እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትካላት ጸጥታ እስራኤል ተጨውያ ንዝነበረት ወተሃደር ናጻ ኣውጺኦም

    ሓይልታት ምክልኻልን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን እስራኤል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ሓንቲ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዛ ዝጸንሐት ወተሃደር ከምዘድሓኑ ኣፍሊጦም።

    ወተሃደር ኦሪ መግዲሽ፡ ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ለይቲ ናብ ውሽጢ እታ ወሽመጥ ብምእታው ኣብ ዘካየዶ ስርሒታት’ያ ናጻ ወጺኣ።

    “እታ ወተሃደር ሕክምናዊ መርመራ ተኻዪዱላ ኣብ ድሓን ኩነታት ትርከብ። ምስ ስድራቤታ ተረኺባ’ላ። ሓይልታት ምክልኻልን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምውጻእ ኩሉ ዘድሊ ክገብሩ እዮም” ይብል እቲ ዝወጸ መግለጺ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት ብዛዕባ ኩነታት እታ ወተሃደር ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።

    “ዝነገረትና ነገራት ኣብ መንጎኣን እቲ ዝተዛረባ ኣካልን ዝተርፍ’ዩ። ዝርዝራቱ ድማ ብሓቂ ብኸምዚ ተሰቲሩ ክዕቀብ ዘለዎ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ኣብ ኢዶም ጅሆ ዝተታሕዙ ስለዘለዉ” ኢሉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ’ውን “እንቋዕ ናብ ገዛኺ ተመለስኪ” ክብል ሓጎሱ ገሊጹ’ሎ።

  2. ሓማስ ዘውጽኦ ቪድዮ ግዳያት ጅሆ ‘ጨካን ስነኣእምሮኣዊ ፕሮፖጋንዳ’ዩ’

    ምስ እስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ዝጨወየን ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዘርኢ ቪድዮ ኣውጺኡ።

    ዋላ’ኳ ኩነታት ኣተሓሕዘአን ብንጹር ክፍለጥ ዘይክእል እንተኾነ፡ እተን ኣብቲ ቪድዮ ዝራኣያ ግዳያት ጅሆ ኣብ ድሓን ኩነታት ዘለዋ ይመስላ። ኣብ ገጸን ይኹን ቅሉዕ ክፋል ኣካላተን ዝኾነ ዝርአ መጉዳእቲ የብለንን።

    ሓንቲ ካብአን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ዘለዋ ነቐፌታ ብምግላጽ፡ ኩሎም ግዳያት ጅሆ ክፍትሑ ክትጽውዕ ትስማዕ።

    እቲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሓማስ ሓያል ነቐፌታ ክቐርበሉ ጀሚሩ ዘሎ ነታንያሁ፡ ኣስማት ናይተን ግዳያት ብምጥቃስ፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምፍታሕ ዝክኣሎ ይገብር ከምዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቃል ኣትዩ።

    “ናብተን በቲ ገበናት ኲናት ዝፈጸመ ሓማስ ዝተጨውያ ኢለና ትሩፓኖቭ፡ ዳኒኤል ኣሎኒ ከምኡ’ውን ሪሞን ኪርሽት ክምለስ። እሓቚፈክን” ክብል ጓሂኡ ገሊጹ።

    “ልብና ምሳኽንን ምስቶም ካልኦት ግዳያት ጅሆን እዩ ዘሎ። ንኹሎም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ንምምላስ ዝከኣለና ኩሉ ንገብር ኣለና”።

    ቢቢሲ፡ ዝህብዎ መግለጺ ብኣስገዳድ ዝግበር ክኸውን ስለዝኽእል ንቪድዮታት ምሩኻት ኲናትን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ኣይሓትምን’ዩ።

  3. ንኣይሁዳውያን ከጥቅዑ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ጠኒኖም ዝኣተዉ ዕስለ ሰባት

  4. ኣብ ቤትማእሰርቲ ኬንያ ዝጸንሑ 60 ኤርትራውያን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ተላኢኾም

