እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ
ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
‘ክንበኪ ግዜ የብልናን’- መንእሰይ ነባሪት ቓዛ
ባጡል ጓል 18 ዓመት ፍልስጤማዊት ኰይና ካብ ቓዛ ብድምጺ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ብዛዕባ’ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ጸበባ ነበርቲ እታ ዞባ ሓቢራ።
“ስመይ ዘገድስ ኣይኮነን። ስም መሓዙተይ ዘገድስ ኣይኮነን። ዛንታታትና ዘገድስ ኣይኮነን። ቍጽርታት ጥራይ ኢና- ዓለም ብኸምኡ’ያ ትርእየና።
“ሓደ ወጻእተኛ ይሓተና፡ ‘እሞ እንታይ ይስመዓኩም?’ ንሕቶኹም ነመስግን። ዝስመዓና የለን። ኣይንበክን ኢና። ንዝሞቱና ክንሓዝነሎም ግዜ የብልናን፡ ምኽንያቱ ካልኦት’ውን ይቕተሉ ስለዘለዉ። ንስምዒት ግዜ የብልናን። ሞት እናቐረበ እናቐረበ ክመጽእ ጥራይ’ዩ ዝጨንወና። ኣብ ሓደ ክፍሊ ኮፍ ኢልና፡ ክንተሓቛቘፍን ነፍስና ብሓባር ክወስድ ንፈጣሪ ክንልምንን ጥራይ’ዩ ግዜ ዘለና።
“ሓደ ምሉእ ለይቲ ብዘይ እቲ ዘፍርሕ ድምጺ ዝዘንብ ቦምባታት ደቂስና ክንሓድር ጥራይ ኢና ንናፍቕ። ሻወር ክንወስድን ኣብ መወዳእታ ንቡር መዓልቲ ድኻም ክስምዓናን ጥራይ ኢና ንናፍቕ፡ ካብ ሞት፡ መስዋእቲን ደምን ወጻኢ ከነዕልል- ሰሓቕ ቘልዑ ክንሰምዕ። ብዙሕ ዲና ሓቲትናኪ፡ ዓለም?”
ግብረመልሲ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንክስታት እስራኤል
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተዛረቦ ዘረባ ዘስዓቦ ወጠጥ ከም ዘሰንበዶ ገሊጹ።
ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብወገን እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ “ሓሶት’ዩ” ብምባል መግለጺታቱ “ተጠምዚዙ ምቕራቡ ኣሰንቢዱኒ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ዝበሎ “ንሽበራ ሓማስ ከምዘመኽነየ” ኰይኑ ምቕራቡ ቅኑዕ ኣይኰን ይብል ጉተረዝ።
“እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን፤ ብኣንጻሩ’ዩ።”
“እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓማስ” ከምዝኹንኖ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ትማሊ’ውን፡ “ነቲ ብፍላጥ ዝተኻየደ ቅትለት፡ መቝሰልቲን ጭውያ ሲቪላውያንን ወይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሮኬታት ምውንጫፍ ዝዀነ መመኽነይታ ክወሃቦ ኣይክእልን’ዩ” ከምዝበለ ጠቒሱ።
“ሓቂ’ዩ፡ ብዛዕባ መረረ ህዝቢ ፍልስጤም’ውን ተዛሪበ’የ። ከምኡ ክገብር እንከለኹ ድማ፡ ብንጹር ገሊጸ’የ፡ እጠቅስ፡ ‘ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ መረረ ግን ነቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን።’’
ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “መጥቃዕቲ ሓማስ ብዘይ ገለ ምኽንያት ዘጋጠመ ኣይኰነን” ብምባል “ፍልስጤማውያን ን 56 ዓመታት ብዓፋኒ መገዲ ተጐቢጦም ከም ዝጸንሑ” ተዛሪቡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ብዘረባ እቲ ዋና ጸሓፊ ዝሓረቑ ሰብመዚ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ጉተረዝ ካብ ሓላፍነቱ ንኽወርድ ካብ ምሕታት ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብዚ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ናይ ምኽልካል ስጕምቲ ወሲዶም።
እስራኤል ንሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ቪዛ ኣብ ዝኸልከለትሉን እቲ ወጥሪ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን’ዩ፡ ጉተረዝ በዚ ኵነታት ከም ዝሰንበደ ገሊጹ ዘሎ።
እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ብመብርሂ ጉተረዝ ዘይተሓጎሰ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዳግም ጸዊዑ’ሎ።
