እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰንደቕ ምስልምና ኤርትራ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ
ከተማታት ዓለምና ብታሪኻዊ ቅርሳታተን፡ ብናይ እምነት ህንጻታተን፡ ብኣብያተ መዘክራተን፡ ጽሬተንን ኣገልግሎተን እየን ዝዝከራ።
ከተማ ሮማ እንተይልካ እቲ ግርማ ዘለዎ ገላዩ ምስ ሰባትን ኣናብስን ዝጋጠምሉ ዝነበሩ ኮሎስዮምን ብስእልታት ማይክል ኣንጆሎ ዝወቀቦ ቫቲካንን ማእለያ ዘይብሉ ካቴድራለታትን እዩ ዝቕጀለካ። ፓሪስ እንተይልካ እቲ ኣደናቕን ውቁብን "ኖትርዳም" ካቴድራል፤ ኣይፍል ታወር፡ቤተ-መዘክር ሉቭር ትዝክር።
ለንደን እንተይልካ ከኣ እቲ ኣማኢት ዓመታት ዝገበረ ዌስት-ምኒስተር ቢግ ቤን፤ ፓኪንገሃም ፓላስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቴምስ ሪቨር ዝተሰርሐ ዝኽፈትን ዝዕጾን ቢንቶ፡ ታወር ብርጅ፡ ይጥቀስ። ኣስመራ ምስ እትብል ከኣ ኣብ ጐደና ሓርነት ዝተሃንጸ ካም ካቴድራል፡ ዓቢ መስጊድ ጃምዕን እንዳ ማርያምን ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ተቛማት፡ ብድሕሪኡ ንመንግስታዊ ህንጻታት ግብን ፊያት ታሊየሮን፡ ከምኡ እውን ብጥልያን ዝተሃንጻ ሲነማታትን ክትሰሚ ትኽእል።
ይኹን እምበር እዚ ጽሑፍ'ዚ ብዛዕባ እታ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ተሃኒጻ ዘላ ዓባይ መስጊድ ጥራሕ እዩ ክድህስስ።
ኣመሳራርታ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ
ብዘመን መግዛእቲ ጣልያን፡ ምምሕዳር እቲ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ንግድታት ተዋፊሮም ንዝነበሩን ደቀባት ነበርቲ ኣስመራ ኣስላም ኣኪቡ ገንዘብ ንከዋጽኡ ብምድራኽ ነታ ኣረጊት መስጊድ ብዘመናዊ ኣገባብ ንከሐድሱ ከም ዘተባብዖም፡ ኣብ ምርምርን ምምህርናን ዝነጥፉ ስነ-ማሕበረ-ሰበኛ ሶሽዮሎጂስት ዶክ. ዓብዱልቃደር ሳልሕ መሓመድ ይገልጹ።
ቅድሚኡ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ህንጻ ካቴድራለ ኣስመራ ብንዋትን ኪኢላታትን ዝከኣሎ ሓገዝ ገይሩ እዩ።
እታ ፋልመይቲ መስጊድ ብ1900 ኣብ ዝተሰርሓትሉ ዘመን ካብ ግዳም ብዝተጠልበ መሳርሒ ብተመሳል መሳጊድ ግብጺ እያ ተሃኒጻ።
ዶር ዓብደልቃድር ንነዊሕ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰብሓ (ሊብያ) ፡ ከምኡ'ውን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዘገልገሉ ምኩር ፕሮፈሰር ኰይኖም ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ብጋይጋ ኣብ ዝፍለጥ ኢንስቲትዩት (German Institute for Global and Area Studies) - ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ ከም ተመራማሪ ኣገልጊሎም'ዮም።
ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኦስሎ (ሃገረ ኖርዋይ) ከም ዕዱም ፕሮፈሰር ኰይኖም ኣብ ኣከርሸስ ዩኒቨርሲቲ ሰሪሖም'ዮም።
መስጊድ-ዓቢ ምሉእ ስሙ ኣልኹላፋ ዓልራሺዲን ኰይኑ ብክልተ ኢንጂኔራት ጣልያን - ጂዘፐ ብሩኖ / ጉዊዶ ፈራዛ ዝተባህሉ ኢዩ ተሃኒጹ።
በቲ ዘመን'ቲ 1.5 ሚልዮን ፈረንካ፡ ማዕረ $20 ሺሕ ዶላር ብናይ ሎሚ ዝትመን ዋጋ ከምዝወድአ ይንገረሉ።
