ንኢትዮጵያ 'ምትዅታዅ' ትፍጽም ኣላ ብምባል ግብረ-መልሲ ከም እትህብ ኣጠንቂቓ

    ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ከባቢታት ክሃርማ ከም ዝጸንሓን ነቲ "ምትዅታዅ" ምላሽ ከም ዝህብ ከም ዘፈራርሐን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱዳን (ሱና) ሓቢሩ።

    "መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምሉእ ለካቲትን መጀመርታ መጋቢትን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንዝርከቡ ቦታታት ዒላማ ብምግባር ካብ መሬት ኢትዮጵያ ንዝኣትዋ ድሮናት ክከታተል ጸኒሑ'ዩ። እዚ ተጻባኢ ኣካይዳ... ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ቅሉዕ ተግባር መጥቃዕቲ'ዩ፡" ክብል እቲ ማዕከን ዜና ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

    እቲ ምኒስትሪ ብተወሳኺ፡ "ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ ሳዕቤን ናይዚ ተጻባኢ ተግባራት ክእደቡ ኣጠንቂቑ፡"።

    ሱዳን ኣንጻር እቲ ዝተባህለ ምትዅታዅ፡ "ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ክትከላኸል" መሰል ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።

    ሱዳን ኣብቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንጐረቤታ ኢትዮጵያ ብምትእትታው ክትከስስ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።

    ርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ምስሕሓብ ዶባትን፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሩባ ኣባይ ብዝሃነጸቶ ዓብዪ ግድብን ሓርፊፉ ጸኒሑ እዩ።

    እታ ሃገር፡ ንተነሓናሕቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ሱዳን ትድግፍ እያ ዝብል ክስታት እውን ይስማዕ እዩ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣባላት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቲ ተዋጋእትን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ኢትዮጵያ ብገንዘብ ኢማራት ዓረብ ዝተሃንጹ ኣብ ዝተባህሉ መዓስከራት ይስልጥኑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ ነይሩ።

    ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን፤ ኢማራት ዓረብ ኣብ ግጭት ሱዳን ኢድ የብለይን ብምባል ንዝቐርበላ ክስታት ትነጽጎ።

  2. ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ተዓጽዩ

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኩዌት፡ “ኣብቲ ዞባ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ” ብምጥቃስ “ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ” ነቲ ኤምባሲ ከም ዝዓጽዎ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኤምባሲ “ኩሉ ስሩዕን ህጹጽን ቈንስላዊ ኣገልግሎታት ይዕጾ ኣሎ፡” ኢሉ።

    ብሰኑይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንኩዌት ሓዊሱ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ብቕልጡፍ ክወጽኡ መኺሩ ነይሩ።

    እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብሰንኪ "ዝለዓለ ስግኣት ጸጥታ" ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ብምግላጽ፡ ኣመሪካውያን ብዝተኻእለ መጠን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣተሓሳሲቡ።

    ብሰኑይ ኣብ ኩዌት ሰለስተ ወተሃደራዊ ነፈተቲ ኣመሪካ ተሓምሺሸን እየን።

    ኣመሪካ፡ እተን ነፈርቲ 'ብናይ ወገን" ምልውዋጥ ተዂሲ ከም ዝተሃርማ እያ ገሊጻ።

    ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምስ በጽሖ እያ ኤምባሲ ኩዌት ዓጽያ።

  3. እስራኤልን ኣመሪካን ስለምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን፡ እቲ ኲናትከ ክሳዕ መዓስ ክጸንሕ ይኽእል?

