እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ካብ ወርቂ-ዕደና ክሳብ ገዛ ንገዛ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግፋ
- Author, ላየን ፅጋብ
- Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ
- Published
- ንባብ: 10 ደቓይቕ
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነዚ ዛንታ ንምስንዳእ፡ ብዕጡቓት ንዝተገፈፉ ግዳያት፣ ስድራ ግዳያት፣ ካብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ዘምለጡ መናእሰይን ዘዘራረበ ኰይኑ፡ ሰነዳት ሕክምናን ገለ ተንቀሳቓሲ ምስልታትን'ውን ተመልኪቱ ኣሎ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ኣብ ትግራይ "ዝተመልመሉ" መናእሰይ ንሰራዊት የሰልጥን ከምዘሎ ዝተኣመነ እንትኾን፡ መስርሕ ምልመላ ግና "ብመንግስቲ እቲ ክልል ከም ዝፍፀም" ገሊፁ።
ነቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝተጣየሸ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምንፃግ፡ ስልጣን ዝሓዘ ቅድሚ ኲናት፡ ትግራይ ብዝካየደቶ በይንኣዊ መረፃ ተመሪፁ ዝነበረ "ክልላዊ መንግስቲ" ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ የካይድ ከምዘሎ ይኽሰስ።
ከባብያዊ ምምሕዳራትን ኣብያተ ፅሕፈትን ነቲ ይካየድ ዘሎ ወፍሪ ግፋ ነፂጐምዎ ኣለዉ።
እንተዀነ፡ እዞም ምዕባለታትን ወተሃደራዊ ግፋን ካልእ ዙር ኲናት ከየስዕቡ፡ ህዝባዊ ሻቕሎት ፈጢሮም ይርከቡ።
ኣብ ከባቢታት ወርቂ-ዕደና ዝተኻየደ ግፋ
ነባራይ ከተማ ዓድዋ ኣቦ ሓንቲ ቆልዓ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር፡ ካልሲን ናይ ውሽጢ ስረን እናዘረ ብምሻጥ ዝረኽቦ ገንዘብ ህይወቱ ንምምራሕ ኰነ ክራይ ገዛ ንምኽፋል ክመልኣሉ ኣይከኣለን።
ኣብ ዞባ ማእኸል ናብ ትርከብ ወረዳ ኣሕሰኣ ፍሉይ ቦታ ጣብያ ዓዲፍታው ወርቂ ክኣርይ ኢሉ ከይዱ።
ወርቂ እርይ ውዒሎም፡ ኣብቲ ከባቢ ንእሽተይ ኬንዳ ሰሪሖም'ዮም ዝድቅሱ፤ ኣንጊሆም ገስጊሶም ድማ ናብ ወርቂ ምእራይ ይወፍሩ።
13 ጉንበት 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ሰዓት 11፡30 ከባብያዊ ኣቆፃፅራ መሬት ወገግ ምስ በለ ከም ልሙድ ክወፍሩ እንትለዓሉ፡ ዙርይኦም ብዕጡቓትን ፖሊስን ከም ዝተኸበቡ ተረዲኦም።
እቶም፡ 180 መናእሰይ ብኣስታት 25 ዕጡቓትን ኣርባዕተ ፖሊስን ተገፊፎም፡ ኣብ ከተማ ኣሕሰኣ ናብ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ዓዲፍታው ተወሲዶም: ኣብ ሓደ ክፍሊ ብዘይ ምግብን ማይን ተቖሊፎም ሓዲሮም።
ንፅባሒቱ 14 ጉንበት 2018 ዓ.ም፡ ሲቪል ተኸዲኖም ሽጉጥ ዝዓጠቑን ሰባት ምስ ዝዕጅብዎም ፖሊስ መፅዮም "ናብ ግምባር ናብ ብረታዊ ቃልሲ ንክንኸይድ ከም ዝገፈፉና ነጊሮምና" ይብል፡ ሓደ ካብ መንጐኦም።
እቶም መናእሰይ፡ ኣብ ሰለስተ ኣውቶብሳት ተፃዒኖም፡ ኣብ ዞባ ማእኸል ጥቓ ነበለት ናብ ዝርከብ ሰጉሕ ዝበሃል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከም ዘግዐዝዎም እቶም ምንጭታት ይገልፁ።
