እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢራን፡ ንኣመሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ምፍቃድ 'ተጻብኦ' እዩ ኢላ

    ኢራን፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጥቀም ምፍቃድ "ኣብ ምጥቃዕ ከም ምስታፍ፡" ከም ዝቑጸር ኣፍሊጣ።

    እዚ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ክትፈልጦ ከም ዝተገብረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሓቢሩ።

    ዓባስ ኣራግቺ ምስ ብሪጣኒያዊት መዘንኡ ይቨት ኩፐር ብቴሌፎን ከም ዝተዘራረበን፡ ብሪጣንያ ንኣመሪካ እትህቦ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ "እቲ ኩነታት ከም ዘጋድዶ፡" ከም ዝሓበረን ተገሊጹ ኣሎ።

    ኣራግቺ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፡ ነቲ ካብ ኣመሪካን እስራኤልን ዝመጽእ "ቅሉዕ ተጻብኦ" ኢሉ ዝገልጾ "ሻራዊ" ምልከታ ኣለወን ክብል ከሲሱ።

    ብሪጣንያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መሳለጢያ ነዳዲ ኢራን ዝዀነ ሳውዝ ፓርስ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዘይምኹናና ምንቃፉ'ዉን ገሊጹ።

    ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን። ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ርእይቶ ንምርካብ ሓቲቱ ኣሎ።

  2. ሰብ መዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ተቐቲሎም

    ክልተ ሰብ መዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም ዝተቐትሉ፡ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ወሃቢ ቃልን በዓል ስልጣን ህዝባዊ ርክባትን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ (IRGC) ኣብ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ከም ዝተቐትሉ ሓቢረን።

    ዓሊ መሓመድ ናይኒ ን40 ዓመታት ከም ዘገልገለን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ኣፈኛ ናይቲ መሓውር ጸጥታ ኰይኑ ከም ዝሰርሐን ምስቲ ሓለዋ ሰውራ ዝተኣሳሰር ማዕከን ዜና ፋርስ ጸብጺቡ።

  3. መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕጾ ንደሓር ክንደይ መራኽብ ሓሊፈን?

    ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ በዚ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ትሕቲ 100 መራኽብ ጥራይ እየን ክሓልፋ ክኢለን ዘለዋ።

    ሓይልታት ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ በዚ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ'ዮም ዘለው።

    ገለ ጸዓትን ኣቑሑን ይሓልፍ'ኳ እንተሃለወ፡ ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ መዓልታዊ ትራፊክ መራኽብ ብኣስታት 95 ሚእታዊት ጎዲሉ'ዩ።

    ብመሰረት ተንተንቲ መራኽብ ኪፕሌር፡ ኣብዚ ወርሒ 90 መራኽብ ጥራሕ'የን በዚ ጸቢብ መጻብቦ ለሊፈን።

    እዚ ድማ ብማእኸላይ ሽዱሽተ መራኽብ ማለት እዩ።

    ትንታነ ቢቢሲ ቬሪቫይ፡ ሓደ ሲሶ ክሓልፋ ዝኽኣላ መራኽብ፡ ናይተን ምስ ኢራን ዝምድና ዘለወን እየን።

    ብኣንጻሩ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት መዓልቲ 138 መራኽብ ይሓልፋ ከም ዝነበራ ካብ ማእከል ሓበሬታ መስመር መጓዓዝያ ባሕሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

  4. ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኲናት ኢራን ሕጂ'ውን ብሓባር ዶ ኣለዋ?

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ቀጠርን ኣብ ዝካፈለኦ ነዳዲ ዝዕደነሉ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ትርር ዝበለ ቃላት ዘለዎ መግለጺ ኣውጺኡ።

    እስራኤል ንደቡባዊ ፓርስ ኢራን - ኣካል ናይቲ ዝዓበየ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ዓለም - ሃሪማቶ፡ ቴህራን ድማ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ቀጠር ንዝርከብ መደብር ጸዓት ሃሪማ። እቲ መጥቃዕቲ ዋጋታት ጸዓት ክውስኽ ገይሩ፡ ንትራምፕ'ዉን ኣሕሪቑዎ።

    ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝሓንጸጸቶ መደብ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ ንኢራን ዳግማይ ኣፈራሪሑ።

    ስለዚ እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ኲናትን ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ስትራተጅያዊ ዕላማታታን ክሳብ ክንደይ ብሓባር ተሰሊፈን ከም ዘለዋ እንታይ ይነግረና?