"ብ1937፡ ደጊሙ ኸኣ ብ1940" ይብሉ ድክ. ዓብደልቃድር "ብርኹባት የመናውያን ነጋዶ መስጊድ-ዓቢ ተሓዲሱን ዓብዩን"።
ካብ'ቶም ዝረቝሑዎም ነጋዶ በዓል ዓብደላ ባ'ሙሽሙሽ ምስ ኣሕዋቱ ዑመር ባዓቒል ከምኡ'ውን ሳይሕ ኣሕመድ ዑበይድ ባሑበይሺ እዮም። እዞም ነጋዶ'ዚኦብ ብዘመኖም - ካብ ኣርብዓታት ጀሚሮም ፍሉጣት ሰባት'ዮም ነይሮም - ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት'ውን ነይሮሞም።
ንኣብነት ኣሕመድ ዑበይድ ባ'ሑበይሺ - ብ1900 ኣብ ባጽዕ ዝተወልደ (ብ1959 ኣብ ኣስመራ ዝሞተ) - ኣዝዩ ፍሉጥ ካብ ሓድራሚ ዝመቦቈሉ ርኹብ ነገዳይ ነበረ።
ስራሕ ንግዲ ክጅምር ከሎ ምስ ኣቦኡ (ዑበይድ ባሑበይሺ) ኰይኑ'ዩ ጀሚሩ። ጸኒሑ ግን - ብ1934 ገጹ - ናይ ባዕሉ ናይ እ'ታውን/ሰደድን (ኢምፖርት/ኤክስፖርት) ንግዲ ኣብ ኣስመራ ቀንዲ መደበር ተኺሉ ኣብ ባጽዕን ኣዲስ ኣበባን ጨናፍር ዝነበሮ፡ ብስርሑ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ዝዓተረ፡ ስሙ ክሳብ ሎሚ ዝዝከር ነጋዳይ ነበረ።
ባ'ሑበይሺ ካብ 1951 ጀሚሩ ክሳብ ጊዜ ሞቱ ከም ፕረሲደንት ናይ ማሕበረ-ሰብ ዓረብ ኣብ ኣስመራ ኰይኑ ብምግልጋል ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ዓረብኛ ብግቡእ ንከተኣታቱ ዝጸዓረ ነጋዳይ ነበረ። ካብ'ቲ ክሳብ ሎሚ ዝዝከረሉ ፍረ-ጻዕሩ ድማ ኣቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸሎ ብጃልያ ዝፍለጥ ቤት-ትምህርቲ (ኣል-ማድራሳ ኣል-ጃልያ ኣል-ዓራብያ) እዩ።
ናብ ዛንታ መስጊድ-ዓቢ ቅድሚ ምምላስና፡ ብዘመን ወትሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ኵነታት ኣስላም ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ ንመልከት።
ዳን ኮነል ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ኤርትራ ብዘቕረቦ ጽሑፍ መሰረት፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ - ኣብ '40ታትን መጀመርታ '50ታት - ሸኽ ኢብራሂም ኤል-ሙኽታር ኣሕመድ ኢብን ዑመር ኣብ ምስፍሕፋሕ ትካላት ናይ እስላማዊ ትምህርቲ ተዋፊሮም ከም ዝነበሩ ይገልጽ።
ብዘቕረቦ ጽሑፍ መሰረት፡ ብ1943 ኣብ ኣስመራ እቲ ብግብጻውያን ዝተመወለ ብ'ንጉስ ፋሩክ' ዝጽዋዕ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ተመስሪቱ ድሮ ኣብ ዕዮ ዉዒሉ ከም ነበረ። ከምኡ'ውን ኣብ ሽዑ እዋን ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ መንደፈራ፡ ባጽዕ፡ ከረን፡ ተተኺሎም ነይሮም።
ክሳብ 1952 ፖሊሲታት ጣልያን ኰነ ምምሕዳር እንግሊዝ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝካየድ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣተኣታትዮም ብግቡእ ዝካየዱ ኣብያተ ትምህርቲ ፈቒዶም ነይሮም። ከምኡ'ውን ኣስላም ኤርትራ ኣብ ክልቲኡ - ኣብ ንግዳውን መንግስታውን ስራሓት - ክኣትዉ ይሕግዙ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ኢንግሊዝ ይገልጽ።
ሽዑ ቁጽሪ ኣስላም ኤርትራ ካብ 1905-1931 ካብ ኣስታት 175 ሽሕ ናብ 312 ሽሕ ከም ዝወሰኸ፣ ብ1948 ድማ ናብ 528,000 ከም ዝደየበ ዳን ኮኔል ይጠቅስ። እቲ ዜቕረቦ ኣሃዝ ምስ ዕብየት ህዝቢ ክርስትያን ዝመጣጠን ከም ዝነበረ ከኣ የረድእ።
ብ1952 - ፈደረሽን ኣብ ዝኣተወሉ ዘመን - ቍጽሪ ህዝቢ ኣስላም ኤርትራ ንቍጽሪ ህዝቢ ክርስትያን ይቕድሞ ከም ዝነበረ ኸኣ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ። ስለዚ እቶም ሽዑ ዝተተኽሉ መሳጊድ ኤርትራ ንክንድዚኦም ንዝኣኽሉ ህዝቢ የገልግሉ ከም ዝነበሩ ይሕብር።
ኵነታት ኣስላም ኤርትራ ብዘበን ሃጸይ ሃይለስላሰ
ኵነታት ህዝቢ ኣስላም ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣንቆልቊሉ እዩ።
ስርዓት ሃይለስላሴ ንህዝቢ ክርስትያን ኣመቱ እናገበረ እንከሎ ንኣስላም ግን ብኣድልዎ ይጎስዮም ነይሩ።
እዚ ኸኣ፡ ብሓፈሽኡ፡ ህዝቢ ክርስትያን ምስ ኢትዮጵያ ንምሕባር ይጕስጕስ ስለ ዝነበረ'ዩ።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክምስረት እንከሎ መሰረቱ ካብ እስላማውያን ሕብረተሰባት ስለ ዝነበረ ንጉስ ሃይለስላሴ - ብሕልፊ ብዘመነ ኣስራተ ካሳ - ከም ምኽኒት ጥራይ ዘይኰነስ ከም መፍደይ ሕነ ይጥቀመሉ ከምዝነበሩ ዝሕብሩ ተመራመርቲ ኣለው።
ዛንታ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ
ሕብረተሰብ ኣስላም ኣስመራን ብመላኡ ኤርትራን ጽኑዕ ጥርናፈ ስለ ዝነበሮም፤ እቶም ነባሮ ኣስመራ ምስ ብጾቶም የመናውያን ነጋዶ ኰይኖም ንዓቢ መስጊድ ኣስመራ ብሞዛይክን ብዝተጠልጠሉ ሻንደሌራትን ሸሊሞምዎም።
ብኣገላልጻ ዶክ. ዓብዱልቃደር፡ ኣብ ዉሽጢ እቲ መስጊድ ብርክት ዝበሉ ቍርኣናትን ሰነዳትን ከምኡ'ውን በብዓይነቶም ናይ ጸሎት ጽሑፋት ኣብ መናድቕ ብዝተሰቕሉ መደራድራት-መጻሕፍቲ መሊኦም፡ ኣብ እግረ-እግሮም ድማ ድኳታት - ነቶም መጻሕፍቲ ንምርካብ - ተሰሪዖም ምርኣይ - ኵሉኹሉ ኮታ እቲ ዉሽጢ-መስጊድ ብግሩም ዉቃበ ከምዝተሰለመ ጌሮም ይገልጽዎ።
ብሸነኽ ምብራቕ ናይቲ መስጊድ ሓደ ቤት ትምህርቲ - ማእከል እስላማዊ ሃይማኖት - (ማሓድ ኣዲን - ኣል እስላሚ) ኣሎ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብ1944 ብሙፍትን ብኣሕመድ ዑበይድ በ'ሑበይሺ እዩ ተመስሪቱ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብሓገዝ ኣል-ኣልዛህር ዩኒቨርሲቲን መንግስቲ ግብጽን ሰለይ ኢሉ'ዩ - መምህራን'ውን ይልእኩ ነይሮም'ዮም።
ካብ ዘመን ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ብተጸባኦ-መንግስቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ይኽፈት/ይዕጾ'ኳ እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ግን ክጸንሕ ክኢሉ'ዩ።
ቈላዑ ኣብ መባእታን ማእከላይን ስሩዕ ትምህርቶም ይከታተሉ፣ ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ንግሆን ኣጋ-ምሸትን ይመሃርሉ ኣለዉ።
በቲ ካልእ ሸነኹ ነቲ መስጊድ ሓደ መክተባ - ላይብረሪ ኣሎ። ብዝተፈላለዩ ትሕዝቶ-ሃይማኖት ዘለዎም መጻሕፍቲ - ብዓረብኛ፡ ትግርኛን እንግሊዘኛን - ዝዓመረ ቤተመጻሕቲ'ዩ። እቲ ቤተመጻሕፍቲ ህያብ ናይ ኣሕመድ ዑበይድ ባ'ሑበይሺ ምዅኑ ይጥቀስ።
ሙፍቲ ሳይሕ ኢብራሂም ድማ ኩሉ ናይ ባዕሎም መጻሕፍቲ ነቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዝወፈይዎ ይንገር። ይዅን'ምበር ብዘመን ደርጊ ብዙሓት ካብ'ቶም መጻሕፍቲ ገሊኦም ተወሪሶም፡ ገሊኦም ከኣ ብፍላጥ ከም ዝጠፍኡ ተገይሩ'ዩ ይበሃል።