ኣብ ጣብያ ማርያም ሸዊቶ ምስ በፅሑ፡ ተስፋይ ካብቲ ግፋን ዝፅበዮ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ንምህዳም ካብ መኪና ዘሊሉ።
ኣብ መንገዲ ወዲቑ ዝረኸብዎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሞባይሉ ካብ ጅቡኡ ብምውፃእ፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ኣክሱም ኣብ "መባእታዊ ሆስፒታል ናትና" ንተስፋይ ዘላዕሎ ዘሎ ምንኣስ ሓዉ ገብረማርያም ገብረእግዚኣብሄር ደዊሎምሉ።
"ካብ ሞባይሉ ቁፅረይ ኣውፂኦም ደዊሎምለይ። 'ሓዉ ድኻ' ኢሎምኒ። እወ ኢለዮም። 'ሓውኻ ወዲቑ ረኺብናዮ ኣለና፡ ዳርጋ ሞይቱ እየ ዝኒሀ፡ ቤተሰብ ለኣኽ' ኢሎምኒ። ኣብ ርእሱ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ፡ ካብ ኣክሱም ሪፈራል ሆስፒታል ናብ መቐለ ሪፈር ኢለሞ ነይሮም፡ ናብ መቐለ ስለ ዘይበፅሐልና (ብህይወት) ግና ናብ ናይ ውልቀ ሆስፒታል ክነእትዎ ኢልና። ኣብዚ መጥባሕቲ ናይ ርእሲ ተገይሩሉ" ይብል፡ ብዛዕባ ኩነታት ሓዉ እንትገልፅ።
"ሓወይ፡ ብጭንቂ'ዩ ናብ ምእራይ ወርቂ ከይዱ። ክሳብ ሕዚ ውንኡ ኣይፈልጥን፡ ክዛረብ ኣይኽእልን...ሸውዓተ መዓልቱ።"
ቢቢሲ ካብ መባእታዊ ሆስፒታል ናትና ዝረኸቦ ሕክምናዊ መረዳእታ፡ ወዲ 36 ዓመት ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ኣብቲ ሆስፒታል ክትትል ሕክምና ከም ዝገበረን ከቢድ ናይ ርእሲ ጉድኣት ከም ዝወረዶን የረጋግፅ።
ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ወረዳ ኣሕስኣ ኣይተ ኤልያስ ገብሩ፡ "እዚ ንናይ በዓልኻ ፖለቲካዊ ረብሓ፣ ህዝቢ ንምድንጋርን ፀገማት ንምፍጣርን ዝሰርሕዎ ኣካላት እንተዘይኰይኖም፡ ብኡ ደረጃ ዝተኻየደ ግፋ የለን። ንሕና ከም ወረዳ ገፊፍና ዘሰለፍናዮ ኰነ ዝወደቐ ንፈልጦ የለን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ብተመሳሳሊ፡ ብ17 ጉንበት 2018 ዓ.ም. ኣብ ጥቓ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ወርቂ ዝዕደነሎም ኣባግባን ሩባኸዛን ካብ ዝበሃሉ ከባቢታት፡ ኣርሚ 60 ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ገፆም ብክሹፍ ዝሸፈኑ ዕጡቓትን፡ ንልዕሊ 700 ሰባት በስገዳድ ከም ዝገፈፉ፡ ቢቢሲ ካብ ግዳያትን ኣባላት ስድራን ሓበሬታ ረኺቡ።
ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣይተ ሰለሙን ሃይለማርያም ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ፡ ንካልኦት ሰባት ብኣእዱግ እምንን ሑፃን ብምሽካም፡ መዓልታዊ ናይ ጉልበት ስራሕ ሰሪሑ ብዝረኽቦ ገንዘብ'ዩ ደቁ ዘዕብይ ነይሩ።
ኣብቲ ዕለት ሩባኸዛ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ወርቂ ዝኣርዩ ሰባት ሓመድ ከግዕዘሎም ተሰማሚዖም ወሲደሞ። ብድሕሪኡ ሰለሙንን ወዲ ሓው ኣቡኡን ናብ ገዘኦም ኣይተመለሱን።
በዓልቲ እንድኡ ወይዘሮ መድረኽ ኪዳነማርያም፡ "ብሰኑይ ናብ ስራሕ ምስ ከደ፡ ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ወሲደሞ። እቶም ኣእዱግ ካልእ ሰብ'ዩ ናብ ገዛ ኣምፂእዎም። ስረሐይ ኣብ ወሰን ፅርግያ ስለዝኾነ፡ ተገፊፎም ብመኪና ክሓልፉ ርእየ። 'ኣብዛ መኪና ኣሎ' ምስ በሉኒ 500 ብር ተለቂሐ ሃቡለይ ኢለ ሂበዮም" ትብል።
