እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ 2020 ቅልጡፍ ምንቁልቋል ቅንጸላ ተራእዩ
መንግስታዊ ትካላት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ 2020 ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ምንቁልቋል ቅንጸላ ከምዝተራእየ ሓቢሮም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2020 ብሞት ዝተቐጽዑ 27 ሰባት ከም ዝነበሩ ሰኒዳ ኣላ። እቲ ቅንጸላ ምስ ናይ 2019 ክነጻጸር ከሎ ብ85% ከምጎደለ ተሓቢሩ።
"ነቶም ዓመጸኛታት ዘይኰኑ ገበነኛታት ካልኣይ ዕድል ንምሃብ" ብዝብል እቲ ቅንጸላ ኣብቶም ምስ ሓሽሽ እተተሓሓዘ ገበን ዘለዎም እዩ ዝካየድ።
እቲ ጕጅለ ወፈራ ምንካይ ቅንጸላ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ቝጽሪ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
"እቲ ምንቁልቋል ቅንጸላ ብኸፊል ብኮቪድ-19 ብዝሰዓበ ዕጽዋን ድሩት ንጥፈታት መንግስትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ዝርገሐ ኮቪድ ንምቁጽጻር ካብ ለካቲት ክሳብ ሚያዚያ ዝተነብረ ቀይድታት መንግስቲ ዝኾነ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ኣይወሰደን" ኢሉ ።
መንግስቲ፡ ንኹሉ እቲ ቅንጸላ ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት 2020 እዩ ተግቢሩዎ። እዚ ከኣ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ኵሉ እቲ ዓሚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ጥራይ እተፈጸመ ቅንጸላ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ 2019 ን46 ሰባት ብሞት ቀጺዓ። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ዝተሰየፉ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ክዀኑ ከለዉ፡ እተን ሽዱሽተ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ኣብ መስርሕ ፍርዲ በደላት ንዘጋጥሞም ግዳያት ዝከታተሉ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ጉጅለ፣ ኣህጉራውያን ጠበቓታትን መርመርትን ከምኡ እውን ኣውሮጳ-ስዑድያን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ትካል ምድንጓይ ቅንጸላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ናይ ሞት ፍርዲ ከጋጥሞም ንዝኽእል ኣስታት 80 ዝኾኑ ሰባት ጉዳያት ይከታተሉ ኣለው።
ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓሓዝ ገበናት ቅትለት ኣጋጢምዎም እዩ። ብዙሓት ካልኦት እውን ኣብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ርኡይ ምግሃስ መሰል ዘጋጠሞም ከምዘለዉ እቲ ኣብ መስርሕ ፍርዲ በደላት ንዘጋጥሞም ግዳያት ዝከታተል ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ጉጅለ ኣህጉራውያን ጠበቓታትን መርመርትን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፡ተጣባቒት መሰላት ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ትሕቲ ዕድመ እንከለው ብዝፈጸሙዎ ገበናት ብሞት ዝቐጽዕ ንጉሳዊ ኣዋጅ ተመሓይሹ፡ እቶም ሰባት ኣብ ክንዲ ብሞት ዝቕጽዑ እንተበዝሐ ን10 ዓመት ክእሰሩ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ከም ዘውጽአ ጠቒሳ።
ይኹን እምበር እቲ ኣዋጅ ኣብ ወግዓዊ ጋዜጣታት ኣይተሓትመን፤ እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ሓሙሽተ መንእሰያት ገበነኛታት ኣብ መስርዕ ሞት ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ዓሊ-ኒምርን ዳዉድ ኣል-ማርሁን ዓብደላ ኣል-ዛሄርን ዝበሃሉ ካብ 15 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውሑዳን ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ዝዀኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ብዝቐንዐ ተቓውሞታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንዝኣተዉ የጠቓልል።
ኣቦ መንበር ጉጅለ ኣህጉራውያን ጠበቓታትን መርመርትን "ስዑዲ ዓረብ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ንምጽራይ ካብ ዘለዋ ባህጊ ዝድረኽ ርኡይ ዕቤት እኳ ትገብር እንተሃለወት እቲ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ርክባትን ሕጋዊ ለውጢን ዘሎ ጋግ ግና ሓደገኛ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ምክትል ዳይረክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዳም ኮግለስ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ስዑዲ "ነቶም ከም ሳልማን ኣል-ኦደህን ሓሰን ፋርሃን ኣል-ማሊኪን ዝኣመሰሉ ስሙያት እሱራት፡ ብዘይካ ሰላማዊ ኣተሓሳስባኦምን ፖለቲካዊ ዝምድናታቶምን ካልእ በደል ዘይብሎም ሰባት ናይ ብሞት ክቕጽዑ ይደልዩዎም ከም ዘለዉ" ይገልጽ።
እዞም ክልተ ናይ ለውጢ ሃይማኖተኛታት፡ ኣብ 2017 እዮም ምስ ብዙሓት ምሁራት፣ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ተቓወምቲ ተራእዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።