    ንተንትኖ።

  5. ደብዳብ ኢራን ብኸመይ'ዩ ኣብ መላእ ዓለም ማዕበል ስንባደ ፈጢሩ?

    ካብ ዝጅምር ክልተ ሰሙን ዘሕለፈ "ወፍሪ ቁጥዐ" ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ የሕድር ኣሎ።

    ባሊስቲክ ሚሳይላት ኢራን፡ ሓይሊ ባሕርን ኣጽዋር ኒዩክሌርን ናይ ምምዕባል ድልየታ ንምምኻን ዝተጀመረ ወፍሪ፡ ዞባዊ ዘይምርግጋእን ዓለማዊ ጽልዋ ቁጠባን ይፈጥር ኣሎ።

    ዋላ’ኳ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ኣየር እንተተፈጸመ፡ ስርዓት ኢራን ግን ገና ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎን፡ ብሓድሽን ሓደገኛን መንገዲ ከጥቅዕን ይርኣይ።

    ማእከላይ ምብራቕ በቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ “ናይ ሓጺር ግዜ ስርሒት” ክብል ዝገለጾ ወፍሪ ብቐጻሊ ይናወጽ ኣሎ።

    ዶናልድ ትራምፕ “መንግስትኹም ተቘጻጸሩ” ኢሉ ዝተማሕጸኖም ህዝቢ ኢራን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ይርከቡ።

  6. ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝህብኦ ዘለዋ ምላሽ እንታይ ይመስል?

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌት፣ ስዑዲ ዓረብን ባሕሬንን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዘጋጠመን ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት ዓረብ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኢራን ንዝመጽእ ስግኣታት ምላሽ ይህብ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ነበርቲ ድምጺ መጥቃዕቲ ዝዓግቱ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ቦምባ ክሰምዑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ

    ኩዌት ብተወሳኺ ብሰንኪ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ፍንጀራታት ከም ዘጋጥም ኣጠንቂቓ፣ ነበርቲ ካብ ሰበስልጣን ዝወሃብ መምርሒ ድሕነት ክኽተሉ ተማሕጺና

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር፡ ሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተዓገታን ከም ዝዓነዋን ገሊጻ።

    ኣብ ባሕሬን ደወል መጠንቀቕታ ተደዊሉ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ ነበርቲ ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ሓቲቱ። ድሒሩ፡ ሰበስልጣን እዚ ውጽኢት "ተጻብኦ ኢራን" ዘስዓቦ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ሓደ መኽዘን ባርዕ ከም ዘስዓበ ገሊጾም።

  7. ቀጠር፡ ብሰንኪ ኣብ ትካል ነደዲ ዝበጽሐ ጕድኣት ቢልዮናት ክትስእን'ያ- ሚኒስትሪ ጸዓት

    ኢራን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያ ነዳዲ ራስ ላፋን ቀጠር ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ርኡይ ጉድኣት ኣውሪዱ ኣሎ።

    ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር፡ ቀጠር ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዓቕሚ ሰደድ ዝተጻረየ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ቀጠር ብ17% ክጐድል ምዃኑን፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ዓመታዊ 20 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክትስእን ከም ዝገብራን ገሊጹ።

    እቲ ዝተጻረየ ጋዝ፡ 'ባቡር' ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዓቢ ኢንዱስትርያዊ ኣሃዱ ብምጥቃም ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ናብ ኣዝዩ ትሑት ሙቐት ብምዝሓል እዩ ዝሪ።

