እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣመሪካ ንምንታይ'ያ ንኢራናዊት ደሴት ካርግ ኣጥቂዓታ?

    ደሴት ካርግ ካብ ገማግም ኢራን 28 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ ንእሽተይን ከውሒ ዝበዝሐን ደሴት'ያ።

    እዛ ደሴት ዋላ ድኣ ንእሽተይ ትኹን'ምበር ብመዳይ ነዳድን ጸዓትን ኣብ ቁጠባ ኢራን ዘለዋ ኣበርክቶ ኣዝዩ ልዑል'ዩ።

    ኣመሪካ ነዛ ደሴት ምጥቓዓ ከኣ ኣብ መትኒ ቁጠባ ኢራን ሃስያ ከተውርድ ስለዝደለየት'ያ ትመስል።

    90 ሚኢታዊት ካብ ነዳዲ ኢራን በዚ ኣብዛ ደሴት ዘሎ መኣከቢ ነዳዲ ኣቢሉ'ዩ ዝሓልፍ።

  2. ኣመሪካ ስም ዝርዝር ናይቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሽዱሽተ ወተሃደራታ ገሊጻ

    ኣመሪካ ስም ዝርዝር ናይቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሽዱሽተ ወተሃደራታ ገሊጻ።

    ኣቐድም ኣቢሎም ሽዱሽተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ሓደ ድማ ኣብ ስዑድያ ተቐቲሎም ነይሮም'ዮም።

    እዚ ኵናት ካብ ዝውላዕ፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ነፈርቲ ኣመሪካ ተሃሪመን ወዲቐን ኣለዋ፤ ሓንቲ ካብአን ከኣ እታ ንላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝደብደበት ነፋሪት'ያ።

    ኣብ መጀመርታ መጋቢት ሰለስተ ኤፍ-15 ዝዓይነተት ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ሰማያት ኩዌት ከምዝወደቃ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብተን ነፈርቲ ዝነበሩ ሽዱሽትኦም ኣባላት ብሰላም ከም ዝወጽኡ'ውን ኣብ ግዜኡ ተሓቢሩ ነይሩ።

    እዘን ስርሓት ቦይንግ ዝዀና ከይሲ-135 ሰራዊት ኣመሪካ ካብ መወዳእታ 1950ታትን መጀመርታ 1960ታትን ጀሚሩ ዝጥቀመለን ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ'የን።

    እዘን ነፈርቲ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ንነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ናይ ምምላእ ዓቕሚ ዘለወን ኮይነን፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ንምምላእ ናብ መሬት ወይ ናብ መራኽብ ከይዓለባ ኣብ ሰማይ ንነዊሕ ሰዓታትን ንነዊሕ ርሕቐትን ንክጉዓዛ የኽእለአን።

    በዚ ከኣ ዓንዲ ሕቖ ሓይሊ ኣየርርን ሓይሊ ባሕርን ኣመሪካ እናተባሃላ'የን ዝግለጻ።

  3. ኢራናውያን ብዛዕባ'ቲ ኲናት እንታይ'ዩ ዝንገሮም ዘሎ?

    ሚልዮናት ኢራናውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝመደበሮም ብቋንቋ ፋርስ ዝሰርሑ ሳተላይት ቲቪ ቻነላት እኳ እንተተኸታተሉ፡ ናጻ ሓበሬታ ምርካብ ግን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ምጥፋእ ኢንተርነት፡ ሳንሱርን ዝተገደበ ቻነላትን፡ ኢራናውያን ኣብ እዋን ናዕብን ግጭትን ብዓቢኡ ካብቲ ዝተረፈ ዓለም ክፍለዩ ይገብሮም።

    ቢቢሲ ንመጀመርታ ሰሙን ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን ብዛዕባ እቲ ኲናት ዝነበረ ሽፋን ኣድሂቡ ብዝገበሮ ምጽራይ፡ እቶም ጸብጻባት ኣብ ሲቪላዊ ስቓይ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ "ጸላእታ ሕነ ትፈዲ" ከም ዘላ፡ ንእስላማዊት ሪፓብሊክ ህዝባዊ ተኣማንነት ዝደፍኡ ምንባሮም ክግንዘብ ክኢሉ።

