እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማሕበር ቐይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ኣምቡላንሳት ከምዝጠፍአኦ ገሊጹ
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቀሌም ወለጋ ክልተ ኣምቡላንሳት ከም ዝተወስድኦ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ሰብኣዊ ዲፕሎማስን ርክባትን እቲ ማሕበር ዶክተር ሰለሞን ዓሊ ኣብ ጨንፈር እቲ ዞባ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ክጥቀመለን ዝጸንሓ ክልተ ኣምቡላንሳት ኣብ ስራሕ እናሃለዋ ከም ዝተወስዳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ድሕነት መራሕቲ እተን ኣንቡላንሳት ውሑስ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ብመን ተወሲደን? ንምንታይከ ተወሲደን? ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን ኣብ ቐጻሊ ኣገዳሲ ብዝኾነ መገዲ ወግዓዊ ከም ዝገብሩዎን ሓቢሩ።
ኣብቲ ዞባ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተዋፈራ 11 ኣምቡላንሳት ዘለዋ ኮይነን እተን ክልተ ግን ብዘይተፈልጠ መገዲ ከም ዝተወስዳ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ተግባር ኢትዮጵያ ንዝፈረመቶ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ጄኔቭ ዝጻባእን ካብ ዕላማ እቲ ማሕበር ወጻእ ከም ዝኾነን ብምግላጽ እተን ኣምቡላንሳት ንክመለሳ እቲ ማሕበር ሓቲቱ ኣሎ።
ኣርማ ቀይሕ መስቀል ዘለወን ኣምቡላንሳት ኮና ሰራሕተኛታት ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ናጻን ዘይሻራውን ኮይኖም ንክንቀሳቐሱ ዘኽእል ስምምዕ ጄኔቭ ከም ዘሎ ዶክተር ሰለሞን የረድእ።
ብተወሳኺ ኣምቡላንሳት ብሓይሊ ምውሳድ፣ ብሓይሊ ምጥቃም ኮነ ኣብ ዘየድሊ ኩነታት ክውዕላ ምግባር ኣብ ሕጊ መቕጽዒ ገበን ኢትዮጵያ ገበን ኮይኑ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዘእስር ተግባር እዩ ክብል የረድእ።
እንተኾነ ቀይሕ መስቀል ኲናትን ጎንጽን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ብዙሕ ግዜ ከም ዘጋጥም ዶክተር ሰለሞን ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብቲ ከበባኢ ክልተ ኣምቡላንሳት ከም ዝተቓጸላ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ናይ 86 ዓመት ታሪኹ ኣብ እዋን ወራር ጥልያን ኣምቡላንሳትን ሰራሕተኛታት ሰናይ ፍቓድን ሓዊሱ ብደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝድብደቡ ብምግላጽ ኣብ እዋን ጎንጽን ኲናትን ብዙሕ ከም ዘጋጥም ይጥቅስ።
ኣብ መወዳእታ ዓመት 2020 ብዝተወልዐ ኲናት ትግራይ'ውን ኣብ ከባቢታት ሑመራን ጭልጋን ኣምቡላንሳት ብጥይት ዝተሃረማ ኮይነን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ከም ዘይበጽሐ እቲ ሓላፊ ኣረዲኡ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ 200 ኣምቡላንሳት ኣበይ ከም ዘለዋ ከም ዘይፍለጥን ሓሓሊፉ እተን ኣምቡላንሳት ጠፊአን ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከባሉ ኣጋጣሚ ምህላው ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሙን ወሎ፣ ጎንደር ኣምቡላንሳት ጠፊአን ከም ዝተመለሳ ገሊጹ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ብተኸታታሊ ኣምቡላንሳት ንሓደጋ ዝተቓልዓሉን ዝተሰወራሉን ኩነታት ምህላው ዝጠቅስ ዶክተር ሰለሞን፡ እዚ ንዝምለከቶም ኣካላት መንግስቲ ክበጽሖም ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ።
ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንኣዋርሕ ሰራሕተኛታት እቲ ማሕበር ዘይርከብሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎን ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ካብ 400 ክሳብ 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘጸግም ኩነታት ኮይኖም ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ 45 ሽሕ ዝሰልጠኑ ወለተኛታት ሓዊሱ 200 ሽሕ ወለንተኛታትን ልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣባላትን ኣለዎ።