እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብአዊ መሰላት ስዑዲ ብምምሕዳር ጆ-ባይደን ሓዲሽ ቆላሕታ ተዋሂቡዎ'ሎ
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሳላት፡ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ብእትፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትሕተት ይግባእ ይብሉ።
ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናይ ጎስጓስ ጉጅለ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንስዑዲ ዓረብ ዳርጋ "ድልየታ ንኽትገብር ምሉእ ናጽነት እዩ ሂቡዋ ጸኒሑ" ኢሉ።
ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ እትፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ዓሰርተታት ኣሻሓት የመናውያን ዘህለቐ ንሽዱሽተ ዓመት ዝተኻየደ ከቢድ ግጭት ርእዩ ከምዘይረኣየ ብምጽቃጡ ነቒፉዎ።
ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣብ ጉዳይ ስዑድን ኩናት የመንን ብዝምልከት ሰብኣዊ መሰል ዘቐድም ሓዲሽ ገምጋምን ክለሳን ክካየድ ምዃኑን ኣብ ኣኽብሮት መሰል ሰብ ዘተኮረ ዝምድና ክምስረት ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን፣ ኣመሪካ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝወሃብ ደገፍ ደው ከብሎ ምዃኑ ምልክት ሂቡ'ሎ ። ድሮ እኳ ኣብታ ቀዳመይቲ ዘበነ ምጅማር ስልጣኑ እቲ ናብ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራትን ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ሸመተ ኣጽዋር ዳግም ክሳብ ዝኽለስን ዝረአን ደስኪሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ግን እዚ ምምሕዳር ባይደን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ብሓቂ ዝቕየሮ ነገር ክህሉ ድዩ? ኣመሪካ ነቲ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይተረፈ ድያ ክትከታተሎ ወይስ ነቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጥራይ እያ ጠጠው ከትብሎ?
ቅድሚ ኩሉ፡ ስዑዲ-ዓረብ ቀረባ ጸጥታዊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ኣብ ዓረባዊ ዓለምን፡ ኣንጻር እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነጥፉ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት እስትራቴጂካዊ መሓዛ ኣመሪካን ቀንዲ ዓሚል (ዓዳጊት) ዘበናዊ ኣጽዋርን እያ።
ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ከምዝሕብሮ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዓመተ 2015-19 ኣብ ዓለም እታ ካብ ኣመሪካ ዝበዝሐ ኣጽዋር ዝገዝአት ሃገር እያ። ብሪጣንያ እትርከበን ምዕራባውያን ሸየጥቲ ኣጽዋር ከኣ ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ኵናት ዝውዕል ተተኮስቲ ከምዝሸጣላ ይጽብጽብ።
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነብር ተጣባቒ ኣንጻር መሸጣ ኣጽዋር ኣንድሪው ስሚዝ ካብቲ ባይደን ምክትል ባራክ ኦባማ ኮይኑ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ዝነበረ እዋን ንላዕሊ ዝሓየለ መርገጺ የድሊ ይብል።
ሰበ-ስልጣን ስዑዲ: ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዜደንቕ ምንቁልቋል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም እተራእየ ይጠቕሱ ። እቶም ኣብ ዙርያ መሓመድ ቢን ሳልማን (MBS) ዘለው ላዕለዎት ሰበስልጣን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምስሊ ስዑዲ ኣብ ግዳም ብኣሉታ ይጸልዎ ከምዘሎ ብንጹር ፈሊጦም ኣለው።
ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ክሪስፒን ብላንት መሓመድ ቢል ሳልማን ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ተገራጫዊ ምኽሪ ከምዝቐርበሉ፡ እዚ ብጆ ባይደን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝወሃብ ዘሎ ተገዳስነት ከኣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ንኽትቅይር ዕድል ዝህብ ኣጋጣሚ እዩ።
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ "ንጃማል ካሾጊ ክቕተል ኣዚዝካ ዲኻ?" ተባሂሉ ተሓቲቱ ኣሎ ።
መሓመድ ቢን ሳልማን ብ2017 ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር ስዑዲ ዓረብ፡ ሓደ ህንጡይ ግርምቢጥ ኣጋጢምዋ ኣሎ ። እቲ ልዑል ንጸቕጢ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ብምግታእ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ መኪና ክዝውራ፡ ኩሉ ጾታ ዝሳተፎ ህዝባዊ መዘናግዕን ቦታታት ብምኽፋትን ምፍቃድ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሰውራ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ሎሚ ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረቶ ተቐይራ ባህ እተብልን ሃገር ኰይና ኣላ ።
ይኹን እምበር: እቲ ከም ብዙሓት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ስዑድያ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ክሸራሸር ዘይደሊ ልዑል መሓመድ ቢል ሳልማን፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ፈጺሙ ዓጽዩዎ ኣሎ።
ስዑዳውያን ወላ'ኳ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ እንተዘይገበሩ ብመገዲ ኢንተርነት ግን ምዕዝምዛም ኣየቋረጹን። ሕጂ ግን ከምኡ ክገብሩ እውን ኣይክእሉን እዮም። እቶም ንመደባት እቲ ልዑል ብሰላማውን ሃናጽን ኣገባብ ዝነቕፉን ሰባት ብንእሽቶ መመኽነይታ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርከቡ።
ክሲን ግህሰትን
ኣብ ምዕራብ ዓለም፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንመሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ሓደ ጽሉእ ሰብ ቀይርዎ ኣሎ ።
እዚ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝተፈጸመ ቅትለትን ዘስካሕክሕ ተግባራት ምሕቃቕን (ኣብ ቀረባ እዋን ብሲኣይኤ ሓድሽ ዝርዝራት ክወጽእ ይኽእል እዩ)፡ ኣብ ልዕሊ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሉጃን ኣል-ሃትሉል ከምኡ እውን ብቐጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ማእሰርትን መግረፍትን ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ፍትሒ ስዑዲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕጊ ምጉዕጻጽን ዘጠቓልል እዩ ።
እቲ ፍርዲ መብዛሕቱ እዋን ብሕቡእ እዩ ዝካየድ። እቶም ተኸሰስቲ ጠበቓታትን ከይገብሩ ኣይፍቀዶምን። ኣብያተ-ፍርዲ ጸረ ግብረ-ሽበራ ከኣ ንተቓወምቲ ንምዕፋን ይሰርሓ።
ናይ ስዑድያ ተሓላቒ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሉጃን ኣል-ሃትሉል ኣብ ቤት ፍርዲ ግብረ ሽበራ እያ ቀሪባ።
ኣብ ምሕደራ ልዑል ቢን ሳልማን ብዙሕ ናይ ሽርበት ገዳይ ተራእዩ እዩ። እቲ ተግባር ክሳብ ላዕለዎት ሰባት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ እውን እዩ ዘጠቓልል። ንኣብነት ወዲ 79 ዓመት መስራቲ መንግስቲ ልዑል ኣሕመድ ቢን ኣብዱልዓዚዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብክሕደት ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት ንስልኳ ኣልቃዒዳ ዝተቖጻጸረን ዝሰዓረን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይን ነበር ልዑል መሓመድ ቢን ናየፍ፡ ኣብ ግሉል ቦታ ተኣሲሩ ይርከብ ።
ብ2017 ናብ ካናዳ ሃዲሙ ዝኸደ ሓላፊ ጸጥታ ስዑድን ቀንዲ መሻርኽቲ ሲ.ኣይ.ኤ ዝነበረ ሳዓድ ኣል-ጃብሪን፡ መሳርሕቱ፡ ድሕሪ ቅትለት ካሾጊ ኣብ ዝነበራ ሳምንቲ ክቐትልዎ ናብ ካናዳ ከምዝተላእኩ ኣብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ክሲ መስሪቱ'ሎ ። ደቂ ኣል-ጃብሪ ገንዘብ መንግስቲ ከም እተጠቕሙ ተኸሲሶም ኣብ ስዑዲ ካብ ዝርከብ ገዝኦም ተታሒዞም ኣለው።