    እቲ ሚኒስተር፡ መጥቃዕቲ ኢራን ካብ 14 ባቡራት እቲ ትካል ክልተ ከም ዝሃሰየ ይገልጽ።

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ራስ ላፋን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ​​እስራኤል ብረቡዕ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ንሰሜን ርሒቑ ዝርከብ መፍረዪ ጋዝ ደቡብ ፓርስ ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝሃበቶ ምላሽ እዩ።

    "ናይ ሓሙሽተ ዓመት ጽገና ጥራይ ኣይኰነን ዝጽበየና" ክብል ሓላፊ ንግዳዊ ርክባት ኣብ ሲንጋፖር ዝመደበሩ ሓበሬታታት ዕዳጋ ጽሩይ ነዳዲ ዝህብ ሃይሳይትስ ዝተባህለ ትካል ዝዀነ ሓላፊ ሲኣራን ሮይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

    "ምሉእ ዳግመ ህንጸት፡" ከም ዝጠልብ ሓቢሩ።

    ኣብ ኤስያ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ህንዲን ቻይናን ካብዚ ትካል ካብ ዝረኽብኦ ጋዝ ዝምርኰሳ እየን።

    ኣብ ኤውሮጳ፡ ኢጣልያን ቤልጅየምን ድሮ ዓበይቲ ዓማዊል እየ። ኤውሮጳ ብሓፈሻ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን ካብ ሩስያ ኣእትዎት ነዳዲ ስለ ዝተገደበ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝመጽእ ጋዝ ጽግዕተኛ ኰይና ትርከብ።

    ቀጠር ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ካብተን ኣብ ዕዳጋ ጋዝ ዓለም መሪሕ ተራ ዘለወን እያ።

    "ንዓመታት እንተዘይኰይኑ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ዕዳጋ ፍርሒ ክሰፍን እዩ፡" ክሰፍር ይኽእል'ዩ ይብል ሮ።

    "እዚ መንግስታት ዝተረየ ጋዝ ኣታዊ ኣብ ምግባር ዝጸንሖም ኣተሓሳስባ ክቕይር'ዩ፡"።

    እዚ ጋዝ፡ ሰባት ገዛውቲ ንምውዓይን መግቢ ንምብሳልን ክጥቀምሉ እንከለው፡ ንመራኽብን ፋብሪካታትን ሓይሊ ንምሃብ ዘድሊ ወሳኒ ምንጪ ጸዓት እዩ።

    ድኹዒ ንምስራሕ'ዉን ይውዕል።

    መግቢ ንምዕባይ ድኹዒ ንምስራሕ እውን የድሊ።

  8. ኔታንያሁ ድሕሪ ጻውዒት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ነዳዲ ኢራን ደብዳብ 'ደው ከም ዘብሎ' ተዛሪቡ

    እዚ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ቀጥታዊ ምዕባለታት እትረኽብሉ ገጽ ቢቢሲ ትግርኛ'ዩ።

    ነዚ ዕለት፡

    • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ኣብ ልዕሊ ዕደናታት ጋዝ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘይፍጽ ገሊጹ።
    • ኔታንያሁ ንትራምፕ ምስ ኢራን ናብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ጎቲቱ ኣእትዩ ዝብል ክስታት'ውን ነጺግዎ
    • ኣብ ኢየሩሳሌምን ርእሰ ኢራን ቴህራንን'ውን ፍንጀራታት ተሰሚዑ - ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣቐዲሙ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጻታታ ተወሳኺ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ እትህቦ ግብረ መልሲ "ደው ከም ዘይተብሎ" ኣጠንቂቑ።
    • ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌት፣ ስዑዲ ዓረብን ባሕሬንን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዘጋጠመን ተገሊጹ።
    • ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (ህራና) ኣብ ኢራን ብሰንኪ እዚ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ብዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ ኣውጺኡ፤ ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ 3186 ሰት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
    • ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊ ራስ ላፋን ጸዓት ቀጠር ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዋጋ ነዳዲ ብሓያል ናህሪ ወሲኹ።
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር፡ እቲ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ሓደገኛ ምብራኽ" ክብል ገሊጽዎ።
  9. ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኲናት ኢራን ሕጂ'ውን ብሓባር ዶ ኣለዋ?