በዓል ገዝኣ ማይቅነጣል ሓሊፍኻ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከም ዝተወሰደ ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ትገልፅ።
"ብጣዕሚ ኢና ተጨኒቕና ዘለና። ቆልዑ ናፊቐሞ፡ ኣቦና እናበሉ ይሕሙስና ኣለዉ። እዞም ቆልዑ ጠዋሪ የብሎምን። ሰለሙን'ውን ድሌት የብሉን፤ ብሓይሊ'ዮም ወሲደሞ።"
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ከንቲባ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ተኽላይ ተስፋይን ምክትል ከንቲባ ኣይተ ዘርኣይ ሓጎስን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።
ዘካርያስ* ኣብቲ ዕለት ካብ ኣባግባ "ብክሹፍ ገፆም ብዝተሸፈኑ ዕጡቓት" ካብ መንጎ ዝተገፈፉ ኣማኢት ሰባት እዩ።
"ነቲ ኣብ ጉድጓድ ወርቂ ይኣርይ ዝነበረ ሰብ ብበትሪ እናወቕዑ ገፊፈሞ። መንነቶም ኣይፍለጡን፡ ካብ ዓይኖም ወፃኢ ገፆም ኣይረኣዩን። ኩሉ ሰብ ጥራሕ ነብሱ'ዩ ነይሩ። ኣብ ጉድጓድ ስለ ዝነበረ ካብ ናይ ውሽጢ ስረ ወፃኢ ክዳን ኰነ ጫማ ኣይገበረን። ብበትሪ ካብ ምውቃዕ ሓሊፎም ክሳብ ጥይት ምትኳስ በፂሖም። 'እንታይ ገይረ?' ኢልኻ እንተሓቲትኻ፡ መልሱ በትሪ'ዩ" ይብል።
ግዳያት ከም ዝብልዎ፡ ካብ ወረዳታት ጣንቋ ምላሽ፣ ቀይሕ ተኽልን ዓብይ ዓዲን ዝመፅኡ ካብ ኣባግባ ዝተገፈፉ 500 ሰባት፡ ናብ ቤት-ማዘጋጃ ከተማ ዓብይ ዓዲ፡ ነቶም ካልኦት ካብ ቆላ ተምቤን ዝመፅኡ 200 ሰባት ድማ፡ ኣብ ጥቓ መዐደሊ ነዳዲ ከተማ ዓብይ ዓዲ ናብ ዝርከብ ዘይተወድአ ህንፃ በቶም ዕጡቓት ተወሲዶም።
ድሕሪኡ፡ ንፀጥታን ፖሊስን እታ ከተማ ከምኡ'ውን ንምምሕዳር ከተማ ዓብይ ዓዲን ወረዳን ኣረኪበሞም።
ኣብ ኣዳራሽ ቤት-ማዘጋጃ ዓብይ ዓዲ፡ ከንቲባ እታ ከተማ፣ ምክትሉን ሓለፍቲ ፀጥታን ተረኺቦም፡ ነቶም ግዳያት "ክትጋደሉ ኢኹም" ከምዝበሉዎም ይዛረቡ።
" 'ናብ ምግዳል ኢኹም ክትኸዱ' ኢሎምና። ክዳንና እንከይተኸደንና ብደውና ኢና ዘለና፣ ንብረትና፡ ሞባይልና እንከይሓዝና ብዝወዓልናዮ ኢኹም ገፊፍኹምና፤ ክዳንና ክንኽደን ኢልናዮም። 'ባዕልኹም ትፈልጡ፡ ኣይትኸዱን ኢኹም' ኢሎምና።"
ብኣውቶብስ፣ ኦራልን ኣይሱዚን መኻይን ኣምፂኦም እናፅዓኑ ከምዝወሰዱዎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት ይዛረቡ።
እቲ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ፡ ኣብ መንጎ ዕዳጋ ዓርብን ማይ ቅነጣልን ዝርከብ ከም ዝኾነ ነጊሮምና" ይብል፡ እቲ "ብዙሓት ስርድኡ ኣሰዊኡ" ብዝብል፡ እንከይኸደ ዝተረፈ ዘካርያስ*።
ምክትል ኣዛዚ ኣርሚ 60 ከርነል ዘልኡል ማቲዮስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ናህቱ ኣርሚ ኣብ ኣባግባ ተዋፊሩ "ስጉምቲ" ከም ዝወሰደ ገሊፁ።