  5. ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ውሑስ ቦታ’ የለን ኢሎም

  6. እስራኤል 'ንኹሉ ስጉምቲ ክወስድ ተገድድ ኣላ' - ፕረዚደንት ኢራን

  7. እስራኤል ሙሉእ ለይቲ ብዝፈፀመቶ ከቢድ ደብዳብ፡ ኣብ ጋዛ ህውከት ሰፊኑ

    ኣብ ጋዛ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሩሽዲ ኣቡኣሉፍ፡ ብዓርቢ ምሸት ሰሜናዊ ወሽመጥ ጋዛ ክሳብ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን፡ ብኸቢድ ከም ዝተደብደበ ገሊፁ።

    ብሰንኪ እዚ ድማ ሰሜናዊ ጋዛ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ጥሒላ ኣላ ኢሉ።

    ሰራዊት እስራኤል ብዓርቢ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 150 ዒላማታት ሓማስ ከም ዝደብደበ ሓቢሩ።

    ትማሊ ምሸት ዝነበረ መጥቃዕቲ፡ ብሓይሊ ኣየር፣ ታንክን እግረኛ ሰራዊትን ዝተዓጀበ ምዃኑ ተገሊፁ።

    ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ኣየር እስራኤል ብርጋዲየር ጀነራል ጊላድ ኬኢናን፡ ብዓርቢ ለይቲ ኣስታት 100 ጀታት ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ንዒላማታት ሓማስ ከም ዝደብደባ ተዛሪቡ።

    ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብርጌድ ኣል ቃሳም ብወገኑ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ምስ ሰራዊት እስራኤል ይዋጋእ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

  8. ሓማስ ምስ ሰራዊት እስራኤል ይዋጋእ ከምዘሎ ገሊፁ

    ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብርጌድ ኣል ቃሳም፡ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ምስ ሰራዊት እስራኤል ይዋጋእ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብርጌድ ኣብ ጋዛ ከባብታት ቤኢት ሃኑን ቡሩጄን ይዋጋእ ከም ዘሎ ካብ ምግላፅ ወፃኢ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።

    ሓማስ ምስ እግረኛ ሰራዊት እስራኤል ይታኾስ ከም ዘሎ ዝሓበረ፡ እስራኤል እተካይዶም ስርሒታት ከም ዘስፈሐት ድሕሪ ምግላፃ’ዩ።

    ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል፡ እግረኛ ሰራዊትን ታንክታትን ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ከም ዝርከቡ ንኒውዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ።

  9. 100 ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ንቓዛ ክድብድባ ሓዲረን

    ሰብ መዚ እስራኤል ኣስታት 100 ነፈርቲ ውግእ፡ ንቓዛ ክድብድባ ከም ዝሓደራ ገሊፆም።

    ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ኣየር እስራኤል ብርጋዲየር ጀነራል ጊላድ ኬኢናን፡ ብዓርቢ ለይቲ ኣስታት 100 ጀታት ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ንዒላማታት ሓማስ ከም ዝደብደባ ኣፍሊጡ።

    ሰራዊት እስራኤል ንሓላፊ እቲ ሓይሊ ኣየር ብምፅራሕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ “ዓሻራ ሓማስ ዝዓረፎ ሕድሕድ ነገር ምዕናው’ዩ” ኢሉ።

  10. ኣብ ጋዛ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪፁ

    ኣብ ጋዛሙሉእ ብሙሉእ መራኸብቲ መስመራት ተቛሪፆም።

    ኩባንያ ቴሎኮምዩኒኬሽን ፍልስጤም፡ሰራዊት እስራኤል ተደጋጋሚ ደብዳብ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ ኣብ ጋዛ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ከም ዝተቛረፀ ኣፍሊጡ።

    ሰራሕተኛታት ረድኤትንመራኸብቲ ሓፋሽን፡ ብሰንኪ እዚ ምቁራፅ ኣብ ጋዛ ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቶም ክራኸቡ ከም ዘይከኣሉ ይገልፁ ኣለዉ።

  11. ኣሜሪካ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዜጋታታ ክወፅኡ ኣዚዛ

    ኣሜሪካ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዜጋታታ ብቕልጡፍ ነታ ሃገር ለቒቖም ክወፅኡ ኣዚዛ።

    መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ደሕንነት ንምግማት ዘፀግም ብምዃኑ፡ ሕዚ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እንከሎ ዜጋታቱ ካብ ሊባኖስ ክወፅኡ ሓቲቱ።

    ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ኣብ መንጐ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሂዝቦላሕን እስራኤልን ዝካየድ ውግእ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ።

    ነዚ ስዒቡ እስራኤል ሰራዊታን ወተሃደራዊ ተሽከርከርታን ናብ ዶብ ሊባኖስ ኣፀጊዓ ትርከብ።

    ኣብ ሊባኖስ ብዘሎ ኩነታት ዝተሻቐለ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ መንግስቲ ቅልውላው ኣብ ዝፍጠረሉ ኩነት ዜጋታት ከውፀአሉ ኣብ ዝኽእል ኩነታት መረጋገፂ ስለዘየለ፡ ኣሜሪካውያን ብኣጋ ካብ ሊባኖስ ክወፅኡ ኣገንዚቡ።

  12. እስራኤል ንውሳነ ዕርቂ ሕቡራት ሃገራት ነጺጋቶ

  13. ግጭት እስራኤል-ቓዛ፡ ስእላዊ መግለጺ መበል 20 መዓልቲ

  14. ተል ኣቪቭ፡ ሮኬታት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

    ኣብታ ዝዓበየት እስራኤላዊት ከተማ ተል ኣቪቭ ዝወደቐ ሮኬታት ኣርባዕተ ሰባት ከምዘቑሰለ ሰብመዚ እታ ከተማ ሓቢሮም።

    እቲ ካብ ቓዛ ከምዝተወንጨፈ ዝተገልጸ ሮኬታት ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ዘለዎ ህንጻ ብምህራም ዕንወት ኣውሪዱ’ሎ።

    ምክትል ኣዛዚ ምክልኻል እታ ከተማ ዳኒ ገቫ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልተ ሰባት ማእከላይ መቑሰልቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ግን ብቐሊል ማህረምቲ ተገላጊሎም ኢሉ።

    “ዝሰዓበ ሞት ዘይምህላዉ ምኽንያት፡ ሰባት ነቲ ዝተዋህቦም መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም’ዩ። ንዝተዋህበ ደወል መጠንቀቕታ ሰሚዖም. . .ናብ ኣስካላ ብምምራሕ ናብ ውሑስ ቦታ ኣትዮም፡ ስለዚ ድማ ህይወት ድሒኑ”።

    በቲ ብ7 ጥምቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓማስ 1400 እስራኤላውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ 224 ድማ ናብ ቓዛ ከምዝተወስዱ ይፍለጥ።

  15. ሓማስ ንሆስፒታላት ቓዛ ንኲናት ይጥቀመሎም ኣሎ- ሰራዊት እስራኤል

    እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ሓድሽ ኲናት ዝወልዐ ጉጅለ ሓማስ ንሆስፒታላት ቓዛ ንውግእ ይጥቀመሎም ከምዘሎ ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከሲሱ።

    ዳኒኤል ሃጋሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ጉጅለ “ካብ ሆስፒታላት ኲናት ይእውጅ” ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ነተን ትካላት ጥዕና ናብ “ናይ ሽበራ ትሕተቅርጺ” ቀይርወን ኣሎ ኢሉ።

    ነቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝዓበየ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ኣብ ትሕቲኡ ገለርያታት ብምህናጽ ንቐጻሊ መጥቃዕቲ ይውጥን ከምዘሎ እቲ ወተሃደራዊ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

    ድሕሪ’ቲ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ “ኣማኢት ኣሸበርቲ ናብቲ ሆስፒታል ብምእታው ተሓቢኦም ኣለዉ” ዝብል ሃጋሪ፡ እስራኤል ብዝረኸበቶ ስለያዊ ሓበሬታ መሰረት፡ “ኣብ ሆስፒታላት ቓዛ ነዳዲ ኣሎ፡ ሓማስ ድማ ንሽበራዊ ትሕተቅርጹ ይጥቀመሎም ኣሎ” ኢሉ።