ጥንቁቕ ድምጺ
ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ኣየቕለበሉን ። ንሱ ኣብ 2017 ንፈለማ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ሪያድ ፕረሲደንታዊ ምብጻሕ ገይሩ። ካብ ምሕታት ምምሕያስ ሰብኣዊ መሰላት ንላዕሊ ከኣ ምስቲ ኣብቲ መሪሕነት ውዑላት ክገብር ኣብ ምግባር እዩ ዘተኵር ነይሩ ።
ኣንድሪው ስሚዝ፡ "ዝዀነ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ደሞክራሲ ብዙሕ ጽልዋ ክገብር ይኽእል እዩ። ትራምፕ ግን ከምኡ ኣይገበረን" ኢሉ ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 20 ግንቦት 2017 ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ሙራባ ኣብ እተገብረ ኣብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድግስ ሳዕሲዑን ተፈሲሁን።
ንነዊሕ ዓመታት ኣተሓባባሪ ፖሊሲ ማእከላይ ምብራቕ ኰይኑ ዘገልገለ ገዲም ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ዴኒስ ሮስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምምሕዳር ትራምፕ [ምስ ስዑድያ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ] ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ስለዘይተጠቕመሉ ዓብዪ ጌጋ ገይሩ። ነዚ ከኣ ብዘይ ስትራተጂያዊ ረብሓን ተገዳስነትና ከመይ ጌርካ ትልክዖ ?" ይብል።
ሽሕኳ ምምሕዳር ባይደን ነዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ነገራት ንምእራም ዕላማ እንተለዎ፡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ሲ.ኣይ.ኤ: ኣብ ፔንታጎንን ኣብቶም ሓያላት ናይ ኣመሪካ ናይ ኣጽዋር ሎቢስት ንስዑድያ ብዝምልከት ጥንቁቕ ኣቀራርባ ከምዘድሊ ይገልጹ።
እቲ ስልጣን ብገለ ምኽንያት ካብ መብዛሕትኦም ኣባልት ስድራቤት ኣል-ስዑድ እንተ ጎዲሉ፡ እቲ ስልጣን በቶም ተረርቲ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ብሃገራት ምዕራብ ዘይግደሱ ሓይልታት ክትካእ ሰፊሕ ዕድል ከምዘሎ ከም ደኒስ ሮስ ዝኣመሰሉ ዲፕሎማሰኛታት የጠንቅቑ።
"ንስዑዲ እዚ ግበሩ እዚ ኣይትግበሩ ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና። ንዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ርእሱ ኣይትሃርሞን ኢኻ። ወይ ከኣ ዓሚቚ ጕድጓድ ክዅዕቱ ኣይተገድዶምን ኢኻ። ብብሕቲ ጽዑቕ ዝርርብን ዘተን እዩ ክግበር ዘለዎ" ትብል። ።
ሰይቲ ጃማል ካሾጊ ንመሓመድ ቢል ሳልማን ብቕትለት በዓል ቤታ ከሲሳቶ ኣላ።
ናብቲ ፈለማ ዝተላዕለ ሕቶ ክንምለስ፡ 'ምምሕዳር ባይደን ንሰብኣዊ መሰላት ስዑዲ ከመሓይሽ ይኽእል ድዩ ? " ነታ ሕቶ፡ እወ፡ ይኽእል እዩ ኢልና ክንምልሳ ንኽእል ። ይኹን እምበር፡ ዋይት ሃውስ ነቲ ዛዕባ ክሳብ ክንደይ ከምዝደፍኣሉን ኣብ መወዳእታኡ ክልቲአን ሃገራት ረብሐአን ንምሕላው ብኸመይ ይሰርሓን ክርእያ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ብሓጺሩ እቲ ዝኽተልኦ ሜላ እዩ ዝውስን ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሩስያን ቻይናን ምስ ሪያድ ዝያዳ ንግዲ ከካይዳ ይደልያ እየን። ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ዝኾነ ሕቶ ኣየልዕላን እየን ።
እንተዀነ ግን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣመሪካ ቀንዲ ስትራተጂያዊት መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ኰይና ትቕጽል ኣላ። ሓደ ወዲ ውሻጠ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ከምዝሓበሮ "ምምሕዳር ባይደን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓየለ ብርሃን ከብርህ እዩ ዝደሊ። ንሱ ከኣ ብቓላት ዘይኰነስ ብግብሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ " ይብል ።