እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ሶማልያ፡ ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ፕረዚደንት ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ቅልውላው ኣስዒቡ

እብረ-ስልጣን ፕረዚደንት ሼኽ ሓሳን ማሕሙድ ብ15 ግንቦት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ንሓደ ዓመት ምንውሑ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ናይቲ ፕረዚደንት ዘይቅዋማዊ'ዩ ክብሉ ዝነቐፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሎሚ ሓሙስ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም ነይሮም።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኢትዮጵያ ንሻብዓይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ተካይድ ኣላ
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዜጋታት ድምፂ ይህቡ ኣለዉ
  • ኣብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ዕለት ምርጫ ኣይካየድን
  • ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብሰንኪ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ድምፂ ምሃብ ኣይካየድን
  • 54 ሚልዮን መረጽቲ ተመዝጊቦም
  • ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን
  • ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ይወዳደሩ
  • 55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ኣለዋ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሕዝቦላህ ኣብ መንጐ ሊባኖስን እስራኤልን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺጉ

    ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንዋሕ ምቊራጽ ተዂሲ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ እቲ በመንጐኝነት ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ንሊባኖስ "ዘሕስር'ዩ" ክብል ነጺግዎ።

    ሰለስቲአን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኣኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ሕዝቦላህ "ምሉእ ብምሉእ ተጻብኦታት ደው እንተኣቢሉ" ዝፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጠን ነይረን።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

  2. ሶማልያ፡ ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ከቢድ ግጭት ተፈጢሩ

    ኣብ ሶማልያ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓት ተቓወምቲን ጽዑቕ ምልውዋጥ ተዂሲ ተሰሚዑ።

    እቲ ግጭት ብሰንኪ ምንዋሕ ምርጫ ዝተበገሰ እዩ።

    እብረ-ስልጣን ፕረዚደንት ሼኽ ሓሳን ማሕሙድ ብ15 ግንቦት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ንሓደ ዓመት ምንውሑ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

    ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ናይቲ ፕረዚደንት ዘይቅዋማዊ'ዩ ክብሉ ዝነቐፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሎሚ ሓሙስ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም ነይሮም።

    "መጠነ-ሰፊሕ ጸጥታዊ ስርሒታት" የካይዱ ምህላዎም ዝገለጹ ፖሊስ፡ ኣንጻር "ልዑል ዕጥቂ ዘለዎምን ብሞርታራት መጥቃዕቲ ዘካይዱን ሚሊሻ" ገጢሞም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

    ሓደ ካብ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዝኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሳን ዓሊ ካይረ፡ "ሰላማዊ" ተቓውሞ ንምግባር እናተዳለወ እንከሎ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተጠረቕዐ ከሲሱ።

    ሓላፍነት ናይቲ ዝስዕብ ጉድኣት እቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ'ለ።

    ዛጊት ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

  3. ኲዌት፡ ህይወት ሰብ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኢራን

    ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኲዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ኣብቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ልዕሊ 60 ሰባት'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ነዳዲን ደሴት ቀሽምን ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመሪካ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

    "ናይ ምክልኻል" መጥቃዕቲ ከምዝወሰደት ዝገለጸት ዋሽንግተን፡ ናብ ኲዌትን ባሕሬንን ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኢራን ከምዘበርዓነት ሓቢራ'ላ።

    ሓያሎ ዜጋታታ ከምዝተቐትሉ ዝገለጸት ህንዲ ብወገና፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዂናን ደው ክብል ጸዊዓ።

    "እቶም ወገናት መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ደጊምና ንጽውዕ ይብል ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ዝወጸ መግለጺ።

    ደግሲ ናይቲ መጥቃዕትታት ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝተበጽሐ ምቊራጽ ተዂሲ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።

  4. ብዛዕባ ጸረ መጥቃዕቲ ኣመሪካን ኢራንን እንታይ ንፈልጥ?

