እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሚኒስተር ኲናትን ኣዛዚ ሰራዊትne ኣመሪካ ዝሃብዎ ሓድሽ ጋዜጣዊ መግለጺ

    መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኢራን ብ90 ሚእታዊት ከምዝነከየ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ።

    ኣቦመንበር ሓለቓታት-ስታፍ ጀነራል ዳን ኬን ከምዝበሎ፡ ንሓደ እግሪ መጥቃዕቲ ዝውንጨፋ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን'ውን እናወሓዳ ይኸዳ ኣለዋ።

    "ብባሊስቲካዊ ሚሳይላት ዝግበር መጥቃዕቲ እናወረደ ይኸይድ ኣሎ፣ ካብቲ ዝጀመሮ ብ90% ነክዩ። ንሓደ-እግሪ መጥቃዕቲ ዝዋፈራ ድሮናት'ውን እቲ ስርሒት ካብ ዝፍልም ብ83% ውሒደን ኣለዋ"።

    ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረዱ ዝገለጸ ጀራል ኬን፡ ዛጊት ልዕሊ 50 መራኽብ ኲናት ከምዘዕነዉ ጠቒሱ።

    እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ "ንስድራቤታት እቶም ዝወደቑ፡ ሓዘንኩም ሓዘንና እዩ" ክብል'ውን ኣጸናኒዑ።

    ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን ዝተዳለወ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈ (ሚኒስተር) ኲናት ፒት ሄግሰት ብወገኑ፡ ኣብቲ ስርሒት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ኣመሪካን እስራኤልን "ወሳኒ ዓወት ይጓናጸፉ" ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

    ናይቲ ኲናት ዕላማታት ከምዘይተቐየረ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር ኲናት፡ ዒላማታት ናይቲ ስርሒት ምዕናው ትሕዝቶ ሚሳይላት፡ ስርዓተ-ምውንጫፍ ሚሳይላትን ኢንዱስትሪ ምክልኻልን፣ ምዕናው ሓይሊ ባሕሪ፣ ከምኡ'ውን ንሓዋሩ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዘይትውንን ምግባርን ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

    ንኣቦኡ ብምትካእ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ዝኾነ ኣያቶላህ ሙጅታባ ኻመኒ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምውናን ከይሓስቦ ብዶናል ድ ትራምፕ ንዝተዋህቦ መተሓሳሰቢ ክቕበል'ውን ሄገሰት ተማሕጺኑ'ሎ።

  2. ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶጋን፡ ምጥሓስ ክሊ-ኣየር ቱርኪ ‘ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን’

    ፕረዚደንትቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ኢራን ክሊ-ኣየር ቱርኪ ክትጥሕስ “ምኽኑይ ክኸውን ከም ዘይክእል” ብምጥንቃቕ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ናይቲ ዞባ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንማንም ከም ዘይሕግዝ ገሊጹ።

    ኤርዶጋን ምስ ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን ኣብ ዝገበሮ ናይ ተለፎን ርክብ፡ ቱርኪ እቲ ኲናት ደው ክብል ንምሕጋዝ ኣፋፌት ዲፕሎማሲ ክትከፍት ትጽዕር ከም ዘላ ተዛሪቡ።

    እቲ ፕረዚደት ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት፡ “ዋላ’ኳ ልባዊ መጠንቀቕታ እንተ ሃብና፡ ንምሕዝነት ቱርኪ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣዝዩ ጌጋን ቀስቃስን ስጕምትታት ይውሰድ ኣሎ፡” ኢሉ።

    ምክልኻል ኣየር ኔቶ ትማሊ ሰኑይ ናብ ክሊ-ኣየር ቱርኪ ዝኣተወ ካልኣይ ባሊስቲክ ሚሳይል ኢራን ከም ዘውደቐ ገሊጹ።

    ቱርኪ ካልኣይ ዝዓበየ ሰራዊት ኔቶ ዘለዋ ኰይና፡ ኣብቲ ምስ ኢራን ዘዳውባ ቦታታት ን500 ዓመታት ብሰላም ነቢራ።

    ካብ ኣባል ሃገራት ኔቶ ምስ ኢራን ዓሚቝ ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ እያ።