"ኣብቲ ከባቢ ናይ መዓድን ውራ ኣሎ። ነዚ ኣብኡ ዝነበረ መንእሰይ 'ኦፕሬሽን' ጌርና በቲንናዮ ኢና። ክትፈልጥዮ ዘለኪ፡ ብዛዕባ ምስላፍ ናይ መንእሰይ፡ ናይቲ ካድረን 08ን ስራሕቲ'ምበር ናህትና ስራሕ ኣይኰነን። ኣብ ሩባኸዛን እንዳባግባን ዝነበረ መንእሰይ ንካልእ ናይ ፀጥታ ኩነታት ብጣዕሚ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ ስጉምቲ ወሲድና ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኣብ መንጎ ማይቅነጣልን ዕዳጋ ዓርብን ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መናእሰይ ኣይወሰድኩምን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ከርነል፡ "ግደፍዮ እንዶ ንሱ፡ ኣነ ከምዚ ዓይነት ካርታ ኣይደልን። ንስኺ እንታይ ኣእትዩኪ! ብዛዕባ ካርታ እኮ ኣየድልየኩምን!...ወይለከ... ንሱ ጂፒኤስ ሒዝኪ ረእይዮ!...ዝፈልጦ ነገር የብለይን!" ኢሉ።
"ንወደይ ካብ ገዛ ገፊፎም ወሲደሞ"
ኣብ ብዙሓት ጣብያታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ሚያዝያን ጉንበትን ክዳን ሓይልታት ትግራይ ዝተኸደኑ ዕጡቓት ገዛ ንገዛ ብምዛር ብዙሓት መናእሰይ ከም ዝገፈፉ፡ ግዳያትን ስድራ ግዳያትን ንቢቢሲ ይገልፁ።
ኣይተ ሓጎስ* ኣብቲ ዞባ ኣብ ትርከብ ሓንቲ ጣብያ ዝነብሩ ሓረስታይ'ዮም። 14 ጉንበት 2018 ዓ.ም. ብለይቲ ገዝኦም ተንኳሕኵሑ። ደቂሶም'ዮም ነይሮም፤ "ሬንጀር ዝተኸደኑ" ዕጡቓት ከምዝረአዩ ይዛረቡ።
እቶም ዕጡቓት፡ ንወዲ 20 ዓመት ወዶም ካብ ድቃሱ ኣልዒሎም ወሲዶምዎ።
"ብሓደ ደቂስና ኢና ነይርና። 'እንታይ መፅዩና' ኢልና ፈሪሕና። 'እከለ ኢና' ኣይበሉን። ንወደይ ስለ ዝረኸብዎ 'ንዓናይ ሕለፍ!' ኢሎም፡ ካብ ገዛ ገፊፎም ወሲደምዎ። ሕዚ ኣብዚ ኣሎ ኣይብሎን። ደሃዩ የብልናን።"
ንወዶም ንምንታይ ከም ዝወስድዎ፡ ነቶም ዕጡቓት ከም ዝሓተትዎም ዝገልፁ ኣይተ ሓጎስ*፡ 'ኣየድልየካን ተመለስ! ናብ መሓዙቱ ናብ ምግዳል ኢና ንወስዶ ዘለና! ብመዓልቱ ባዕሉ ክመፅአካ እዩ!' ከም ዝበልዎም ይዛረቡ።
ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ'ውን፡ ብቀትሪ ኣስታት 40 መናእሰይ ብዕጡቓት ከም ዝተወሰዱ ዝዛረቡ ኣይተ ሓጎስ*፡ "ሰብ ክቃለስ እንተኾይኑ ብድሌቱ 'ምበር፡ እናዓመፅኻ ምውሳድ ስርዓት ዘለዎ ኣይኰነን። ብጣዕሚ ሕማቕ ነገር'ዩ። ወላዲ ደቅና ክወስዱልና'ዮም ኢሉ ተሻቒሉ'ዩ ዝኒሀ" ይብሉ።
ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ኣባዲ፡ መንእሰይ "ንምምካት" ይዳሎ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።
"እቲ ዘሎ ሓቂ፡ ፀላእቲ ሕዚ'ውን ዝተፈላለዩ ፅሕተራታት ይገብሩልና ኣለዉ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ዕፅዋን ክባን ኣለና። እዚኣ ዝዕዘብ ዘሎ መንእሰይ ከይመውት፣ ዳግማይ ፅንተት ከይፍፀመሉ ንዓርሱ ክከላኸል ስለዘለዎ፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ፋሽሽታዊ ስርዓት ንምምካት ነብሱ ናይ ምድላውን ናይ ምክልኻልን ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ። 'ተገፊፎም ተዓፊኖም' ዝብሉ ዘረባታት ግና፡ ውድብ ብልፅግና ዝገብሮ ዘሎ ሽርሒ'ዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ካብ መዛነይ ቦታታትን መንገድን ዝተገፈፉ መናእሰይ
