እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ንምንታይ'ዮም መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኢራን ሓደ መርገጺ ዘይሓዙ?

    ኣውሮጳውያን መራሕትን ሓገግቲ ኣካላትን፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከተኻዕብቶ ዝጸንሓት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ብምርኣይ እዚ ክመጽእ ከም ዝኽእል ገሚቶም ጸኒሖም'ዮም።

    እቲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኩሉ ናይ ንዩክለሳዊ መደባታ ከተረክብን ከተዕኑን ከቕርቦ ዝጸንሐ መደባት ናብዚ ከም ዘምርሕ'ውን ኣይስሓትዎን።

    ኣመሪካን እስራኤልን ብሓባር ንኢራን ምስ ኣጥቅዕዋ፡ ኣውሮጳ ኣብ ሓደ ውሁድ ሓሳባት ክትመጽእ ኣይክኣለትን።

    ኩለን ሃገራት ኣውሮጳ ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዜጋታተን ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም'ዮም፡ ነቶም ዓሰርተታታት ኣሽሓት ዝዀኑ ዜጋታት ኣውሮጳ ከመይ ገይሮም ካብቲ ዞባ ከውጽእዎም ከምዘለዎም ግን ኣብ ሓደ ደምዳሚ ሓሳባት ኣይበጽሑን።

  2. ኵነታት በረራታት ማእከላይ ምብራቕ ከመይ ይመስል?

    ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ናይ መዓልታት ምቍራጽ፡ ገለ በረራታት ዳግማይ ይጅምር ኣሎ።

    መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንዜጋታቱ ካብ ዖማን ንኸውጽኦም ዝተኻረያ ነፋሪት ትማሊ ረቡዕ ምሸት ክትነቅል መደብ እኳ እንተ ነበረ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጉዳያት ክሳኻዕ ኣይተኻእለን።

    ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ሎሚ ክትብገስ ትጽቢት ከም ዝግበር ገሊጹ።

    ጀርመን፡ ስጳኛ፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ንዜጋታተን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ክመልሳ ክኢለን ኣለዋ።

    መንገዲ ኣየር ኢማራትን ኢትሓድን ብውሱን ቍጽሪ ኣብ ዱባይ ኣገልግሎት ይህባ ዘለዋ ኰይነን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዛይድ ድማ ውሱን በረራታት ጀሚሩ ከም ዘሎ ቤትጽሕፈት ሚድያ ኣቡዳቢ ሓቢሩ።

    መንገዲ ኣየር ቐጠር ሎሚ ንግሆ ካብ ማስካት ዖማን ናብ ሓያሎ ከተማታት ኤውሮጳ ለንደን፡ በርሊን፡ ኮፐንሃገን፡ ማድሪድ፡ ሮማ፡ ኣምስተርዳምን ካልኦትን ናይ ረድኤት በረራታት ከም ዘካይድ ሎሚ ንግሆ ኣፍሊጡ።

    እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ዶሓ ወጻኢ ዝገብሮ ቀንዲ ስርሓት "ብሰንኪ ምዕጻው ክሊ ኣየር ቐጠር" ንግዚኡ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል፡ ድሕሪ ቀዳም ንፈለማ እዋን ተጓዓዝቲ ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ተልኣቪቭ ከም ዝዓለበት ምኒስትሪ መጓዓዝያ እስራኤል ንሮይተርስ ሓቢሩ።

  3. ድሮናት ኢራን፡ ኣብ ኣዘርባዣን ከም ዘጥቅዓ መንግስቲ ገሊጹ

    ኣብ ኣዘርባዣን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮናት ኢራን፡ ክልተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቘሰሉ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባጃን ሓቢሩ።

    "ሓንቲ ድሮን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናክቲቫን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ክትሃርም ከላ፡ ካልእ ድሮን ድማ ኣብ ጥቓ ኣብ ሻካራባድ ዝርከብ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ወዲቓ፡" ክብል እቲ ምኒስትሪ ገሊጹ።

    በቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ሓደ ህንጻ መዓርፎ ነፈርቲ ክህሰ እንከሎ፡ ክልተ ሰላማውያን ሰባት ድማ ቈሲሎም።

    ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኣዘርባዣን መብርሂ ክህብ ተጸዊዑ ከም ዘሎ እቲ ምኒስትሪ ይገልጽ።

  4. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ክንደይ ዝኣክል ኣታዊ ስኢኑ?

    መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመርኦ ኲናት ናብ ዓሰርተ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ በረራታት ከም ዝሰረዘ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ዋና ፈፃሚ ሰራሕ ንግዳዊ ጉዳያት'ቲ መንገዲ ኣየር፡ ለማ ያዴቻ፡ እቲ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝፀንሐ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መንገዲ ኣየር ልዑል ፅልዋ ከም ዘሕደረ ገሊፁ።

    ቅድሚ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልታዊ ሰለስተ ግዜ ናብ ዱባይ፡ ሓንቲ ድማ ናብ ሻርጃ (ኢማራት ዓረብ) በረራታት የካይድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

    እቲ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናብ እስራኤል፡ ሓደ ግዜ ናብ ኣቡዳቢ ዝበርር መንገዲ ኣየር፡ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ጥራይ ናብ ዖማን ተጓዓዝቲ የመለላልስ ኣሎ።

    በዚ ምኽንያት ድማ "ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 15 በረራታት (ኣብ ሰሙን ልዕሊ 101) ንስርዝ ኣለና" ክብል ሓላፊ እቲ ንግዳዊ ጉዳያት እቲ ኩባንያ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    "ብሓፈሻ፡ ናይ ተጓዓዝትን ናይ ፅዕነትን በረራታት፡ ኣስታት 160 በረራታት ክንስርዝ ክንግደድ ኢና" ኢሉ።

  5. መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሚልዮናት ስኢኑ

  6. እስራኤል፡ ንቐንዲ መዓርፎ ነፈርታ ዳግማይ ከፊታ

    መዓርፎ ነፈርቲ ቤን ጉርዮን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ ዝጀመርኦ መጥቃዕቲ ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ንበረራ ክፉት ኰይኑ።

    ካብ ኣቴንስ ዝተላዕለት ናይ ፈለማ ነፋሪት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጕዕዞኦም ተዓናቒፉዎም ካብ ዝጸንሑ እስራኤላውያን ሒዛ ሎሚ ንግሆ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሊባ።

    መንገዲ ኣየር እስራኤል፡ ክሊ ሰማይ እታ ሃገር ካብ ቀዳም ኣትሒዙ ካብ ዝዕጾ ንደሓር መጓዓዝያ ስኢኖም ዝርከቡ ኣስታት 100,000 እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ ክሕግዞም ትጽቢት ይግበር።

    ሰብመዚ እስራኤል፡ ጸጥታዊ ኵነታት እናተገምገመክሊ ኣየሮም ደረጃ ብደረጃ ብኸፊል ዳግማይ ክኽፈት ኣጽዲቖም ኣለዉ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ እንግሊዛውያን ሒዛ ካብ ዖማን ክትበርር ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረት ነፋሪት ከም ዝተደናጐየት ገሊጹ።

    ወሃቢ-ቓል ናይቲ ቤትጽሕፈት፡ "እታ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ቻርተር በረራ፡ ትማሊ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጉዳያት ከምቲ ዝተሓሰበ ካብ ዖማን ክትብገስ ኣይከኣለትን። ሎሚ ድሒራ ክትነቅል ትጽቢት ይግበር፡" ክብል ኣብሪሁ።

    ሓደ ተሳፋራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ናብ ሓደ ሆቴል ተሰጋጊርና ኣለና፣ ሎሚ ክንነቅል ትጽቢት ይግበር። ፍጹም ልግጫ እዩ" ኢሉ።

    ካልእ ድማ ነቲ ኵነታት ንዅሉ ሰብ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ኣዝያ ነዋሕ መዓልቲ፡” ከም ዘሕለፉ ሓቢሩ።

  7. ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 20,000 ባሕረኛታት ካብ ምንቅስቓስ ተዓጊቶም ከም ዘለዉ ገሊጹ

    ብሰንኪ ኣብ መጻብቦ ሕርሙዝ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት፡ ኣስታት 20,000 ዝዀኑ ባሕረኛታት ምንቅስቓስ ተሓሪሙዎም ከም ዘሎ ሓላፊ ኣህጉራዊ ውድብ ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት ኣርሰኒዮ ዶሚንጎዝ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ኢራን ኣብ መጻብቦ ሕርሙዝ ተወር ንዝበላ መራኽብ ከተጥቅዕ ምዃና ብምፍርራሓ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ምንቅስቓስ ዳርጋ ደው ኢሉ ኣሎ።

    ኣርሰኒዮዶሚንጎዝ፡ ካልኦት 15,000 ተጓዓዝቲ’ውን በዚ ኵነታት ተጸልዮም ከም ዘለዉ ገሊጹ።

    መጻብቦ ሕርሙዝ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ኰይኑ፡ ኣስታት 20% ካብ ዓለማዊ ቀረብ ነዳዲን ጋዝን ብመንገዱ ይሓልፍ።

  8. 'ቻው ፖሊስ፡ ሄሎ ስክሪን' - ስማርት መደበር ፖሊስ ኢትዮጵያ

  9. ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ርኡይ ጽልዋ የሕድር ኣሎ

    ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት - ንሊባኖስ፡ ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዊሱ - ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝወርደን ዘሎ ሃስያ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

    ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኢራን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ክሳዕ 3 መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥይሕልዕሊ 1,000 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ፣ ሞት ብኣማኢት ናይ ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ድማ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብ ገሊጹ።

    ኣብ መልእ እቲ ዞባ ዝተወስዱ ኣሳእል ይስዕቡ፤

  10. ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓለት ታንከር ነዳዲ ሩስያ ስለምንታይ ተዘራርብ ኣላ?

  11. ሰኔት ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኣብ ኲናት ኢራን ንኸይሳተፍ ክዓግቶ ኣይከኣለን

    ሓጋጊ ባይቶ ኣመሪካ (ሰኔት)፡ ፕረዚደት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘይፍቓድ ኮንግረስ ተወሳኺ መጥቃዕቲታት ከይፍጽም ትማሊ ንዝተዋህበ ናይ ትእዛዝ ውሳነ ብምንጻግ ክቕጽሎ ዘኽእል 47 ካብ 53 ድምጺ ሂቡ።

    ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ምስ ሓደ ኣባል ሪፖብሊካውያን ብምዃን ነቲ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክቃወሙዎ እንከለዉ፡ ዳርጋ ኵሎም ሪፖብሊካውያን ግን ደገፎም ሂቦም።

    ሃቐነ ደሞክራሳውያን፡ ትራምፕ ብዘይፍቓድ ኮንግረስ ወተሃደራዊ ስጕምቲታት ከይወስድ ንምዕንቃፍ እዩ ነይሩ።

    እዚ ፕረዚደንት ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ደሞክራሳውያን ኣብ ባይቶን ሰኔትን ካብ ሸሞንተ ውሳነታት ወተሃደራዊ ስርሒታት ደው ከብሉዎ ድምጺ ሆቦም።

    እዚ ድማ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኮንግረስ ካብ ዝቐረበ ዝለዓለ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

    እንተዀነ፡ ክሰልጦም ኣይከኣለን፣ ኣብ ኵሉ ክዕወቱ ኣይከኣሉን።

  12. ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ኢራን ኣብቲ ዞባ ርኡይ ምምዝባል ሰባት የስዕብ ከም ዘሎ ገሊጹ

    ትካልስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ኪኖኡን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብምሕያሉ፡ ድሮ ርኡይ ምምዝባል ህዝቢ ከም ዘስዓበ ይገልጽ።

    ኣብ ኢራን፡ ድሕሪ እቲመጥቃዕቲ ኣብ ዝነበራቀዳሞት ክልተ መዓልታት ጥራሕ ኣስታት 100,000 ሰባት ካብ ቴህራን ከም ዝወጽኡ እቲ ትካል ሓቢሩ።

    ኣብሊባኖስ 58,000 ሰባት ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣስታት 10,000 ሶርያውያንን ኣስታት 1,000 ሊባኖሳውያንን ብ2 መጋቢት ካብ ሊባኖስ ናብ ሶርያ ከም ዝሰገሩ ተፈሊጡ።

  13. ንምንታይ'ዮም መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኢራን ሓደ መርገጺ ዘይሓዙ?

  14. ኢራን ናብ እስራኤል ሚሳይላት ትውንጭፍ ከም ዘላ ሰራዊት'ታ ሃገር ኣፍሊጡ

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኢራን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ሓያሎ ሚሳይላት ከም ዝወንጨፈት ገሊጹ።

    እንተዀነ፡ ብዛዕባ ዘውረዶ ጕድኣት ዝተብሃለ ነገር ከምዘየለ፡ ኤጀንስ ፍራንስ ፕረስ ንኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ናይታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

    ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ሰለስተ ዝተፈላለየ ናይ መጠንቀቕታ ደወላት ዝtሰምዐ ኰይኑ፡ ሪፖርተራት ኤጀን ፍራንስ ፕረስ ኣብ ኢየሩሳሌም ፍንጀራታት ሰሚዖም።

    ብድሕሪኡ፡ ሰራዊት ሰባት ካብ መዕቈቢታቶም ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።

  15. መርከብ ኲናት ኢራን ብኣመሪካ ከምዝተሃርመት ተረጋጊጹ

    ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝጠሓለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ካብ ውስጠ-ማያዊት (ሳብማሪን) ብዝተተኮሰላ 'ቶርፔዶ' ከምዝተሃረመት ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ፐንታጐን ጋዜጣዊ መብርሂ ዝሃበ ፒት ሄግሰት ከምዝበሎ፡ "መርከብ ኲናት ኢራን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማያት ውሕስነት ትረክብ መሲሉዋ ነይሩ"።

    "እንተኾነ ብቶርፔዶ ተሃሪማ ጥሒላ" ክብል እታ መርከብ ግዳይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝኾነት ኣረጋጊጹ።

    ድሕሪ 1945 (ካልኣይ ኲናት ዓለም) ንፈለማ እዋን'ዩ ሳብማሪን ኣመሪካ ንናይ ጸላኢ መርከብ ብቶርፔዶ [ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝውንጨ ሮኬት] ተሃሪማ ትጥሕል ዘላ።

    ዛጊት ብውሕዱ 80 ኣባላት ናይታ መርከብ ተቐቲሎም ከምዘለዉ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ሓቢሩ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ።

    ኣብታ መርከብ 140 ከምዝነበሩን፡ ብዘይካ 32 እቶም ዝተረፉ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ሰብመዚ ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ገሊጾም ነይሮም።

  16. ሓድሽ ምላሽ ኤርትራ ንሓድሽ መግለጺታት ኢትዮጵያ

    ሓድሽ መግለጺታት መራሕቲ ኢትዮጵያ "ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ሓደገኛ ሳዕቤናት" ኣለዎ ክትብል ኤርትራ ኣጠንቂቓ።

    ብወገን ኤርትራ ዝወሃብ ምላሽ፡ ዝበዝሐ እዋን ብመንገዲ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር እዩ ዝወጽእ።