  4. ታከር ካርልሰን፡ ኣመሪካ ንናታንያሁ ‘ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከተእትዎ’ ተማሕጺኑ

    ዓቃባዊ ወሃቢ ርእይቶን ተሓላቒ ፖለቲካን ታከር ካርልሰን፡ ኣመሪካ ንእስራኤል “ኣይምልከተክን እዩ፡” ክትብላን ንበንያሚን ናታንያሁ ድማ "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከተእትዎ" ተማሕጺኑ።

    “ይቕረታ ግበሩለይ፡ እዚ ጸረ-ሴማውነት ኣይኰነን። ውሳነታት ናይቲ መራሒ ሃገር ንኣመሪካውያን ክቕተሉ ዝገብርን ንታሪኽን ዕድላትን ዓለም ዝጸሉን ዘሎ እዩ። ከምኡ’ውን ንመጻኢ ኣመሪካ።”

    ብምቕጻል፡ "ኣመሪካ ንመንግስቲ እስራኤል 'ኣይምልከተካን እዩ' ክትብሎ ኣለዋ፣ ...ካብዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ንላዕሊ ዋጋ ዘኽፈለ ምምሕዳር የሎን፡” ኢሉ።

    መሓዛ ትራምፕ ዝዀነ ካርልሰን፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከይውሰድ ጸቕጢ ገይሩ። ምእንቲ እዚ ድማ ናብ ዋይትሃውስ ብዙሕ ግዜ ብምኻድ ምስ ትራምፕ ከም ዝተራኸበ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።

    ኣፈኛ ባይቶ ማይክ ጆንሰን ዝርከቡዎም ሓያሎ መራሕቲ ኣመሪካ፡ እስራኤል መጥቃዕቲ ክትፍጽም ምዃና ስለ ዝፈለጡ፡ ነቲ ዋሽንግተን ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ቅድመ-ምክልኻል" ክብሉ ተጣቢቖም ነይሮም - ዋላ'ኳ መግለጺ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ካልእ ዝሕብር እንተ መሰለ።

    ጋዜጠኛ ፎክስ ኒውስ ንበንያሚን ናታንያሁ፡ እስራኤል ንዶናልት ትራምፕ “ጐቲታ ናብ ግጭት ኣእትያቶ ድያ?” ክብል ምስ ሓተቶ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ስሒቑ።

    "ዶናልድ ትራምፕኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ መራሒ'ዩ። ንኣመሪካ ይበቅዕ ዝበሎ እዩ ዝገብር፡” ክብል መሊሱ።

    "ዋጋ ኲናት እፈልጥ እየ" ድሕሪ ምባል፡ "ሓድሓደ ግዜ ግን ካብቶም ዘጥፍኡና ሰባት ንምክልኻል ኲናት ከም ዘድሊ እግንዘብ እየ፡" ኢሉ።

    ኣቐዲሙ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ኣቐዲማ" መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ ምኽንያት፡ "እስራኤል ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ስለ ዝፈለጥና ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

    ሩቢዮ፡ "መጥቃዕትትት ቅድሚ ምጅማሮም መጀመርታ ስጕምቲ ወሲድና ደው እንተ ዘይኣቢልናዮም ዝያዳ ጕድኣት ከም ዝወርደና ንፈልጥ ነይርና፡” ክብል ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ቃለመሕትት ዘካየደ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ፡ ኣመሪካ ንዓመታት ናብ ዝጐትታ ግጭት ክትኣቱ ከም ዘይኰነት ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ንጹር ዕላማ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ “ኢራን ብፍጹም ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይህሉዋ፡” ምርግጋጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

    "ዶናልድ ትራምፕ፡ እዛ ሃገር ዓመታት ናብ ዝወስድ ግጭት ከእቱዋ ዝፈቕደሉ መገዲ የሎን፣ ናብ ከምቲ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዘጋጠመና ጸገማት ኣይክንኣቱን ኢና፡” ኢሉ።

    ቫንስ ብተወሳኺ፡ መሳለጥያታት ንዩክለር ኢራን ከምቲ እቲ ስርዓት ዝብሎ ንሰለማዊ መዓላ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ዝተሃንጸ ምዃኑ ሓቢሩ።

  5. 'ኣዝዩ ዘፍርሕ ግዜ' - ነቲ ድሙቕ ሰማያት ዱባይ ናብ ደልሃመት ዝቐየሩ ሚሳየላት

    ዱባይ ንዓመታት ዕድላት ንግድን መገሻን ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ጽባቐን መስሓብን ኰይና እያ ፀኒሓ።

