እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሓደሽቲ ምዕባለታት ኵናት ማእከላይ ምብራቅ፡ እንታይ ንፈልጥ?

    • ቅድሚ ገለ ሰዓታት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ 'ሳውዝ ፓርስ' ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲኣ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሓቢራ። እታ ሃገር ንኣመሪካን እስራኤልን ወቒሳ።
    • ብድሕሪኡ ኣብ ቐጠር ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ራስ ላፋን'ውን ወቒዓ። ቐጠር ንኢራን "ቀጥታዊ ስግኣት" ናይቲ ዞባ ምዃና ብምግላጻ፡ "ምላሽ ናይ ምሃብ መሰላ ዝተሓለወ እዩ" ብምባል ተሓንያ።
    • እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ - ሪያድ ብዝወደቐ ፍንጫል ቦምባታት ኣርባዕተ ነበርቲ ቆሲሎም። ኢማራት ዓረብ'ውን ብወገና ኣብ ሓደ መሳለጥያታት ጋዝ ዝተተኾሰ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣበርዒና።
    • እስራኤል ኣብዚ ግጭት ንፈለማ እዋን ንሰሜናዊ ኢራን ትሃርም ከምዘላ ትገልጽ።
    • ሰለስተ ፍልስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኢራን ካብ ዝተበገሰ ስብርባር ቦምባታት ኣብ ሳሎን እንከለዋ ተቐቲለን። ኣብ እስራኤል ኣብ እትርከብ ናይ ሕርሻ ቁሸት’ውን ብተኹሲ ሚሳይላት ሓደ ወጻእተኛ ሰራሕተኛ ተቐቲሉ።
    • ወኪል ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን እስላማዊት ሪፓብሊክን ኢራን ዘሎ ምትእምማን ናብ "ዝተሓተ ደረጃ" ከምዝወረደ ገሊጹ።
    • መብዛሕትአን እተን ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር ዝኣበያ ተጻወትቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን፡ ሕጂ ናብ ዓደን ተመሊሰን።
    • ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ደጊም ኣብ ዕደናታት ነዳዲ ኢራን መጥቃዕቲ ክፍፀም ከምዝፈቐደ፡ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢራ።
    • ፕረዚደንት ኢራን እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ንሚኒስተር ስለያኣ እስማዒል ካቲብ ከም ዝቐተለቶ’ውን ኣረጋጊጻ።
  2. ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝዓበየት መርከብ-ውግእ ኣመሪካ ባርዕ ኣጋጢምዋ

  3. ኢትዮጵያውን ቪዛ ኣመሪካ ንምርካብ ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ትሕጃ ክሕተቱ'ዮም: ኤርትራውያንከ?

  4. ኵናት ኢራን፡ ሃገራት 'ንምዝንጋዕ' ዝድብደባሉ ሓድሽ ስርዓተ ዓለም

  5. ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን ዝተኣከበ ህዝቢ

    ስነሰርዓት ቀብሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተቐትሉ መራሕቲ ኢራን ኣብ ርእሰከተማ ቴህራን ተኻዪዱ።

    ዓሊ ላሪጃኒ፡ ድሕሪ ቅትለት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝለዓሊ መራሒ እስላማዊት ኢራን ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ።

    ኣዛዚ ናይቲ 'ባሲጅ' ዝተባህለ ሓይሊ ሚሊሻ ጎላምረዛ ሶለይማኒ ኣብቲ ናብ ሰሉስ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ'ዩ ተቐቲሉ።

  6. ኣፍኮን 2025፡ ሞሮኮ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና - ሰኔጋል ዋንጫ ተመንጢላ