“እዚ ዋና ጸሓፊ ቃላቱ ክስሕብን በቲ ትማሊ ዝበሎ ይቕሬታ ክሓትትን ዘይምኽኣሉን ንሕቡራት ሃገራት ዘሕንኽ’ዩ” ክብል ኣምባሳደር ጊላድ ኤርዳን ንዳግማይ መግለጺ ጉተረዝ ዳግማይ ግብረመልሲ ሂቡሉ ኣሎ።
“ሓደ ዋና ጸሓፊ ቅትለት ንጹሃት ብዝዀነ ‘ድሕረባይታ’ ክግለጽ ከምዘይክእል ዘይርዳእ እንተዀይኑ ዋና ጸሓፊ ክኸውን ኣይክእልን” ብምባል ጉተረዝ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጠንቂ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ምዃና ዘስምዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምርኻብ ‘ኣብዩ’
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ካብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንዝተደወለሉ ተለፎን ምቕባል ከምዝኣበየ ተዛሪቡ።
ጉተረዝ፡ “ብኣጋጣሚ” ኣይኮነን መጥቃዕቲ ሓማስ ድሕሪ ምክያዱ ጉተረዝ ናብ እስራኤል ዘይበጽሐ ይብል ኣምባሳደር ጊላድ ኤርዳን።
ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ገተረዝ ምስ ነታንያሁ ክዘራረብ ሓቲቱ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ምልዓል ኣብዩዎ” ይብል እቲ ኣምባሳደር።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባይታ “ዘየለ ስእሊ” ኩነታት ናይታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓማስ ዘላ ቓዛ ፈጢሮም ብምባል’ዮም ሰብመዚ እስራኤል ዝኸሱ ዘለዉ።
“ተጻባእቲ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት” ካብ እስራኤል ምስጓግ ከምዘድሊ እቲ እስራኤላዊ ዲፕሎማሰኛ ተዛሪቡ።
እስራኤል ንሓያለ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ከምእትኸልእ ኣፍሊጣ’ላ።
ሓደ ካብኦም፡ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊን ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊዝ ናብ እስራኤል ከይኣቱ ቪዛ ተኸልኪሉ እዩ።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ጉተረዝንኣኼባባይቶጸጥታኣብዝሃቦመግለጺ፡እቲብ7 ጥቅምቲዝተኻየደመጥቃዕቲሓማስኣብ “ባዶሽዘጋጠመኣይኮነን” ክብልምዝራቡንእስራኤልኣቖጢዑይርከብ።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ጉተረዝ ንኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ “ባዶሽ ዘጋጠመ ኣይኮነን” ክብል ምዝራቡ ንእስራኤል ኣቖጢዑ ይርከብ።
“ህዝቢ ፍልስጤም ን56 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዓፋኒ ጎበጣ ኣትዮም ጸኒሖም እዮም። መሬቶም ብቐጻሊ ንሰፈራታት ክቑረስ ርእዮምን ብጎነጽን ማሲኖምን’ዮም። ቀጠባኦም ተዓንቂጹ። ሰቦም ተመዛቢሉ፡ ኣባይቶም ዓንዩ። ጸበባኦም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ዝነበሮም ተስፋ ሃፊፉ’ዩ።
እንተኾነ ግን ይብል እቲ ዋና ጸሓፊ “ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ መረረ ግን ነቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን” ኢሉ። ብተመሳሳሊ “እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ሓማስ ንኣልማማ መቕጻዕቲ ህዝቢ ፍልስጤም ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን” ክብል ንደብዳብ እስራኤል ነቒፉ።
“መብራህቲ እንተጠፊኣ እዞም ህጻናት ክሞቱ’ዮም” ሓካይም ቓዛ
ተመዛበልቲ ‘ብፈረቓ ንድቅስ ኣለና’ እንትብሉ ሕቡራት ሃገራት መዕቈቢታት ተጨናኒቘም ኢሉ
ናጅላ ሻዋ፡ ድሕሪ መጥቃዕታት እስራኤል ካብቶም ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ ገዝኦም ገዲፎም ንደቡብ ዝገዓዙ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ሓንቲ እያ።
ንሳን ክልተ ደቂ ትሽዓተን ሽዱሽተን ዓመት ደቃ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ካልኦት 57 ሰባት ኣዕቊበን ኣለዋ።
ሰራሕተኛ ኦክስፋም ዝዀነት ናጅላ፡ ንሬድዮ ቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “መደቀሲ ክፍሊ ስለ ዘየለ፡ ብፈረቓ ኢና ንድቅስ። ለይቲ ክኸውን እንከሎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ” ትብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቃ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ ዕድመ ካብቲ ክፈልጥኦ ዝግባእ ንላዕሊ እየን ዝፈልጣ” ክትብል ተዛሪባ።
ንስደተኛታት ፍልስጤም ዝቘመ ኤጀንሲ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም መዕቈቢ ስደተኛታት ካብቲ ክሕዝዎ ዝግባእ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዘዕለቕለቑ ገሊጹ።
ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ኣብ 150 መጽለሊ ቦታታት ከም ዘለው ዝገልጽ እቲ ኤጀንሲ፡ እዚኦም ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ዝሓወሱ ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ካብዚ ንላዕሊ ክቕበል ብዘይምኽኣሉ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጐደናታት ይሓድሩ ምህላዎም ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘለዎ ነዳዲ ሎሚ ምሸት ክውዳእ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ።
ሆስፒታላት ድሮ ንኣገደስቲ ሕሙማት ጥራይ ክንክን ይምድባ ከም ዘለዋ ይግለጽ።
ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላትን ዳርጋ ክልተ ሲሶ መባእታዊ ክሊኒካት ጥዕናን ድሮ ብሰንኪ እቲ ኲናትን ሕጽረት ነዳዲን ከም ዝተዓጽዋ ሓቢሩ።
እስራኤል ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝነበረ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣቋሪጻ።
‘ዓቢይ ሓወይ መዓስ’ዩ ካብ እስራኤል ዝመጽእ?’
ወጥሪ ሕቡራት ሃገራትን እስራኤልን
ትማሊ ምሸት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥሪ ሕቡራት ሃገራት ንኲናት እስራኤል-ቓዛ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን ኣብ ሞንጐ እቲ ውድብን እስራኤልን ፍልልይ ተፈጢሩ።
- ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ እቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ዝቐተለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ - "ኣብ ባዶ ቦታ" ከም ዘይተፈጸመ ብምጥቃስ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ናይ "56 ዓመታት መግዛእቲ" ከም ዘመልክት ገሊጹ።
- በዚ ርኢይቶ ዝተቘጥዐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኤሊ ኮሄን “ንከምዚ ዝኣመሰለ ጨፍጫፍ ምኽንያት ክህሉ ኣይኽእልን” ኢሉ። “ኣበየናይ ዓለም ኢኻ ትነብር?” ብምባል ምስቲ ሓላፊ ዝነበሮ ቈጸራ ክስርዝ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊላድ ኢርዳን ብወገኑ ጉተረስ “ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ክመርሕ ብቑዕ ኣይኰነን” ኢሉ።
- ጉተረስ ድሒሩ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቅሬታ ህዝቢ ፍልስጤም ነቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ከመኽንየሉ ከም ዘይክእል" ከምኡ'ውን "ዘስካሕክሕ መጥቃዕትታት፡ ህዝቢ ፍልስጤም ብሓባር ንምቕጻዕ ምኽኑይ ክኸውን ከም ዘይክእል” ሓቢሩ።
- እስራኤል ድሒራ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ንኹሎም ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ከምዘይትህብ ገሊጻ።
ኣምባሳደር ኢራዳን ንሬድዮ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሮ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ማርቲን ግሪፊትስ ቪዛ ከም ዝተነጽገ ክዛረብ እንከሎ፡ “ትምህርቲ እንምህረሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ” ኢሉ።
ቪድዮታት፡ ኣሳእልን ካልእን ብዛዕባ ፍንጀራ ሆስፒታል ቓዛ እንታይ የመልክቱ?
ኣብ ቓዛ፡ ነፍሰጾር ኣደ ክትመውት እንከላ ዕሸላ ድሒኑ
ሓኻይም ቓዛ ብዘካየድዎ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ካብ ዝሞተት ነፍሰጾር ኣደ ዕሸል ኣድሒኖም።
እታ ኣደ፡ እስራኤል ትማሊ ኣብ ከተማ ከሃን ዮኑስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከቢድ መጕዳእቲ ወሪድዋ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
ኣቦ እቲ ዕሸል፡ በቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክመውት እንከሎ፡ እታ ኣደ ናብ ሆስፒታል ናሰር ተወሲዳ።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ኣደ ንህይወታን ህይወት ኣብ ማህጸና ዝሓዘቶ ዕሸልን እናተቓለሰት ብህይወት ክትጸንሕ ፈቲና ነይራ።
ሕጂ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ነቲ ሆስፒታል ብምጥቃስ እታ ኣደ ከም ዝሞተት ይሕብሩ ኣለው።
እቲ ዕሸል ብመጥባሕቲ ብህይወት ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ደሓን ኵነታት ምህላዋ ሪፖርተር ቢቢሲ ሓቢሩ።
ግጭት ቓዛ-እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ልዕሊ 2300 ህጻናት ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክቱ።
ሓማስ ዝመርሖ መንግስቲ ቓዛ፡ ሎሚ ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣስታት 80 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።
ኤኤፍፒ፡ ንመግለጺ መንግስቲ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ “ልዕሊ 80 ሰባት” ተቐቲሎም፤ “ኣማኢት ድማ ቘሲሎም” ክብል ጸብጺቡ።
ዕጡቓት ሓማስ ኣብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ልዕሊ 1400 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ እስራኤል ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ትፍጽም ኣላ።
ሓማስ ዝመርሖ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ቓዛ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 5800 ሰባት ተቐቲሎም ይብል።
ሆስፒታላት ቓዛ ገለ ክፍልታት ሕክምና ክዓጽዋ ጀሚረን
ኣብ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላት እኹል ነዳዲ ብዘይምርካበን ካብ ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋ ወጻእ ዘለው ክፍልታት ዓጽየን።
እተን ሆስፒታላት፡ “ዘለወን ነዳዲ ንምቝጣብ መብዛሕትኦም ክፍልታት” ከም ዝተዓጽው ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሩሽዲ ኣቡኣሉፍ ተዛሪቡ።
እዚ ኣብ ከም ዳያሊስ [ምሕጻብ ኩሊት] ዝበሉ ሕክምናታት ትዅረት ከም ዝተገብረ ብምግላጽ “ህይወት ኣብ ምድሓን ጥራይ ትዅረት” ዝገበራ ክዀና ከም ዝተገደዳ ሓቢሩ።
እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዃኑ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ ልዕሊ 2300 ህጻናት ከም ዝተቐትሉ የመልክት።
ናብ ቓዛ ንምእታው ኣብ ግብጺ ዝጽበ ዘሎ ሰራሕተኛ ኮሚቴ ሓገዝ ኖርወይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኵነታት ቓዛ ኣዝዩ ዝኸፍአ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ።
“ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 15 ሽሕ ሲቪላውያን ስደተኛታት ዘለዎ፡ መጥባሕታዊ ክንክን ዘድልዮም ሕሙማት ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተጨናነቐ ሆስፒታል እሞ ሕሰብዎ - ኣብ ርእሲኡ መብራህቲ ይጠፍእ ኣሎ። እዚ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክትግምትዎ እትኽእሉ እመስለኒ” ይብል።
ብሰንኪ መጥቃዕቲ ቦምባ እስራኤል ብዙሓት ዝቘሰሉ ሰባት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ጸቕጢ ናይቲ ኵነታት ድማ ነፍሰጾራት ናብ ግዜኡ ዘይኣኸለ ሕርሲ የምርሐን ከምዘሎ ሓቢሩ።
ድሩት ተበጻሕነት ጽሩይ ማይን መግብን ሰፊሕ ለበዳ ሕማማት ከስዕብ ስለ ዝኽእል ተወሳኺ ብድሆታት ይጽበዮም ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ ሆስፒታላት ቓዛ፡ መሰረታዊ ናውታት ሕክምና - ከም መተንፈሲ መሳርሒታት፡ ሞኒተራት፡ ኢንፍዩዥን ከምኡ’ውን መጽንሒ ህጻናት - ብዘይ ኤሌክትሪክ ደው ይብሉ ኣለዉ።
ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሓኪም ዝሰደደሉ ቪድዮ ምርኣይ'ውን ገሊጹ።
ንግስቲ ዮርዳኖስ ንምዕራባውያን ማዕከናት ዜና ነቒፋ
ንግስቲ ዮርዳኖስ ራኒያ፡ ምስ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ብዝተሓሓዝ ማዕከናት ዜና ምዕራብ ንጉዳይ ማሕበረሰብ ፍልስጤምን ኣይሁድን ብማዕረ ዓይኒ ኣይጸብጸባን ክትብል ነቒፋ።
ኣብዚ ትማሊ ሰሉስ ካብ ኣማን ዝተፈነወ ቃለ መጠይቕ ሲኤንኤን፡ “ሎሚ ኣብ ዓለም ዝርአ ነገር ብማዕረ ዓይኒ ዘይምጽብጻብ ዘሕዝን ነገር’ዩ። ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ሓያል ውግዘት እኳ እንተተርኣየ ብዛዕባ እቲ ዝኸውን ዘሎ ነገር ዝስማዕ ነቐፌታ ግን ኣዝዩ ውሑድ እዩ” ክትብል ተዛሪባ።
“ስለ ምንታይ ቅልጡፍ ጻውዒት ምቍራጽ ተጻብኦ ዘይተገብረ? ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘሰንብድ ስቓይ ክወርድ ንርኢ ኣለና። ስለ ምንታይ እዩ ደኣ እቲ ትረኻ ናብ እስራኤላውያን ዝዘዙ ዘሎ?”
“ቤተሰብ፡ ምሉእ ስድራ ብጥይት ምቕታል ጌጋ ምዃኑ ይንገረና ኣሎ። ንዓኣቶም ግን ቤተሰብ ምሉእ ብመጥቃዕቲ ኣየር ምቕታል ምንም ኣይኰነን . . . እዚ ግን ንዓረብ ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ” ኢላ።
ወሲኻ፡ “ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ከምዚ ዓይነት መከራ ደቂ ሰባት ክወርድ ናይ መጀመርታ እዩ። ዓለም ግን ጻውዒት ምቍራጽ ተጻብኦ’ውን ኣየቕረበትን። ስቕታ በዚሑ” ክትብል ከሲሳ።
ጋዜጣታት ብሪጣኒያ እንታይ ይብላ ኣለዋ?
ፋይናንሻል ታይምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዝሃቦ ርእይቶ ሒዛ’ያ ወጺኣ።
እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እስራኤል "ንጹር ጥሕሰት" ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝፈጸመት ገሊጹ።
“ሲቪላት ምክልኻል ማለት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ናብቲ መዕቆቢ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳድን ዘይብሉ ደቡብ [ቓዛ] ክግዕዙ ምእዛዝ፡ ድሕሪኡ ደብዳብ ቦምባ ምቕጻል ማለት ኣይኰነን” ክብል ነቒፉ።
ብተወሳኺ ጉተረዝ ንመጥቃዕቲ ሓማስ "ዘስካሕክሕ" ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ባዶ ቦታ ዝተፈጸመ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ እዚ ግን “ንህዝቢ ፍልስጤም ብሓባር ብምቕጻዕ” ክምኽነ የብሉን ኢሉ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊላድ ኤርዳን፡ ነቲ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዘስምዖ ዘረባ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ዘሰንብድ" ክብል ብምግላጽ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምጽውዑ ኸኣ ደይሊ መይል ጸብጺቡ።
ደይሊ ቴሌግራፍ ብወገኑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ምስ ጉተረዝ ንክራኸብ ዝነበሮ መደብ ብሰንኪ እቲ ርእይቶታት ከም ዝሰረዞ ብምግላጽ “ኣብ ኣየነይቲ ዓለም ኢኻ ትነብር?” ኢሉ ይብል።
ጋርድያን ሓንቲ ካብተን ብርክት ዝበላ ስእሊ ጓል 85 ዓመት ዮቸቨድ ሊፍሺት ሒዘን ዝወጽኣ ጋዜጣታት ብሪጣኒያ እያ።
እዛ ውልቀሰብ ሓንቲ ሓማስ ብሰኑይ ዝፈትሐን ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ኰይና፡ ሓራ ኣብ ዝወጸትሉ እዋን ኢድ ሓደ ካብቶም ዝማረኽዋ ሰባት ሰላም ክትብል ዘርኢ ስእሊ እዩ።
ደይሊ ኤክስፕረስ ነቲ ምጭብባጥ ኢድ "ኣብ ቅድሚ ክፍኣት ናይ ሰላም ምልክት"ብምባል ክገልጾ እንከሎ ሊፍሺት ዘርኣየቶ ግብረ መልሲ “ምልክት ሰብኣውነት" ክብል ንኢዱዎ።
ታይምስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ሊፍሺትዝ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ምርኮ ዝነበረትሉ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ብኣወንታ እኳ እንተገለጸት፡ ዕጡቓት ሓማስ ኣብቲ ጭውያ ዝፈጸምሉ እዋን ንዝነበረ ኵነታት ግን ነቒፋ።
“ኣብ ገዛውትና መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ንዓበይትን ንኣሽቱን ብዘይ ኣፈላላይ ቀቲሎምን ጨውዮምን" ትብል።
እስራኤል ኣብ ጀኒን መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺማ
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል “ቅድሚ ሓጺር ግዜ” ኣብ ጥቓ ከተማ ዌስት ባንክ ምስ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝተፈጥረ ጐንጺ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ፈጸመ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰራዊት ብማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ነበርቲ ጀኒን “ምስ ዕጡቓት ግብረ ራዕዳውያን” ኣብ ዝተገብረ ናይ ተዅሲ ልልውጥ ተታሒዞም ክብል ከሲሱ።
እቲ ጐንጺ እስራኤል ኣብ ከባቢ ጀኒን ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት ሓለዋ ትገብር ዘላ ኰይና፡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ተዅሲ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እስራኤል ቦምባ ድሕሪ ምድርባዮም ከም ዝዀነ ተልኣቪቭ ትገልጽ።
እስራኤል ኣብ መግለጺኣ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ልውውጥ ተዅስን ዝበጽሐ ጉድኣት ተፈልዩ እዩ ኢላ።
ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እታ ሃገር ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየለ’ውን ሓቢራ።
ብሰንበት፡ እስራኤል፡ “ቀጽሪ ራዕዳውያን” ኣብ ዝበለቶን ኣብ ጀኒን ኣብ ዝርከብ መስጂድን መጥቃዕቲ ፈጺማ ነይራ። በዚ ክልተ ሰባት ሞይቶም።
ቅድሚ 23 ዓመታት ወዱ ዝስኣነ ኣቦ ሎሚ’ውን ኣብ ሓዘን
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካብ መዝነቱ ክወርድ እስራኤል ጸዊዓ
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጠሊቡ።
ጉተረዝ ንኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ “ባዶሽ ዘጋጠመ ኣይኮነን” ክብል ምዝራቡ ንእስራኤል ኣቖጢዑ ኣሎ።
“ህዝቢ ፍልስጤም ን56 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዓፋኒ ጎበጣ ኣትዮም ጸኒሖም እዮም። መሬቶም ብቐጻሊ ንሰፈራታት ክቑረስ ርእዮምን ብጎነጽን ማሲኖምን’ዮም። ቀጠባኦም ተዓንቂጹ። ሰቦም ተመዛቢሉ፡ ኣባይቶም ዓንዩ። ጸበባኦም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ዝነበሮም ተስፋ ሃፊፉ’ዩ።
እንተኾነ ግን ይብል እቲ ዋና ጸሓፊ “ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ መረረ ግን ነቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን” ኢሉ። ብተመሳሳሊ “እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ሓማስ ንኣልማማ መቕጻዕቲ ህዝቢ ፍልስጤም ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን” ክብል ንደብዳብ እስራኤል ነቒፉ።
በቲ መግለጺ ዝተቖጥዐ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊላድ ኤርዳን፡ “ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ንዝተፈጸመ ክፉእ ተግባራት- ብኣሸባሪ ውድብ- ከመኻንዩ ዝደልዩ ምምኽናይ ወይ ምዝራብ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን” ብምባል ተቓውሞኡ ገሊጹ።
እቲ ዋና ጸሓፊ “ብህጹጽ ክወርድ እጽውዕ” ክብል እቲ ኣምባሳደር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ጠሊቡ።
ጉተረዝ ንሰብኣዊ ቅልውላው ህዝቢ ቓዛ ብቐረባ ንምዕዛብን፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱ ንምጽዋዕን ናብቲ እንኮ ኣፍደገ ራፋ በጺሑ ነይሩ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 700 ሰባት ተቐቲሎም, ዓበይቲ ምዕባለታት ውግእ እስራኤል-ጋዛ
