ምስ ሳእንኻ ናብ ገዛ ምእታው ኣብ ጥዕና ዘኸትሎ ሳዕቤን ኣሎ ድዩ?

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ፔድጃ ትሪፉኖቪች ንመጀመርታ ግዜ ናብ ገዛ ናይታ መጻኢት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ተደናጊሩ።

በቲ ናይ ቅድሚት ማዕጾ እናተጓዕዙ ከለዉ ሶፍያ ሳእኑ ከየውጸአ ክኣቱ ከምዝኽእል ነገረቶ።

"ብውሽጠይ፡ ኣቱም ሰባት ኣብቲ ትድቅሰሉ ቦታ ሳእነይ ገይረ ይኣቱ ኣለኹ ኢለ!" ብምባል ይዝክር።

ኣብ ኣመሪካ እትነብር ሶፍያ፡ መበቆሉ ካብ ሰርብያ ዝኾነ ፔድጃ ናብ ገዛ ክኣቱ እንከሎ ሳእኑ ከም ዘውጽአ ምስ ፈለጠት ማዕረ ማዕሪኡ ተገሪማ።

ንሳ ብግደኣ፡ "ኣብ ገዛኻ እግረይ ክጨኑ ዲኻ ትደሊ? ምስ ሳእነይ'የ ክኣቱ ዘለኒ፡ ንዓይ ከምኡ እዩ ተሰሚዑኒ" ትብል።

ተጻራሪ ኣረኣእያ እዞም መጻምድቲ፡ ዝሰፍሐን ዓለማዊን ክትዕ ዘንጸባርቕ እዩ - እዚ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘየሰማምዖም ነጥቢ ኣብ ኢንተርነት ድሕሪ ምልጣፎም'ዩ ዝያዳ ክርደኦም ክኢሉ።

ክልቲኦም ኣብ ገገዛኦም ፔድጃ ሸበጠ፡ ሶፍያ ከኣ ምስ ጫማኣ፡ መን'ዩ ካብ ክልቴና ዝያዳ ጽርየት ዘለዎ ዝብል ቪድዮ ብጽሑፍ ኣሰንዮም ምስ ዘርግሕዎ፡ ገሊኦም ንፔድጃ ገለ ከኣ ንሶፍያ ዝድግፉ ኣማኢት ሰባት ርእቶም ሂቦም።

እቲ ክትዕ ከኣ ቀጺሉ።

ስለዚ መን እዩ ቅኑዕ? ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ሳእኒ ምግባር ንጥዕና ሓደጋ የስዕብ ድዩ? ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ነዚ ንምፍላጥ ናብ ላቦራቶሪ ማይክሮባዮሎጂ ዑደት ኣካይዱ ኣሎ።

ምክፍፋል ዝፈጠረ ነጥቢ

ብሓፈሻ ክንርእዮ እንከለና፡ ናብ ገዛ ክንኣቱ እንከለና ሳእንን ከነውጽእ ድዩ ዘለና ዋላ ምስ ሳእንን ክንኣቱ ብቐንዱ ምስ ዝዓበናሉ ከባቢ'ዩ ዝተኣሳሰር።

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ሃገራት ባልካንን ሳእንኻ ኣብ ኣፍገደ ገዛ ምውጻእ ከም ሓደ ነውሪ'ዩ ዝሕሰብ።

ብኣንጻሩ ኣብ ከም ኣውሮጳን ኣመሪካ ንሓደ ጋሻ ሳእኑ ኣብ ኣፍደገ ከውጽእ ምሕባር ሓደ ዘይምቕሉል ሰብ ከቝጸረካ ይኽእል'ዩ።

ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ምስ ሳእኒ ተታሓሒዙ እታ ዝተረረ ሕጊ ኣለዋ ተባሂላ እትእመን ሃገር ጃፓን'ያ።

