እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ
ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
እስራኤል ኣብ ቓዛ 'ዘይተመጣጠነ’ መጥቃዕቲ ትፍፅም ኣላ - ኣየርላንድ
ቓዛ፡ 'ሰበይተይ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ሞይታ፤ ህይወተይ'ያ ነይራ'
ኣሜሪካ፡ ዘይተዓጠቓ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ቓዛ ከም ዘውፈረት ተኣሚና
ግጭት እስራኤልን-ሓማስን፡ መራሒ ጉጅለ ሕዝቦላህ እንታይ ኢሉ?
እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ስምረት ኣለዋ'ዶ?
ኲናት እሰራኤል-ሓማስ፡ ስእላዊ መግለጺ ውዕሎ ሓሙስ
ቻይና ኣብ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ዓራቒት ዶ ተበላጺት?
120 ሽሕ እስራኤላውያን ፍቓድ ዋንነት ኣጽዋር ንምርካብ ኣመልኪቶም
ክርስቲያን ቓዛ፡ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ኣጽሊሎም ውሕስነት ይደልዩ
ቻይና ካብ ኲናት እስራኤል - ሓማስ እንታይ እያ ትደሊ ዘላ?
ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ኵነታቶም እንታይ ይመስል?
የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ከምዝተኮሱ ኣፍሊጦም
ዝጠመዩ ቃዛውያን ንመኻዚኖታት ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ዘሚቶም
ኤርዶሃን፡ ንቱርኪ ዓለማዊት ጐብለል ናይ ምግባር ሕልሙ ይገሃድ ዶ ይኸውን?
እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወራር እንታይ ዝዓለመ እዩ?
እስራኤል-ቓዛ፡ ኣመሪካ ንዓለማዊ ጻውዒት ተዅሲ ደው ምባል ነጺጋ
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣትዩ
ኣብ ጕዳይ እስራኤል-ጋዛ ርኢይቶ ዝሃበ ኣባል ባይቶ ተኣጊዱ፤ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ድማ ተባሪሩ
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብዛዕባ ኩነታት እስራኤል-ጋዛ ርእይቶ ብምሃቡ ካብ ስርሑ ክባረር እንከሎ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሌበር ተኣጊዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓጋዚ ሚኒስተራት ፖል ብሪስቶው ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ “ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ” ምግባር፡ “ህይወት ሰባት ከድሕንን ሓገዝ ናብቶም ኣዝዮም ዘድልዮም ሰባት ክበጽሕ ዘኽእልን'ዩ” ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን እቲ ርእይቶታት "ምስ መትከላት ሓባራዊ ሓላፍነት ዝሰማማዕ ኣይኰነን" ኢሉ።
ኣባል ባይቶ ዕዮ ኣንዲ ማክዶናልድ ድማ ኣብ ሰልፊ ደገፍቲ ፍልስጤም ተረኺቡ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።
ኣብዚ፡ “ኣብ ሞንጐ ሩባን ባሕርን" ዝብል ሓረግ ብምጥቃሙ ካብ ኣባልነት ተኣጊዱ።
ነቐፍቲ እቲ ሓረግ ግልጺ ብዘይኰ መገዲ ንጥፍኣት እስራኤል ዝጽውዕ ምዃኑ ይምጉቱ።
ሰልፊ ዕዮ ድማ እቲ ርእይቶታት "ኣዝዩ ኣጸያፊ" እዩ ኢሉ።
ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን 31 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም - ሲፒጄ
ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ዝሽፍኑ ዝነበሩ ብውሕዱ 31 ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ኮሚቴ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ) ገሊጹ።
ካብዚኦም እቶም 26 ፍልስጤማውያን ክዀኑ እንከለው 4 እስራኤላውያን 1 ሊባኖሳውን እውን ይርከቡዎም።
ካልኦት ሸሞንተ ጋዜጠኛታትድማ ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ብምግላጽ፡ ትሸዓተ ድማ ከም ዝጠፍኡ ወይ ከም ዝተኣስሩ ይግመት ክብል እቲ ኮሚቴ ኣምልኪቱ።
እቲ ትካል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብፍላይ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት እስራኤል ብመሬት እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፣ ኣዕናዊ ደብዳባት ነፈርቲ፣ ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምቁራጽ ኮምዩኒኬሽንን ኣብ ዘለወሉ ነቲ ግጭት ክሽፍኑ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ልዑል ሓደጋታት የጋጥሞም ኣሎ” ኢሉ።
ሮሽዲ ሳራጅ ዝተባህለ ፍሉጥ ፍልስጤማዊ ኣፍራዪ ፊልም ሓደ ካብቶም ግዳያት ኰይኑ ኣብ ከባቢ ዶብ ሊባኖስ ካብ ኣንፈት እስራኤል ብዝመጽአ ደብዳብ ዝተቐትለ ኣብ ቤይሩት መደብሩ ፍሉጥ ፍልስጤማዊ ሰኣሊ ሮይተርስ (ቪድዮግራፈር) ኢስማን ዓብደላን ይርከብዎም።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ክሲ ይምርምሮ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ጋዛ ንዝንቀሳቐሱ ጋዜጠኛታት ውሕስነት ክህብ ከም ዘይክእል፡ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስን ኤኤፍፒን ገሊጹ።