ብሓማስ ዝእዘዝ ሚኒስተር ጥዕና ጋዛ በቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ልዕሊ 700 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊፁ።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ሚኒስትሪ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝተቐትሉ ብዝሒ ነበርቲ ጋዛ ብውሑድ 5791 በጺሑ ኣሎ።
እስራኤል ብወገና ትማሊ መገልገሊታት ሓማስ ዝበለቶም ልዕሊ 400 ዒላማታት ከምዝደብደበት ገሊጻ። ንእስራኤል ኩለመዳያዊ ሓገዝ እትገብር ዘላ ኣመሪካ ድማ ተኹሲ ደው ክብል ይቐርቡ ንዘለዉ ምሕጽንታታት ተቓዊማ።
ላዕለዎት ሰብመዚ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንትን ስቴት ዲፓርትመንትን ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሕዚ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ተዂሲ ደው ምባል ዝግበረሉ ትክክለኛ ሰዓት ኣይኮነን ኢሎም።
ወሃቢ ቃል ካውንስል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ሕዚ ተኹሲ ጠጠው ዝብለሉ እዋን እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። እስራኤላውያን ዓርሶም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም። ሰብመዚ ሓማስ ንምህዳን ገና ክሰርሕዎ ዘለዎም ዕዮ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።
ሃገራት ዓረብን ቻይናን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ብቕልጡፍ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋ።
ብፍላይ ኢራን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ እንተጀሚራ እቲ ኲናት ናብቲ ዞባ ክላባዕ ከምዝኽእል ዘጠንቀቐት ኮይና፡ ኣሜሪካ እውን ንእስራኤል ብምድጋፍ ተሓታቲት ከም እትኸውን ትማሊ ዕላዊ ገይራ።
ብካልእ ዜና ግብጽን ቐጠርን ድሕሪ ዘካየደኦ ሽምግልና ሓማስ ጅሆ ሒዙ ካብ ዝወሰዶም ሰባት ንክልተ ኣረጋውያን ሰዲዱ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ “በቲ በቲ ዘጋጠመ ሞት [ሰራሕተኛታት ናይቲ ውድብ] ንሓዝን ከምኡ ድማ ኣብ ጎኒ እቶም ንደለይቲ ሓገዝ ንምድጋፍ ዝከኣሎም ዝገብሩ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ጠጠው ንብል” ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ሎሚ ናብ እስራኤል ኣቕኒዑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ዝተዘራረበ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ጎኒ እስራኤል ደው ከምዝበለ ብግላጽ እቲ ንዳዕሽ ዝተዋገአ ጥምረት ኣንጻር ሓማስ እውን ክዋጋእ ከምዝኽእል ገሊጹ።
ብካልእ ግንባር ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስ ዝመደብሩ ሒዝቦላህን ተጠናኺሩ ብዝቐጸለ ምልውዋጥ ደብዳባት ድማ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሊባኖሳውያን ኣፈናቒሉ ኣሎ።
ለንደን፡ ግዳያት ደብዳብ እስራኤል ዝኾኑ ህጻናት ቓዛ ተዘኪሮም
ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ዝተቐትሉ ቆልዑ ዞባ ቓዛ ንምዝካር ኣብ ለንደን ሰልፊ ተኻይዱ።
እቲ ’ሜዲካል ኤይድ ፎር ፓሊስታይን’ (ሕክምናዊ ረዲኤት ንፍልስጤም) ብዝተባህለ ማሕበር ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከባቢ ህንጻ ፓርላማ ብሪጣንያ (ዌስትሚኒስተር) እዩ ተኻይዱ።