  10. ኣብ ወርሒ ረመዳን ነዊሕን ሓጺርን ናይ ጾም ሰዓታት ዝነበረን ሃገራት ብዓል መን'የን?

  11. ኣብ ሞሮኮ ፈንጠዝያ፡ ኣብ ሰኔጋል ሓዘን ዘስዓበ ውሳነ፡ ቅድሚ ሕጂከ ከምዚ ተራእዩ ድዩ?

  12. ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ'ዩ- ኤርትራ

  13. ቐጠር ንኢራን ዝሃበቶ ሓድሽ መጠንቀቕታ

    ንምንጭታት ነዳዲን ጸዓትን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ግጭት ናብ "ሓደገኛ" ኣንፈት ዘዕርግ ምዃኑ ቐጠር ኣጠንቂቓ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ወሽመጣዊት ሃገር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢራን ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ "ብህጹጽ ደው ክብል" ጸዊዑ።

    ኣብቲ 'ራስ ላፋን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደበር ነዳዲ ቐጠር ዝተጸመ መጥቃዕቲ "ብኢራናውያን ዝጋደድ ዘሎ ሓደገኛ ምዕራግ" ናይቲ ግጭት ምዃኑ መሓመ ድቢን ዓብዱራሕማን ኣል-ታኒ ገሊጹ።

    ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጋዜጣዊ መብርሂ ዝሃበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን ብወገኑ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባትን ትሕተቅርጺን ዝካየድ ደብዳባት ከምእትኹንን ኣፍሊጡ'ሎ።

    ቴህራን ኣብ እስራኤል'ውን ንትካላት ጸዓት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ይንገር ኣሎ።

    እስራኤል ነቲ ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ ድሕሪ ምጥቅዓ፡ ቴህራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ሃገራት ወሽመጥን እስራኤል ንተመሳሳሊ ዒላማታት ሃሪማ ኣላ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ሃይፋ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ጉድኣት ወሪድዎ ኣሎ። ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።

    ኣብ ልዕሊ ዝዓበየ መጻረዪ ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ውን ባርዕ-ሓዊ ኣስዒቡ ኣሎ።

  14. ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ዝተዛረበላ ፍልይቲ ነፋሪት ውግእ ከመይ ዝበለት'ያ

    ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ፡ ንዝተረፈ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ንምድኻም ፍሉያት ነፈርቲ ኣዋፊሮም ከምዘለዉ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ሓንቲ ካብተን ጀነራል ዳን ኬን ዝጠቐሰን ነፈርቲ፡ ናብ ውሽጢ ምብራቓዊ ከባቢታት ኢራን ብምኻድ ኣብ ሃድን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ተጸሚዳ ዘላ ኮይና፡ ኤ-10 (A-10) ተባሂላ ትፍለጥ እያ።

    እዘን "መፍለስ" (warthog) ብዝብል ቅጽል ስም'ውን ዝጽውዓ ነፈርቲ፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣብ ዝግበር መጥቃዕቲ ፍሉይ ብቕዓት ኣለወን።

    ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣብ ዘሎ ጭርጭር-ዓበደ'ውን ንፈጣናት ጃላቡ ኲናት ኢራን ብምክትታል ኣብ ምጥቃዕ ክሳተፋ ከምዝጸንሓ ይንገረለን።

    ዝተፈላለየ ሚሳይላት ዝዓጥቃ ኮይነን፡ ሓደ ካብኦም AGM-65 Maverick (ኣይግዳዱ) ዝተባህለ ብለይቲ ክርኢ ዝኽእል (ኢንፍራረድ) እዩ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ንጸላእቲ ራዕዲ ዝፈጥር ካልእ ብረት'ውን ዝዓጠቓ እየን። እቲ ኣብ ኣፍንጭአን ዝርከብ ሸውዓተ ኣፍ ዘለዎ 'ጋትሊንግ' ዝተባህለ 30 ሚሜ GUA-8/A ብረት 4000 ጥይት ክትኩስ ዝኽእል ኮይኑ፡ ንከም ታንኪ ትርከቦ ፍዅስ ዝበለ ዒላማታት ንምህራም ዝተማህዘ እዩ።

