እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጌታቸው ረዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ብዛዕባ ዘንበረቶ እገዳ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላም ይዘርጕ ኣለዉ ዝበሎም 'ኣኽረርቲ' ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ኣባላት ስድራኦምን ዘንበሮ እገዳ፡ ሓላፍነት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ "ኣብ ልዕሊ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ደምበ ክወድቕ ዝወሰዶ ስጕምቲ'ዩ፡" ክብል ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጕዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ18 ሰነ 2026 (ኣ.ኤ) "ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን እናዓረገ ዝመፅእ ዘሎ ወጥሪ ፡ ንሰላምን ድሕነትን ሰሜን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ነቲ ዞባን ዝዘርግ ግጭት ከልዕል ዝኽእል እዩ፡" ይብል።
እዚ ብስም ወሃቢ ቃል ቶማስ ቶሚ ፒጐት ዝወጸ መግለጺ፡ ዝርዝር እቶም ገደብ ቪዛ ዝተገበረሎም መራሕቲ እቲ ውድብ ብስም'ኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ "እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ፍታሕ ከይረክብ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ወይ ድማ ተሓባበርቲ ንዝዀኑ ውልቀሰባት ዒላማ ዝገበረ እዩ፡" ይብል።
ኣብዚ ጕዳይ ዛጊድ ካብ ህወሓት ዝተወሃበ ርእይቶ የለን።
ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ጌታቸው ረዳ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣገዳስነት እገዳ ቪዛ "እቲ እገዳ ባዕሉ ዘይኰነስ መንግስቲ ኣመሪካ ሓላፍነት ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ደምበ ደብረፅዮን ምቕማጡ እዩ፡" ኢሉ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ መራሕቲ ህወሓት ምስ ደገፍቶም ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት ብምውሃድ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምፍራስን፡ ንፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ካብ ስልጣኑ ብምእላይን፡ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ቤት ምኽሪ ናብ ቦታኡ ከም ዝመለሱ ኣዊጆም ኣብቲ ክልል ስልጣን ተቘጻጺሮም ይርከቡ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ኰይኑ ኣሎ።
ነዚ ስጕምቲ ስዒቡ፡ ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝተወሃበ ርእይቶ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነቲ ፈኸም እናበለ ዝፀንሐ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ኣዕሪግዎ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
እገዳ ቪዛ ኣመሪካ እንታይ ይብል?
መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመትከላት ውዕል ፕሪቶርያ ጥሒሱ ኣብ ትግራይ ቀፃሊ "ግፍዕን ዕጽዋን" ክቕጽል ይሰርሕ ኣሎ ብምባል ብተደጋገሚ ክኸሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ እቲ ክልልን ማእከላይ መንግስትን ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዝነበረ ወተሃደራዊ ወጥሪ ዝጠቐሰ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ስግኣት ኲናት፡ ዞባዊ ሻቕሎትን ምምዝባልን ኣስዒቡ ኣሎ ይብል።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ "ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት፡ ኲናት መሊሱ ከይውላዕ ብምስጋእ ድሮ፡ ካብ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ገዛኦም ሃዲሞም ኣለዉ፡" ክብል ይጠቅስ።
እቲ መግለጺ ከም ዝብሎ፡ ጸሃፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዓንቀጽ 212(ሀ)(3)(ሐ)፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣባላት ህወሓት ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራኦምን፡ ገደብ ቪዛ ንምግባር ስጕምትታት ወሲዱ ኣሎ።
"እዚ ስጕምቲ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ፍታሕ ከይረክብ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ወይ ድማ ተሓባበርቲ ንዝዀኑ ውልቀሰባት ዒላማ ዝገበረ እዩ፡" ይብል።
"ኣመሪካ ኣብ ጐድኒ እቲ ብሰላምን ብኽብርን ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ትግራይ ኰነ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደው ክትብል እያ። ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰበስልጣን ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ንምቅላዕን ተሓታትነት ንምስፋንን ድማ፡ ኵሉ ዓይነት ስጕምቲታት ኣብ ግብሪ ክነውዕል ኢና።"
ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ነቲ ኲናት ኣብ ምውዳእ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝሰርሐ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ተዛሪቡ እዩ።
እዚ ጥሜት፡ ዕንወት ትሕተ-ቅርጺ፡ ትካላት ጥዕናን ካልኦትን ከም ዘስዓበ ይፍለጥ።
ህሉው ኵነታት ትግራይ
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ሓድሽ ውግእ ንምጅማር ምድላዋት ይግበር ኣሎ ዝብሉ ፀብፃባት ኣብ ዝወፅእሉ ዘሎ እዋን፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ብ11 ሰነ ናብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ተጓዒዙ ምስ ሰበስልጣን ህወሓት ተዘራሪቡ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ንዘይምትግባር መትከላት ውዕል ሰላም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ምሉእ ብምሉእ ኣጽዋር ኣይፈትሐን ክብል ክኸስስ እንከሎ፡ ህወሓት ብወገኑ፡ መንግስቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ምሕደራ መሬት ትግራይ ከይመለሰን፡ ውሑስ ምምላስ ተመዛበልቲ ከየረጋገጸን ኣጽዋር ከም ዘይፈትሕ ይምጕት።
እቲ ንትግበራ እቲ ስምምዕ ንምክትታል ዝቘመ፡ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ (AU-MVCM) ዳርጋ ስራሕ ደው ዘበለ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዘይምትእምማን እናዓመቘ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይሻረኽ ኣሎ - ኢሉ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴንን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ጌታቸው ረዳን፡ ብሓባር ኣብ ዝጸሓፍዎ ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝተሓትመ ጽሑፍ፡ ህወሓት "ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምጅማር ወሲኑ ኣሎ ክብሉ ከሲሶምዎ።
እቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ክውላዕ ዝኽእል፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዘይምርግጋእ ከወድቕ ከም ዝኽእል ስግኣታት ይዓቢ ኣሎ።
እቲ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ - ፕሪቶሪያ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ዘበለ እኳ እንተዀነ፣ ብዙሓት ነቲ ኲናት መበገሲ ዝዀኑ ዓበይቲ ጉዳያት ግን፡ ምላሽ ኣይረኸቡን።
ኣብዚ እዋን፡ ክልከላ ነዳድን ደመወዝ ሰራሕተኛታት መንግስትን ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ገዲዱ፣ ስግኣት ዝሓደሮም መናእሰይ ትግራይ ንስደት የምርሑ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብስም ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ዕላዊ ዝዀነ ረቂቕ ኣዋጅ ድማ፡ ዝዀነ ዕድመኡን ጥዕናኡን ዝፈቐደሉ ተወላዲ ትግራይ፡ ብመንግስቲ ትግራይ ንዝቐርበሉ ፃውዒት ክተት ተቐቢሉ ግቡእ ናይ ምፍፃም 'ብሄራዊ ግቡእ ኣለዎ' ይብል።
ኣብ ርእሲኡ እቲ ረቂቕ፡ ምስዚ ፃዕርታት ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ክሳብ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርትን ክሳብ ሞት ዘቕፅዑ ዓንቀፃት ዝሓዘ እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብቲ ክልል ብዕጡቓት ንዝተገፈፉ ግዳያት፡ ስድራ ግዳያት፡ ካብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ዘምለጡ መናእሰይን ኣዘራሪቡ ሰፊሕ ጸብጻብ ምስንድኡ ዝዝከር እዩ።