  7. ምምሕዳር ትራምፕ ንድምጺ ኣመሪካ ክኸፍቶ ቤትፍርዲ ኣዚዙ

    ምዕጻው ድምጺ ኣመሪካ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑን፡ ዝተሰናበቱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጋዜጠኛታት ናብ ስርሖም ክምለሱ ሓደ ዳኛ ቤትፍርዲ ወሲኑ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ቀልጢፉ'ዩ እቲ ንዓሰርታት ዓመት ብትግርኛ ዝርከቦም ብዙሓት ቋንቋታት ከገልግል ዝጸንሐ ፍሉጥ ማዕከን ዜና ክዕጾ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

    ፈደራላዊ ዳኛ ሮይስ ላምበርዝ ኣብ ዝሃቦ ብይን ግን፡ መንግስቲ ነቲ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከተግብሮ'ዩ ኣዚዙ ዘሎ።

    ድምጺ ኣመሪካ ጸጋማዊ ሻራነት ኣለዎ ብዝብል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ክዕጾ ኣዚዙ።'

    'ቪ-ኦ-ኤ' ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ናዚ ጀመርን ንዝጋዋሕ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ግብረመልሲ ንክህብ'ዩ ፈለማ ተመስሪቱ።

    እቲ ጉዳይ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ናይቲ ትካል ነበር ንምምሕዳር ትራምፕ ናብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምኽሳሶም'ዩ ፍርዲ ተዋሂብዎ ዘሎ።

    እቲ ዳኛ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት ንምስንባት ዝተወስደ ውሳነ "ዘይሕጋዊን ስምዒታውን" ምንባሩ'ውን ተዛሪቡ።

    ሓንቲ ካብኦም ዝኾነት ፓትሲ ዊዳኩስዋራ ብውሳነ ናይቲ ቤትፍርዲ ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ።

    "ተስፋ ንገብር፡ ህዝቢ ኣመሪካ ፕሮፖጋንዳ ዘይኮነ ጋዜጠኝነት ንምቅላሕ ንዘለና ተልእኾ ክድግፍ" ክትብል ንኣሶስየትድ ፕረስ ተዛሪባ።

    ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ ምዕጻው ሓላፍነት ዝሃባ ካሪ ሌክ ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ ንድምጺ ኣመሪካ ዝምውልን ዝከታተልን ትካል ዓለማዊ ሚዲያ ኣመሪካ (USAGM)፡ ነቲ መምርሒ ክትህብ እንከላ ብላዕለዋይ ባይቶ መዝነታ ስለዘይጸደቐ፡ ውሳነኣ ሕጋዊ ከምዘይነበረ እቲ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብይን ሂቡ ነይሩ።

  8. ኢራን ሚኒስተር ስለያ እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጻ

    ፕረዚደንት ኢራን፡ ሚኒስተር ስለያ እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጹ።

    ማሱድ ፐዘሽኪያን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሞት ሚኒስተር ኢስማዒል ካቲብን ካልኦት መራሕቲን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

    "እቲ ኣብ ልዕሊ ብጾተይ ዝኾኑ ኢስማዒል ካቲብ፡ ዓሊ ላሪጃኒን ዓዚዝ ናሲርዛደህን: ምስ ኣባላት ስድራቤቶምን ዘሰነይዎም ኣባላትን ዝተፈጸመ ናይ ፈራሓት ቅንጸላ ኣብ ሓዘን ክንኣቱ ገይሩና ኣሎ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ጽሒፉ።

    ሞት ናይቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር ዝነበረ ዓሊ ላሪጃኒን ሚኒስተር ምክኻል ናሲርዛደህን ኣቐዲሙ ተረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።

    እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ እቲ ሚኒስተር ስለያ ከምዝተቐትለ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ገሊጻ ነይራ።

  9. ኢራን ንትካላት ጸዓት ሃገራት ወሽመጥ ዝሃበቶ ሓድሽ መጠንቀቕታ

    ኣብ ከባቢ ሓያሎ ትካላት ጸዓትን ነዳዲን ሃገራት ወሽመጥ ዘለዉ ሰባት ብህጹጽ ክወጹ ኢራን ኣጠንቂቓ።

    በቲ ምስ ሰራዊት ሓለዋ እስላማዊ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኣገልግሎት ታስኒም ብተለግራም ዝወጸ "ህጹጽ መጠንቀቕታ" ዜጋታትን ነበርቲን እቶም ትካላትን ከባቢኡን ክግዕዙ ተማሕጺኑ'ሎ።