  15. ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ዝሃቦ ሓበሬታ

    መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ናይቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም ኣለዉ።

    ኣቦመንበር ሓለቓታት ስታፍ ሓይልታት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣይኮነን።

    ጀነራል ዳን ኬን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኢራን "ብዙሕ ኣጽዋር ሒዛ'ያ ናብዚ ውግእ ኣትያ" ብምባል፡ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ'ያ ሃገሩ "ብነድርን ሓይሊን" ተጥቅዕ ዘላ ኢሉ።

    ንመራሕቲ ምቕንጻል ይቕጽሉ'ኳ እንተለዉ፡ ኢራን ሕጂ'ውን "ገለ ወተሃደራዊ ዓቕሚ" ከምዘለዋ ተኣሚኑ።

    ፍሉያት ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትሕቲ-ምድሪ ዝተኸወለ ኣጽዋራትን ድሮናትን ኢራን ኣብ ምህዳንን ምዕናውን ከምዝርከባ'ውን እቲ ላዕለዋይ ኣዚዚ ጠቒሱ።

    ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መብርሂ ዝተሳተፈ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ኲናት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ብወገኑ፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝተወጠኖ ይቕጽል ምህላዉ ብምምልካት፡ "ናይ ግዜ ገደብ ከነቐምጥ ኣይንደልን ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

    ፐንታጐን (ሚኒስትሪ ምክልኻል/ኲናት)፡ 200 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ባጀት ምጥላቡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ "ኲፍኣት ሰባት ንምቕታል ገንዘብ የድሊ'ዩ" ኢሉ።

  16. 'ስርዓት ኢራን ኣይተተንከፈን' - ሓለፍቲ ስለያ ኣመሪካ

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ትርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን ኣመሪካ ንባይቶታት እታ ሃገር መብርሂ ክህቡ ቀንዮም ነይሮም።

    ኲናት ኢራን ድሕሪ ምውልዑ ንፈለማ እዋን ንኮንግረስ ዝተዋህበ ስለያዊ መብርሂ ድማ እዩ።

    ንኹሎም ትካላት ስለያ ኣመሪካ ናይ ምውህሃድ ሓላፍነትን መዝነትን ዘለዋ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ዝኾነት ቱልሲ ጋባርድ ከምዝበለቶ ስርዓት ኢራን "ኣይተተንከፈን"።

    "ማሕበረኮም ስለያ [ንኹሎም ትካላት ዝገልጽ መጸውዒ] ስርዓት ኢራን ዝተተንከፈ ኣይመስልን፡ ግና ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ መራሕቱን ወተሃደራዊ ዓቕሙን ብዝተገብረ መጥቃዕትታት ተዳኺሙ ኣሎ" ኢላ።

    ዳይረክተር ሃገራዊ ማእከል ጸረ-ሽበራ ኣመሪካ ዝነበረ ጆ ከንት ነቲ ኲናት ብምቅዋም ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምውራዱ ሓደ መዓልቲ ጸኒሐም'ዮም ንኣባላት ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዘሎ ስግኣታት ሓበሬታ ሂቦም ዘለዉ።

    ኢራን ንኣመሪካ ህጹጽ ስግኣት ከምዘይኮነትን፡ እቲ ኲናት ብምድፍፋእ እስራኤል ዝተወልዐ ምዃኑን'ዩ ከንት ዝኸስስ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝርከቦም ሰበስልጣን ግን ኢራን ንሃገሮምን መሻርኽታን ስግኣት ካብ ምዃን ኣቋሪጻ ከምዘይትፈልጥ ይምጉቱ።