    ኣብ'ቲ ዘይርጉእ ሰፊሕ ዞባ ንዝርከቡ ነበርቲ እውን ውሑስ መዕቆቢ ኮይና ነይራ።

    ሚሳይላት ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዱባይ ክዝምብዩ ምስ ጀመሩ ግን፡ ብዙሓታእ ብስንባደ ተዋሒጦም።

    ጓል ኣርባዓ ዓመት ሆፊት ጎላን ሓንቲ ካብኣቶም እያ።

    እታ እስራኤላዊ ካናዳዊ ጸላዊት ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብ ልዕሌና ሚሳይላት ክዘንብበ ኣይለመድናን፡" ኢላ።

    "ብፍላይ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ'ቲ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ስንባደ እዩ ፈጢሩልና" ።

    መብዛሕትአን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ክሳብ ሕጂ ዝተዓገታ ክመስላ እንከለዋ፡ ገለ ካብቶም ፍሉጣት ህንጻታት ኢማራት ዓረብ ግን ተሃስዮም ኣለዉ ።

    ካብዚኦም ኣብቲ ምዕሩግ ከባቢ ፓልም ጁመይራ ዝርከብ ሆቴል ፌርሞንት ዘ ፓልምን ሆቴል ቡርጅ ኣል ዓረብን ይርከቡዎም።

  6. መሪሕነት ኢራን ንምእላይ ዝወጽአ መደብ ዕላማኡ እንታይ'ዩ?

    ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ምሉእ ጸብለልታ ከምዘለወን ብምሕባር፡ ነፈርተን ኣብ ሰማያት ኢራን ከምድልየተን ኣብ ዝመረጸኦ ቦታ ክድብድባ ኣኽኢልወን ከምዘሎ'የን ዝገልጻ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ስለያን ሓበሬታን'ውን ምሉእ ዓብላልነት ስለዘለወን፡ ንሓያለ ሰብ መዚ ረኺበን ክቐትላ ከምዘኽኣለን ይሕብራ።

    ግን እንታይ እዩ እቲ ስትራተጂ? ሓደ ካብቲ መልሲ ምድንጋር ኣብ ምፍጣር ትኹረት ምግባር እዩ።

    ብዓቢኡ ምቕታል ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን፡ ነቲ ስርዓት ምቕያር ዝብል ሓሳብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ባይታ ንኽትግበር ክሕግዝ ድዩ ዝብል'ውን ክንዲ እምባ ዝኸውን ሕቶ'ዩ ዘልዕል።

    ታሪኽ ከምዝምስክሮ፡ ብጸብለልታ ሓይሊ ኣየር ጥራይ ለውጢ ምምጻእ ከቢድ'ዩ፡ ኣመሪካ ከኣ ናብ ኢራን ኣጋር ሰራዊት ከተእቱ ክሳብ ሕጂ ድሌት የብላን።

    ኣመሪካ ከም ቀንዲ ዕላማ ሒዛቶ ዘላ፡ ንጸጥታን ስለያን ኢራን ምውጋድ፡ እቲ ኣብ ጥሪ ተለዓዒሉ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞ ዳግማይ ጀሚሩ ንኽዕወት ዝልዓለ ዕድል ምፍጣር'ዩ።

  7. ዋጋ ጽዕነት ነዳዲ በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ ደዪቡ

    ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ቻይና ዓቢይ ገንኢ ነዳዲ (ሱፐርታንከር) ንምጓዓዝ፡ 400,000 ዶላር ከም ዝበጽሐ ስቶክ ኤክስቸንጅ ግሩፕ ካብ ለንደን ኣረዲኡ።

    እዚ ዋጋ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣመሪካ ንኢራን ከተጥቅዓ ምዃና ካብ ተፈራርሓሉ ዝነበረት እዋን ብዕጽፊ ወሲኹ።

    ኢራን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝርከብ ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሕርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ገይራ እያ።

    ኣስታት ሓደ ሕምሲት ወይ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለም ብመጻብቦ ሕርሙዝ እዩ ዝሓልፍ።

    እዚ ክብረወሰን ዝሓዘ ዋጋ’ዚ፡ ክሳብ ክልተ ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ክስሕባ ናይ ዝኽእላ ዓበይቲ መራኽብ ዋጋ እዩ።

  8. መሪሕነት ኢራን ንምእላይ ዝወጽአ መደብ ዕላማኡ እንታይ'ዩ?