መግዛሕትኡ ኣባይቲ ጃፓን፡ ኣጋይሽ ዝኣትውሉ ገንካን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣፍደገ ኣለዎ። እዚ ከኣ ካብዚ ንንዮ ሳእንኻ ገይርካ ምሕላፍ ከምዘይፍቀድ ዝሕሰብ'ዩ።

ሓደ በጻሒ ሳእኑ ከየውጽአ ክኣቱ እንተፈቲኑ "ብቕጽበት'ዮም ዝሕብርዎም" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤስኦኤኤስ ለንደን ላዕለዋይ መምህር ስነ-ሰብ ዶክተር ፋብዮ ጂጊ።

"ሰባት ነጢሮም መጺኦም ኣይፋልካን ሳእንኻ ኣውጽኣዮ" ክብሉኻ ከም ዝኽእሉ ኸኣ ይሕብር።

እዚ ግብረ መልሲ እዚ፡ ጽሬትን ፍልስፍናውን ድርኺት ከም ዘለዎ ኸኣ ይዛረብ።

"ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ እቲ ደገ ምስ ብከላ፡ ምስ ሓደጋን ምስ ኵሉ ርስሓትን ዝተኣሳሰር'ዩ፡ ውሽጢ እቲ ጽሩይ ክትገብሮ እትደሊ ቦታ'ዩ... ብንጽህና ክትበጽሖ ዘለካ ቦታ'ዩ፡ ብዙሓት ሃይማኖታዊ ስርዓታት ድማ ኣብ ዙርያ እዚ ሓሳብ'ዚ ይውደቡ" ይብል።

ኣብ ሳእንና እንታይ ዓይነታት ባክተርያ'ዮም ክህልዉ ዝኽእሉ?

ኣብ ቀዳመ ሰንበትን ኣብ ከተማ ብራይተን ዓዲ እንግሊዝ ብክልተ ሰባት ዝተለበሰ ሳእኒ ኣብ ውሽጡ እንታይ ዓይነት ባክተርያታት ሒዙ ከምዘሎ ንምፍላጥ ናብ ላባራቶሪ ወሲድናዮ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራይተን፡ ካብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ከፋል ናይቲ ሳእኒ ብናይ ማይክሮባዮሎጂስት ዶክተር ሳራ ፒት ቅምሶ ተወሲዱ።

ቅድሚ ቅምሶ ምውሳድ ድማ እቶም ኣብቲ ጫማ ክህልዉ ዝኽእሉ ባክተርያታት ንምፍላጥ እቶም ዝርካቦም ባክተርያታት ንኽዓብዩ ዝሕግዞም ንጥረ ነገር ተወሲኽዎ።

ንጽባሒቱ፡ እቲ ቅምሶ ብማይክሮስኮፕ ምስ ተመርመረ፡ ምሉእ ዕስለ ባክተርያ ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ።

ካብኣቶም ሓደ ስታፊሎኮከስ ኦረየስ ዝብሃል ዓይነት ባክተርያ'ዩ።

እዚ ዓይነት ባክተርያ ቀንዲ መበገሲ ሕማም ስታፍ'ዩ።

ዶከተር ፒት ንዓይነት እቲ ባክተርያ ከተረድእ እንከላ ዋላ ንጥዑያት ሰባት ከጥቕዕ ዝኽእል ሓደገኛ ዓይነት ባክተርያ ምዃኑ ትገልጽ።

"ንቆርበትና እንተሓኺኽናዮ እዚ ከምዚ ዓይነት ባክተርያ ከኣ እንተሃልዩና ቈርበትና መግሊ ብምሓዝ ክሓብጥ ይኽእል'ዩ" ትብል።

ብተወሳኺ ኣብቶም ዝደኸመ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ኒሞንያን ረኽሲን ሻምብቖታት ደምን ከስዕብ ከም ዝኽእል'ውን ወሲኻ ገሊጻ።

