እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ቓዛ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተቐቲሎም

    ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

    እቲ ትካል ነቶም ንዝተቐተሉ ሰራሕተኛታቱ ንምዝካርን ክብሪ ንምግላፅን ሎሚ መዓልቲ ባንዴርኡ ትሒቱ ከም ዝውልብለብ ሓቢሩ።

    ኤጀንሲ ረድኤት ስደተኛታት ፍልስጤም እቲ ትካል፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ቦንቧ ካብ ትጅምር ንነዘ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተቐተሉን ገሊፁ።

    ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵናት ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተቐቲሎም ኣይፈልጡን። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣሃዝ ዝለዓለ’ዩ።

    ኣብ ቓዛ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 100 ግዳያት፡ ምስ ስድርኦም እንከለዉ ከም ዝተቐተሉ'ዩ እቲ ትካል ዝገልጽ።

    ካብ መንጐ እዞም ግዳያት፡ መምህራን፣ ሰብሞያ ጥዕና፣ ሓካእም ማህፀን፣ መሃንዲሳት፣ ሰብሞያ ስነ-ልቦናን ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ድጋፍን ይርከብዎም።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዘለውዎ ልዕሊ 150 ማእኸላት፡ ንልዕሊ 750 ሽሕ ህዝቢ የተኣናግድ ኣሎ።

    ካብዞም ማእኸላት እቶም 60 መጥቃዕቲ ተፈፂምዎም እዩ።

  2. "መጥቃዕቲ ሆስፒታል ጋዛ ብሓማስ ዝተፈጸመ’ዩ "፡ ፕረዚደንት እስራኤል

  3. ሓሙሽተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ልምምድ ነፋሪት ብዘጋጠመ ሓደጋ ሞይቶም

  4. 83 ኣይሁዳውያን ህጻናት ዘድሓነት ደፋር ፈላሲት

  5. ብሰራዊት እስራኤል ዝተኸበበ ሆስፒታል ስራሕ ደው ኣቢሉ

    ብሰንኪ ክባ ሰራዊት እስራኤል ነዳዲ ዝወድአ ሆስፒታል፡ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ከም ዘበለ ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም ኣፍሊጡ።

    ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝኸበብዎ ተገሊፁ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም፡ “ኣብ መውዓይ ክፍሊ ዝነበረ ህፃን ሞይቱ። ካልኦት 45 ሕንጦታት’ውን ኣብዚ ሆስፒታል ኣለዉ” ብምባል፡ ብሰንኪ እቲ ከበባ ዘጋጠመ ሞት ገሊፁ።

    ኣባል ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝኾነ ዶክተር መሓመድ ኣቡ፡ ተኹሲ ደው እንተዘይሉ ወይ ረድኤት ሕክምና ክኣተው እንተ ዘይተገይሩ “ኣብቲ ሆስፒታል ዘለዉ ተሓከምቲ ኩሎም ሞይቶም፡ እቲ ሆስፒታል ናብ መቓብር ክቕየር’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

    ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ክፍሊ ህፃናት ይሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ንሕሙማት ገዲፎም ክሃድሙ ከም ዝተገደዱ ድማ ሓቢሩ።

    ከቢድ ቀረብ ናውቲ ሕክምና ስለ ዘጋጠመ፡ ሕክምናታት መጥባሕቲ ብዘይ መደንዘዚ መድሓኒት ይካየድ ከም ዘሎ ገሊፁ።

  6. ኣብ ለንደን ንፍልስጤም ዝድግፍ ዓብይ ሰልፊ ክካየድ እዩ

    ፖሊስ ለንደን፡ ኣብታ ከተማ ንፍልስጤም ዝድግፍ ሰልፊ ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሰልፊ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ገዚፍ ሕዛእቲ ‘ሃይድ ፓርክ’ ከም ዝካየድ ተገሊፁ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ሪሹ ሱናክ፡ ንፍልስጤማውያን ድጋፍ ንምሃብ ዝወፅኡ ሰባት፡ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ሙስሊምን ዘሎ ስግኣትን ሻቕሎትን ከይርስዑ ሓቲቱ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣብ ለንደን ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።

  7. ኣብ ሆስፒታላት ጋዛ ነትጕ ነይሩ

    ኣብ ትካላት ጥዕና ጋዛን ከባቢኡን ነትጕ ከም ዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲገሊፆም።