  9. ኣብ ቴህራን ዝርከብ ዓለማዊ ቅርሲ ዕንወት ወሪዱዎ

    ኣብ ቴህራን ዝርከብ ታሪኻዊ ቤተመንግስቲ ጎለስታን፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፡ ስነፍልጠትን ባህልን ውርሻ ዓለም (ዩኔስኮ) ዝተመዝገበ ቅርሲ፡ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ዕንወት ከም ዘጋጠሞ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

    ዩኔስኮ ብዛዕባ ሓለዋ ቅርስታት ስክፍታኡ ገሊጹ ኣሎ።

    ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ኣርግ ፍንጀራ ከም ዘጋጠመ ጸብጺበን ነይረን።

    ቤተ መንግስቲ ጎለስታን ኣብ ግዜ ስርወ መንግስቲ ቃጃር ከም ንጉሳዊ መንበሪ ነገስታት ኢራን ኰይኑ ዘገልገለ ኰይኑ፡ ድሒሩ ድማ ወግዓዊ መንበር ስርወ መንግስቲ ፓህላቪ ዝነበረ እዩ።

  10. ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ ብድሮናት ተሃሪሙ

    ምኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ድሮናት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞ ኣረጋጊጹ።

    እቲ ምኒስትሪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ መግለጺ፡ “እቲ ውሱን መጠን ባርዕ ኣብቲ ህንጻ ንኡስ ንዋታዊ ዕንወት፡” ከም ዘውረደ ገሊጹ።

    ተልእኾ ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ጅዳ፡ ሪያድን ዳህራን ንዝርከቡ ኣብ ቦታኦም ዝዕቀብሉ ምልክታ ኣውጺኡ። ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ወተሃደራውያን መዓስከራት ዝግበር ኣገዳሲ ዘይኰነ ምብጻሓት ክድረት ከም ዘለዎ’ውን ይገልጽ።

    ትራምፕን መርበብ ኒውስነይሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮንን ዝሰዓበ ሞት ኣባላትን፡ ሃገሩ ‘ኣብ ቀረባ እዋን’ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ሓቢሩ።

    ኣመሪካ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ሽዱሽተ ኣባላት ክሞቱ እንከለዉ፡ 18 ድማ ከም ዝቘሰሉ ትማሊ ምሸት ኣፍሊጣ።

    ኒውስነይሽን ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ትራምፕ ኣብ ባይታ ወተሃደራት ዘድልዩ ኣይመስለንን ከም ዝበለ ሓቢራ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ዓቢይ መጻረዪ ነዳዲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ገዚፍ ዕንወት ከም ዝወረዶ ካብ ዝረኸቦ ሓድሽ ናይ ሳተላይት ምስልታት ክርዳእ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።

    እቶም ሎሚ ብቫንቶር ዝተቐድሑ ምስልታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ራስ ታኑራ ዝርከብ ማእከላይ ከባቢ ናይቲ መጻረዪ ነዳዲ ኣብ ዘለዉ መዝሓሊ ግምብታት ባርዕን ንዳድን ከም ዘርኢ ይሕብር።

    እቲ ቦታ፡ ንዋና ታንከር ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ መኽዘናት ብመስመራት ቱቦ ዘራኽብ ኰይኑ፡ ኣብ መዓልቲ 550,000 በርሚል ዝኸውን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።

    ኩባንያ ነዳዲ ኣራምኮ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ መጻረዪ ነዳዲ ንግዜኡ ክዓጽዎ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።

  11. ነቲ ድሙቕ ሰማያት ዱባይ ናብ ደልሃመት ዝቐየሩ ሚሳየላት

  12. ሊባኖስ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ እስራኤል ይቕጽል

    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 52 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