    ኣብ ርእሲኡ ድማ ብእስራኤልን ኣመሪካን ዝተሃርሙ ወተሃደራውን መንግስታውን መሳለጥያታት ብዙሕ ኣቓልቦ ከም ዘይተዋህቦም ተዓዚቡ። ኣብነታት ዝተሰነዐ ሓበሬታ እውን ረኺቡ።

  4. ፎትየን ተስፋይ፡ ኣብ ማራቶን ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣመዝጊባ

  5. መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ በረራታት ንግዝኡ ደው ኣቢሉ

    ሰብ መዚ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ብሰንኪ "ምስ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተኣሳሰር ክስተት፡" መኽዘን ነዳዲ ድሕሪ ምጽላዉ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ስዒቡ ንሓደ ለይቲ በረራታት ንግዚኡ ከም ዝቋረጹ ኣፍሊጦም።

    እዚ ድማ። ዝዀነ መጉዳእቲ ከም ዘየብጽሐ'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ "ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት" ይወስዱ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

    ሰብ-መዚ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ፡ ምቁራጽ ትራፊክ ኣየር "ድሕነት ኩሎም ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ንምርግጋጽ ዝውሰድ ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲ፡" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ተጓዓዝቲ ሓድሽ ሓበሬታ ንምርካብ ንዝጉዝሉ መገዲ ኣየር ክውከሱ መኺሮም።

    ገለ በረራታት ናብቲ ኣብ ዱባይ ዝርከብ ካልእ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣል ማክቱም እውን ከም ዝተቐየረ ይፍለጥ።

    ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ኣብ 2025 ኣስታት 90 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ኣአንጊዱ።

    ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘእተውዎ ገሊጾም።

    ኢራን ኣብ እዋን ኲናት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣስታት 2000 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ተኲሳ፤ መብዛሕትኦም ብመከላኸሊ ኣየር ተዓጊቶም።

    ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘውደቐትን ዒራቕን ኩዌትን ድማ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመን ገሊጻ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽላሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብ ቴህራን ከቢድ መጥቃዕቲ ቦምባታት ከም ዝተፈጸመ ዝሕብር ጸብጻባት ኣሎ።

    ኣብታ ሰራዊት እስራኤል ንትሕተ- ቅርጺ ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገብረላ ዘሎ ከተማ ቤይሩት'ዉን ዓቢ ፍንጀራ ከም ዝተሰምዐ ይፍለጥ።

    ብሰንኪ ብሰሜንን ደቡብን ሕዝቦላህን ኢራንን ናብ እስራኤል ዘወንጨፉዎ ሚሳይል ድማ ኣብታ ሃገር ድምጺ ደወል መጠንቀቕታ ተሰሚዑ።

  6. ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምውሓስ ንኔቶ ኣጠንቂቑ

    ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻባት ኲናት ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ነቕርበልኩም።

    • ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መሓዙት ሃገራት ነቲ ንዓለምለኻዊ መራኽብ ነዳዲ ወሳኒ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምውሓስ እንተዘይሓጊዘን "መጻኢ ኔቶ ኣዝዩ ሕማቕ፡" ክኸውን እዩ ኢሉ
    • ቻይና ነቲ ቻነል ንምውሓስ ክትሕግዝ ትጽቢት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ክትሕግዝ እንተዘይተሰማሚዓ ድማ ምስ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዝገብሮ ዋዕላ ከደናጉዮ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ
    • ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ "ኣስታት ሸውዓተ" ሃገራት ብዛዕባ እቲ መጻብቦ "ምሕላው" ይዘራረብ ከም ዘሎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ገሊጹ። እዘን ሃገራት እ ንምውሓስ እንተዘይሓጊዘን "ኣይክርስዖን'የ፡" ክብል ደጊሙ ገሊጹ
    • ኣቐዲሙ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ቴህራን ተኹሲ ደው ምባል ከም ዘይሓተተትን "ምስ [ኣመሪካውያን] ክንዛረበሉ ዝግበኣና ምኽንያት ኣይርኣየናን፤ ምኽንያቱ ንሳቶም ከጥቅዑና ኣብ ዝወሰኑሉ እዋን ምስኦም ኢና ንዛረብ ነይርና፡" ኢሉ
    • ኣብ ዓለም ካብ ዝበዝሑ ጽዑቓት መዕርፎ ነፈርቲ ሓደ ዝዀነ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ በረራታቱ ንግዚኡ ከቋርጽ ተገዲዱ
    • እስራኤል፡ ኣብ ምዕራብን ማእከልን ኢራን መጥቃዕቲ ከም እተስፍሕ ብምግላጽ ገና "ኣሽሓት" ዒላማታት ኣለው ኢላ

    ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምልከት እዋናዊ ምዕባለታት ንምክትታል ምሳና ጽንሑ።

  7. ኣመሪካ ስም ዝርዝር ናይቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሽዱሽተ ወተሃደራታ ገሊጻ

  8. ኣመሪካ ንምንታይ'ያ ንኢራናዊት ደሴት ካርግ ኣጥቂዓታ?

