ኣመሪካ ብሓይልታት ትግራይ ተፈጺሞም ብዝተባህሉ መጥቃዕቲታት ተሻቒላ

Published

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ መጥቃዕቲታት ከም ዘሻቐልዎ ገሊጹ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ገበናት ኲናት ዝወዳደር ገበን ፈጺሞም ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ ዘሎ፡፡

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ምስ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ሓይልታት ጾታ መሰረት ዝገበረ ሓዊሱ ግፍዒታት ፈጺሞም ዝብል ጸብጻብ ኣምነስቲ ኣሻቒሉኒ ኢሉ ኣሎ፡፡

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ኩሎም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘብጽሕዎ ጥሕሰት መሰላት ደው ከብሉ ብምሕታት፡ ምምሕዳር ባይደን እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ በደላት ተመርሚሮም ገበነኛታት ተሓተትቲ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ጽኑዕ ቅዋም ከም ዘለዎ ገሊጹ፡፡

መንግስቲ ኣመሪካ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ኲናት ትግራይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰት መሰላት ከም ዘሻቐሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ አብ ዝጸንሑሎም እዋናት ምስ ገበናት ኲናት ዝወዳደር ቅትለትን ኣገዲድካ ምድፋርን ዝርከቡዎም መጥቃዕቲታት ከም ዝፈጸሙ ከሲሱ ነይሩ፡፡

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኮነ ኢሎም ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ፣ ደቂ ኣንስትዮን ጎራዙን ኣገዲዶም ብጉጅለ ከምዝደፈሩን ንብረት ህዝብን መንግስትን ከምዘዕነዉን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ እዩ፡፡

መራሕቲ ትግራይ ብመገዲ ቤት ፍሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ድማ ኣምነስቲ ንሓይልታት ትግራይ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ብምባል ብገበናት ኵናት ንምኽሳስ፡ "ሙሉእ ምስልን ኩነታትን ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ግጉይ ፀብፃብ" ሒዙ ከም ዝወፅአ ብምግላጽ ተቓውሞኦም ገሊጾም እዮም።

ብተወሳኺ "ሓይልታት ትግራይ ከምቲ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ንምፍፃም ኣይኮኑን ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ወፊሮም" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ገበን ምፍጻም ልኡኽ ሓይልታት ትግራይ ኣይኮነን ኢሎም።

እዚ ድማ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረይ ጸዊዖም።

ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሓይልታት ኣምሓራን ትግራይን ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም፡፡

እቲ ቅድሚ 15 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣውሪዱ እዩ፡፡

ካብ ቀረባ መዓልቲታት ናብዚ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ትግራይን ብዝቐጸለ ጎንጺ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተፈናቐሉ ዝተገለጸ ኮይኑ ኣብታ ኣብ ዘይወግዓዊ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ ድማ ሚልዮናት ብሕጽረት ምግብን ቀረብ መድሃኒትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ይግለጽ፡፡

ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ከም ዝተረኸቦ ላዕለዎም መራሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ህወሓትን ምግላጾም ዝዝከር እዩ፡፡

እንተኾነ ዛጊድ መንግስቲ ኢትጵያ ምስ ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ድርድር ከም ዘይጀመረ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገሊጹ።