እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተሓላቒ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ፡ ሉጃን ኣል-ሃትሉል: ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሓ
ሉጃን ኣል-ሃትሉል እትበሃል ውርይቲ ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም እተፈትሐት ስድራ ሓቢሮም።
ጓል 31 ዓመት ሚስ ሃትሉል፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ መኪና ንክዝውራ ክፍቀደለን ኣለዎ ኣብ ዝብል ዓብዪ ኣበርክቶ ነይሩዋ።
እቲ “እገዳ ምዝዋር መኪና” ቅድሚ ምልዓሉ ኣብ ዝነበረ ሒደት ሰሙናት ከኣ ኣብ 2018 እያ ተኣሲራ።
ኣብ ታሕሳስ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ንፖለቲካውን ህዝባውን ስርዓት ስዑዲ ክትቅይርን ክትጐድእን ብምፍታና ገበነኛ እያ ብምባል ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ኽትእሰር ፈሪዱዋ።
እንተኾነ ሕጂ ድሕሪ ሓያል ዓለማዊ ጸቕጢ ድሕሪ ክልተ ዓመትን 10 ወርሕን ማእሰርቲ ተፈቲሓ።
ስድራ ቤታ ግን፡ ገና "ሓራ ኣይኰነትን" ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ስዑዲ ንኸይትወጽእ ተኸልኪላ ኣላ። ካልእ ብዙሕ ቀይድታት እውን ከጋጥማ እዩ ክብሉ ገሊጾም።
ሊና እትበሃል ሓፍታ "ልውጃን ሓፍተይ ንገዛ መጺኣ" ክትብል ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ ሓፍታ ድሕሪ ናይ 1,001 መዓልቲ ማእሰርቲ ከም እተፈትሐት ንዓለም ኣበሲራ።
ኣልያ ዝስማ ካልእ ሓብታ'ውን "ኣብ ህይወተይ፡ ሎሚ እታ ዝበለጸት መዓልቲ እያ" ክትብል ጽሒፋ።
ሚስ ሃትሉል፡ ኣብ ግንቦት 2018፡ ምስ ብዙሓት ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ መኪና ንክዝውራ ክፍቀደለን ኣለዎ ዝበላ ተጣበቕቲ መሰል መሰልታ ድሕሪ ምእሳራ፡ ምልክት ጸቕጥን ዓፈናን ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ኮይና።
ስድራ ቤታ፡ ኣብ ፈለማ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ከም ዝነበረትን ብኤለክትሪክ ከይተረፈ ከምእተመርመረትን ከምእተገርፈትን፡ ጸታዊ ምድሃል ከም ዘጋጠማን ተዛሪቦም።
ሰበስልጣን ስዑዲ ከምዘይተገርፈትን ከምዘይተሳቐየትን እንተተዛሪባ ናጻ ከውጽኡዋ ከምዝኽእሉ ከምእተዛረቡዋ እውን ከሲሶም። መንግስቲ ስዑዲ ግን ነቲ ናይ ስቅያት ክሲ ነጺግዎ።
ስድራኣ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ይግባይ ንዝበሉዎ ብቤት ፍርዲ ከምዝተነጽገ ሓቢሮም።
ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ሃትሎል ምስ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት፡ መራኸቢ ብዙሃንን ወጻእን ርክብ ከምዝነበራ እዮም ዝኸሱዋ።
ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጃክ ሱሊቫን ሚስ ሃትሉኦ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍትሓ ብሓጐስ ተቐቢልዎ "ጽቡቕ ነገር’ዩ" ክብል ከኣ ገሊጽዎ።