    "ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ እናተደጋገመ ዝቐርብ ሓደ ቃና ዘለዎ መዝሙር፡ ተመሳሳሊ መርዛምን ዘይሕጋውን ምንዳይ 'ልኡላዊ' ኣፍደገ ባሕሪ" እዩ ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ለይቲ ብኤክስ ምላሽ ሂቡ'ሎ።

    "ፖለቲካዊ ጸወታ ትያትር ሰልፊ ፖተምኪን [ብልጽግና] እናሓደረ ናብ ትርጉም-ኣልቦነት ይሰጋገር ኣሎ"።

    እቲ "ብስም 'ህጹጽ ኣድላይነት ልምዓት' 'ነጺሁን ተሓጺቡን' ዝቐርብ ዘሎ ጠለብ፡ ዘርኢ ዘየድሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን" ምዃኑ'ዩ የማነ ዝነቅፍ።

    ትማሊ ኣብ ዝወጸ ቃለመሕትት፡ ነቲ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ 2023 ኣትሒዙ ከም ዛዕባ ናብ ባይቶን ኪኖኡን ብምምጻእ ኣጀንዳ ዝገበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምስላታት ዝተወንዘፈ ነቐፌታን መጠንቀቕታን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መራሕታን ወርዊሩ ነይሩ።

    ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀ ስላሴ፡ ከምኡ'ውን ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝርከብዎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ብኣጋጣሚ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም ነይሮም።

  17. ናብ ሕጫጨን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

  18. ኢትዮጵያ፡ ፈተነ ሰብ ኣልቦ ‘ስማርት’ መደበር ፖሊስ ጀሚራ

    ኢትዮጵያ፡ ብቴክኖሎጂ ብዝተሓገዘ ሰብ ኣልቦ መደበር ፖሊስ ኣገልግሎት ክትህብ ጀሚራ።

    እዚ ከም ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ብ9 ለካቲት 2026 ተጀሚሩ ዘሎ ‘ስማርት’ መደበር ፖሊስ፡ እኹል ኣባላት ፀጥታ ኣብ ዘይብለን መደብራት ፖሊስ፡ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ክህሉ ዘኽእል እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣገልግሎት ፖሊስ "ብዝሓሸ ፍጥነትን ቴክኖሎጅን" ናብ ዜጋታት ክበጽሕ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ምዃኑ ይገልጽ።

    ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ዝርከብ ፈላማይ መደብር ፖሊስ፡ ዕግርግር ኣይረኣይን።

    ናብዝን ናብትን ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ፖሊስ እውን የለዉን። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ብዝተቐመጡ ኮምፒተራትን ወይ ታብሌታትን ጥራይ እዩ ኣገልግሎት ዝህብ።

    እታ ሃገር ‘ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030’ ብዝብል ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዲጂታላዊ ስትራተጂ ካብ እተኣታትው ጀሚራ፡ መለለዪ መንነት፡ ስርዓት ክፍሊት፡ ኣገልግሎት ኣብያተ ፍርድን ካልኦት ትካላትን ዲጂታላዊ እናገበረት ትርከብ።

    ይኹን’ምበር እታ ድሩት ተበፃሕነት ኢንተርኔት ዘለዋ ሃገር፡ ብቴክኖሎጂ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድሒራ’ያ ትርከብ።

    ብተወሳኺ ብሰንኪ ግጭታትን ኩናትን ኣገልግሎት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ይቋረጽ እዩ።

    ሶፍትዌር ኢንጂነር ብርሃን ነጋ፡ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓ ብዝግባእ እንተ ተተግቢሩ፡ ምንግልታዕ ከምዝንክይ ብምጥቃስ፡ በቲ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ሕጒስ ምዃኑ ይገልጽ።