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ "ካብ ደሴት ቐሽም ንደቡብ ዝርከብ ናይ መጸናጸኒ መደበራት ሰውራ ኢራን" ከምዘጥቅዐት ይገልጽ፡

    ሓይሊ ኣየር ኢራን ድማ፡ "ኣብቲ ዞባ ኣብ እትርከብ ሃገር ዝርከብ መደበር ኣየርን ሄሊኮፕተርን" ከምኡ'ውን፡ "ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሓሙሻይ መርከብ ኣመሪካ" ብምጥቃዕ ምላሽ ሂቡ።

    ብመሰረት ጸብጻባት እቲ ከባቢ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ መዓስከር ኣየር ዓሊ ሳሌም ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ይሕብር።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጹ፡ ኩሎም ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝተዓገቱ’ውን ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣባላቱ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘይበጽሖን ኣብ ልዕሊ ደሴት ቐሽም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ነብሰ ምክልኻል" ከምዝኾነን ገሊጹ።

  5. ኩዌት፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም

    በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም።

    መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኩዌት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ሚሳይላትን፡ መጉዳእቲ ከምኡ’ውን ምቁራጽን በረራታት ከምዘስዓበ ሓቢሩ።

    እቲ ጸብጻብ ንበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንህንጻ T-1 ናይቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን፡ በረራታት ናብ ካልእ ኣማራጺ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተመርሓን ገሊጹ።

    እቲ ማዕከን ዜና፡ ዜጋታት ካብ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዝወድቁ ስብርባራት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።

  6. ኢትዮጵያ፡ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ኣሎ

    ኣብ ዝተፈላለዩ ነቚጣታት ምርጫ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ትማሊ ሰኑይ 1 ሰነ ዝተኻየደ፡ ትግራይን ሰፋሕቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘይተሳተፍዎ መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ከምዝተናውሐ ይፍለጥ።

    ካብቶም ኣስታት 54 ሚልዮን ንከድምጹ ዝተመዝገቡ ዜጋታት፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ድምጾም ከም ዝሃቡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ቆጸራ መዓልታት ከምዝወስድ'ኳ ትጽቢት ዝግበር እንተኾነ፡ ብኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ክስዕር ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ገለ ምርጫ ክካየደሉ ተመዲቡ ዝነበረ ቦታታት'ውን ብሰንኪ ጸጥታዊ ኲነታት መስርሕ ምድማጽ ተቛሪጹ ወይ ተደናጒዩ ነይሩ።

    ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ። መንግስቲ ግን ነቲ ክስታት ከነጽጎ'ዩ ዝስማዕ።

  7. ኬንያ፡ ኣንጻር መወሸቢ ኢቦላ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

    በቲ ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ክትሃንጾ ወጢና ዘላ መወሸቢ ማእከል ሕማም ኢቦላ ዝተቖጥዑ ኬንያውያን ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

    ኣብታ ጥቓ'ቲ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ማእክል እትርከብ ከተማ ናንዩኪ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ክመውት እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ሬሳኡ ጥራይ'ዩ ናብ ሆስፒታል ክበጽሕ ክኢሉ።

    እቲ ብኣመሪካውያን ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናን ዝካየድ ማዕከል ነቶም በቲ ዛጊት ኣብ ዶሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣማኢት ሰባት ዝቐተለ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ዘዕቊብ እዩ።

    ዛጊት እቲ ሕማም ኣብ ኬንያ ኣይተራእየን ዘሎ።

    ኣብ ጐረቤት ሃገር ዩጋንዳ ግን ብውሕዱ 9 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንጠለብ ኣመሪካ ብምቕባል ነቲ ማእከል ክህነጽ ከምዘፍቀደ ብምግላጽ፡ እቲ ስግኣት ንፖለቲካዊ መዓላ ክውዕል የብሉን ብምባል ተቓውሞታት ክሃድእ ጸዊዑ።

    ሰብሞያ ጥዕና፡ ማሕበር ሓካይምን ገለ ኣካላት መንግስቲን እቲ ማእከል ንህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ ተቓውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

