እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ዓለም 2026፡ ምስ በበይነን ሃገራውያን ጋንታታት ዝጻወቱ ኣሕዋት
ኣቕልል ኣቢልና ክንጅምሮ፡ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ናይ ገዛውቲ ጋንታታት ኣንጻር ክጻወቱ ዝተለመደ ነገር'ዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ'ውን ምስ ነንበይነን ጋንታታት ክስለፉ ብዙሕ ግዜ ዝርኣይ'ዩ፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣብታ ዝነብሩላ ከተማ መምስ ጋንታኦም ኮይኖም ኣንጻር ክጋጠሙ ርኢኻ'ውን ዜና ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ።
ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ምስ ዝተፈላለያ ጋንታታት ዝጻወቱ ኣሕዋት ምርኣይ'ውን ዝለመድናዮ ዜና'ዩ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝኣክል፡ ኣብ ኵዕሶ እግሪ እቲ ዝዓበየ ጸወታ ክልተ ኣሕዋት ንክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ወኪሎም ክስለፉን ክከራፈሱ ምርኣይን ግን ሳሕቲ ዘጋጥም'ዩ።
ንወለዶም'ውን ንመን ክድግፉ ኣለዎም ዝመቓቕል ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ኣሕዋት ኮይኖም ምስ ዝተፈላላያ ሃገራውያን ጋንታታት ዝጻወቱ ዘለዉ ኣሕዋት ሸሞንተ'ዮም፡ ወይ ኣርባዕተ ጽምዲ'ዮም።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንክልተ ዝተፈላለየ ሃገራውያን ጋንታታት ወኪሎም ዝወዳደሩ ዘለዉ ደዚረ ድወን ጉዋላ ድወን ከኣ ሃገራውያን ጋንታታቶም ክጋጠማ ተኽእሎ ኣሎ።
እዞም ኣብ ፈረንሳ ከተማ ኣንገረስ ካብ ፈረንሳዊት ኣደን ኣይቮሪኮስታዊ ኣቦን ዝተወለዱ ኣሕዋት ደዚረ ድወ ምስ ፒኤስጂ ጉዋላ ድወ ከኣ ምስ ስትራስበርግ'ዮም ዝጻወቱ።
እዞም ክልተ ኣሕዋት ኣብ ጉዳይ ምምራጽ ሃገራውያን ጋንታታት ምስ መጽአ በበይኑ መስመር'ዮም መሪጾም።
ወዲ 21 ዓመትን ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ቻምፕዮንስ ሊግ ክኸውን ዝኸኣለ ደዚረ ድወ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክጻወት ክመርጽ እንከሎ፡ ወዲ 23 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ጉዋላ ድወ ከኣ ንሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ክስለፍ መሪጹ።
ደዚረ ድወ ምስ ቴሌፉት እትበሃል ፈረንሳዊት ማዕከን ዜና ንርክባት ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ብዛዕባ ኩሉ ነገር ኢና ንዘራረብ፡ ኣብ ሞንጎና ዋላ ሓንቲ ምስጢር የለን" ድሕሪ ምባል "ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ ሓጋዝየይን ደጋፍየይን'ዩ" ኢሉ።
እሞ እዚ ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ነዞም ኣሕዋት ንፍቕሮምን ርክቦምን ይፍታተኖዶ ይኸውን?
ፈረንሳ ንምድብ ትሽዓት ካልአይቲ ኮይና እንተዛዚማቶ፡ ኣይቮሪኮስት ከኣ ብተመሳሳሊ ካብ ምድብ ሓሙሽተ ካልኣይቲ ኮይና ንምድባ እንተዛዚማቶ፡ 30 ሰነ ኣብ ቴክሳስ ከተማ ኣርሊንግቶን ንሓድድሕደን ክጋጠማ'የን።
ቅድሚ ምጅማር ዋንጫ ዓለም፡ ፈረንሳን ኣይቮሪ ኮስትን ብ4 ሰነ ኣብ ዝገበረኦ ናይ ምሕዝነት ግጥም ኣይቮሪኮስት 2 ን 1 ምዕዋታ ዝዝከር እዩ።
ቅድሚ ጸወታ ምጅማሩ ሃገራዊ መዝሙር ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ዝተወልዓሉ ክልቲኦም ኣሕዋት [ደዚረ ድወን ጉዋላ ድወን] ንክልቲኡ ሃገራዊ መዝሙር [ፈረንሳን ኣይቮሪኮሰትን] ብስምዒት ክዝምርዎ'ዮም ኣብ ዓይኒ ካሜራ ኣትዮም።
ምስ ፒኤስጂ ኮይኑ ክልተ ግዜ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ዝተዓወተ ደዚረ ድወ፡ ኣብቲ ፈረንሳን ኣይቮሪኮስትን ዝገበረኦ ምሕዝነታዊ ጸወታ ተቐያሪ ስለዝነበረ ኣብ ሜዳ ኣትዩ ክጻወት ዕድል ኣይረኸበን።
እቲ ምስ ኣይቮሪኮስት ዝተተሰለፈ ጉዋላ ድወ ድሕሪ ጸወታ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "እዚ ምስ ሃገራውያን ጋንታታትና ኮይንና እነካይዶ ናይ መጀመርታ ግጥምና'ዩ ነይሩ፡ ንሓድሕድና ዘይምግጣምና ሕጉስ'የ፡ ንሱ [ደዚረ ድወ] እውን ዘይምስላፉ ብዙሕ ሕማቕ ኣይተሰመዖን" ኢሉ።
ኣብ 2010 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኣንገደ ዋንጫ ዓለም ከምኡ ከኣ ኣብ 2014 ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም'ውን ክልተ ኣሕዋት ኣብ በበይነን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ብምዃን ንሓድሕዶም ከጻወቱ ዕድል ረኺቦም ነይሮም'ዮም።
ጆሮመ ቦቲንግን ንጀርመን ክውክል እንከሎ ከቬን ፕሪንስ ከኣ ንጋና ብምውካል'ዮም ኣብ ክልቲኡ ዋንጫ ዓለም ተጻዊቶም።
እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ ጀርመን ሓደ ንዜሮ ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2014 ከኣ ክልቲኦም ኣሕዋት ነንሃገራውያን ጋንታታቶም ወኪሎም ተጻዊቶም ማዕረ 2 ን2 ተፈላልየን።
ደዚረ ደወን ጉዋላ ድወን'ውን እቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ንክልተ ዝተፈላለያ ሃገራውያን ጋንታታት ወኪሎም ንሓድሕዶም ዝተጋጠሙ ኣሕዋት ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።
እቶም ካልኦት ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ምስ ዝተፈላለያ ሃገራውያን ጋንታታት ብምዃን ዝጻወቱ ዘለዉ ኣሕዋት ድኣ ብዓል መን'ዮም?
ንነበይነን ሃገራት ዝውክሉ ዘለዉ ኣሕዋት?
ኣሕዋት ዊልያምስ ኢናኪን ኒኮን ክልቲኦም ተወለድቲ ባስክ ሰሜን ስጰኛ ኮይኖም ኣብ ጋንታ ኣትለቲኮ ቢልባኦ ብሓባር'ዮም ዝጻወቱ።
ኣብ ኣህጉራዊ ኩዕሶ እግሪ ክመጽእ እንከሎ ግን ንነበይነን ሃገራውያን ጋንታታት'ዮም ዝጻወቱ።
ወዲ 23 ዓመት ኒኮ ቅድሚ ክልተ ዓመት ስጳኛ ኣብ ፍጻመ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ንእንግሊዝ ኣብ ዝሰዓረትሉ እዋን ንስጳኛ ወኪሉ ብምጽዋት ዝበልጸ ተጻዋታይ እቲ ግጥም ክኸውን ክኢሉ'ዩ።
ወዲ 32 ዓመት ዓቢ ሓዉ ኢናኪ ግን ንሃገራዊት ጋንታ ጋና'ዩ ዝጻወት።
ክልቲኦም ከኣ ንሃገራውያን ጋንታታቶም ወኪሎም ኣብቲ ካናዳ፡ ሜክሲኮን ኣመሪካን ብሓባር ዘአንግደኦ ዘለዋ ዋንጫ ዓለም 2026 ይጻወቱ ኣለዉ።
ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ ኣብ ስኮትላንድ ከተማ ኣበርደን ንዝተወለደ ናይ ማእከል ተኸላኻላይ ወዲ 27 ዓመት ሃሪ ሶታር ኣብ መሳርዓ ከትእተዎ እንከላ፡ ወዲ 29 ዓመት ሓዉ ጆን ስታር ከኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ስኮትላንድ ብምዃን ኣብ ዋንጫ ዓለም ይርከብ።
ኣዲኦም ሄዘር ኣውስትራልያዊት ኮይና፡ ሃሪ ክሳብ 2019 ምስ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ስኮትላንድ'ዩ ዝጻወት ነይሩ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ግን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ ክጻወት ወሲኑ።
ጆን ኣብ መበል 16 ዓመት ዕድሚኡ ምስ ዳንዲ ዩናይትድ፡ ወዲ 21 ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ከኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ስኮትላንድ ተጻዊቱ።
ሃሪ ስታር ኣብ ፈለማይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ክልተ ንዜሮ ኣብ ዝተዓወተትሉ፡ ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ ብምዃን'ዩ ተጻዊቱ።
እቶም ካልኦት ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስ በበይነን ጋንታታት ዝጸወቱ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ኣብ ሆላንድ ዝተወለደ ጋናዊ ሆላንዳዊ ወዲ 30 ዓመት ደሪክ ላክሰንን ብኣደ ሓዉ ዝኾነ ወዲ 24 ዓመት ብርያን ብሮበይ'ውን ክልቲኦም ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ይጻወቱ ኣለዉ።