  9. ካብ ኵናት ኢራን፡ ኣየኖት ሃገራት'የን ክኸስባ፡ በዓል መንከ ዝያዳ ይህሰያ?

    ኣብ ኵናት 'ዝዀነ ተዓዋቲ የለን' እዩ ዝበሃል፡ እቲ ንጹህ ህዝቢ'ዩ ምሒር ዋጋ ዝኸፍል።

    ኣብዚ ኲናት ኢራን፡ ብሓፈሽኡ፡ ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳድን ጽዓት ወሰኽ ኣብ ዘርኣየሉ ዘሎ፡ ብዙሓት ሃገራት ብቁጠባ ክህሰያ'የን።

    እንተዀነ፡ ገለ ሃገራት ነዚ ዘሎ ዕግርግር ናብ ረብሐአን ብምቕያር ክኸስባ ክኽእላ'የን።

    ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ዓለም ኣብ ቁጠባ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝዀኑ ጽልዋታት ኣስዒቡ ይርከብ።

    እቲ ኵናት ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ከናውጸን እንከሎ ኣማኢታ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

    እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ካብቲ ዞባ ሓሊፉ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደ ሕምሲት ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኢራን ምዕጻዉ፡ ብዙሓት ሃገራት ብሕጸረት ነዳዲ ንክጥቐዓን ቅልውላው ቀረብ ነዳዲ ንከጋጥመንን ደሪኹ ኣሎ።

    እዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ኵናት ኢራን መን'የን ክኸስባ፡ መንከ ክህሰያ'የን?

  10. ‘ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ልዕሊ 100 ሰባት ሆስፒታል ኣትዮም’ - እስራኤል

    ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል: መጥቃዕቲ ሚሳየል ኢራን ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ፡ 108 ሰባት ጉድኣት በፂሑዎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ኣፍሊጡ።

    ካብዚኦም፡ እቶም 96 ቀሊል መጉዳእቲ በፂሑዎም፡ ትሽዓተ ድማ ገና ኩነታቶም ኣይተፈልጠን።

    እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 3,195 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ክኣትዉ እንከለዉ፡ 81 ድማ ክሳብ ሰንበት ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ይሕብር።

    ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር፡ ዛጊድ ብዝሒ ሞት ኣይፀብፀበን።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራብ ኢራን ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ብምፍናው ምላሽ ምሃብ ጀሚራ ኣለ።

  11. ኣመሪካውያን ካብ 14 ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክወጹ ተኣዚዞም

    ትማሊ ቀዳም ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ብሚሳይል ድሕሪ ምውቃዑ፡ ዜጋታቱ ካብ ዒራቕ ክወፁ’ቲ ኢምባሲ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ዜጋታት ኣመሪካ "ብህፁፅ ካብ ዒራቕ ክወጹ" ከምዘለዎም ገሊጹ።

    "ኣብ ዒራቕ ክፀንሑ ዝመረፁ ዜጋታት ኣመሪካ፡ ምስ ኢራን ምትእስሳራት ዘለዎም ግብረሽበራዊ ጉጅለታትን ምልሻታትን ከብፅሕዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት ከስተውዕሉ" እቲ ኤምባሲ ጽሒፉ።

    ኢራን፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከባ ዒላማታት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ኣመሪካ ዜጋታታ ካብ ልዕሊ ደርዘን ሃገራት ክወፁ ሓቲታ’ላ።

    ትማሊ ቀዳም፡ ኣገዳሲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣዝማድ ሰራሕተኛታት መንግስትን፡ ካብ ዖማን ክወጹ ብፍሉይ ከምዝኣዘዘት ድማ ሮይተርስ ሓቢሩ።