    ልዕሊ 20 ሚእታዊት ባጀት ጥዕና ኬንያ ብደገፍ ኣመሪካ ከምዝሽፈን ይፍለጥ።

    ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክልቲአን ሃገራት ዝፈረማሉ ስምምዕ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ዝዓለመ እዩ። ኣስታት 1.7 ቢልዮን ካብኡ ኣመሪካ እትሽፍኖ ኮይኑ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ'ዩ ነይሩ።

  8. ዝርግሐ ኢቦላ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን፡ ሰለስተ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ

    እቲ ዛጊድ ኣስታት 250 ሰባት ዝቐተለን ሳሕቲ ዝረአን ዓይነት ኢቦላ ንምክልኻል ሰለስተ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ።

    እቲ ሓደ ብዓለምለኻዊ ተበግሶ ክታበት ኤይድስ (IAVI) ዝምዕብል ክኸውን ከሎ፡ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኣፍራዪ መድሃኒት ሞደርናን ድማ ካልኦት ጻዕርታት ይግበሩ ኣለዉ።

    ንነፍሲ ወከፍ ናይ ምርምር ጕጅለታት ዝምውል ዘሎ ‘ምህዞታት ድልውነት ለበዳ’፡ ኣብ መኸተ ኣንጻር እቲ ሕማም “ነፍሲወከፍ መዓልቲ ተገድስ እያ፡” ክብል ገሊጹ።

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ልዕሊ 1000 ሰባት ብቫይረስ ቡንዲቡግዮ ከም ዝተለኽፉ ዝግመት ኰይኑ፡ ኣብ ኡጋንዳ ድማ ትሽዓተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ።

    ሓላፊ IAVI ዶክተር ማርክ ፋይንበርግ፡ "እዚ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝኸፍአ ናይ ምዃኑ ተኽእሎ ሓደጋ ኣሎ፡" ኢሉ።

    "ዋላ'ውን ከምኡ ከቢድ እንተ ዘይኰኑ፡ እቲ ቀዳምነት ክታበት ምውሳኽን ካልእ መከላኸሊ ስጕምትታት ምውሳድን'ዩ።"

    እቲ ኵነታት "ኣዝዩ ከቢድ" ምዃኑን ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሒ ዘለዎም ሕሙማት ከም ዝተመዝገቡን፡ ጕጅለ ሕክምናዊ ጕጅለ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ኣቃሊሑ ኣሎ።

  9. ትራምፕ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድትራምፕ: ምስ ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ኢራን ተዅሲ ደው ምባል ንምንዋሕን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋትን፡ ዝዓለመ ስምምዕ ክብጻሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ።

    "ኣብዚ ሕጂ እዋን ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ። ንእሽቶ ጸገም ነይሩ፡ ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ግን ቀልጢፈ ፈቲሐዮ፡" ክብል ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

    ትራምፕ እቲ ጸገም እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምዃኑን እዚ ድማ ንኢራን ከም ዘቘጥዐን ገሊጹ።

    ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁን ወከልቲ ሕዝቦላህን ከም ዝተዘራረቡን "ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝተሰማምዑን፡" ተዛሪቡ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ "ንሕዝቦላህ ደው ኣብሉ ኢለዮም፣ ንናታንያሁ’ውን ተዅሲ ኣቝሙ ኢለዮም። ክልቲኦም ተዅሲ ኣቋሪጾም፡" ኢሉ።

    እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝመጽእ ሰሙን ክኽፈት እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

  10. ቦርድ መረጻ፡ 40 ሚልዮን መረጽቲ ድምጾም ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ

    ኣብ መበል ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረጻ ንምምራጽ ካብ ዝተመዝገቡ 54 ሚልዮን መረጽቲ፡ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ኣጋ ምሸት [ግ] ዳርጋ 40 ሚልዮን ድምጾም ከም ዝሃቡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ።

    ነቲ ከይዲ ኣመልኪታ መግለጺ ዝሃበት፡ ዋና ሓላፊት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሜላትወርቅ ሃይሉ፡ ብሰንኪ ጸገም ኔትወርክን ተሌፎንን መረዳእታ ዘይተኣከበሎም ከባቢታት ከም ዘለዉ'ውን ኣመልኪታ።

    ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ቡርጂ [ክልል ደቡብ] ዝርከብ ነቝጣ መረጻ ፡ “ኣካየድቲ ስራሕ ኣብቲ ነቝጣ መረጻ ወረቓቕቲ ድምጺ ምልክት እናገበሩን ድምጺ እናሃቡን ስለ ዝተረኸቡ” ምሉእ ብምሉእ ክዕጸው ከም ዝተወሰነ ተዛሪባ።

    ኣብ ልዕሊ እቶም ፈጸምቲ ዝውሰድ ስጕምቲ ድሒሩ ከም ዝግለጽ እውን ተሓቢሩ።

    ትማሊ 24 ግንቦት 2018፡ ካብ ሰዓት ኣጋ ወጋሕታ ዝጀመረ መስርሕ ድምጺ ምሃብ፡ ሻውዓይ ሓፈሻዊ መረጻ፡ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ እኳ እንተ ተናውሐ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝቐጸለ እታ ሓላፊት ተዛሪባ።

  11. ሰዓታት መረጻ ክሳብ ፍርቂ-ለይቲ ተናዊሑ

    ካብ ሰዓት 06፡00 (12፡00) ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 6፡00 (12፡00) ምሸት ክካየድ ዝግብኦ መስርሕ ምድማጽ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ከምዝተናውሐ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    እቲ ውሳነ ኣብ መስርዕ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣድመጽቲ ድምጾም ንምሃብ ዕድል ክረኽቡ ብዝብል ዝተወስደ ምዃኑ እቲ ሃገራዊ ቦርድ ገሊጹ።

    ብመሰረት ኣዋጅ 1162/2011 ዓንቀጽ 49 (4) ሕጊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት መስርሕ ምድማጽ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ክናዋሕ ይኽእል'ዩ።

    መስርሕ ምድማጽ ኣብ ዝተዛዘመሉ ነቚጣታት ቆጸራ ክጅምር'ውን እቲ ቦርድ ኣዚዙ'ሎ።

  12. ንፈለማ ግዜ ኣብ መረጻ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰለስተ ሓደስቲ ክልላት

    ብመሰረት ፓርላማ ዘሕለፎ ውሳነ ክልላት ክኾኑ ዝበቕዑ ሰለስተ ክልላት ንፈለማ እዋን ርእሶም ክኢሎም ኣብዚ ምርጫ ይሳተፉ ኣለዉ።

    ክልላት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣካል ናይቲ ብሄር፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረን ዝበዝሑ ብሄራት እታ ሃገር ዝጠርነፈን ክልል ዝነበሩ እዮም።

    እዞም ሓደስቲ ክልላት ቊጽሪ ኣባላት ናይቶም ኣብ ምስረታኦም ዘቖምዎም ባይቶታት ኣብዚ መረጻ ከምዝውስኽ ተገይሩ ኣሎ።

    በዚ መሰረት ቤት ምኽሪ ክልል ማእከል ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበሮ 105 ኣባላት ናብ 175 ክብ ክብል'ዩ።

    ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ እውን፡ ቊጽሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብ 95 ናብ 229 ክውስኽ'ዩ።

    እቲ መበል 11 ክልል ኮይኑ ናብ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝተጸንበረ ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብወገኑ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶኡ ካብ 52 ናብ 171 ኣበሪኽዎ ኣሎ።

    ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ'ውን ቁጽሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብዚ ምርጫ'ዚ ክውስኽ ተወሲኑ'ዩ።

  13. ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ገለ ከባቢታት መስርሕ ምድማጽ ተቛሪጹ

    ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብ ገለ ከባቢታት ዝተጀመረ መስርሕ ምድማጽ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዝተቛረጸ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ሓላፊት ናይቲ ቦርድ ሜላት ወርቅ ሃይሉ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ መበል 7ይ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ከምዝተጀመረ ብምግላጽ፡ ኣብ ኩሎም 50,188 ነቚጣታት (ጣብያታት) ሰዓት 12፡00 (06፡00) ድምጺ ምሃብ ከምዝተጀመረ ሓቢራ።