    እቶም ዝጠቕሱ ትካላት እዞም ዝስዕቡ እዮም፣

    • ሳምረፍ ሪፋይነሪ- ንግስነት ስዑዲ ዓረብ
    • ኣል-ጁበይል ፐትሮኬሚካል ኮምፐሌክስን ማሳዒድ ሆልዲን ካምፓኒን- ስዑዲ ዓረብ
    • ኣል-ሆስን ጋዝ ፊልድ- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ
    • ራስ ራፋን ሪፋይነሪ፡ ቐጠር

    "እዞም ማእከላት እዚኦም ቀጥታዊን ቅቡላነን ዒላማታት ኮይኖም ስለዘለዉ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰዓታት ክህረሙ እዮም" ይብል እቲ መግለጺ።

    "ስለዚ ኩሎም ዜጋታት፡ ነበርትን ሰረሕተኛታትን ብቕልጡፍ ካብዞም ከባቢታት ወጺኦም ከይደንጐዩ ናብ ውሑስ ርሕቀት ክኸዱ ይሕተቱ ኣለዉ"።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ ዝኾነ 'ሳውዝ ፓርስ' (ደቡብ ፓርስ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከል ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ታስኒም ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ እዚ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ዘሎ።

  10. ኢራን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መደበር ጋዝ ዒላማ መጥቃዕቲ ኮይኑ

    ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ 'ሳውዝ ፓርስ' (ደቡብ ፓርስ) ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ታስኒም ሓቢሩ።

    ብሰንኪ'ቲ ደብዳብ ኣብቲ ትካል ባርዕ ሓዊ ከምዝተወልዐ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ናብቲ ቦታ ከምዝተላእኩ ሓውሲ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ፋርስ ገሊጹ።

    እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሎሚ ንጉሆ ከምዝተፈጸመ'ውን ታስኒም ጠቒሱ'ሎ።

    እቲ መደበር ቐጠርን ኢራንን ዝጥቀማሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ኢራን መጥቃዕቲ ምክያድ "ሓደገኛን ሓላፍነት ዝጎደሎን እዩ" ክትብል ዶሓ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ነቒፋ'ላ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጂድ ኣል ኣንሳሪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ደብዳባት ምፍጻም "ንውሕስነት ጸዓት ዓለም ኣብ ስግኣት ዘውድቕ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    "ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ጸቒጥና ከምዝበልናዮ፡ ንወሰንቲ ትካላት ዒላማ ካብ ምግባር ምያብ ኣገዳሲ እዩ"።

    "ኩሎም ወገናት" ንዓለምለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን ነቲ ረጽሚ ንምህዳእ ክሰርሑ'ውን ቐጠር ተማሕጺና ኣላ።

    እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ'ያ ዶሓ ከሲሳ ዘላ። ብወገን እስራኤል ግን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

  11. ሚኒስተር ስለያ ኢራን ከምዝተቐትለ እስራኤል ገሊጻ

    ሚኒስተር ስለያ ኢራን ኢስማዒል ካቲብ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትለ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።

    እቲ ኢራናዊ ብዓል ስልጣን ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ቴህራን ዝተኻየደ ንዕኡ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ'ዩ።

    "ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ፡ ሚኒስተር ስለያ ኢራን ካቲብ ተቐንጺሉ ኣሎ" ክብል እስራኤል ካዝ ሓቢሩ።