    ኤርዶጋን ከምቲ ኣብ ዩክረይ፡ ቓዛ ኮነ ካልኦት ቦታታት ዝገበሮ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ውን ንነብሱ ከም ሞንጎኛ ገይሩ የቐምጣ ኣሎ።

  3. ክሮኤሽያ ንምንታይ ኣቋሪጻቶ ዝነበረት ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ጀሚራቶ?

  4. ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ገዳም ብዝተፈጸመ ናይ ሞርታር መጥቃዕቲ ሰባት ተቐቲሎም

  5. ንኢራናውያን ዝመቕቕል ዘሎ ሓድሽ መራሒ ኢራን

    ሞጅታባ ካመኒ፡ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራንን ተካኢ ኣቡኡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒን ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

    ገለ ደገፍቲ እቲ ስርዓት፡ ምስቲ ሓያል ከም ምዃኑ ዝእመነሉ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ቅርበት ዘለዎ ተሪር ሰብ ተሸይሙ ብምባል ክጽንብሉ ናብ ጐደናታት ወጺኦም ኣለዉ።

    ካልኦት ኢራናውያን ግን ለውጢ ለውጢ ከምጽእ እዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ንቢቢሲ ገሊጾም።

    ሓደ ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ተቐማጢ ቴህራን፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት፡ ንእሽቶ ዕድላት ለውጢ'ውን የለን ማለት እዩ፡" ኢሉ።

    ንሱ፡ እቲ 88 ኣባላት ዝሓቘፈ ባይቶ ሊቃውንቲ፡ ካብ ዓሊ ኻመኒ ዝተፈልየ ሰብ ክመርጽ ኣይከኣለን ኢሉ።

    "ስለዚ፡ ኵሉ ነገር ከም ቀደሙ ክቕጽል'ዩ፤ ነቲ [ሓድሽ መራሒ] ንምድጋፍ ጭርሖታቶም ምቕያር'ውን ኣየድልዮምን'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ነቚፉ።

    ንዓመታት፡ ሞጅታባ ኻመኒ ኣብ ኢራን ብድሕሪ መጋረጃ ልዑል ጽልዋ ከም ዝነበሮ ዝገልጽ ወረታት ይስማዕ እዩ።

    ብዙሓት ነቲ ናይ ኣቡኡ ተሪር (ኣኽራሪ) ፖሊሲታት ክቕጽሎ ትጽቢት ይገብሩ።

  6. ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣብ ኣውስትራልያ ሰብኣዊ ቪዛ ተዋሂቡወን

    ኣውስትራልያ ንሓሙሽተ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ኢራን ኣብታ ሃገር ዘዕቝበን ሰብኣዊ ቪዛ ከም ዝሃበተን ኣፍሊጣ።

    እተን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝነበረን ግጥም ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር ድሕሪ ምሕንጋደን ናብ ኢራን ምምላስ ንድሕነተን ኣስጋኢ ምዃኑ ክግለጽ ቀንዩ።

    እቲ ተግባረን ኣብ ኢራን ነቐፌታ ኣለዓዒሉ ይርከብ። ሓደ ዓቃባዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ወሃቢ ርእይቶ፡ “ኣብ ግዜ ኲናት ዝኸድዓ፡” ክብል ብምውቃስ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ክወሃበን ይጽውዕ።

    ምኒስተርኢምግረይሽን ቶኒ በርክ፡ እተን ደቀንስትዮ ብፖሊስ ኣውስትራልያ "ናብ ውሑስ ቦታ ከም ዝተሰጋገራ" ገሊጹ። ነተን ካልኦት ኣባላት ናይታ ሃገራዊት ጋንታ’ውን ኣብ ኣውስትራልያ ክጸንሓ እንተለወን፡ ኢዶም ዝርጉሕ ምዃኑ ከም ዝተነግረን ኣብሪሁ።

