ኣብ ኤርትራ 'ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት' ከም ዝቐጸለ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡ መንግስቲ ግን ይነጽጐ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ዛጊት ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየን ብኣንጻሩ እቲ ኵነታት እናብኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ኣብታ ሃገር ዘሎ "ስልታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ይቕጽል ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

ብኣንጻሩ፡ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምሉእ ድምጺ ነጺጋቶ።

ኣምባሳደር ሶፍያ፡ እቲ ጸብጻብ፡ "መሰረታዊ ጉድለት ዘለዎ፡ ብዘይሻራዊ መንገዲ ዘይተረጋገጸን ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኵነታት ዘይተኣሳሰረን፡" ብምዃኑ ተኣማንነት ከም ዘይብሉ ገሊጻ።

ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጸጥታዊ ስግኣትን

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ንውልቀ-ሰባት ኣብ ከቢድ ጸገም ኣውዲቑ ዘሎ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ዝወሰደቶ "ዝዀነ ዓይነት ስጕምቲ የሎን፡" ክብል ገሊጹ።

ነዚ ንምብራህ ኣብ ዘቕረቦ ኣብነት፡ ካብ ሓምለ፡ ነሓሰን ታሕሳስን 2025 ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ (ንኣብነት ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ) ብርቱዕ "ግፋ" ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።

እዚ ግዱድ ዕስክርና'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሓያል "ቍጠባውን ማሕበራውን ጸቕጢታት ይፈጥር ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት፡ ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት ህይወቶም ከም ዝሓለፈን ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ ኣገልግሎት ብመሰረት ኣዋጅ ቍጽሪ 82/1995 ዝተመስረተ ልኡላዊ መሰል ኰይኑ፡ ሓድነትን ጸጥታን ሃገር ንምውሓስ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ኣገልግሎት ካብቲ ሕጋዊ ገደብ ግዜኡ (18 ኣዋርሕ) ንላዕሊ ክናዋሕ ዝገበሮ ምኽንያት፡ ቀጻሊ ግዳማዊ ጸጥታዊ ስግኣትን ዞባዊ ምስሕሓባትን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ'ውን ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣታት ሃገራዊ ኣገልግሎት የተኣታትዋ ከም ዘለዋ፡ ንኤርትራ ግን እዚ ልኡላዊ መሰል ክኽልከላ ከም ዘይግባእ ኣገንዚባ።

ኣተሓሕዛ እሱራትን ሃይማኖታዊ መሰላትን

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስቓይን ሰፊሕን ስልታውን ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ ከም "ገበን ጸረ-ሰብኣውነት" ክቝጸር ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።

"እቲ ሰፊሕን ስልታውን ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምስቲ ጽኑዕ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ስቓይን ተደሚሩ ከም ገበን ጸረ-ሰብኣውነት ክቝጸር ይኽእል እዩ፡" ይብል።

እሱራት ብፍላይ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዊዓ ኣብ "ትሕቲ መሬት" ኣብ ዝርከቡ ልዑል ምቈት ዘለዎምን እኹል ኣየር ዘይኣትዎምን ክፍልታት ከም ዝዳጐኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

"ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባት" እውን ናይዚ ጸቕጢታት ግዳይ ኰይኖም ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ንኣብነት ኣብ ሓምለ 2025 ክልተ ፍሉጣት መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና (ሸኽ ኣደም ሻዕባንን ሸኽ ሓሰን ሸነቲን) ብግዲ ተሰዊሮም ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ካልኦት ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን'ውን ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ "ጽኑዕ ማእሰርቲ" ከም ዝርከቡ የገንዝብ።

ይዅን'ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ጸብጻብ "ኣብ ዘይተነጸሩን ዘይተረጋገጹን ምንጭታት ጥራይ ዝተመስረተ እዩ፡" ክብል ይነቕፎ።

ኣምባሳደር ሶፍያ ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ነቲ ኣብ ሃገር ዝተመዝገበ ዓወታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ውሕስነት መግቢ፡ ህንጸት መሰረተ-ልምዓትን ማሕበራዊ ምዕባለን ሸለል ከም ዝበሎ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ጸብጻቡ ዝተቓወሙ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ብምእማቱ፡ ካብቲ ዝተዋህቦ ገደብ ስልጣን ወጻኢ ከም ዝተንቀሳቐሰ ገሊጻ።

ስግረዶባዊ ጸቕጥታትን ዓመጽን

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጸብጻቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ንምቍጽጻር ዝጥቀመሉ "ስትራተጅያዊ ኣገባባት" ዶብ ተሳጋሪ ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣገልግሎት ኤምባሲ ንምርካብ፡ "ናይ ጣዕሳ ቅጥዒ" ክፍርሙን 2% ናይ "ዳግመ-ህንጻ ግብሪ" ክኸፍሉን ከም ዝግደዱ ይገልጽ።

"መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ እቶም ዝተወደቡን ስልታውያንን ትካላቱ ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ድያስፖራን ፖለቲካዊ ቍጽጽር ንምግባር ይሰርሕ ኣሎ፡" ይብል።

ከም "ኤሪ-ብላድ" ዝኣመሰሉ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎም ጕጅለታት ድማ ኣብ "ጐደናታት ወጻኢ ሃገራት" (ብፍላይ ኣብ ጀርመን) ንዝርከቡ ተቓወምቲ ንምፍርራሕን ዓመጽ ንምውላዕን ከም ዝንቀሳቐሱ ተጠቒሱ ኣሎ።

ኣምባሳደር ሶፍያ ብኣንጻሩ፡ "ኤርትራ ምስቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት፡ እገዳታትን ደጋዊ ጸቕጥታትን ልኡላውነታ ዓቂባ፡ ማሕበራዊ ምርጋእ ኣረጋጊጻ፡ ኣገልግሎት ህዝቢ ብስሩዕ ክትህብ ጸኒሓ እያ፡" ብምባል መጒታ።

ኵነታት ስደተኛታትን ክርክር ኣብ ልዕሊ ዕማማት ፍሉይ ልኡኽን

ኣብ መወዳእታ፡ ዛጊት ልዕሊ 679,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም (ብፍላይ ኣብ ከም ኣመሪካን ኤውሮጳን) ከም ዝርከቡን ናይ ዳግማይ ምስጓጕ ወይ "ዘይሕጋዊ ምስጓጕ" ስግኣት ከም ዘንጸላልዎምን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ሓባራዊ "ዘተ" ንምክያድ ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ኤርትራ ግን ነዚ ፍሉይ ልኡኽን ዝቐረበ ውሳነን ብምሉእ ከም እትነጽግ ብምግላጽ ስልጣኑ ከብቅዕ ደጊማ ጸዊዓ።

ኤርትራ ኣብ ሰነ 2025 ንዅነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምርምር ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዕማሙ ከቋርጽ ሕቶ ኣቕሪባ ምንባራ ይዝከር።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ4 ሓምለ ኣብ ዘቃንዖ መጋባኣያ፡ ነቲ ኤርትራ ዘቕረበቶ ሕቶ ነጺጉዎ። ንሕቶ ኤርትራ 4 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ 25 ተቓዊመንኦ፡ 18 ድማ ደምጸ-ተዓቍቦ ገይረን።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1993 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ንዅነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምርምር ድማ ኣብ 2012 ስርሑ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።