    ብወገን ኢራን ብዛዕባ ሞት ናይቲ ሚኒስተር ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

    "ምቕንጻሉ ምስቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ቀንጸላታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይ ኣሸባሪ ኢራናዊ ስርዓት ዝጽንብሮ እዩ" ዝበለ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ "ንስርዓተ እዚን ቁጽጽርን ናይቲ ስርዓት ዘዳኽም እዩ" ኢሉ።

    ዛጊት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላህ ዓሊ ኸመኒ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን ሚኒስተር ምክልኻልን ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን ኣብዚ ኲናት ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ኢስማዒል ካቲብ ኣብ 2021 ብፕረዚደንት ነበር ኢብራሂም ራዒሲ ሚኒስተር ስለያ ክኸውን ዝተመዘዘ እዩ።

    ኣብ እግሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ እስላማዊ ስርዓተ-ሕጊ ዝተማህረ ኮይኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ስለያን ቤትጽሕፈት ኣያቶላህን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ።

    ኣብ 2022 ምስቲ ካብ ኢራን ነቒሉ ዝተባህለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ወሲኑ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

    እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ 1979 ድሕሪ ምንታጒ፡ ካቲብ ኣብ 1980 ኣባል ናይቲ ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንኣያቶላህ ዝኾነ ፍሉይ ኣሃዱ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን (ኣይ-ኣር-ጂ-ሲ) ኮይኑ።

  12. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከቢድ ቦንባ ክትጥቀም ጀሚራ

    ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ሳልሳይ ሰሙን ሒዙ ኣሎ።

    ኣብዚ እዋን ኣመሪካ 2270 ኪሎ ግራም ዝምዘን ዕርዲ ዘፍርስ ቦምባ ክትጥቀም ከም ዝጀመረት ይንገር ኣሎ።

    እዚ ቦንባ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃነጹ ሓያላት ዕርዲታት ዘለው ዒላማታት ብዕምቈት ብምእታው ናይ ምዕናው ዓቕሚ ኣለዎ።

    ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መወንጨፊ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝገለጸ ኰይኑ፡ እንታይ ዓይነት ቦንባ ከም ዝተጠቐመ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ይኹን'ምበር፡ ክልተ ዓይነት ቦንባታት ከም ዘለው ይፍለጥ። እዚኦም ድማ ብጨረር ዝምራሕ ጁቢዩ-28ን ሓድሽ ዘመናዊ ጂቢዩ-72ን ይብሃሉ።

    ኣብዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ እዚ ሓድሽ ቦንባ ተጠቒማ ክትኸውን ከም እትኽእል ይግመት።

    ኢራን ብወገና ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ትፍጽም እያ ዘላ።

  13. ኢራን ንእስራኤል ብምስላይ ዝኸሰሰቶ ሰብ ብሞት ቀጺዓ

    ማዕከናት ዜና ኢራን፡ "ሰላዪ እስራኤል” ተባሂሉ ዝተኸሰሰ እስራኤዊ ብሞት ከም ዝተቐጽዐ ሓቢረን።

    እቲ ኮሩሽ ኬቫኒ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ሰነ 2025 ምስ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናይ 12 መዓልታት ኲናት፡ ብዛዕባ “ተሃዋሲ ቦታታት” እታ ሃገር ምስልን ሓበሬታን ናብ ትካል ስለያ እስራኤል ሞሳድ ብምሕላፍ ተኸሲሱ ከም ዝተኣሰረ፡ እቲ ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝተኣሳሰረ ማዕከን ዜና ታስኒም ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

    ኬቫኒ ፈለማ ጸጥታ እስራኤል ብ2023፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ኢንተርነት ናይ መገሻታት ጉጅለ ዝተዳለወ መወዓውዒ ድሕሪ ምጥዋቑ ከም ዘለለዮ ይግለጽ።

    ብድሕሪኡ ብሓደ መኮነን ሞሳድ ከም ዝተመልመለን፡ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳን ተልኣቪቭን ናይ ክልተ ዓመት ስልጠና ድሕሪ ምውሳዱ፡ ስርሒታት ንምክያድ ናብ ኢራን ከም ዝተላእኸ ይሕብር።