ኣብ መስጊድ-ዓቢ እቶም ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት - ዒድ ኣልፈጥር፡ ዒድል ኣል-ኣድሓ፡ ዒድ መዋሊድ ኣል-ነቢ ብድምቀት ይኽበሩ።ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ በዓላት - 'ማውሉድ' - ብጸሎት ተሰንዮም ኣብ ቅድሚ'ቲ መስጊድ ዝርከብ ፕያሳ፡ ንኣሽሓት ምእመናን ብዘስተናግድ ኣገባብ ይበዓሉ።
እቲ ሙፍቲ - ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ጓሳ-ምእመናን-ኣስላም - ነቶም ኢማማት ናይቲ መስጊድ ብምውዛዕ፡ ነቶም 'ሽማግለ-ኣውቃፍ' ናይ ምምዳብ ሓላፍነት ኣሎዎ።
ዋቕፍ (ኣውቃፍ) እስላማዊ ናይ ግብረ ሰናይ ምጽዋት ኰይኑ፡ ንብረት - ከም መሬት፡ ህንጻታት ወይ ገንዘብ - ንህዝባዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዕላማታት ንምግልጋል ዝውዕል ወፈያታት ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ኤርትራ ሙፍቲ ንባዕሎም ብመንግስቲ'ዮም ዝሕረዩን ንስርሕ ዝምደቡን። ዝዀነ ኰይኑ፡ ኣብ ዕብየትን ምዕባሌን እቲ መስጊድ ሙፍቲ ዓቢ ተራ ከም ዘለዎም ክንርዳእ ንኽእል።
መስጊድ-ዓቢ፡ ልክዕ ከም'ቶም ካልኦት መሳጊድ፡ ከም ማእከላይ ወይ ከኣ ሕምብርቲ ማሕበረሰብ ኣስላም ኰይኑ'ዩ ዘገልግል፣ ከም ሓደ ናይ ኣምልኾ ቦታ ጥራይ ዘይክኰነስ ክንዮ መዓልታዊ ጸሎት ዝግበረሉ ቦታ'ዩ - ትምህርቲ፡ ስርሓት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ጕስነት ምእመናን፡ ከምኡ'ውን ማሕበረሰባዊ ምትእስሳርን መንፈሳዊ ምዕባለን ዘኻዕብት ቦታ'ዩ።
ካልእ ሸነኻት ዓቢ መስጊድ ኣስመራ
መስጊድ ዓቢ ኣስመራ: ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ሃይማኖታውን ስነ ህንጻውን ምልክታት ኣስመራ'ዩ። ትርጉሙ ኣብ ክልቲኡ - ታሪኻዊ መበገሲኡ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምሕደራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሃይማኖታውን ሲቪካዊ ህይወትን ቀጻሊ ተራ ዘለዎ ቤት ጸሎት እዩ።
ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ እንተድኣ ርኢና መስጊድ-ዓቢ ምስ ምዕባሌ ከተማ ኣስመራ ይተኣሳሰር'ዩ። ብ1906 ኣስመራ ብግቡእ ክትህነጽ ምስ ጀመረት ሓንቲ ንእስ ዝበለት መስጊድ ልክዕ ኣብቲ ቦታ ተሃኒጻ ከም ዝነበረት ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። እዚ ኸኣ ኣካል ናይቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዝነበረ ውጥን-ከተማ ከም ዝነበረ የርኢ።
ኣብ 30'ታት ፋሺሽታዊት ጣልያን ብዕቱብ ንኣስመራ ዀነ ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ክሃንጽ ምስ ጀመረት ግዊዶ ፈራዚ ምስኦም ካብ ሊብያ ንኤርትራ ኣተወ። ግዊዶ ፈራዚ ከም ቀንዲ ሰኣላይን ሃናጽን ከተማታት (ከምኡ'ውን ህንጻታት) ኰይኑ ዘገልገለ መሃንዲስ እዩ ነይሩ።
ንመስጊድ ዓቢ ብጽቡቕ ስለ ዝሰርሖ ድማ እንሆ ሕጂ ኣካል ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ብምዃን ማእከል ኣስመራ (ንመስጊድ-ዓቢ ወሲኻ) ከም ናይ ዩኔስኮ ቅርሲ ዓለም ኰይና ተፈላጥነት ክትረክብ በቒዓ ኣላ።