እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢራን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ወራር ከይትፍጸም ኣጠንቂቓ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑሴን ኣሚር ዓብደላሂያን፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እትገብሮ መጥቃዕቲ እንተዘየቋሪጻ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ኣሜሪካ፡ ንመንግስቲ እስራኤል ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ "ተሓታቲት" ምዃና'ውን ገሊጹ።

    ኢራን፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺሙ 1400 ሰባት ዝቐተለ ሓማስን ንናይ ሊባኖስ ሕዝቦላህን እያ እትድግፍ።

    ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ልዕሊ 4,600 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝሓየለ መልክዑ ትቕጽሎ ከምዘላ ገሊጻ።

    ሚስተር ኣሚር ዓብዶላሂያን ኣብ ዝሃቦዎ ጋዜጣዊ መግለጺ “ኣሜሪካን ወኪላ እስራኤልን ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ብቕጽበት ደው እንተዘየቢሎምዎ ኣብ ዝዀነ ህሞት ዝዀነ ይዅን ነገር ከምዝከኣልን እቲ ዞባ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ከምዝኸውንን የጠንቅቕ” ክብል ካብ ቴህራን ተዛሪቡ።

    ውጽኢት እቲ ኲናት "ከቢድን መሪርን" ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ዝኸይድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

    እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ደገፍ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "እስራኤል ብስም ኣመሪካ እተኻይዶ ናይ ውክልና ኲናት" ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ ምዃኑ ገሊጹ።

    ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ እቲ ግጭት ናብ ካልእ ከባቢታት ክዝርጋሕ ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ።

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ዜጋታት ኣሜሪካን መጥቃዕቲ ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ ሕዝቦላህ ወይ ሓማስ ዝኣመሰሉ ወከልቲ ኢራን ነቲ ዘሎ ኵነታት ከጋድድዎ ከምዝኽእሉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣሜሪካ "ንእስራኤላውያንን ዜጋታታት ኣሜሪካን ክትከላኸል ዘድሊ ስጉምቲ ትወስድ ከምዘላ" ገሊጹ።

  2. እስራኤል ነበርቲ ቓዛ ክግዕዙ ንዘሕለፈቶ ትእዛዝ ዳግመ ግምት ክትገብር ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

    እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ካብቲ ከባቢ ክግዕዙ ትዕዛዝ ምሕላፋ ተገሊጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ ወሃቢ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ታሪኸ ጃሳረቪች ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ “ዳርጋ ዘይከኣል’ዩ” ብምባል እስራኤል ነቲ ትእዛዝ ዳግመ ግምት ክትገብር ጸዊዑ።

    “ክግዕዙ ዘይክእሉ ተሓከምቲ ኣለው፤ ኣብኡ ናይ መስተንፊ ሓገዝ ዝግበረሎም ብዙሓት እዮም፡ ኣብ ኢንኩቤተር ዝርከቡ ውልዶ ህጻናት፡ ኣብ ዘይርጕእ ኵነታት ዝርከቡ ሰባት ኣለው፤ ነዚኦም ከተግዕዝ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ፡” ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

    “እስራኤል ነዚ ትእዛዝ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ንጽውዕ ኣለና።”

    ኣርባዕተ መሳርሒታት ሕክምናን መድሃኒት ዝጸዓና መካይን ብዶብ ራፋ ኣቢለን ናብ ቓዛ ከምዝበጽሓ እቲ ወሃቢ ቃል ክገልጽ እንከሎ፤ እዚ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለባት “ዝመጣጠን ከምዘይኰነ” ተዛሪቡ።

    ተወሳኺ ቀረባት ዝጸዓና መካይን ኣብቲ ዶብ ብሸነኽ ግብጺ ተዳልየን እቲ መገዲ ውሑስ ምዃኑ መረጋገጺ ይጽበያ ምህላወን’ውን ሓቢሩ።

  3. ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ጽንተት እሾክ ባሕሪ እንታይ ሓደጋ የስዕብ ይኸውን?

  4. ጥንታዊ ሓድግታቶም ብ'ቨርችዋል ሪያሊቲ' ክርእዩ ዝተገደዱ ፍልስጤማውያን

  5. ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ይላባዕ ኣሎ

  6. ብመጥቃዕቲ ዝተቐትለት ኣደ፡ ኣካላታ ተወፍዩ ሓሙሽተ ሰባት ድሒኖም

  7. ምስጢር ልዕሊ 100 ዓመት ምንባር እንታይ እዩ?

  8. ምብጻሕ ሓያሎ ላዕለዎት ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ እንታይ ዝዓለመ’ዩ?

  9. እስራኤል 5,000 ኣዕዋፍ ብኢንፍሉዌንዛ ድሕሪ ምማቶም ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ትጽዕር ኣላ

  10. ናብ ሱፐርማርኬታት ዝመጽኡ ዘለው ንምግብነት ዝወዕሉ ሓሳኹ

  11. እስራኤል ሓሙሽተ ሽሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንፍልስጤማውያን ክትልግስ'ያ

  12. እስራኤል፡ ካብ 16 ክሳብ 18 ዓመት ዕድሚኦም መናእሰይ ክትኸትብ ጀሚራ