    እቲ ንጉጅለ ሕዝቦላህ ዒላማታት ዝገበረ ደብዳባት ኣየር ኣብ ደቡባዊ ክፋል ርእሰከተማ በይሩት ዝርከብዎም ሓያሎ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ዕጡቓት ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሮኬታት ድሕሪ ምውንጫፎም'ያ እስራኤል ሓያል ግብረመልሲ ክትህብ ተገዲዳ ዘላ።

    ኣስታት 200 ካልኦት ኣብቲ ደብዳባት ከምዝቖሰሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።

  13. ፕረዚደንት ትራምፕ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ብኣካል ዝሃቦ ፈላሚ መብርሂ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምእዛዙ ብኣካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐት ኢራን ንማእከላይ ምብራቕን ኣመሪካን "ዘይጽወር ስግኣት" ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ሰራዊት ኣመሪካ ዘካይዶ ዘሎ "መጠነ-ሰፊሕ ስርሒታት" ይቕጽሎ ከምዘሎ'ውን ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

    ቴህራን ካብ ዋሽንግተን ንዝቐረበላ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል "ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን ሃቐናኣ ደው ምባል" ብምእባያ መጥቃዕቲ ከምዝኣዘዘ ድማ ይምጉት።

    "እቲ ዝሓሸን ናይ መወዳእታን ዕድል መጥቃዕቲ" ስለዝረኸቡ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ'ውን ትራምፕ ኣሚቱ።

    ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት "ንዓቕሚታት ሚሳይላት ኢራን ምዕናው" ከምኡ'ውን "ንሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ምድምሳስ" ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

    ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰሙን ከምዝቕጽል ትጽቢት'ኳ እንተነበሮም፡ ቀልጢፉ ይሰልጦም ከምዘሎ'ዩ ትራምፕ ዝዛረብ። እንተኾነ ግን "ኪኖኡ ናይ ምጽናሕ ዓቕሚ" ከምዘለዎም'ውን ኣይሓብአን።

    ትራምፕ፡ ኣብ ኲናት ንዝተቐትሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ናይ ክብሪ መዳልያታት ንምሃብ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተዳለወ ጽንብል'ዩ ነቲ መብርሂ ሂቡ።

  14. ኢማራትን ቐጠርን ሚሳይላት፡ ድሮናትን ነፈርቲን ኢራን ኣውዲቐን

    ኢማራት ዓረብ ካብ ኢራን ዝተወንጨፈላ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ከምዘበርዓነት ገሊጻ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ሎሚ ጥራይ ትሽዓተ ባሊስቲክ ሚሳይላትን 148 ድሮናትን ብጸረ-ኣየር ሃሪማ ኣውዲቓ ኣላ።

    እቲ ኲናት ካብ ዝፍልም ኣትሒዙ፡ 174 ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዝተተኮሰ ተረጋጊጹ። ካብኡ 181 ብጸረ-ሚሳይላት ተሃሪሞም ክብርዕኑ እንከለዉ፡ 13 ኣብ ባሕሪ ከምዝወደቑ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ካብተን ናብ ኢማራት ዘቕንዓ 689 ድሮናት፡ 645 ክብርዕና እንከለዋ፡ 45 ኣብ መሬት እታ ሃገር ክዓልባ ክኢለን።

    ዛጊት ሰለስተ ሰባት ብመጥቃዕቲ ኢራን ክቕተሉ እንከለዉ፡ 68 ቆሲሎም ኣለዉ። ኣብ ንብረትን ኣባይትን ድሩት ዕንወት ከምዝወረደ'ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ'ሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ ቐጠር'ውን ክልተ ነፈርቲ ውግእ ሃሪማ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እተን ተሃሪመን ዝተሓምሸሻ ነፈርቲ ሱ24 'ዝዓይነተን ከምዝኾና ጠቒሱ።

    ብዘይካ'ዚ ሸውዓተ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሓሙሽተ ድሮናትን ከምዘበርዓነ ገሊጹ።