    ኢራን ንኣመሪካ ህጹጽ ስግኣት ትውክል እንተኾይና ካብ ገለ ሰነተራት ንዝቐረበላ ሕቶ፡ ጋባርድ ቀጥታዊ መልሲ ካብ ምሃብ ተዓቂባ።

    "ህጹጽ ስግኣት እንታይ'ዩ ወይ ኣይኮነን ክውስን ዝኽእል ሰብ እቲ ፕረዚደንት ጥራይ እዩ" ዝብል መልሲ ክትህብ መሪጻ።

    ኣብቲ መብርሂ ዝተሳተፈ ዳይረክተር ትካል ስለያ ወጻኢ (ሲ-ኣይ-ኤ) ጆን ራትክሊፍ ግን ዘለዎ ገምጋም ካብ ናይቲ ካብ መዝነቱ ዝወረደ ጆ ከንት ከምዝፍለ ተዛሪቡ።

    "ከም ዝመስለኒ፡ ኢራን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ስግኣት ናይ ኣመሪካ ኮይና ጸኒሓ'ያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ህጹጽ ስግኣት ኮይና ትርከብ" ዝብል ምጉት ኣቕሪቡ።

    ኢራን ነቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲን ካልእ ቀረባትን ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትቆጻጸሮ ከምእትኽእል ኣቐዲሞም ይፈልጡ ምንባሮም'ውን እቶም ሰብመዚ ጸጥታ ገሊጾም ኣለዉ።

  17. ፔንታጎን ንወጻኢታት ኲናት ኢራን ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ሓቲቱ, ትራምፕ፡ ክብረ- ወሰን ዝሓዘ 1.5 ትሪልዮን ዶላር ይጠልብ

    ፔንታጎን፡ ንዋይት ሃውስ- ኲናት ኢራን ንምምዋል ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓተተ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።

    እቲ ጋዜጣ፡ እዚ መጠን ገንዘብ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ምምሕዳር ትራምፕ ዘካየዶ ወፍሪ ከምዝኾነን፤ ኣብ ክንድኡ ድማ "ብህጹጽ" ምፍራይ ናይቲ ዝወጸ ወሳኒ ኣጽዋር ንምትካእ ክጽዕር ምዃኑን ይገልጽ።

    ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ሓያሎ ዝተፈላለዩ ናይ ምወላ ሕቶታት ብፔንታጎን ቀሪቦም እዮም። እቲ ዝቐርብ ዘሎ ባጀት ድማ፡ "ኣብ ኮንግረስ ዓቢ ፖለቲካዊ ክትዕ ከልዕል ተኽእሎ ኣሎ" ይብል፡ እቲ ጋዜጣ።

    ክልቲኦም፡ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካን ዋይት ሃውስን፡ እዚ ጸብጻብ ብዝምልከት ካብቲ ጋዜጣ ዝቐረበሎም ሕቶ ነጺጎሞ ኣለዉ።

    ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣባላት ባይቶ ንወጻኢታት ምክልኻል ዝኸውን ክብረወሰን ዝሓዘ 901 ቢልዮን ዶላር ባጀት ኣጽዲቖም ነይሮም፤ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ተወሳኺ ይጠልብ ኣሎ።

    ንሱ፡ ነቲ "ኣዝዩ ሕማቕን ሓደገኛን" ኢሉ ዝገለጾ እዋን ንምፍታሕ፡ ምወላ ምክልኻል ኣብ 2027፡ ኣስታት 1.5 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ ኣለዎ ክብል ተማጒቱ።

    ክሳብ ሕጂ ወጻእታት [ኪሳራ] እቲ ኲናት ብዕሊ ኣይተገልጸን።

  18. መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ገዲዱ ሓዲሩ

    እቲ ናብ ሳልሳይ ሰሙኑ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ሎሚ ብልዑል ናህሪ ይቕጽል ኣሎ።

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ሙሉእ ለይቲ ቀጺሉ ሓዲሩ።

    ኢራን፡ ብፍላይ ድሕሪ መጥቃዕቲ እቲ ኣብ ደቡባዊ ፓርስ ዝርከብ መፍረዩ ነዳዲ፡ ምስ ኣመሪካ ዝተኣሳሰሩ ዝበለቶም ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ፡ "መጻረዪ ነዳድን ጋዝን" ክትሃርም ምዃና ኣጠንቂቓ እያ።