ኣብ ከተማ ኣክሱም፡ ብሰንበት 16 ጉንበት 2018 ዓ.ም. ዕጡቓት ካብ በቢ መንገዱን ኣብ ሲያትል ሲኒማ ናይ ኣርሰናል እግሪ ኩዕሶ ፀወታ ይርእዩ ዝነበሩን ብዙሓት መናእሰይ ገፊፎም ከም ዝወሰዱ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ወዲ 20 ዓመት እዮብ* ኣጋ ምሸት፡ ብዝተዓጠቑ ሓይልታት ትግራይን ከባብያዊ ሚሊሻን ተገፊፉ፡ ኣብ ከባቢ ስታዲየም ናብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ተወሲደ ይብል።
ንእዮብ* ሓዊሱ ኣብቲ ጣብያ ፖሊስ 60 መናእሰይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተዳጕኖም ከምዝሓደሩ ይዛረብ። ንፅባሒቱ ሰኑይ፡ ብኣውቶብስ ተፃዒኖም ኣብ ከባቢ 'መንገዲ ቻይና' ናብ ዝርከብ "ካምፕ ፍሉይ ሓይሊ" ተወሲዶም።
"ኣደታት 'ወደይ ምለሱለይ' እናበላ ይበኽያ ነይረን። ዝሰምዐን ኣካል ግና ኣይነበረን። ደቅና እናበላ እናበኸያ ተደፊአን (ብዕጡቓት) ምርኣይ. . . ብጣዕሚ'ዩ ዘሕዝን፤ እዚ ካብ ናህትኻ ሰራዊት ዘይትፅበዮ'ዩ"።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ደቀን ወይ ኣሕዋተን ዝተገፈፍወን ኣደታትን ደቂኣንስትዮን ካብ ስታዲየም ብቐረባ ርሕቐት ኣብ ከባቢ መንገዲ ቻይና ኣብ ዝርከብ 'ኣፍደገ ካምፕ ሓይልታት ትግራይ' ኰይነን እንተእውያ ዘርእይ፡ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ረኺቡ ተመልኪቱ።
ብዝኾነ ኣጋጣሚ ናብ መዓስከር ከይኣተወ ዝተረፈ እዮብ*፡ ሕዚ'ውን ግና ውሕስና ከምዘይስመዖ ይዛረብ።
ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ ኣክሱም ኣይተ ቴድሮስ በየነ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ ግፋ ዝምልከት ካብ ቢቢሲ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ኣብ ኣኼባ ከም ዘሎን" ፀኒሑ ከም ዝድውልን ገሊፁ'ኳ እንተነበረ መሊስና ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ካልእ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ባንክ ፀሃይ ዝሰርሕ ወዲ 24 ዓመት ዳዊት ጉዕሽ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዘኡ ኣብ ከባቢ ኣክሱም ምስ ዝርከቡ ስድርኡ ኣሕሊፉ ብ13 ጉንበት 2018 ዓ.ም ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶብስ ናብ ስርሑ እንትምለስ፡ ንጉሆ ሰዓት 4፡00 ከባብያዊ ኣቆፃፅራ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ከምዝተገፈፈ ሓፍቱ ትገልፅ።
ዕጡቓት ኣብቲ ዕለት ኣብ መስመር ኣክሱም- ዓድዋ-መቐለ ንዳዊት ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝሓልፋ መኻይን፡ 16 መናእሰይ ከምዝገፈፉ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
ሓፍቲ ዳዊት- ተበርህ ጉዕሽ፡ " 'ኣነ ሰራሕተኛ መንግስቲ እየ፣ ሓፍተይ ተጋዲላ እያ' እንተበሎም ኣይንሰምዕን ኢሎም ኣእትየሞ። ሕዚ ኣብ ሰጉሕ ዝበሃል መሰልጠኒ ከምዘሎ ፈሊጠ። ንዕኡ ክንረኽቦ ፈቲንና እቶም መራሕቲ ሓይሊ ስልኪ ዓፅዮምና" ትብል።
ስድርኡ፡ ብምግፋፍ እቲ ናባይኦምን ጠዋሪኦምን ዳዊት፡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት'ዮም ዝርከቡ።