    “ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት (ምንቕቓሓት) ከም ዘይነጥፋ ንጹር ክኸውን እየን ዝደልያ። ውሕስነት ዝደልያ ስፖርተኛታት እየን፡” ድሕሪ ምባል፡ ንሓያሎ መዓልታት ዝርርብ ክካየድ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ’ውን ቪዛን ከለላን ክወሃበን ከም ዝግባእ፣ ኣውስትራልያ እንተ ዘይተቐቢላተን’ውን ሃገሩ ከተዕቝበን ከም እትኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።

  7. ልቢ ኢራናውያን ዝመቓቕል ዘሎ፡ ድምጹ'ኳ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ - ሞጅታባ ኻመኒ

  8. ትራምፕ፡ ኲናት ኢራን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዘብቅዕ ድሕሪ ምግላጹ ዋጋ ነዳዲ ምጕዳል ኣርእዩ

    ኣብ እስያ፡ ዋጋ ዓለማዊ ነዳዲ ከም ዝነከየ ተገሊጹ። ዘይተጻረየ ነዳዲ ብሬንት ብኣስታት 8.5% ወሪዱ፣ ንሓደ በርሚል 92.50 ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ እውን ብኣስታት 9% ወሪዱ፡ ንሓደ በርሚል 88.60 ዶላር በጺሑ ይርከብ።

    እንተዀነ፡ እቲ ዋጋታት ካብቲ ኣብ ምጅማር እቲ ግጭት ዝነበሮ ብኣስታት 30% ይዛይድ ኣሎ።

    እዚ ምንቍልቋል፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ እቲ ኲናት "ኣብ ቀረባ እዋን" ከብቅዕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ዝሰዓበ እዩ።

    ዋጋ ነዳዲ ብምንካዩ ዕዳጋታት እስያ ክብ ዝበለ ይመስል። ናይ ጃፓን ኒኬይ 225 ኢንዴክስ ብ2.8% ክውስኽ እንከሎ፡ ደቡብ ኮርያ ድማ ኮስፒ ኤክስቸንጅ ብልዕሊ 5% ወሰኽ ኣርእዩ።

    ኣብ እስያ ዝርከቡ መዐቀኒታት-ዕዳጋ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከቢድ ማህሰይቲ ኣጋጢምዎም፣ ሓያሎ ሃገራት ናይቲ ዞባ ቀንዲ ዓማዊል ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እየን።

  9. ትራምፕ፡ ኢራን ንዓለምለኻዊ መተሓላልፎ ነዳዲ እንተ ዓንቂፋ 'ሞት፡ ሓዊን ቍጥዐን' ከም ዝወርዳ ኣጠንቂቑ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሓደ ካብ ቀንዲ ዓለምለኻዊ መተሓላልፎ ነዳድን ጋዝን ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝዀነ ምትዕንቓፋት ከይትገብር መጠንቀቕታ ኣተሓላሊፉ።

    ትራምፕ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኢራን ኣብ ውሽጢ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝፍጠር ጕዕዞ ነዳዲ ደው ዘብል ነገር እንተ ገይራ፡ ካብቲ ዛጊት ዝተሃረመቶ ብዕስራ ሕጽፊ ብኣመሪካ ከም እትጥቃዕ፡” ተሓንዩ።

    ኣስታት 20% ካብ ነዳዲ ዓለምና በቲ መጻብቦ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ እቲ ኲናት ድማ ጕዕዞ ባሕሪ ኣዝዩ ክንክይን ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ክዓቢን ከም ዝደረኾ ይፍለጥ።