ተሳተፍቲ ንተበግሶ ገለ ነበርቲ ቓዛ ብምኽታል ኣስማት ግዳያት ኣብ ኣእዳዎም ብምጽሓፍ ነቶም ብደብዳብ እስራኤል ዝተቐተሉ ህጻናት ዘኪሮም።
ኣስታት 2000 ካብቶም ልዕሊ 5700 ብደብዳባት እስራኤል ዝተቐትሉ ነበርቲ እታ ዞባ ቆልዑ ምዃኖም ይግለጽ።
ብወገን እስራኤል’ውን ብዙሓት ካብቶም ኣስታት 1400 ብሓማስ ዝተቐትሉ ግዳያት፡ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትሉ ህጻናት ምንባሮም ይፍለጥ።
ደብዳባት እስራኤል ሕጂ’ውን ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ።
ቓዛ፡ ነዳዲ እንተዘይተረኺቡ ንጥፈታት ሕቡራት ሃገራት 'ጽባሕ ደው ክብል’ዩ'
ትካል ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ሕብራት ሃገራት ብሰንኪ ስእነት ቀረብ ነዳዲ ደው ክብል ከምዝኽእል እቲ ትካል ኣጠንቂቑ።
እቲ ኣብታ ወሽመጥ ዝዓበየ ወሃብ ሰብኣዊ ደገፍ ምዃኑ ዝገንረሉ ትካል (UNRWA) 150 መቆቢ ትካላት ከምዘለዎ ዳይረክተር ርክባት ጁሌት ቱማ ንቢቢሲ ሓቢራ። መብዛሕትኡ ድማ ኣብያተ-ትምህርቲ እዩ።
“ኣብቶም መዕቆቢታት ጥራይ 600 ሽሕ ሃዲሞም ዝመጹ ሰባት ኣለዉና። መግቢ ይደልዩ፡ ማይ ይደልዩ፡ ኣገልግሎታት ጽሬት ይደልዩ። መደቀሲ ፍርናሻት የድልዮም"።
እቲ ዝህብዎ ዘለዉ ደገፍ እንተኣቋሪጹ፡ እቲ ቅልውላው መሊሱ ክገድድ ምዃኑ ኣጠንቂቓ’ላ።
ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ጆናታን ኮንሪከስ ብወገኑ፡ ሓማስ ናብቲ ዞባ ዝኣተወ ነዳዲ ይኽዝኖ ከምዘሎ ከሲሱ።
ብኻልእ ወገን፡ ተወሳኺ 6 ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ከምዝተቐትሉ እታ ኣፈኛ ሓቢራ። እዚ ማለት ደብዳብ እስራኤል ካብ ዝፍልም ጀሚሩ 35 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተቐቲሎም ኣለዉ።
‘ብገሃነም ሓሊፈ’- ካብ ጅሆ ሓማስ ዝተገላገለት ጓል 85 ዓመት
ሓንቲ ካብተን ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዝን ዝጸሓን ትማሊ ዝተለቃን ክልተ ኣረጋውያን ብዛዕባ ኣብ ኢድ ሓማስ ዘሕለፈቶ ኩነታት ተዛሪባ።
ጓል 79 ዓመት ኑሪት ኩፐርን ጓል 85 ዓመት ዮቾቪድ ሊፍሽዝዝን ትማሊ ንዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ምርካበን ናብ ተልኣቪቭ ኣትየን ኣለዋ።
ጓል 85 ዓመት ዮቾቪድ ሊፍሽዝ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ “ብገሃነም’የ ሓሊፈ” ክትብል ተዛሪባ።
እታ ሰፊሕ መርበብ ገርያታት ትሕቲ ምድሪ ከምዝተዓዘበት ዝገለጸት ጓል 85 ዓመት፡ ንሳን ዝተጨውዩ ብጾታን “ብኣባትር ከምዝተሃርሙ” ሓቢራ።
ንሳ ከምዝበለቶ፡ ፈለማ ካብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ‘ኪቡዝ’ (ማሕበርነታዊ ሰፈራ) ብሞተርብሽክሌታ ስለዝተወስደት ክሳብ ምስትንፋስ ትስእን ተሃስያ ነይራ።
ናብ ቓዛ ድሕሪ ምእታዎም፡ ጨወይቶም “ኣብ ቁርኣን ስለንኣምን ኣይንጎድኣኩምን ኢና” ኢሎ ምከምዝተዛረብዎም’ውን ጠቒሳ።
“ጽቡቕ ኣልያ ይግበረለይ ነይሩ” ብምባል ድማ፡ ሓኪም ድሕሪ ገለ መዓልታት እናመጸ ይርእዮም ከምዝነበረን፡ ጻዕዳ ፋርማጆ (ቺዝ) ምስ ኩከምበር ይቕልብዎም ከምዝነበሩ ገሊጻ።
ትማሊ ምሸት ብጸልማት ናብ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝተረከባሉ፡ ነቶም ምስአን ዝመጹ ገጾም ዝተሸፈነ ኣባላት ሓማስ “ሻሎም” (ሰላም) ብምባል ብሰላምታ ክትፋነዎም እንከላ ትርአ።
ሓማስ ዛጊት ንክልቲአን ሓዊሱ ኣርባዕተ ጅሆ ሒዝዎም ዝነበረ ሰባት ፈቲሑ’ሎ። ብ7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ፡ ኣስታት 218 ሰባት ከምዝጨወየ ይግለጽ። ኣስታት 1400 ሰባት ከምዝቐተለ’ውን ይፍለጥ።