  12. ሰራዊት እስራኤል: ኢራን ናብ እስራኤል ሚሳይላት ከምዝተኰሰት ኣፍሊጡ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ናብ እስራኤል ገጻ ሚሳይላት ከምዝውንጨፈት ገሊጹ።

    ከምኡ ድማ፡ ነቲ ስግኣት ንምዕጋት ስርዓታት ምክልኻል ይሰርሑ ከምዘለዉን ኣብ ገለ ከባቢታት ናብ ሞባይል ቴሌፎናት ናይ ጥንቃቐ መልእኽቲ ከምዝተላእከን ይገልጽ።

    ህዝቢ ኣብ ውሑስ ቦታታት ክዀኑን፡ ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃቦም ኣብኡ ክጸንሑን የጠንቅቕ።

    ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ፋርስ ፡ ካብ ኢራን ሓድሽ ማዕበል ሚሳይላት ከምዝተወንጨፈ ሓበሩ።

    ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ'ውን ሚሳይላት ወይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብ ሰሜናዊ ዞባታት እስራኤል ከምዝተኰሰ ይሕብር።

  13. ኣመሪካ፡ ንፋኖ ዝመደበትሉ 'ሽበራ ደረጃ ሰለስተ' እንታይ እዩ?

  14. ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ስምምዕ ንምክያድ ድሉው ኣይኰንኩን ኢሉ

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ቀዳም ምስ ማዕከን ዜና ኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ቃለ መሕተት፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ስምምዕ ንምግባር ትደሊ’ያ ድሕሪ ምባል፡ ንሱ ግን ስምምዕ ንምግባር ድሉው ከምዘይኰነ ገሊጹ።

    ነቲ ምክንያት ከረድእ እንከሎ ኸኣ፡ እቲ ዘሎ ነጥብታት ምስ ኢራን ናብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ እኹል ከምዘይዀነ’ዩ ኣብሪሁ።

    እንተኾነ እቲ ነጥብታት እንታይ ምዃኑ ኣብ ዝተሓተተሉ ክነግር ፍቓደኛ ኣይዀነን። እንተዀነ ኢራን ነዚ ሒዛቶ ዘላ ናይ ንዩክለር ምምዕባል መደባት ከተዕንዎ ኣለዋ ዝብል ሓደ ካብቲ ነጥብታት ምዃኑ ትራምፕ ጠቂሱ።

    ኣብዚ ቃል መሕተት፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ድሕነት መጻብቦ ሆርሙዝ ንምውሓስ እጃመን ከበርክታ ድልውነተን ኣረጋጊጸን ኣለዋ ኢሉ፤ እተን ሃገራት በዓል መን ምዃነን ግን ኣይገለጸን።

  15. ሳሕቲ ብዝረአ ሕማም፡ ቁመታ ብ30 ሰንቲ ሜትር ዝጎደለ ኣደ

  16. ካብ ኵናት ኢራን፡ ኣየኖት ሃገራት'የን ክኸስባ፡ በዓል መንከ ዝያዳ ይህሰያ?

  17. ኣገዳሲ ወደብ ኢመራት ዓረብ ዒላማ ኰይኑ

    ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዒላማ ዝተገበረ ወደብ ፉጃይራ፡ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ቦታን ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መኽዘናት ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕን እዩ።

    እዚ፡ መራኽብ ነዳዲ ዝመልኣሉ ቁልፊ ቦታ'ዉን እዩ።

    ፉጃይራ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ ዘይኰነስ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ስለ ዝርከብ፡ መራኽብ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምጉዓዝ ኣየድልየንን’ዩ።

    ሆርሙዝ እዚ ኲናት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብግብሪ ንመጓዓዝያ ባሕሪ ተዓጽዩ’ሎ።

    ሎሚ ብኢንተርነት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ኢማራት ዓረብ መላእ’ቲ መኽዝን ትኪ ክዓብሊኹ የርእዩ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኮር ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ወደባት፡ መራኽብን ወተሃደራዊ ቦታታትን ሓዊሱ ረብሓታት ኣመሪካ ኣብ ኢማራት ዓረብ፡ ብመንጽር’ቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ታ ንኢንዱስትሪ ነዳዲ ቴህራንን ንሰፊሕ ቁጠባን ኣዝዩ ወሳኒት ደሴት ኻርግ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ሕጋዊ ዒላማ ከም ዝዀኑ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን እዩ።