ዳዊት ዝሰርሐሉ ባንክ ፀሃይ ጨንፈር መቐለ፡ 'ዳዊት ንብረት ከም ዘየረከቦም' ብምግላፅ፡ ''ሰራሕተኝኦም ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ብኣካል ተረኺቡ ንብረት ከረክብ' ዝሓትት ደብዳበ ከም ዝፀሓፈ ቢቢሲ ትግርኛ ነቲ ሰነድ ረኺቡ ኣሎ።
እንተኾነ ኣካያዲት ስራሕ ባንክ ፀሃይ፡ ወይዘሮ ሄለን ኣማረ፡ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንክትህብ ቢቢሲ ብስልኪ ንምርካብ ዝገበሮ ተፈጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን፡ ብፅሑፍ ንዝቐረበላ ሕቶ'ውን ኣይመለሰትን።
ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ ዓድዋ ኣይተ ተስፋይ ገብረሃወርያ፡ "ከምቲ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘሎ ምንቅስቓስ" ኣብታ ከተማ ናይ ምግፋፍ ዘይኰነስ ኣእሚንካ ናይ ምስላፍ መደብ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።
"ግፋን ምስላፍን ይፈላለይ'ዩ" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ "ከም ተጋሩ ሕዚ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣለና፣ መሬትና ተወሪሩ ሉኣላዊ ግዝኣትና ኣይተመለሰን፣ ተመዛባላይና'ውን ኣደዳ ጥሜትን ሞትን ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ንሕና ሉኣላውነትና ክነኽብር ክንኽእል ኣለና። ከባብያዊ ፀጥታ ንምሕላው ነቲ መንእሰይ ኣእሚንኻ ተእትዎ ኢኻ፤ ናብ ሰራዊት እንድሕር ዝኣቱ ኰይኑ፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘድልዮ እንተኾይኑ ክወስድ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
"እቲ ካብ ኣክሱም እናተመለሰ ካብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተገፊፉ ዝበሃል፡ ንዓይ ሓድሽ ሓበሬታ'ዩ" ብምባል፡ ተፍትሽ 'ምበር ግፋ ከምዘይካየድ ተዛሪቡ።
'ደቅኽን ዘየጋደልክን' ተባሂለን ዝተኣሰራ ኣደታት
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፡ ከተማ ውቕሮ፡ "ደቅኽን ወይ ሰብኡትክን ናብ ምግዳል ለኣኻ" ንዝብል ጎስጓስ ኣመሓደርቲ ዘይተቐበላ፡ ኣስታት 50 ኣደታት ካብ 13 ጉንበት 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ከም ዝተኣሰራ፡ ንቢቢሲ ገሊፀን።
ብፍሉይ ኣብ ጣቢያ ኣግኣዚ፡ ወለዲ 'ኣኼባ ስለዘሎ ናብ ቀበሌ ክትመፅኣ' ዝብል መፀዋዕታ ወረቐት ተዋሂብወን፡ ኣብኡ ምስ ከዳ ግና፡ "ደቅኽን ኣጋድላ" ከምዝተብሃላ ይዛረባ።
ካብ መንጐአን ሓንቲ ወይዘሮ ሃንሳ*፡ " 'እዚኣ ናይ ሞትን ሕውየትን ጉዳይ እያ። በላዒ ይመፅአና ስለዘሎ እዛ ትግራይ ኢድኹም ሕወሱላ፡ ዘይጀመረ ኢና ነጀምር ዘለና (ዘይተጋደለ)፡ ደቅኽን፣ ሰብኡትክን ኣጋድላ' ኢሎምና። 'ዓቕመ ኣዳም ዝመልአ ውሉድ ኣለዋ ስለ ዝተብሃልኪ ንውሉድኺ ኢና ደሊና' ኢሎምኒ። ምሳይ የለን ምስ በልክዎም፡ 'ተምፅእዮ! ተምፅእዮ!' ኢሎም፡ ኣብ ጣብያ ኣግኣዚ ሸሞንተ መዓልቲ ብዘይ ምግቢ ተቖሊፍና።
'ደቅኽን ሰብኡትክን ኣይነምፅእን እንተይልክን፡ ተፍትሽ ዘይቐሪ እዩ' ኢሎምና። ወላዲ ፀጊምዎ ኣሎ፣ ወላዲ ከፊእዎ ኣሎ" ትብል።
