ኣመሪካ፡ ሃገራት ንግዜኡ ካብታ እገዳ ኣንቢራትላ ዝጸንሓት ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ
ኣፍቒዳ።
ጸሓፊ ቤት ግምጃ ኣመሪካ ስኮት በሰንት፡ እቲ ውሳነ ነቲ ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ
ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ንምቅላል፡ ሃገራት ክሳብ 11 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ።
ስኮት በሰንት “እዚ ካብተን ድሮ ካብ ሩስያ ነዳዲ ጽዒነን ዘለዋ
መራኽብ ክዕድጋ ከም ዝኽእላ’ዩ ተፈቒዱ ኣሎ፡ ንመንግስቲ ሩስያ ከኣ ብፋይናንስያዊ መዳይ ክንድቲ ዘርብሕ ኣይኮነን” ኢሉ።
ትማሊ ሓሙስ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር’ዩ ውዒሊ፡ እዚ ከኣ ድሕሪ
ምጅማር ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻዋ ዝሰዓበ’ዩ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ሰሜን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ደቡብ ካብ ኢራን ዝርከብ ጸቢብ
መተሓላለፊ መስመር ኰይኑ፡ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ነዳድን ካልእን ዝጸዓና መራኽብ በዚ መስመር እዚ’የን ዝሓልፋ።
ሓደ ሕምሲት ካብቲ ዓለምና ትጥቐመሉ ነዳዲ ኸኣ በዚ መጻብቦ’ዩ ዝሓልፍ።
ኢራን ነዚ መጻብቦ ብምዕጻው ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ
ከም እትፍጽም ምስ ሓበረትን ከተጥቕዕ ምስ ጀመረትን ከኣ ዋጋ ነዳዲ ብቅጽበት ክውስኽ ጀሚሩ።
ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ፡ ነተን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓለፍ መራኽብ ከለላ ሂባ ከተሕልፈን
ምዃና’ኳ ሓቢራ እንተነበረት ኣብ ባይታ ግን ክትግበር ኣይከኣለን ዘሎ።
እታ ካብ 2022 ጀሚራ
ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኵናት ምጅማራ ነዳዲ ከይትሸይጥ እገዳ ተነቢርዋ ዝጸንሐ ሩስያ ከኣ ዝተነብረላ ልጓም ክፍትሓላ ዝጀመረ ይመስል።