    ቢቢሲ ነቲ ኣብ ጸብጻብ ታስኒም ዝቐረበ ክስታትን ብናጻ ኣየረጋገጸን።

  14. ኢራን ኣብ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ 192 ሰባት መጉዳእቲ በጺሑዎም

    ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 192 ሰባት ቈሲሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ሓቢሩ።

    እቲ ሚኒስትሪ፡ ካብቶም ዝተጐድኡ እቶም ኣርባዕተ ኣብ "ድሓን" ኩነታት ከም ዘለዉን፡ 177 ድማ "ቀሊል መጉዳእቲ" ከም ዝበጽሖምን ይገልጽ።

    ኢራን ሎሚ ለይቲ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከቡ ወዲ ተባዕታይን ጓለንስተይቲን ኣብ ተልኣቪቭ ሞይቶም'ዮም።

    እቶም ዝተረፉ 11 ሰባት ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለዉ ንጹር ኣይኰነን።

    እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒ 3727 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ይሕብር።

  15. ኢራን ሓላፊ ጸጥታ ሃገራ ላሪጃኒ ከም ዝተቐትለ ኣረጋጊጻ

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ሞት ሓላፊ ጸጥታ ኢራን ዓሊ ላሪጃኒ ኣረጋጊጸን።

    ንሱ ድሕሪ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ዝተቐትለ ዝለዓለ መራሒ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ሓላፊ ሰራዊት ኢራን “ወሳንን ዘየጣዕስን ምላሽ” ክህበሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድማ ድሮ “ሕነ ንምፍዳይ” ናብ ማእከላይ እስራኤል ሚሳይላት ከም ዘወንጨፈ ይንገር።

    ኩዌት፡ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንምዕጋት ምክልኻል ኣየራ ከም ዝተዋፈረት ትገልጽ።

    ሰበስልጣን ባሕረይን ነበርታ ክዕቆቡ መጠንቀቕታ ኣውጺኦም ኣለው።

  16. ኢማራት ዓረብ ካብ ኢራን ንዝብገስ ሚሳይላት ምላሽ ትህብ

    ኢራን ድሕሪ ሞት ሓላፊ ጸጥታ ዓሊ ላሪጃኒ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕትታታ ኣሓዲሳ።

    ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከባ ናይ ህጹጽ ረድኤት ጉጅለታት፡ "ንስግኣት ሚሳይላት ምላሽ ኣብ ምሃብ" ተዋፊሮም ኣለው።

    ሃገራዊ በዓል መዚ ምሕደራ ህጹጽ ቅልውላውን ሓደጋን ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ኣብዚ እዋን'ዚ ንሓደጋታት ሚሳይል ምላሽ ይህቡ ኣለዉ" ይብል።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዱባይ ሓያል ፍንጀራ ከም ዘጋጠመ ይሕበር ኣሎ።

  17. ስእሊ፡ ቤይሩት ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ዝወረዳ ጉድኣት

    እዞም ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት ቤይሩት ዝተሳእሉ ስእልታት፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጸመ ጉድኣት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ዘርእዩ እዮም።

    ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 24 ድማ ቆሲሎም።

  18. ብስእሊ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ተልኣቪቭ ዘጋጠመ ዕንወት

    ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰብኣይን ሰበይትን ብናይ ኢራን መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተቐትሉሉ ተገሊጹ።

    እቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ተልኣቪቭ ዝወርደ ጉድኣት'ውን ብስእልታት ይወጽእ ኣሎ።

  19. ላዕለዋይ ሓላፊ ፀጥታ ኣመሪካ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ካብ ስልጣኑ ለቒቑ

  20. "ሸዊት ብዘይ ፍቓድ ቤትፍርዲ፡ ሲቪል ብዝለበሱ ኣካላት'ዩ ተታሒዙ" ጠበቓ