ኣባል ሓይልታት ትግራይ ዝነበረትን ብሰንኪ መውጋእቲ ዝተሰናበተትን ሃይማኖት ኣብርሃ፡ ነዚ ኩነታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምቅላዓ ንሰለስተ መዓልታት ከምዝተኣሰረት ትዛረብ።
"ኵናት፣ ደም ምፍሳስ ይትረፍ፣ (ኣፈላላይ) ኣብ ጣውላ ይፈታሕ። ሰላም ኢና ንደልይ። እተን ጠርነፍቲ ናይ ቀበሌ ደቀን ንኣዲስ ኣበባ ልኢኸን፡ ደቂ እማተን ከጋድላ ገዛ ንገዛ ይዘራ ኣለዋ ብምባለይ ተኣሲረ። ዘይወፅአ ስኮጆ እናሃለወኒ ኣብ ስሚንቶ ኣሕዲሮም ፀገም ወሲኾምለይ።"
ኣብዚ ጉዳይ ዝተሓተቱ ከንቲባ ከተማ ውቕሮ ኣይተ ገብረሚካኤል ገብረመድህንን፡ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ወረዳ ውቕሮ ኣይተ ገብረሚካኤል ተኽላይን፡ ነቲ ብግዳያትን ስድራ ግዳያትን ዝቐረበ ክሲ "ኣብ ባይታ ዘየለ ፃዕዳ ሕሶትን ምስሊ እቲ ከባቢ ንምፅላም ዝቐርብን'ዩ" ብምባል ነፂጐምዎ።
ጉዳይ ማእሰርቲ ሃይማኖት ኣብርሃ ሓቂ ምዃኑ ዝኣመነ ኣይተ ገብረሚካኤል ገብረመድህን ፡ "ማስክ ገይሮም ፀሊም መነፀር ገይሮም ይገፍፉ ኣለዉ ስለዝበለትን፡ እዚ ሓሶት ስለ ዝኾነን ናብ ሕጊ ቀሪባ። ቤት-ፍርዲ 'እዚ ናይ ቲክቶክ'ዩ መቕፅዒ የብሉን' ኢሉ ብሓሙሽተ ሽሕ ብር ዋሕስ ለቒቕዋ" ኢሉ።
ካብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ዘምለጠ መንእሰይ
ብ16 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ካብ ዝርከብ ሓደ ጣብያ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ናይ ለይቲ ኣብ ቅድሚ ወላዲኡ፡ ብዕጡቓት ከምዝተወስደ ዝዛረብ ሰናይ*፡ ኣብ ዛና ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ን28 መዓልታት ወተሃደራዊ ስልጠና ከም ዝወሰደ ይገልፅ።
ወዲ 19 ዓመት ሰናይ*፡ ምስ ካልኦት 15 መናእሰይ ከም ዝተወስደን ኣብቲ መሰልጠኒ ተዓለምቲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝግበረሎምን ይሕብር።
"ጎቦታት ዘለዎ በረኻ'ዩ። ቤት-ትምህርቲ ዝመስል'ዩ። እቶም ክፍልታት ውሱናት ስለ ዝኾኑ ኩሉ ሰልጣኒ ኣብኡ ንክድቅስ ኣይኣክልን። ቀዲሙ ዝኣተወ ኣብ ክፍሊታት ይሓድር፣ ዝተረፈ ድማ ኣብ ደገ ኣብ ኬንዳ ይሓድር።
"ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 30 ንኸውን ሰባት ተጨናኒቕና ኣብ ሲሚንቶ ኢና ንሓድር፡ ፍርናሽ ኰነ መደቀሲ የብሉን። ንከይንሞልቕ ሓፁርን ሓለዋን ኣሎ። ኣብኡ ንጉሆን ምሸትን ይርኣዩኻ'ምበር፡ ኣብ ምንታይ ትድቅስ? ዝብል ጉዳዮም ኣይኰነን።
ንጉሆን ድሕሪ ሰዓትን'ዮም ዘሰልጡንና። ጉያ የጉይዩና፣ ፍልልይ ኣካላት የስርሑና፣ ስልቲ ኣተኣታትዋ ፀላኢን ምትኳስ ኣፅዋርን የሰልጡንና" ይብል።
ተዓለምቲ ካብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ክሃድሙ እንተተረኺቦም፡ ከቢድ ቅፅዓት ከም ዝወርዶምን ከም ዝሳቐዩን'ዩ ሰናይ* ንቢቢሲ ገሊፁ።
"እቶም ዓጓን ሬንጀርን ዝተኸደኑ ወተሃደራት ብጣዕሚ'ዮም ዝወቕዑኻ። ክሃድሙ ፈቲኖም ንዝተትሓዙ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰልጣኒ ብበትሪ ይወቕዕዎም። ኣርባዕተ ሓሙሽተ ሜትሮ ኣብ እምኒ ብኸብድኻ ተፎሓኽ ይብሉኻ። ብጣዕሚ ክፉእ'ዩ።"
ሰናይ*፡ ንሱ'ውን እንተታሒዙ ከም ካልኦት ተመሳሳሊ ዕጫ ከም ዝገጥሞ እንተፈለጠ'ውን ግና፡ ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ንክሃድም ከምዝወሰነ ይዛረብ።