    እንተዀነ ግን፡ "ዲጂታዊ ኣፍልጦ ዘይብሎም ሰባት ብቐሊሉ ክታለሉ ይኽእሉ እዮም" ብምባል ስክፍታኡ ይጠቅስ።

    ዝያዳ ተጠቀምቲ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ክኾኑ ዝኽእሉ ነበርቲ ከተማታት፡ መንእሰያት፡ ትካላት ንግዲን ብሓፈሻ ተጠቀምቲ ስማርትፎናትን ብምዃኖም፡ እቲ ኣገልግሎት ድሩት ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታላዊ ተበፃሕነት ዘይምዕሩይ እዩ። ውድብ ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ 79 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ከምዘይረክብ ይሕብር።

  19. መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ኣብ ገማግም ሲሪላንካ ጥሒላ፡ ሃለዋት ብዙሓት ኣባላታ ኣይተፈልጠን

    ሓንቲ መርከብ ኲናት ኢራን ኣብ ገማግም ባሕሪ ስሪላንካ ድሕሪ ምጥሓላ ዝበዝሑ ኣባላta ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃለዋት ናይ 140 ኣባላታ ከምዘይተፈልጠን፡ 32 ካልኦት ካብታ ትጥሕል ዝነበረት መርከብ ከምዘድሓኑን ጠቒሱ።

    ጠንቂ ናይታ 'ኣይሪስ ደና' ዝተባህለት መርከ እንታይ ምዃኑ ከምዘይተፈልጠ'ዩ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

    "ኪኖ ማያትና ዘጋጠመ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ዳህሳስን ምድሓንን እናካይደሉ ዞባ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ብዘለና ዓለምለኻዊ ግዴታ ግብረመልሲ ክንህብ ተገዲድና" ይብል ወሃቢ ቃል ቡደሂካ ሳምፓት።

    "ኣብ ማይ ጸምበለል ዝብሉ ሰባት ረኺብና፡ ኣውጺእናዮም፡ ብድሕሪኡ ምስ ኣጻረና፡ ኣባላት መርከብ ኢራን ምዃኖም ኣረጋጊጽና"።

    ብመሰረት ሰነዳት ናይታ መርከብ፡ 180 ሰባት ከምዝነበሩዋ ይእመን፡ ዋላ'ኳ ቁጽሪ ናይቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ።

    ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ናብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ጥሒላ'ያ ጸኒሓቶም፡ ዝንሳፈፍ ዘይቲን መድሕን ህይወት ዝኾና ንኣሽቱ ጃላቡን ጥራይ እዮም ረኺቦም።

    ብመጥቃዕቲ ውስጠ-ማያውያን (ሳብማሪን) ከምዝጠሓለት ንዝገልጽ ጸብጻባት ዝነጸገ እቲ ኣፈኛ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ከምዘይተፈልጠ'ዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ጸሓፊ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ምክትል ማርሻል ሓይሊ ኣየር ሳምፓት ትዪያኮንታ ንቢቢሲ ቋንቋ ሲንሃላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃለዋት ናይ 140 ዝኾኑ ኣባላት እታ መርከብ ከምዘይተፈልጠ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ዛጊት ሰራዊት ስሪላንካ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይክኣለን ዘሎ።

  20. ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኢራን ክትሳተፍ ድያ?

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዜጋታት ኢራን እትርከበን 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ እዩ። እዚ ድማ ስግኣታት ጸጥታ ንምምካት ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።

    ተጻወትቲ ዋንጫ ዓለምን ኣሰልጠንቲን ካብዚ ውሳነ ነጻ እኳ እንተዀኑ፡ ኢራን ግን ገለ ካብ ናይ ሰበስልጣናታ ሕቶ ቪዛ ምስተነጽገ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዕጫ ድልድል ምድብ ከምእትስሕብ ኣፈራሪሓ ነይራ።

    ኢራን ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትጻወት እንተዀይና ግን፡ እታ ጋንታ እተካይዶም ጸወታታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣሪዞና ክትገብሮ ዝሓዘቶ መደብ ልምምድ ብዝምልከት ዝያዳ ምጽራይ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ።

    እታ ሃገር ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ኢራን ጃምላዊ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ፡ ኣንጻር ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ጸወታታት ኣካይዳ።