    "ብተወሳኺ፡ ብቐሊሉ ክዓንዉ ዝኽእሉ ዕላማታት ከነወግድ ኢና፣ ስለዚ ኢራን ከም ሃገር ዳግማይ ክትህነጽ ፈጺማ ኣይትኽእልን። ሞት፡ ሓዊ፡ ቍጥዐ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ’ዩ። እዚ ከይከውን ተስፋ እገብር፡ ከይከውን ድማ እጽሊ።"

  10. ፖሊስ ስእሊ ናይቲ ብመጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኦስሎ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣውጺኡ

  11. ቁጽሪ ኣብ ኲናት ዝተቐትሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ይውስኽ

    ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ዝተቐትሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ሸውዓተ በጺሑ።

    ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ከምሓበሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝቖሰለ መበል ሻውዓይ ወተሃደር ህይወቱ ሓሊፉ'ሎ።

    ፐንታጐን ከምዝበሎ፡ ወዲ 26 ዓመት ሰርጀንት በንጃሚን ኤን። ፐኒንግተን ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ልኡል ሱልጣን ዝቖሰለ'ዩ።

    መበል ሻምናይ ወተሃደር'ውን ኣብ ኲዌት ምስ ውግእ ብዘይተሓሓዝ ምኽንያት ከምዝሞተ ተሓቢሩ'ሎ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን 6 ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኣብ ወደብ ሹዓይባ (ኩዌት) ኣብ ዝርከብ መአዘዚ ማእከል ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

    ሬሳ ናይቶም ወተሃደራት ናብቲ ልሙድ ኣብ ክፍለሃገር ደላዌር ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዶቨር ምስኣተወ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝርከቦም ሰበስልጣንን ቤተሰቦምን ኣብቲ ስነስርዓት ምቕባል ተረኺቦም ነይሮም።

  12. ኑክሌር ዝዓጥቃ ደብደብቲ ነፈርቲ ኣመሪካ ናብ ብሪጣንያ ይኣትዋ

    ስትራተጂካውያን ደብደብቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ናብ ብሪጣንያ ይኣትዋ ኣለዋ።

    እተን ቢ-52 ተባሂለን ዝፍለጣ ዓርሞሸሽ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣካል 'ስትራተጂክ እዚ' ሰራዊት ኣመሪካ ኮይነን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክጽዕና ዝኽእላ እየን።

    ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 72 ሰዓታት ጥራይ ሰለስተ ቢ-52 ነፈርቲ ናብቲ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዓሊበን ኣለዋ።

    እተን ነፈርቲ ኣብ 1950ታት ዝተሰርሓ ኮይነን፡ ኣብ ከም ቬትናም፡ ዒራቕ፡ ከምኡ'ውን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፋ እየን።

    ብዘይካ'ዚ፡ ካብአን ንላዕሊ ዝውንጨፋ ቢ-1 ዝተባህላ ካልኦት ደብደብቲ'ውን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚረን ክኣትዋ ቀንየን እየን። ዛጊት ኣርባዕተ ቢ-1 ናብቲ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ክርኣየሉ ጀሚሩ ዘሎ መዓስከር ኣትየን ኣለዋ።

    ቢ-1፡ ነፍሲ ወከፈን 23 ሚሳይላት ክሕዛ ዝኽእላ ኮይነን፡ ንነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዛ ዝኽእላ እየን።

  13. ሚሳይላት ኢራን ናብ ቱርኪ፡ ኢማራት፡ ቐጠርን እስራኤልን ይውንጨፍ

    ኣብ ዝሓለፈ ሰዓታት ብውሕዱ 15 ባሊስቲካዊ ሚሳይላት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝተወንጨፈ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ካብኡ 12 ብጸረ-ሚሳይል ተሃሪሙ ክብርዕን እንከሎ፡ ሰለስተ ኣብ ባሕሪ ከምዝዓለበ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