    ብዓርቢ ታንክታት እስራኤል ኣብ ጥቓ ሆስፒታላት ጋዛ፡ ማለት እውን ኣብ ኣል-ሺፋ፣ ኣል-ቁዱስ፣ ኣል-ራንቲሲን ጥቓ ሆስፒታል ኢንዶኖዥያን ተራእየን እየን።

    እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ ናይ ሲቪላት መሰረት ልምዓት ድፋዕ ከም ዝኾዓተ ትገልፅ።

    ቢቢሲ ሓቃውነት እቲ ካብ ሆስፒታል ኣል-ናስር ዝሃድሙ ሰባት ብደብዳብ እስራኤል ከይውቅዑ፡ ፃዕዳ ጨርቂ እንተንበልብሉ ዘርእይ ምስሊ ኣረጋጊፁ እዩ።

    ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም፡ ኵናት እስራኤል-ጋዛን ካብ ዝውላዕ ንነዘ 11,078 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

    ካብዞም ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐተሉ ፍልስጤማውያን ዝበዝሑ ህፃናት ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝኾኑ እቲ ሚኒስትር ገሊፁ።

  8. መራሒ ሂዝቦላሕ ሎሚ መዓልቲ መደረ ክገብር’ዩ

    መራሒ ሂዝቦላሕ ሓሰን ነስራላሕ፡ ሎሚ መዓልቲ ንደገፍቱ መደረ ከም ዘስምዕ ተገሊፁ።

    መራሒ ናይቲ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሂዝቦላሕ፡ ኵናት እስራኤል-ጋዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝገብሮ መደረ ንካልኣይ ግዘ ይኸውን።

    ሓሰን ነስራላሕ፡ ኣብ ኵናት-ጋዛ እስራኤል ግደ ሂዝቦላሕ እንታይ ከም ዝኸውን ከአንፍት ትፅቢት ይግበር።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ “ኩሉ ኣማራፂ ኣብ ጠረጴዛ እዩ” ኢሉ ነይሩ። ሊባኖስ ዝመደበሩ ጸረ-እስራኤል ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ እንታይ እዩ?ዝብል ዛንታ ክተንብብዎ ንዕድመኩም።

  9. ኣብ ኣውስትራሊያ ደገፍቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ተጓኒፆም

    ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብታ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ሜልበርን፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ጐንፂ ከም ዝተፈጠረ ተገሊፁ።

    ተሌቬዥን እታ ሃገር ኤቢሲ፡ እቶም ተራፀምቲ ማይ ብዝመልአ ፕላስቲክ ከም ዝተደራበዩን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፀርፊ ከም ዝተፃረፉን ፀብፂቡ።

    ካብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ደገፍቲ ካብ 400 ዘይውሕዱ ሰባት ናብ ኣደባባይ ከም ዝወፅኡ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ።

    ነቲ ጐንፂ ስዒቡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ድማ ኣፍሊጡ።

    ብሰንኪ እቲ ጐንፂ ኣብ ሰባት ዝበፅሐ ጉድኣት ብዛዕባ ምህላዉ ግና ዝተብሃለ ነገር የለን።

  10. ፕረዝደንት ማክሮን፡ እስራኤል ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ጋዛ ምድብዳብ ደው ክተብል ፀዊዑ

  11. ‘ሶማልያ ኣብ ክፍለ ዘበን ሓንሳብ ብዘጋጥም ሓደጋ ውሕጅ ክትህሰ ትኽእል’ያ’ ሕቡራት ሃገራት

  12. እስራኤል: ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ገለ 'ምልክት ህይወት' ርእየ ኢላ

  13. ድሮን ኣመሪካ ብኢራን ብዝድገፉ ዕጡቓት የመን ተሃሪማ ወዲቓ

  14. እስራኤል-ሓማስ፡ ንስፖርታውያን ኣብነት ዝዀነ ግብረመልሲ መሓመድ ሳላሕ

  15. ኣብ ቓዛ ዝግበር መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብዋይት ሃውስ ንዝቐረበላ ዕድመ ዝነጸገት ገጣሚት

  16. መራሒ ሓማስ ኣብ እስራኤል ሰላማውያን ኣይቀተልናን ኢሉ

  17. ዝቖሰሉ ፍልስጤማውያን ንፈለማ ግዜ ናብ ሆስፒታላት ግብጺ ኣትዮም

  18. ባኒ ንምርካብ ሰዓታት ሪጋ እትጽበየላ ቓዛ

  19. 'ምስ ህዝብና ኣብዚኣ ንመውት' ዝበላ መነኮሳት ቓዛ

  20. ኣንፃር እስራኤል ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