እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ርእይቶ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ኣቘጢዑ
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያንን ሞዛምቢካውያንን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ኣቘጢዑ።
ዶክተር ቴድሮስ ብሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ "ካልእ ዙር ጸረ-ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ" የንጸላሉ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ተግባር "እታ ሃገር ንናጽነት ዝገበረቶ ተጋድሎ ዝኽሕድ ኣሳቃቒ" ኵነታት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝፍጸም ዘሎ ጸረ-ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስድራቤታት ከም ዝተመዛበሉን ህይወት ሰባት ብኸንቱ ይጠፍእ ከም ዘሎን ብምግላጽ፡ ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያንን ሞዛምቢካውያንን ከም ኣብነት ጠቒሱ።
በዚ ድማ ብውሑዱ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያንን ሓሙሽተ ሞዛምቢካውያንን ከም ዝተቐትሉ ዝሓበረ እቲ ዳይረክተር፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ንህወቶም ብምስጋእ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ጽሒፉ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ርእይቶ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጌጋ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ዝበሃል ጸረ-ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ቅኑዕን እሙንን ሓበሬታ ንውድብ ጥዕና ዓለም ከረድኡ ከም ዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ ቤትጽሕፈት ዓለምለኻዊ ርክባትን ምትሕብባርን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብወሃቢ-ቓሉ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ዶክተር ቴድሮስ ብሰንኪ ሞት ናይቶም ዝጠቐሶም ዜጋታት ወጻኢ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ፡ እቲ ምኽንያት ግን መጥቃዕቲ ጸረ-ወጻእተኛታት ከም ዘይኰነ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ብዓልስልጣን፡ ምኽንያት ሞት ናይቶም ኢትዮጵያውያንን ሞዛምቢካውያንን ጸረ-ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ሞት ናይቶም ኢትዮጵያውያን ምስ ዝተወደበ ገበን ዝተኣሳሰር ምዃኑ፡ ናይቶም ሞዛምቢካውያን ሞት ድማ ገና ኣብ ምርመራ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።
ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ (ዓሌታዊ ኣፈላላይ) ንምፍራስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓባር ከም ዝቘማ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ "ንማንዴላ ብምድጋፍ ፓስፖርት ብምሃብ ኣብታ ክፍለ-ዓለም ክንቀሳቐስ ከም ዝገበረት፡ ካልኦት ሃገራት'ውን ብተመሳሳሊ ብተፈላለየ መንገድታት ደገፍ ከም ዝሃባ፡" ኣዘኻኺሩ።
ይዅን'ምበር፡ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ጸረ-ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ፡ እታ ሃገር "ንናጽነት ዘካየደቶ ተጋድሎ ዝኽሕድ እዩ፡" ክብል ወቒሱ።
እቲ ዋና ዳይረክተር ቀጺሉ፡ "ዘይምርድዳኣትን ቅሬታታትን ብጃምላዊ ጐነጽን ህዝባዊ መጥቃዕትን ዘይኰነስ ብስርዓተ ሕግን ብልዕልና ሕግን ጥራይ እዩ ፍታሕ ክረክብ ዝግብኦ፡" ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝርአ ዘሎ ጽልኢ ደው ክብል፡ ንድሕነቶም ሓለዋ ክግበረሎምን ሰብኣዊ ሓልዮት ክኽበርን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸረ-ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ስምዒታት ብግህዶን ብተዘዋዋርን ክንጸባረቕ ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ነቶም ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ክቈጻጸር ዝሓቱ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ተኻይዶም እዮም።
ብተወሳኺ'ውን ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝዓለመ መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም። ይዅን እምበር ምስዞም መጥቃዕትታት ተተሓሒዞም ዝርዝር ሓበሬታታትን ቍጽርታትን ካብ መንግስቲ ዛጊት ዝተዋህበ የሎን።
መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎን ዜጋታት ሕጊ ናብ ኢዶም ብምእታው ዝዀነ ዓይነት ስጕምቲ ንኸይወስዱ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።
ናይ ዜጋታተን ድሕነት ዘሻቐለን ከም ጋናን ናይጀርያን ዝበላ ሃገራት፡ ክምለሱ ድላይ ዘለዎም ዜጋታተን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከውጽኣ ጀሚረን ኣለዋ።