    ብዘካይ'ዚ፡ ካብቲ ዝተወንጨፈላ 18 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ 17 ሃሪማ ከተውድቕ እንከላ፡ ሓንቲ ናብ መሬትን ዓሊባ።

    ኲናት ኢራን ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ 253 ባሊስቲካዊ ሚሳይላትን 1,440 ድሮናትን ናብታ ሃገር ከምዝተወርወረ እቲ ሚኒስትሪ የመልክት። ብሰንኪ'ዚ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 117 ድማ ቆሲሎም።

    ብኻልእ ወገን፡ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ዘጋጠሞም ምሕምሻሽ ሄሊፕተር ከምዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ።

    ቐጠር ብወገና፡ ሎሚ ጥራይ 17 ባሊስቲካዊ ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ሽዱሽተ ድሮናት ካብ ኢራን ከምዝተወንጨፈላ ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ንኹሉ ናብ መሬት ከይዓለበ ከተበርዕኖ ክኢላ ኣላ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዶሓ ዓቢ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ካብታ ርእሰከተማ ሓቢሮም ነይሮም።

    ናብ ቱርኪ ገጹ ዝተወንጨፈ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ኢራን "ብናይ ኔቶ ኣየርን ሚሳይልን" ከምዝበርዓነ'ውን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቱርኪ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ብተመሳሳሊ መንገዲ ዓንዩ ምንባሩ ይዝከር።

    ቴህራን ነታ መዓልታዊ ትድብድባ ዘላ እስራኤል'ውን ሎሚ ኣይነሓፈታን። ናብታ ሃገር ተወሳኺ ሚሳይላት ከምዝተወንጨፈ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ።

    ዳርባ ሚሳይላት ክሳብ ዝሃድእ ህዝቢ ናብ ውሑስ መዕቆቢ ክኣቱ ዘጠንቅቕ ድምጽታት ክስማዕ ኣምሲዩ።

  14. ሓደሽቲ ኣሳእል ካብቲ ብደብዳብ ዝናወጽ ዘሎ ከባቢታት

  15. ትራምፕ፡ ንኩባ ድሕሪ ኢራን 'ናባኺ እየ' ይብላ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኩባ ንኢራን ስዒባ ዒላማ ምምሕዳሩ ምዃና ብምግላጽ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብታ ደሴት ለውጢ ክመጽእ ምዃኑ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

    ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኩባ ን24 ሰዓታት ድሕሪ ምቍራጹ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ እዩ።

    እቲ ፕረዚደንት ምስታ ከም ልዮነል ሜሲን ልዊስ ስዋረዝን ዝኣመሰሉ ከዋኽብቲ ዝሓዘት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢንተር ሚያሚ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ንሓደ ካብ ወነንታ ኩባዊ-ኣመሪካዊ ጆርጅ ሞስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ "ነቲ ኣብ ኩባ ዝካየድ ዘሎ ከብዕሉዎ" ምዃኖም ተዛሪቡዎ።

    ወሲኹ ድማ ሰበስልጣን ኩባ፡ "ካብቲ ክትግምቶ እትኽእል ንላዕሊ ውዕል ክገብሩ ይደልዩ፡" ኢሉዎ።

    ጆርጅ ሞስ ብወገኑ፡ "ዘገርም መዓልቲ ክኸውን እዩ፡" ክብል መሊስሉ።

    ትራምፕ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ኩባ ኣብ ቀረባ እዋን ክትወድቕ" ምዃና ብምሕባር፡ መራሕቲ ኩባ ስምምዕ ንምፍጻም ይዛተዩ ከም ዘለዉ፣ ንማርኮ ሩብዮ ክልእኮን እንታይ ከም ዝስዕብ ክርእዮን ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ኣብዚ ግዜ'ዚ ቀንዲ ኣተኵሮኦም ኣብ ኢራን ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ይዅን'ምበር ብዙሕ ግዜ እዩ ዘለና፣ ኩባ ድሕሪ 50 ዓመት ድልውቲ ኰይና ኣላ፡" ኢሉ።

  16. ኢትዮጵያ፡ ካብ ቱርክን እስራኤልን ብሓቂ ምስ መን እያ ዘላ?

