እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሊባኖስ ዝመደበሩ ጸረ-እስራኤል ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ እንታይ እዩ?

  2. ኣሜሪካ ማዕረ ክንደይ ንእስራኤል ክትከላኸለላ ትኽእል?

  3. ቓዛ ብደብዳብ ነፍረቲ ከቢድ ለይቲ ኣሕሊፋ

    ሚንስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 400 ዒላማታት ከም ዝወቕዐ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዒላማ ካብ ዝዀኑ ቦታታት ድማ ሓማስ ይጥቀመሎም ዝበሃሉ ጋለሪያታትን መጥቃዕቲ ዝፍንወሎም ከባብታትን ይርከብዎም።

    ብሓማስ ዝምራሕ ሚንስትሪ ጥዕና፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ 5 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይሕብር።

    ብተዛማዲ ዜና ቁፅሪ ኣብ ቓዛ ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት 35 በጺሑ ተባሂሉ።

    ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ስደተኛታት ፍልስጤም ከም ዝሓበሮ ተወሰኽቲ 6 ሰራሕተኛታት ከም ዝተቐተሉ ተረጋጊጹ'ሎ።

    ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ "ብሕልፈቶም ሓዚንና ኣለና፤ ኣብ ጐኒ እቶም ንዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ኩሉ ዝገብሩ ዘለዉ መሳርሕትና ኢና" ክብል ብትዊተር መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

  4. ደሃይ ስድራኡ ዝረኸበ ኣሜሪካዊ ሩፍታ ረኺቡ

  5. እስራኤል ብዝሃበቶ መጠንቀቕታ ካብ ዝተፈናቐሉ ክምለሱ ጀሚሮም

    ኣብ ሰሜን ቓዛ ካብ ዝርከብ ገዛኦም ዝሃደሙ ገለ ፍልስጤማውያን ብሰንኪ'ቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ኣሰቃቒ ኵነታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ከምዝጀመሩ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ን1.1 ሚልዮን ነበርቲ ከተማ ቓዛን ካልኦት ሰሜናዊ ከባቢታትን ንድሕነቶም ክብሉ ክወፅኡ ኣጠንቂቓ ነይራ።

    እቲ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብቲ ዝኸዱሉ ደቡብ መጽለሊ፡ መግብን ዝስተ ማይን ንምርካብ ይጽገሙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    ብሓማስ ዝካየድ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲ እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣማኢት ሰባት ሞይቶም ይብል።

  6. ሰብ ገዛ ናብ ጎደና ሓደራት ዝቐየረ መጥቃዕቲ እስራኤል

  7. ኣሜሪካ፡ ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ንዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊማ

    ኣሜሪካ፡ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር የብሉን ክትብል ተቓዊማ።

    ሰብ መዚ ዋይት ሃውስን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻእን፡ ሕጂ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝግበረሉ ግዜ ኣይኰነን ኢሎም።

    “ሕጂ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝግበረሉ ግዜ’ዩ ኢልና ኣይንኣምንን” ክብል ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ተዛሪቡ።

    ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እስራኤላውያን ንገዛእ-ርእሶም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም። ምስ መራሕቲ ሓማስ ብዝተሓሓዝ ሕጂ’ውን ዝተርፉ ስርሓት ኣለው” ክብል ገሊጹ።

    ወሲኹ፡ “ነዚ ኣመልኪቱ እንሰርሖ ስራሕ ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ትኹረት ዝገበረ’ዩ” ኢሉ።

    ሚለር፡ ኣሜሪካ እዚ ጐንጺ ዝከታተል ደቪድ ሳተርፊልድ ዝተባህለ ልኡኽ ከም ዝሸመት እውን ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኵነታት ቓዛ እናተጋደደ ምምጽኡ ዝገለጹ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ተኹሲ-ደው ክብል ጸዊዖም ነይሮም።

    ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ትካላት ኵነታት ቓዛ “ዘስካሕክሕ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም።

  8. ብዛዕባ እቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እንታይ ንፈልጥ?

    ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ብዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ካብ እስራኤል ከም ዝጨወየ ይዝከር።

    ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቶም ዝተጨወዩ እንፈልጦ እንሆ፥

    • ሰራዊት እስራኤል ብድምር 222 ሰባት ብሃማስ ከም ዝተጨወዩ ይኣምን
    • ጅሆ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ሰባት - ኑሪት ኩፐርን ዮቸቨድ ሊፍሺትዝን ዝበሃላ ክልተ ኣረጋውያን ሎመዓልቲ ተፈቲሐን ኣለዋ። ሰብኡተን ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተፈነዉን።
    • ጁዲት ራናንን ጓላ ናታሊን ዝበሃላ ክልተ ኣሜሪካውያን-እስራኤላውያን ድማ ዝሓለፈ ዓርቢ ተፈቲሐን
    • ንኣሽቱ ህጻናት፣ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ተዳልዩ ናብ ዝነበረ ፌስቲቫል ዝኸዱ፣ተጣበቕቲ ሰላም፣ ኣረጋውያንን ወተሃደራትን ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ሞንጎ ዘለዉ ሰባት ከም ዝርከብዎም ይእመን
    • ሓማስ ድሕሪ ጭውያ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቪድዮታት ናይቶም ጅሆዝተትሓዙከምዝዘርግሐ ይፍለጥ
    • እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ውሽጢ ጋዛ ኣብ "ውሑስ ቦታታትን ገለሪያታትን" ከም ዝሓብኦም እዩ ዝገልጽ።
  9. ኣሜሪካ ማዕረ ክንደይ ንእስራኤል ክትከላኸለላ ትኽእል?

    ኣሜሪካ፡ ብተደጋጋሚ ንእስራኤል ጽኑዕ ደገፍ ከም እትገብር ቃል ትኣቱ ኣላ፤ ነዚ ድማ ብወተሃደራዊ ሓገዝ ደጊፋቶ እያ።

    ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ሓማስ ኣብ ልዐዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝምለከት ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ግብረ መልሲ፡ “ኣሜሪካ ንእስራኤል ክትድግፋ እያ” ዝብል ነበረ።

    "ነቲ ኵነታት ክብለጸሉ ንዝደሊ ዝዀነ ኣካል ሓንቲ ቃል ኣላትኒ - ግደፍ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    እዚ መጠንቀቕታ እዚ ንኢራንን መላፍንታን ዝዓለመ ምንባሩ ንጹር እዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ብዙሕ ግዜ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶምን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ኣዕናዊት መርከብ ኣሜሪካ ካብ የመን ዝተተኰሰ ሚሳይላት ከም ዘፍሸለትን ፔንታጐን ይገልጽ።

    ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ሕሉፍ ዝተሃላለኸ በሰላታት ገና ኣይሓወየን ዘሎ። ስለዚ ደረት ምትእትታው ኣሜሪካ ኣበይ ኣሎ?

  10. እስራኤል፡ ክልተ ጅሆ ተታሒዘን ዝነበራ ኣረጋውያን ከም ዝተፈነዋ ኣረጋጊጻ

    ሓማስ፡ ኣብ ቓዛ ጅሆ ካብ ዝሓዞም ሰባት ክልተ ኣረጋውያን ደቀንስትዮ ከም ዝፈነወ ሰብ መዚ እስራኤል ኣረጋጊጾም።

    እተን ጓል 79 ዓመት ኑሪት ኩፐርን ጓል 85 ዓመት ዮቬቭድ ሊቭሺትዝን ዝተባህላ ኣረጋውያን ተልኣቪቭ ኣትየን ኣለዋ።

    ሓማስ ንስለሰብኣውነትን ጥዕናን ንክልቲአን ኣረጋውያን ክለቅቕ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።

    ትማሊ ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ጕጅለ፡ ዓለምለኸ ትካል ቀይሕ መስቀን ነተን ውልቀሰባት ክርከበን ገይሩ።

    እተን ኣረጋውያን፡ ብሸምግልነት ግብጽን ቐጠርን ከም ዝተሰደዳ’ውን ይግለጽ። እስራኤል፡ ግብጺ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ንምምላስ ንዝገበረቶ ጻዕሪ ከምኡ’ውን እጃም ቀይሕ መስቀል ንኢዳ።

    ይዅን’ምበር፡ ወዲ 85 ዓመትን ወዲ 83 ዓመትን ዝዀኑ ሰብኡተን ሕጂ’ውን ኣብ ቓዛ ከም ዝርከቡ ሰብ መዚ እስራኤል ገሊጾም።

  11. ንምዕራባውያንከ ‘ቀይሕ መስመር’ ዝበሃል ኣሎዶ?