  18. ሓይልታት ኢራን ነበርቲ ናብ ዒላማ ኣመሪካ ካብ ዝቐረቡ ከባቢታት ክወጽኡ ኣተሓሳሲቦም

    ሰራዊት ኢራን መሬቱ ናይ ምክልኻልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንረብሓታት ኣመሪካ ዒላማ ናይ ምግባርን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ክብል መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

    ወሃቢ ሓይልታት ኢራን ኮሎኔል ኢብራሂም ዙልፊቃሪ፡ ኢራን ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከቡ ሚሳይላት ኣመሪካ ዝኣትውሎም ወደባት ከምኡ'ውን "መሕብኢ" ወተሃደራት ኣመሪካ ዒላማ ናይ ምግባር ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዋ ይዛረብ።

    ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝነብሩ ኣስላም ምእንቲ ከይጕድኡ ክወጽኡ ድማ ጸዊዑ።

    ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለው ዓበይቲ መኽዘናት ነዳዲ ዝዀነ ወደብ ፉጃይራ፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዒላማ ድሕሪ ምዃኑ፡ ትኪ ክወጽእ ተራእዩ።

    እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከተማ ሲዶን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሃሬት ሳይዳ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ'ዉን ኣብ ህንጻ ኣፓርታማታት ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።

    ኢራን ኣብ መንበሪ ከባቢታት እስራኤል ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ጉድኣት በጺሑ እዩ።

    ኣብ ማእኸላይ እስራኤል ሾሃም ዝርከብ ናሕሲ ሓደ ህንጻ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ንእስራኤል ዒላማ ዝገበሩ ሚሳይላት ኢራን ከም ዘፍሸለ ገሊጹ።

  19. ኢራን ንጎረባብቲ ሃገራት ዒላማ ካብ ምግባር ክትቑጠብ ሓማስ ይላቦ

    ሓማስ፡ ኢራን ጎረባብቲ ሃገራት ዒላማ ከይትገብር ጸዊዑ።

    ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ንምባል ክሰርሑ እውን ጸዊዑ።

    እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዓሚቑ ስክፍታ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ንሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባን ዓለምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

    ሓማስ ወሲኹ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዘሎ ወራር፡ ኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ዝጥሕስ ምዃኑ አብቲ ብቴሌግራም ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ።

    ስለዝኾነ ድማ፡ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ተሓባቢረን ነቲ ወራር ደው ከብላ ኣተሓሳሲቡ።

    ሓማስ፡ ብኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ እስራኤልን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ትካል ይቑጸር።

  20. ነበርቲ ዶሓ ካብታ ከተማ ይወጽኡ ኣለው

    ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ ቀጠር፡ ካብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት ንጥንቃቐ ብዝብል ነበርቲ የውጽእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

    ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ዘሎ ሓበሬታ፡ ዓቐን እቲ ስግኣት'ኳ እንተዘይተፈለጠ ቀጠር ትማሊ ለይትን ሎሚ ንጉሆ መጥቃዕቲታት ሚሳይል በጺሑዋ እዩ።

    ኢራን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣመሪካ ዘአንግዳ ሃገራት ዒላማ ከም ዝዀና ድሕሪ ምግላጻ፡ ቀጠን ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ትወስድ ዘላ ትመስል።

    ነበርቲ ማእኸላይ ከተማ ዶሓ፡ ካብ ከባቢ ሙሼይርብ ብህጹጽ ክወጽኡ ከም ዘለዎም ዝሕብር ናይ ስልኪ መልእኽቲ በጺሑዎም ኣሎ።

    እቲ ኸባቢ፡ ቤት ጽሕፈት ጉግልን ኤክስፕረስን ዝርከበሉ እዩ።

    ኣካላት ጸጥታ፡ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ማይክሮሶፍት ከም ዝዋፈሩ'ዉን ተገሊጹ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ነበርቲ ሽዱሽተ ቀጽሪታት ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ካብ ዝርከቡሎም ከባቢታት ንገሊኡ ሸነኽ ገዲፎም ክወጽኡ ከም ዝገበሩ ጸብጺቡ።

    ብኻልእ ወገን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣመሪካ ሕጂ'ዉን ኣብ ስግኣት ይርከቡ።

    ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ'ሎ።

    ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ድማ፡ ኣድላዪ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ዖማን ክወጽኡ ይገብር ኣሎ።