እቲ ሳእኒ፡ ነቲ ብተፈጥሮኡ ኣብ ቆርበት ሰብ ዝነብር ምስ ባክተርያ ኣዝዩ ምምስሳል ዘለዎ ስታፊሎኮከስ ኤፒደርሚዲስ ዝበሃል ባልዕ ክሕዝ'ውን ይኽእል'ዩ።

እቲ ባልዕ [ተሃዋሲ] ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንዘለዎም ሰባት ሕማም ከስዕበሎም ይኽእል'ዩ፤ መብዛሕትኦም ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ዝጸንሑ ሰባት ከኣ ብተደጋጋሚ በዚ ብኸምዚ ዓይነት ምስ ባክተርያ ዝመሳሰል ባህሪ ዘለዎ ባልዕ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ልዑል'ዩ።

ካልኦት መጽናዕትታትን ገምጋማትን ከም ዘመልክትዎ ድማ፡ ሳእኒ ብኻልኦት ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት'ውን ክብከል ይኽእል እዩ፤ እንከላይ ኣብ ቀልቀል ብዝርከብ ኢ ኮሊ ዝብሃል ዓይነት ባክተርያ።

"ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈላለዩ ባክተርያ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፤ ፋንጋስ'ውን ክህልዉ እዮም... ከምኡ'ውን ጽግዕተኛታት" ይብል ፕረዚደንት ኢንስቲትዩት ባዮሜዲካል ሳይንስ ዝኾነ ፒት።

እዚ ከኣ ሳእኒ ዘይረግጾ ስለዘይብሉ ዘይስከሞ የብሉን ዘስምዕ'ዩ።

ናይ ደገ ባክተርያ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክነብሩ ይኽእሉ ድዮም?

መጽናዕትታት፡ ሳእኒ እቲ ቀንዲ ባክተርያታት ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝኣትውሉ ኣገባብ ምዃኑ'ዮም ዘርእዩ።

ዶክተር ፒት'ውን "እቶም ብሳእኒ ካብ ደገ ናብ ገዛ ዝኣትዉ ባክተርያታት ኣብ ውሽጢ ገዛ'ውን ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም፡ ኣብ ካልእ ንብረት ናይ ገዛና'ውን ክሰፍሩ ይኽእሉ'ዮም" ትብል።

ንኣብነት ማይክሮብስ ኣብ ውሽጢ ገዛ ንሓያለ መዓልታት ክጸንሑ ይኽእሉ'ዮም፤ እቲ ቦታ ሙቐት ዘለዎን ከም ምንጻፍ ዝኣመሰለን እንተዀይኑ ከኣ ዝያዳ ንዝነወሐ መዓልታት ናይ ምጽናሕ ዕድል ከምዘለዎም ዶክተር ፒት ትገልጽ።

ብተወሳኺ እቶም ባክተርያታት ለማጽ ቦታ እንተረኺቦም ዝያዳ እናተራብሑ ንሰብ ናይ ምብካል ሓደጋ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ዶክተር ፒት ነዚ ከተረድእ እንከላ "ኣብ ምንጻፍ ኮፍ ኢልና ወይ ጠንቀላዕላዕ እናበልና ምስ ደቅና ኣብ እንጻወተሉ ነቲ ምንጻፍ ኣብ እንጸቕጠሉ ነቶም ባክተርያታት ዳጋማይ ንኽራብሑ ዝሕግዞም ምንቅስቓስ ኢና ንፈጥረሎም" ትብል።

እዞም ከምዚኦም ዓይነታት ባክተርያ ከኣ ካብ ንጥዑያት ሰባት ብዝያዳ ንናጽላታትን ኣረጋውያንን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ከምዘለዎም ክኢላታት ይሕብሩ።

ዶክተር ፒት፡ ኣካላትና ንባክተርያታት ዝያዳ እናተቓለዐ ክኸይድ እንከሎ ብተፈጥሮ ጸረ ባክተርያ ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ከምዘለዎ'ኳ እንተኣመነት፡ ኣካላትን ንባክተርያታት እኹል ተቓላዕነት ስለዘለዎ ብሳእኒ ዝመጽእ ተወሳኺ ተቓላዕነት ከም ዘየድሊ'ያ ትሕብር።

ምስ ሳእኒዶ ብዘይ ሳእኒ?