  17. ትራምፕ፡ ንኩባ ድሕሪ ኢራን 'ናባኺ እየ' ይብላ

  18. ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዓስራይ መዓልቲ ኣብ ዝረገጸሉ ዘሎ ምዕባለታት ብሓጺሩ

    • ዋጋ ነዳዲ ድሕሪ 2022 ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ፡ ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሰላም ዝኸፈል ዝወሓደ ዋጋ’ዩ ኢሉ
    • ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓት፡ ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዘሕደሮ ጽልዋ ንምዝታይ ሎሚ ደሕሪ ቀትሪ ክእከቡ’ዮም
    • ሚጅታብ ኻመኒ ንኣቡኡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ብምትካእ ሓዲሽ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኰይኑ ተመሪጹ
    • ኢራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ትቅጽሎ ኣላ፡ ኣብ ባሕረይን ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ከኣ ብውሕዱ 32 ሰባት ከምዝተጎድኡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ባሕረይን ኣፍሊጣ
    • እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ፡ ንትሕተ ቅርጺ ስርዓት ኢራን ዝዓለመ ናይ ሚሳኤል መጥቃዕትታት ከተካይድ ከምዝሓደረት ኣፍሊጣ። እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣስታት 3400 ደብዳባት ከምዝፈጸመት’ውን ሓቢራ
  19. ዕጡቓት ኩርድ፡ ብደቀንስትዮ ጥራይ ዝቘመ ሕቡእ ወተሃደራዊ ቦጦሎኒ

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሮም ዕጡቓት ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሮም ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ናብ ኲናት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

    ኢራን ነዚ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ጉጅለታት ኩርዳውያን መጥቃዕቲ ፈጺማ ኣላ። ብሰንኪ መጥቃዕቲ ባላስቲክ ሚሳይል ሓደ ዕጡቕ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብ7 መጋቢት ኩርዳውያን ኣብ ኢራን ክዋግኡ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።

    ቢቢሲ ንሓደ ጉጅለ ደቀንስትዮ ዝሓቘ ፈቦጦሎኒ ሳሕቲ ዝርከብ ኣጋጣሚ ብምርካብ ዘዳለዎ ጸብጻብ እነሆ።

  20. ብዛዕባ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፡ ሞጅታባ ኻመኒ፡ እንታይ ንፈልጥ?

    ወዱ ነቲ ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤል ዝተቐትለ ንልዕሊ 35 ዓመታት ዝመርሐ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝዀነ ሞጅታባ ኻመኒ ተካኢ ኣቦኡ ብምዃን ተመሪጹ።

    እዚ 56 ዝዓመቱ ሰብኣይ ብዙሕ ክርአ ኣይጸንሐን፣ ስልጣን መንግስቲ ሒዙ ኣይፈልጥን። ህዝባዊ መደረታት ኮነ ቃለመሕትታት ክህብ'ውን ኣይርአን። ናብ ግዳም ዝወጽኡ ውሱናት ኣሳእልን ቪድዮታትን ጥራሕ እዮም ዘለውዎ።

    እንተዀነ፡ ብብሒል ጎቦ ኰይኑ ኣብ ኢራን ንዓመታት ልዑል ጽልዋ ከም ዝጸንሖ እዩ ዝውረ።

    ኣብ 2000 ብዊኪሊክስ ኣብ ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ዲፕሎማስያዊ መርበብ ኣመሪካ "ብድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ሓይሊ፡" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ከም "ብቑዕን ሓያልን" ሰብ ከም ዝርአ ማዕከን ዜና ኤፒ ሓቢሩ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራሒ ኢራን ኰይኑ ምምራጹ ግን ኣካታዒ ክኸውን ይኽእል እዩ።