    በዚ መሰረት፡ ስዑዲ ዓረብ ዛጊድ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ገሊጸ ኣላ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኣብ መላእ ርእሰ ከተማ ሪያድን "ምብራቓዊ ዞባታት" እታ ሃገርን 17 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘውደቐ ገሊጹ።

    ኢራን፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ራስ ላፋን ኮምፕሌክስ-ነዳዲ ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ግዳይ ዝኾነት ቀጠርሓሙስ ለይቲ ድማ ዳግማይ ከምዝተሃርመት ኣፍሊጣ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየራ ንባሊስቲክ ሚሳይላት ክዓግት ከምዝሓደረ፡ ነፈርቲ ውግእ ድማ ኣብ ሰማይ ኮይነን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክገጥማ ከምዝሓደራ ገሊጻ።

    ባሕረይን ምሉእ ለይቲ ሰለስተ መጠንቀቕታታት ብምሃብ፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት መጽለሊ ክደልዩ ኣተሓሳሲባ።

    ሰራዊት ኩዌት፡ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን" ክዓግት ይቃለስ ከምዘሎ ገሊጹ።

  19. ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺአን, ‘ምላሽ’ ክህባ ምዃነን ኣፈራሪሐን

    ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኢራን ዝዅንን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን።

    ባሕረይን፣ ኩዌት፣ ሊባኖስ፣ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ይርከበአን።

    ኣብ መግለጺኦም፡ ኢራን "እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፤ ኮነ ኢልካ ምዃኑ” ብምግላፅ፡ እዚ ድማ ንመንበሪ ኣባይቲ፡ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን ዲፕሎማስያዊ ቀጽርታትን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ይብሉ።

    እዞም መጥቃዕቲታት፡ "ዝኾነ ይኹን መመኽነይታ” ክቐርበሎም ዝኽእል ኣይኰነን ይብል እቲ መግለፂ።

    ብተወሳኺ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ሕቡራት ሃገራት፡ እተን ሃገራት መሰል ርእሰ-ምክልኻል ከምዘለወን ኣዘኻኺረን።

    እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኢራን "መጥቃዕትታታ ብቕልጡፍ ደው ከተብል"፡ ዓለማዊ ሕግን "መትከላት ሰናይ ጉርብትናን" ከተኽብርን፡ ከምኡ'ውን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጻው ዝዓለመ "ስጉምትታት" ካብ ምውሳድ ክትቁጠብን ይጽውዕ።

  20. ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዓበይቲ ምፍራይ ነዳዲ ኢራን ከተባርዖ ምዃና ኣጠንቂቑ, ኢራን ኣብ ልዕሊ ቐጠር እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ክተብል ኣተሐሳሳሲቡ

    ትራምፕ፡ ኢራን ንቐጠር ዳግማይ እንተኣጥቂዓ፡ ኣመሪካ ንዓበይቲ መስርሕ ምፍራይ ነዳዲ ኢራን ከተባርዖ ምዃና ኣጠንቂቑ።

    ንሱ፡ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢራን ኣብ ቐጠር ዝርከብ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መመስርሒ ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ (LNG) ዝሓዘ ኢንዱስትርያዊ ከባቢ ድሕሪ ምጥቓዓ እዩ ነዚ መጥንቀቕታ ዘስመዐ።

    ትራምፕ ኣብቲ ዘስፈሮ ጽሑፉ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ መጥቃዕቲ እስራኤል "ዋላ ሓንቲ ከምዘይትፈልጥ" ብምግላጽ፡ ኢራን ዳግማይ ንቐጠር እንተድኣ ኣጥቂዓ ግን ሓያል ስጉምቲ ከምዝፅበያ ኣኣንፊቱ’ሎ።

    ኢራን፤ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ራስ ላፋን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ "ዘይምኽኑይን ዘይፍትሓውን" ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።