ነዚ ሕቶ ንምምላስ ናብታ ውጽኢት መርመራ ክንምለስ ከምዘለና'ያ ዶክተር ፒት ትገልጽ።

"መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብ ገዛ እንገብሮም ሳእኒ ወይ ሸበጥ ጎፍጓፋት'ዮም፡ እዚ ከኣ መዕቖቢ ዝተፈላለዩ ባክተርያታት ንክኾኑ ይሕግዞም'ዩ" ኢሉ።

"ኣብ ደገ እንተጸኒሕና ናብ ገዛ ኣብ እንኣትወሉ ብቕጽበት ኢና ሳእንና ከነውጽእ ዘለና" ትብል ዶክተር ፓት።

ምስ ሳእንና ናብ ገዛ ክንኣቱ ድሌት እንተሃልዩና ግን፡ ገዛና እቲ ባክተርያ ንኽራብሑ ዝሕግዞም ምንጻፍ እንተዘይሃለዎ ተመራጺ ምዃኑ ትምዕድ።

"እቲ ቀንዲ ነገር ንገዛና እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ኣጸቢቕና ከነጽርዮ ኣለና፡ እዚ እቲ ገዛና ደሮና ንኸይህልዎን እቶም ባክተርያ መራብሒ ዝዀኖም እኹል ቦታ ንኸይረኽቡ ይሕግዝ'ዩ።"

ድሕሪ እዚ ኵሉ ክትዕ ሶፍያን መጻምድታ ፔድጃ ትሪፉኖቪች ናብ ሓደ ደምዳሚ ሓሳብ ዝበጽሑ ይመስሉ።

ሶፍያ፡ "ኣነ ከም መትከል ናብ ገዛይ ምስ ሳእነይ ክኣቱ'የ ዝመርጽ፡ ናብ ሰርብያ ኣብ ዝኸደሉ ግን ሳእነይ ኣውጺአ ሸበጥ ክገብር'የ" ትብል።

ፔድጃ ትሪፉኖቪችን ሶፍያን ኣብ ኣመሪካ'ዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

ሶፍያ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝህልወሉ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ'ውን ሳእኒ'ያ ትገብር፡ እንተዀነ እቲ ኣብ ገዛ እትገብሮ ሳእኒ ኣብ ደገ ኣይትገብሮን'ያ።

"ዋላ ኣብ ገዛ ይሃሉ እቲ ዝኽደኖ ሳእኒ ክብድ ዝበለ ክኸውን'የ ዝደሊ፡ ምኽንያቱ ንኸምኡ'የ ዓብየ" ብምባል ከኣ ትገልጽ።

ፔድጃ ትሪፉኖቪች ብወገኑ ገለ ካብ ሶፍያ ዝወረሶ ባህሪ ከም ዘማዕበለ'ዩ ዝሕብር፡ "ገለ ገለ እዋን ኣሎ ህውኽ ኣብ ዝብለሉ ምስ ሳእነይ ናብ ውሽጢ ገዛ ዝኣትወሉ" ይብል።

ሶፍያ "ፈጺምኪ ሰርብያዊት ኩኒ ኣይኰንኩን ዝበሃል ዘለኹ፣ ወይ ንፔድጃ ትሪፉኖቪች'ውን ኣመሪካዊ ኵን ኣይኰንናን ንብሎ ዘለና፣ ክልቴና ነናትና መንነት ኣለና ንኽልቲኡ ኣዳቒልና ኢና ክንነብር መሪጽና" ብምባል ትድምድም።