    ኣስታት 695 ጣቢያታት ግን ካብ 30 ክሳብ ሓደ ሰዓት ደንጒዮም ከምዝተኸፍቱ እታ ዋና ሰብሳቢት ናይቲ ቦርድ ገሊጻ።

    ብዘካይ'ዚ 143 ነቚጣታት ብሰንኪ ጸጥታዊ ኲነታት ከምዘይተኸፍቱ ብምግላጽ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ተኸፊቶም ዝተዓጽዉ ከምዘለዉ ጠቒሳ።

    እቲ ቦርድ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቦም ትሸዓተ ክልላት ምርጫ መረጻ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

    ኣብቶም ምርጫ ክካየደሎም ዘይክኣለ ከባቢታት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት መጓዓዝያ ምእጋዶም ጸገም ከምዝኾነ'ዩ እቲ ቦርድ ዘመልክት።

    ዛጊት ተዓዘብቲ ምርጫ ናብ ኣስታት 40 ሽሕ ጣቢያታት ብምብጻሕ ከምዝተዓዘቡ ዝገለጸት እታ ሓላፊት፡ ወከልቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብወገኖም ናብ ኣስታት 42 ሽሕ ነቚጣታት ከምዝበጽሑ ሓቢራ።

    ልዑል ቊጽሪ ኣድመጽቲ ናብ መድመጺ ጣብያታት ይውሕዙ ከምዘለዉ ብምግላጽ ድማ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ነዊሕ መስርዕ ኣሎ ኢላ።

    ብፍላይ ኣብቶም ዲጂታላዊ ምዝገባ ዝተካየደሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ ቦታታት ምድንጓይ ተፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ'ውን እታ ሓላፊት ተዛሪባ።

    ምስ ገለ ካባቢታት ክልል ቤንሻንጉል ዘሎ ርክብ ብምቊራጹ እዋናዊ ሓበሬታ ክርከብ ከምዘይተኻእለ ሰብመዚ ምርጫ ኣብሪሆም ኣለዉ።

    እቲ ቦርድ፡ ነቲ ምርጫ ንምክያድ ልዕሊ 350 ሽሕ ኣባላት ኣዋፊሩ ከምዘሎ'ውን ኣፍሊጡ።

  14. ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ሰባት ድምፆ ክህቡ ተመዝጊቦም

    ኢትዮጵያውያን መራጽቲ ሎሚ 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም [ግ] ንሻብዓይ ዙርያ ሓፈሻዊ መረፃ፡ ድምፆም ይህቡ ኣለዉ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ናይታ ሃገር፡ ካብ ክልል ትግራይን ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ወፃኢ ኣብ መላእ ሃገር ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ።

    ኣብዚ መረፃ’ዚ፡ 50.5 ሚልዮን ሰባት ድምፂ ክህቡ ተመዝጊቦም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር’ዩ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ፡ ካብቶም ንምምራጽ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን፡ 46 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ 54 ሚእታዊት ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

    ናይ ሎሚ ዓመት ብዝሒ መረጽቲ ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ብ32 ሚእታዊት ዝዛይድ ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ መረፃታት ድማ ዝበዝሐ’ዩ።

  15. “ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ ሓይልታት ኣዋፊሮም”- ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቶም "ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ እዮም’ ዝበሎም፡ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ “ተፃባእቲ ሓይልታት” ከም ዘዋፈሩ ገሊፁ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ትውልድ ዓዱ ዝዀነት ኣብ በሻሻ ድምፂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ታሪኻዊ ፀላእቲ” ዝበሎም ሓይልታት፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ደሞክራስያዊ መረፃ ምክያድ ከ ምዘይከኣል ከእምኑና ፈቲኖም፡” ኢሉ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ህዝቢ “ኣብ ኢትዮጵያ ክሃንፆ ብዛዕባ ዝደሊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እንታይ ከም ዝገብር ንምውሳን መኸርቲ ኰነ ገሰፅቲ ኣየድልዮን፡” ብምባል፡ ሎሚ ንግሆ ድምፂ ክህብ ገስጊሱ ከም ዝወፅአ ተዛሪቡ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ መንነት እቶም 'ታሪኻዊ ፀላእቲ' ዝበሎም ሓይልታት ኣይጠቐሰን።

    ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ ድምፂ ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ፣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ እውን ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ በሻሻ ድምፁ ሂቡ።

    እቲ ሃገራዊ ቦርድ ኣብዚ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራፅቲ ከም ዝተመዝገቡን፡ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ኣብቲ መረፃ ከም ዝሳተፉን ኣፍሊጡ።

    ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተዓዘብቲ፡ እቲ መረፃ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክዕዘቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

  16. ኢትዮጵያ ትመርጽ ኣላ፡ ኵሉ ሰብ ግና ዝመርጸሉ ኣይኰነን

    ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር ግጭት ተባሪዑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓፈሻዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ 1 ሰነ ይካየድ ኣሎ፤ እዚ ማለት ድማ ሓያሎ ሰባት ክመርጹ ኣይክእሉን እዮም።

    እታ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ዘሕለፈት ቍስላ ከተሕዊ እትቃለስ ዘላ ትግራይ ካብዚ መረጻ ፈጺማ ተገሊላ ኣላ።

    እዚ መረጻ'ዚ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ብ1991 ድሕሪ ምውዳቑ ንመበል ሻውዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

    እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መረጻ፡ ምስታ ብ1994 ብረፈረንዱም ሃገር ክትከውን ዝበቕዐት ብሰሜን ዘላ ጐረቤታ ኤርትራ፡ ውጥሪ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

    ማዕከናት ዜና ጽኑዕ ቍጽጽር ይካየደሎም ኣሎ፤ ከም ቢቢሲ ዝኣመሰላ ሓያሎ ትካላት ድማ ኣብታ ሃገር ክሰርሓ ፍቓድ ጋዜጠኝነት ተነፊጉዎን ይርከብ።

  17. ሰልፊ ብልጽና ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር

    ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ሰኑይ ሻብዓይ ሃገራውን ክልላውን መረጻ ተካይድ ኣላ።

    ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ኣዕናዊ ግጭት እኳ እንተሃለወ፡ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብሰፍሕ ከም ዝዕወት ይግምቱ።

    ልዕሊ 50 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ድምፁ ክህብ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ"ዘይምቹው ኩነታት" መረጻ ከምዘይካየድ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ ኢሎ።

    እታ ክልል፡ ብሰንኪ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት ሓድሕድ፡ ኣብ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ወጥርን ተሸሚማ ትርከብ።

    ወዲ 49 ዓመት ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ኣንጻር እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ግንባር ኢህወዴግ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ፡ ስልጣን ምቍፅፃሩ ይዝከር።

    ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት ሰፋሕቲ ዕርያታት ክገብር ድማ ተስፋ ተገይሩሉ ነይሩ።

    ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣንጻር እቲ ብውሽጣዊ ንሕንሕ ዝደኸመን ዝተበታተነን ተቓውሞ፡ ነቲ ሃገራዊ መረፃ ክዕብልሎ ትጽቢት ይግበር።

    ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ፣ መንግስቲ ነዚ ክስታት ይነፅጐ።

    ንሮይተርስ ሓዊሱ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ሚድያታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክፅብፅቡ ኣይተፈቐደሎምን።

    ሰልፊ ብልጽግና ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ካብ 484 መናብር ሃገራዊ ባይቶ 410 መናብር ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

    ኣብዚ ከርና ንሕንሕ ዘይብሉ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ’ውን፡ ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር።

  18. ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ድምጺ ምሃብ ብስእሊ

  19. ኢትዮጵያ፡ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ

    ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 (6) ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ።

    ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን መረፃ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፣ ደጋ ዳሞትን ኣምባሰልን ሓዊሱ ሎሚ ኣብ 8 ክልላት መረፃ፡ ድምፂ ከምዘይወሃብ እውን እቲ ቦርድ ገሊፁ።

    ንሻብዓይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራጽቲ ከምዝተመዝገቡ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ።

    ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን ኣለዋ።

    ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ክወዳደሩ እዮም።

    55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ከምዘለዋ ይግለፅ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ተዓዛቢ ልኡኽ ኣዋፊሩ ኣሎ።