ኮርኒ ኬሪ ዝተባህለት ኣየርላንዳዊት እስራኤል “ኣሸባሪት ሃገር እያ” ኢላ ኣብ ማሕበራዊ
ሚድያ ብምጽሓፋ ካብ ስርሓ ተሰጒጓ።
እዛ ውልቀሰብ፡ ዊክስ ኣብ ዝተባህለ ትካል ቴክኖሎጂ እትሰርሕ ኰይና ኣብ ደብሊን ኣስታት 500 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ሊዮ ቫራድካር፡ እታ ውልቀሰብ ካብ ስርሓ ዝተባረረትሉ ምኽንያት
ብፖለቲካዊ መርገጺኣ ከም ዝዀነ እንተኣሚና እቲ ጉዳይ ናብ ሕጋዊ ኣካል ክትወስዶ ኣለዋ ኢሉ።
ኮርኒ፡ ዝዀነ ናዕቢ ከም እትዅንን ገሊጻ።
እቲ ትካል ግን፡ “ነጻን ግልጽን’ዩ። ናይ ማንም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣይድርትን” ክብል
ሓላፊ እቲ ትካል ዝዀነ ኒር ዞሀር ተዛሪቡ።
ይዅን’ምበር፡ ኮርኒ “ተመሳሳሊ መነዓዓቢ መልእኽቲ” ኣሕሊፋ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዋ ከም ዝነበረ
ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት እቲ ትካል ካብ ስርሓ ከም ዘሰናበታ ሓቢሩ።
እዚ ጉዳይ ኣብ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ኣየርላንድ ኣዘራራቢ ኰይኑ’ዩ፤ ሕጊ ሰራሕተኛ እታ
ሃገር ሓደ ሰብ ብፖለቲካዊ መርገጺኡ ካብ ስራሕ ከተባርሮ ኣይፈቅድን።
“እታ ዝተባረረት ሰራሕተኛ ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወይ ጠበቓ ምኽሪ ክትሓትት እየ ዝምዕዳ።
ዝተባረረትሉ ኣገባብ ግጉይ እንተዀይኑ መፍትሒ ክህሉ ይኽእል’ዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ተዛሪቡ።
ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ብወገኑ፡ ምስጓግ እታ ሰራሕተኛ “ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቝጸሩን እዚ
ክፉእ ኲናት ዝቃወሙን ሰራሕተኛታት ጸቕጢ ዘሕድር’ዩ” ኢሉ።