ኣጥቓዓይ ሳንደርላንድ ብርያን ብሮበይ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ኣብ ቀደማይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ምስ ጃፓን ኣብ ዝተጋጠመትሉ ከም ተቐያሪ ኮይኑ ተመሪጹ ነይሩ። እቲ ጸወታ ኸኣ ክልት ንክልተ'ዩ ተዛዚሙ።
'ስድራና ክበኽዩ ርኢናዮም'
ብዘይካ እዞም ኣርባዕተ ጽምዲ ኣሕዋት ንዝተፈላለያ ሃገራውያን ጋንታታት ዝውክሉ ዘለዉ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋት'ውን ንሃገራውያን ጋንታታቶም ይውክሉ ኣለዉ።
ወዲ 29 ዓመት ላሮስ ዳርተ ኣብቲ ሃገሩ ኬፕ ቬርደ ኣንጻር ስጳኛ ብ17 ሰነ ዝገበረቶ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ኣብ መበል 61 ደቂቕ ብወዲ 26 ዓመት ንእሽተይ ሓዉ ዴሮይ ተቐይሩ ወጺኡ።
እዞም ኣብ ከተማ ሮተርዳም፡ ሆላንድ ዝተወለዱ ኣሕዋት መበቖል ሃገሮም ኬፕ ቨርደ ኣብ መጀመርታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳትፎኣ ምስታ ኣብ 2010 ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ክትከውን ዝኸኣለት ስጳኛ ዜሮ ንዜሮ ብምፍልላያ ንመላእ ዓለም ክትምስጥ ክኢላ'ያ።
ኣብ ዝርዝር ኣስማት ናይታ ታሪኽ ዝሰርሐት 'ብሉ ሻርክስ' ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ ኸኣ ስም እዞም ክልተ ኣሕዋት ተሰኒዱ ኣሎ።
ላሮስ ድሕሪ ጸወታ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ስድራና ብሓጎስ ክበኽዩ ርኢና፡ እቲ ስምዒት ክትገልጾ ኣይትኽእልን ኢኻ በቓ ሕልሚ ዀይኑ'ዩ ዝስምዓካ" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት፡ ሃገረ ኩሬሳው [ Curaçao] ብስፍሓት መሬትን ብብዝሒ ህዝብን እታ ዝነኣሰት ሃገር'ያ።
ብ14 ሰነ ኣብ ዝካድዎ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ነታ ኣቐዲማ ሸቶ ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ተመዓራሪ ሸቶ ምስ ኣመዝገቡ ተወለድቲ እታ ሃገር ጥራይ ዘይዀኑ ኩሎም ነቲ ጸወታ ብቀጥታን ብመሳዅቲ ተለቪዥንን ዝተዓዘቡ ሰባት'ዮም ተገሪሞም።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሓጎሶም ነዊሕ ኣይጸንሐን፡ ካብ ጀርመን ናይ ሸቶታት ማዕበል ወሪረዎም፡ ጸወታ'ውን ሸውዓት ንሓደ ተዛዚሙ።
ጸወታ ምስ ተዛዘመ'ውን ይዅን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ሸቶ ከምዝግቡ ምኽኣሎም ጥራይ ብሓጎስ'ዮም ጸንቢለሞ።
ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ ወዲ 34 ዓመት ተጻዋታይ ኣስቶን ቪላ ዝነበረ ልዮንድሮ ባኩናን ወደ 28 ዓመት ተጻዋታይ በርኒንግሃም ሲትን ረንጀርስን ዝነበረ ጁኒንሆ ባኩናን ተሰሊፎም ነይሮም።
ክልቲኦም ከኣ ብኣቦን ብኣደን ኣሕዋት'ዮም።
ጀኒንሆ ነቲ ህሞት ክገልጾ እንከሎ "እዚ ኩሉ እዋን ንምነዮ ዝነበርና ነገር'ዩ፡ ቆልዑ እንከለና ክልተኤና ኣብ ሓንቲ ጋንታ ዀይንና ክንጻወት ኢና ንምነ ነይርና" ይብል።
እዛ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ክትዕወተሉ ዓቢ ግምት ተነቢሩላ ዘሎ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ'ውን ኣብ መሳርዓ ወዲ 30 ዓመት ሉካስን ወዲ 28 ዓመት ትዮ ሀርናንሰዝን ኣለዉዋ።
ሉካስ ምስ ፒኤስጂ ትዮ ሀርናንደስ ከኣ ምስ ኣል ሂላል'ዮም ዝጻወቱ።
እዞም ክልተ ኣሕዋት ካብ 2021 ጀሚሮም'ዮም ንሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ወኪሎም ክጻወቱ ጀሚሮም።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዲደር ደስቻምፕ ንርክብ እዞም ክልተ ኣሕዋት "ኣዝዩ ስድራ ቤታዊ ጥምረት'ዩ ዘለዎም" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።
ዲደር ደስቻምፕ ብምስዓብ "እዚ ዝዀነ ነገር ይቕይር'ዩ ንምባል ኣይኮነን፡ እንተዀነ ኣነ ከም ኣሰልጣኒ ምስ ክልተ ምዚ ዓይነት ጥምረት ዘለዎም ኣሕዋት'የ ዝሰርሕ ኣለኹ ንምባል'የ ኣልዒለዮ" ኢሉ።