    ሰራዊት እስራኤል “ኣሸበርትን ሲቪላውያንን” ፈላልዩ ዝርኢ ምዃኑ ዝምጉት እቲ ኣፈኛ፡ ሓማስ ግን ንእስራኤላውያንን ነበርቲ ቓዛን ሲቪላውያን ይጎድእ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ሓማስ ግን ንክስታት እስራኤል ብምንጻግ፡ መግለጺ ናይቲ ሰራዊት “ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ንምፍጻም” ዝዓለመ’ዩ ክብል ግብረመልሲ ሂቡ’ሎ።

  16. እስራኤል-ቓዛ፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ዝሓረሰት ኣደ

  17. ኣሜሪካ፡ ሓማስ ዳግማይ ክውደብ ዘኽእል ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ከምዘይትድግፍ ገሊጻ

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓማስ "ከዕርፍን ዳግማይ ክውደብን ከምኡ'ውን ኣንጻር እስራኤል ግብረሽበራዊ ስርሒታት መሊሱ ክቕጽል" ዘኽእል ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዘይትድግፍ ኣፍሊጡ።

    ማቲው ሚለር ወሲኹ፡ ሓማስ ብዘይካ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ "መዓልታዊ ሮኬታት ይውንጭፍን ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ይገብርን ኣሎ" ኢሉ።

    ወሲኹ "ነቲ ስርሒታት ክቕጽሉ ዘኽእሎም ዝዀነ ዓይነት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንቃወሞ" ክብል ገሊጹ።

    "ክልቲኦም ወገናት ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ሰብኣዊ ደውታ ተኹሲ ምግባር ኣብ ግምት ከእትዉ ምደገፍናን ምሓሰብናን እብል። በዚ ድማ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዘሎ መእተዊ ራፋ ንክኽፈት ብዕቱብ ምሰራሕና" ኢሉ።

  18. ኣብ ኤርትራ መደበር እስራኤል ተጠቒዑ ድዩ? ኤርትራኸ እንታይ ትብል?

  19. ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ክፍጸም ሎሚ ዓርቢ ድምጺ ክህብ እዩ

    ኣምባሳደራት እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት መደረ ኣስሚዖም።

    ክልቲኦም ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዘቝጸረ ውግእ ህዝቦም ዘጋጠሞ ስቓይ ብንጹር ኣቕሪቦም።

    ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ንክፍጸም ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ኣብ ዝተዳለወሉ እዩ መደረ እቶም ኣምባሳደራት ተሰሚዑ።

    እቲ ሎሚ ዓርቢ ድምጺ ክወሃቦ ትጽቢት ዝግበር ረቂቕ ውሳነ፡ ገደብ ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ፣ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ክኽበሩን ተሓታትነት ክረጋገጽን ዝጽውዕ ይኸውን።

  20. እስራኤል-ሓምስ፡ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

    ኣብ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ካብ ዘለዉ ምዕባለታት ገሊኦም፡

    • ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምውጣን ዝሓገዘ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።
    • ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ማእከላይ ከባቢ ምድረበዳ ቓዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዒላማታት ሓማስ ከምዝወቕዐ ይገልጽ።
    • ኣብ ቓዛ ዝርከቡ መዕቆቢታት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓቕሚ ብሰለስተ ዕጽፊ ተመዛበልቲ ከዕቍቡ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ።
    • ኣመሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ንዝርከቡ ክልተ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ብነፈርቲ ከም ዝሃረመት ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኢራንን ምስኦም ዝዛመዱ ጕጅለታትን ዝጥቀሙሉ ምዃኖም ኣፍሊጣ። እቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ግን ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "ዝተፈልየ" ምዃኑን ምስ እስራኤል ዝዀነ ምውህሃድ ከምዘይተገብረን ኣስሚራትሉ።
    • መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ብህጹጽ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንምእታው "መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድት" ክህልዉ ንምጽዋዕ ተሰማሚዖም
    • ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ሎሚ ዓርቢ ድምጺ ክህብ እዩ።