ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ክሳብ ሕጂ ምስ ህወሓት ዝተጀመረ ድርድር የለን ኢሉ

Published

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ምስ ህወሓት ይኹን ካልኦት ሓይልታት ዝጀመሮ ድርድር ከም ዘየሎ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ 3ይ ህጹጽ ኣኼባ ተረኺቡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ቑጠባ፣ ፖለቲካን ማሕበራዊ ጉዳያትን እታ ሃገር መብርሂ ሂቡ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ዝርርብ ከም ዝተጀመረን ተስፋ ዝህቡ ምዕባለታት ክርኣዮ ከም ዝጀመረን መራሕቲ ህወሓትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ እዚ ንፈለማ እዋን ርኢይቶ ክህብ እንከሎ ክሳብ ሕጂ ግን ዝኾነ ዝተገብረ ድርድር ከም ዘየለ ሓቢሩ።

“ብዛዕብኡ ክዝረብ ይስምዕ እየ፤ ግን ክሳብ ሕጂ ዝገብረናዮ ዝርርብ የለን። ኣይገበርናን ማለት ግን ኣይህልውን ማለት ኣይኮነን” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መራሕቲ እቲ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ ከርእዩ ከም ዝጀመሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ምስ መንግስቲ ፌደራል ክንዘራረብ ጀሚርና ኣለና፤ ብሞንጎኛታት ዝግበሩ ዝርርባትን ርክባትን ኣለው'ዮም። ኣብዚ ዝርኣዩ ምዕባለታት'ውን ኣለው፤ ግን እቲ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕረ ፍረ ንከምጽእ ንጽበ ኣለና" ምባሉ ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዑደት ዝገበረት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ’ውን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ’ውን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ልዝብ ክካየድ ከም ዝጸንሐን ቐጻልነት ከም ዘርኣየን ተዛሪባ እያ።

ኣብዪ ኣሕመድ ዋላ’ውን ክሳብ ሕጂ ዝተጀመረ ልዝብ እንተዘይሃለወ እታ ሃገር ኣትያቶ ንዘላ ቅልውላው ንምፍታሕን ካብቲ ጸገም ንምውጻእን ግን ኣማራጺ መገዲ ንምንዳይ ኣገዳሲ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ኣአንፊቱ።

“ኢትዮጵያ ንምውሓስ ህይወትናን ገንዘብናን ንግብር እንተኾይንና ኢትዮጵያ ንምውሓስ ስምዒትና ግትእ ኣቢልና ምዝርራብ ዝክኣል ተኾይኑ ሕጉስ ኮይንካ ምርኣይ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ናይ ሰላም ኣማራጺ እንተሃልዩን ህወሓት ኲናት ጠጠው ዘብል እንተኾይኑን ድርድር ብእወንታ ዝርእዮ ጉዳይ ከም ዝኾነ ዝገለጸ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር "ንሰላም ተስፋ ንምሃብ ብቂምን ጽልእን ሃገር ዝጠፍአሉ መገዲ ከይንገብር እቲ ጉዳይ ተጠንቂቕና ክንርእዮ ኣለና። ኣነ ድድርድ ዝብሎ ድማ ሓቛፊ ሃገራዊ ዘተ እዩ" ኢሉ።

ነዚ ድማ ትማሊ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓጋዚ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእልን ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ንሓድሕዶም ዘይቃደው ታሪኻውን ፖለቲካውን ጎነጻት ክፍትሑ ከም ዝስራሕ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ፌደራል ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ረጽሚ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ዝተፈላለዩ ጎንጺታት ከም ዝርኣዩ ክግለጽ እንከሎ ብሰንኪ ልሙዕ መሬት ኣል ፋሻጋን ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰን ድማ ምስ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ኣብ ውጥጥ ጸኒሓ እያ።

ብሰንበት ግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ምጅማር ምምንጫው ሓይሊ ኤሌክትሪ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ከበስር ዘበሰረ ኮይኑ፡ ግብጺ ተቓዊማቶ እያ።

'ሓቛፊ ሃገራዊ ዘተ'

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለው መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘተ ብምክያድ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ነቲ መስርሕ ዝመርሕን ዘተሓባብርን ኣካል ንምጥያሽ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክስርሑ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ትማሊ ሹመት 11 ሕጹያት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ጸዲቑ'ዩ።

በዚ መሰረት ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ኮይኖም ወይዘሮ ሂሩት ገብረስላሴ ድማ ምኽትል እቲ ኮሚሽን ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ እዚ ኮሚሽን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንዝውከሉ ሰባት ብምዝታይ ኣብታ ሃገር ዘለው ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይት ንምፍታሕ ዘኽእል መደላድል ክፈጥር'ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ዜጋታት ካብ ሕገ መንግስትን ባንዴራን እታ ሃገር ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ዘይሰማምዑሎም ጉዳዮም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ዝተቛሰሉ ታሪኻት እታ ሃገር ንምሕዋይን ኣብ ህንጸት ንምዕሳልን ንኹሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ዘተ ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

"ሕጂ ኣብ ጉዳይ ስልጣን ኣይኮንናን ክንደራደር፤ ንሱ ብምርጫ ተወዲኡ'ዩ። ብልጽግና ድማ ንዝቕጽሉ 4 ዓመታት መራሒ'ዩ። ኣብ ካልኦት ጉዳያትና ግን ብልጽግና ይኹን ካልኦት ሰልፊታት ዘለዎም ሓሳብ ሒዞም ብምምጻእ ክካትዑ'ዮም። እንተዘይተሰማሚዕና ክኣ ህዝቢ ብሪፈረንደም ክውስን'ዩ" ኢሉ።

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዝተፈላለዩ ዕላማታት ሒዞም ኣብቲ መድረኽ ፖለቲካ ዘለው ሓይልታትን ልሂቃንን ከምኡ'ውን ህዝቢ ዘልዕሎም ሓሳባት መሰረት ብምግባር ኩሎም ኣካላት ብምቅርራብ ንሃገራዊ ሓድነት ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘተታት ከካይድ ተስፋ ይግበረሉ።