እቶም ተዓለምቲ ንምግቢ መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኣብ በረኻ በብተራ ሓለውቲ ተገይርሎም ኣብ ዝኣርይሉ እዋን፡ ካብቲ ኣስታት ሓደ ወርሒ ስልጠና ዝወሰደሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ሃዲሙ ከምዘመልጠ ይገልፅ።
'መንግስቲ ትግራይ መልሚሉ ዝሃበና ነሰልጥን ኣለና'
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ "ተመልሚሎም ንዝመፅኡ መናእሰይ" ወተሃደራዊ ስልጠና ይህብ ከምዘሎን መስርሕ ምልመላ ግና "መንግስቲ ትግራይ ይፍፅሞ ከም ዘሎን" ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ቢቢሲ ትግርኛ ንሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ (ፍስሃ ማንጁስ) ብስልክን ናይ ፅሑፍ መልእኽትን ብቐጥታ ክረኽቦ ፈቲኑ።
ሓላፊ እቲ ቤት-ፅሕፈት ኣይተ መብራህቱ ሃይሉ፡ ንቢቢሲ ምላሽ ንክህብ ብጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ከም ዝተነገሮ ብምግላፅ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ።
ኣይተ መብራህቱ፡ "ብዛዕባ ሰራዊት ምምልማል፡ ናህትና ስራሕ ኣይኰነን። ምስቲ ሕዚ ተጣይሹ ዘሎ መንግስቲ፡ ምስኡ ተዘራረቡ። መንግስቲ ትግራይ'ዩ መልሚሉ ዝህበና። ንሕና መልሚሎም ንዝሃቡና ሰብ ነሰልጥንን ነብቅዕን ኣለና። (መንእሰይ) ናብ ታዕሊም ብኸመይ'ዩ ዝመፅእ ዘሎ ኣይንፈልጥን። ብኸመይ'ዮም ዘካይድዎ ዘለዉ ዝብል፡ ባዕሎም ይመልስዎ" ብምባል፡ ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ።
ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ሓድሽ 'ሴንትራል ኮማንድ'፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፋ መናእሰይ ከም ዝመርሖ ቢቢሲ ካብ ወተሃደራዊ ምንጭታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ቢቢሲ፡ ኣቦወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ምክትል ኣቦወንበር ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋን ብቀጥታ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን። ብናይ ዋትስኣፕን ሲግናልን ቁፅሮም ቢቢሲ ብፅሑፍ ንዘቕረበሎም ሕቶ'ውን ኣይመለሱን።
እቲ ቅድመ-ኲናት ትግራይ፡ ትግራይ ብዘካየደቶ በይንኣዊ መረፃ ዝተመርፀ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምንፃግ ስልጣን ተቘፃፂሩ ዝርከብን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ዝፈረሰ ክልላዊ ቤት-ምኽሪ ከም ዝተመለሰን ዝገለፀ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ከም ዝኾነ ኣዊጁ ይርከብ።
ኣብ ፅባሕ መረፃ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ክልል ዘለዉ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝሃቦ ዕላዊ ርኢቶ የለን።
*ገለ ኣስማት ንደሕንነት ግዳያት ተቐይሮም'ዮም