    ሓያለ ሰባት፡ ኣብዚ ግጭት እስራኤል-ሓማስ ኣተሓሳሳቢ እናዀነ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ‘ምዕራባውያን መንግስታት ዝድርት ቀይሕ መስመር ኣሎ ድዩ ንምዃኑ?’ ዝብል ሕቶ የልዕሉ እዮም።

    እንተሎ እውን ብዛዕባኡ ዝሰማዕናዮ ዳርጋ የለን። ብተወሳኺ፡ ዘይከምቲ ኣብ ዝለሓለፈ ወራር ሩስያ ንዩክረይን፡ ኣብ መንጐ ኣባላት ኔቶ ዝተራእየ፡ ኣብዚ ግጭት’ዚ ሓደ ውሁድ “ምዕራባዊ መርገጺ” ዝበሃል ኣይተራእየን።

    ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፈጸሞ ጭካነ ዝተራእዮ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ምዕራባውያን መራሕቲ ንእስራኤል ምሉእ ደገፎም ንምሃብ ክጓየዩ ምኽንያት ከም ዝዀነ እዮም ዝገልጹ።

    ይዅን እምበር ብድሕሪኡ፡ እቲ እስራኤል ትገብሮ ዘሎ ፈዳይ-ሕነ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ንቓዛ ብዘስካሕክሕ መገዲ የዕንዋን ሞትን መቝሰልትን ኣሽሓት ሲቪላት ኣብ ዘስዓበሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ነታንያሁ ኣመና ኣኽፊኡ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ምጥርጣር ኣብ ፈተውቲ እስራኤል እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ምብጻሕ “ከምቲ ንሕና ድሕሪ 9/11 ዝዀንናዮ ብስምዒት ዓዊርካ ኣይትኺድ” ዝብል መልእኽቲ ንናታንያሁ ኣሕሊፉሉ እዩ።

    ኵሎም ምዕራባውያን እስራኤል ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከይትጥሕስ ይጽውዑ ኣለዉ።

    ትካላት ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ እስራኤል ኣብ ጽዑቕ ከባቢታት ቓዛ ቦምባታት ብምድብዳብን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብምፍንቓል ይኸሳ ኣለዋ።

  12. ቁፅሪ ኣብ ቃዛ ዝተቐተሉ ሰባት ልዕሊ 5 ሽሕ በፂሑ

    ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም ቁፅሪ ናይቶም ኣብ ቃዛ ዝተቐተሉ ሰባት፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ከም ዝበፅሐ ኣፍሊጡ።

    ትማሊ ካብ ዝነበረ ኣሃዝ ግዳያት ብ 436 ብምዝያድ፡ ቁፅሪ ኣብ ቃዛ ዝተቐተሉ ፍልስጤማውያን 5,087በፂሑ።

    ልዕሊ 15,273 ድማ ተጐዲኦም።

    ካብ መንጐ እዞም ዝተቐተሉ 2,055 ህፃናት፣ 1,119 ደቂኣንስትዮን 217 ኣረጋውያንን እዮም።

  13. ሓማስ ኣብ ወተሃደራዊ ናቑጣ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈፀመ ገሊፁ

    ሓማስ ኣብ ወተሃደራዊ ናቑጣ እስራኤል ክልተ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ከም ዝፈፀመ ብመገዲ ቴሌግራም ገሊፁ።

    ድሕሪ ዝተጠርጠረ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጠንቀቕታ ደብዳብ ኣየር ተዋሂቡ ኣሎ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ መጠንቀቕታ ኣብ ጥቓ ቃዛ ኣብ ዝርከባ ኒር ኦዝን ኣይን ሄቦርን ከምዝተውሃበ ገሊፁ።

    ብዛዕባ እቲ ሓማስ ፈፂመዮ ዝበሎ መጥቃዕቲ ድሮን ግና ዝበሎ የለን።

  14. “ስለምንታይ ኢኹም ትድብድቡና ዘለኹም?” ነባሪት ቓዛ

  15. ሰራዊት እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ቓዛ ዓስኪሩ ተራእዩ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሎሚ ለይቲ ኣብ ቓዛ ውሱን ወፍሪ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

    እንተኾነ እዚ ናይቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ምሉእ ናይ ኣጋር ስርሒት መጀመርታ ከምዘይኮነ ይንገር።

    ኣብ ጥቓ ዶባት ቓዛ ግና ከበድቲ ኣፅዋርን ሰራዊትን ዓስኪሩ ተራእዩ።

    ኣብ እዋን እቲ ወፍሪ፡ ኣብ መሬት ቓዛ ሓደ ወተሃደር እስራኤል ተቐቲሉ ኣሎ። ካልኦት ሰለስተ ወተሃደራት ድማ ቆሲሎም።

    እቲ ወተሃደር ብልክዕ ኣበይ ከም ዝተቐትለ ግን ንፁር ኣይኰነን።

    'ታይምስ ኦፍ እስራኤል'፡ እቲ ተጓንፎ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ሓጹር ዶብ፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ከምዘጋጠመ ፀብፂቡ።

  16. ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ብዝሖም 222 ምዃኑ ተረጋጊፁ

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ 222 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ምህላዎም ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ።

    ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል፡ ዳንኤል ሃጋሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ከበድቲ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ኣጋር ሓይልታት” ኣብ ቓዛ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

    እቶም ሓይልታት ብዛዕባ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ሓበሬታ ንምርካብ ይፍትኑ ምንባሮም’ውን ገሊጹ።

    ብሰንበት ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ክቕተል እንከሎ ካልኦት ሰለስተ ቖሲሎም።

  17. ከባቢ ሆስፒታል ቓዛ ብመጥቃዕትታት ኣየር ተናዊጹ

    ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብቲ ኣብ ኻን ዩኒስ ውሑስ ምዃኑን ነበርቲ ናብኡ ክግዕዙ እስራኤል ክትሕብር ኣብ ዝጸንሐትሉን ከባቢ፡ 60 መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈጸመ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ረሽዲ ኣቡኣሎፍ ካብቲ ስፍራ ገሊጹ።

    እቲ ዝኸበደ ደብዳብ ግና ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ኣል-ቑድስ ምንባሩ ዝሓበረ ረሽዲ፡ ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ንሳልሳይ ግዜ፡ ካብቲ ሆስፒታል ክግዕዙ ካብ እስራኤል ከምዝተደወለሉ ገሊጹ።

    ኣብቲ ሆስፒታል 500 ተሓከምቲ ከምዘለውን፡ ካልኦት 1500 ሰባት ከኣ ኣብኡ ኣዕቝቦም ምህላዎን ይግለጽ።

    እቲ መጥቃዕቲ ካብቲ ሆስፒታል 100 ሜትር ኣብ ዝርሕቕ ስፍራ ከምዝተፈጸመ’ውን ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።

  18. ጸረ-ሴማውነትን ጸረ-ጽዮናውነትን እንታይ እዩ?

  19. ከሃን ዩኒስ ከመይ ሓዲራ?

    እስራኤል ኣብ ቓዛ እትፍጽሞ ደብዳብ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን ቀጺሉ ሓዲሩ።

    ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፍልስጤም፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ብዝተፈጸመ ክልተ መጥቃዕትታት፡ 17 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።

    ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዘ ዝተፈጸመ ደብዳብ'ውን 10 ሰባት ከምዝተቐተለ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ደቡባዊ ቓዛ እትርከብ ከሃን ዩኒስ፡ ሓንቲ ካብቶም ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ እያ። ገለ ስእልታት በጺሑና ኣሎ።

  20. እስራኤል መኣስ’ያ መጥቃዕቲ ኣጋር እትጅምር?

    ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽም ንደሓር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብቐጻሊ ደብዳብ ክትፍጽምን ናይ መሬት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሰራዊታ ናብ ከባቢ ዶባት ኣጸጊዓን ኣላ።

    ክልተ ኣፈኛታት ሰራዊት እስራኤል በብመገዶም ነቲ ሕቶ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለው።

    ሌተናል ኮሎኔል ፒተር ኔነር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ንምፍታሕ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣብ ግምት ከእቱ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    “እቲ መጥቃዕቲ ኣጋር እንተተፈጺሙ፡ ኣብ ግቡእ ግዚኡ እዩ ክኸውን፡” ኢሉ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሌተናል ኮሎኔል ጆናታን ኮንሪከስ ምስ ማዕከን ዜና ኣውስትራልያ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሓማስ ኢዱ እንተሂቡን ጅሆ ንዝሓዞም ሰባት እንተፈንዩን “እቲ ኲናት ክውዳእ እዩ” ኢሉ።

    ሓማስ ነዚ ምስ ዘይገብር ግን “ክንኣቱን ነቲ ስራሕ ክንፍጽሞን ኢና” ክብል ወሲኹ።

    “መወዳእታ እዚ ኲናት፡ ንሓማስ ፋሕ ፋሕ ምባልን ዳግማይ ንሲቪል እስራኤላውያን ስግኣት ከም ዘይከውን ምግባርን፡” ምዃኑ ኮሎኔል ኮርኒከስ ተዛሪቡ።

    ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ወተሃደራዊ ወፍሪ “ሓደ፡ ክልተ ወይ’ውን ሰለስተ ወርሒ ክወስድ ይኽእል እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ሓማስ ኣይክህሉን እዩ፡” ኢሉ።

    ንሓይሊ ኣየር ዝነኣደ እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ ስርሒት መሬት “ብቕልጡፍ” ክጅመር እዩ ኢሉ።

    መኣስ ዝብል ግን ኣየተነጸረን።

    ኣብ ዝቕጽል ክልተ መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ሆላንድ ማርክ ሩተን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮንን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ክፍጽሙ ትጽቢት ይግበር።