እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
እስራኤል ኣብ በይሩት ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ማዕበል ናይ ሚሳኤላት መጥቓዕቲ ፈጺሙ።
እስራኤል ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ኣብ በይሩት ኣብ ልዕሊ 10 ኣብያተ ጽሕፈታት መጥቓዕቲ ከምዝፈጸመት ኣፍሊጣ።
በቲ እስራኤል ኣብ በይሩት ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ 7 ሰባት ከምዝተቐተሉን 21 ከኣ ፎዅስን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሕዝቦላህ’ውን ከም ግብረ መልሲ ናብ እስራኤል’ኳ ሚሳኤላት እንተተኰሱ፡ እስራኤል ንዅሉ ከምዘበርዓነቶ ገሊጻ።
ዋጋ ነዳዲ ሕጂ’ውን ወሰኽ የርኢ ኣሎ
ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰዓታት ኣብ መላእ ኤስያ ዋጋ ነዳዲ ብ9 ምኢታዊት ወሰኽ ብምርአይ ንሓደ ዘይተጻረየ በርሚል 100 ዶላር በጺሑ።
ከም ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦትን ዝርከብአን ዓሰርተታት ሃገራት፡ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋእ ካብቲ ንእዋን ሓደጋ ተባሂሉ ዝተኸዘ ነዳዲ ናብ ጥቕሚ ከውዕለኦ ምዃነን’ኳ እንተሓበራ፡ እቲ ዋጋ ግን ክንኪ ኣይተረኣየን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን ነቲ ሓደ ሕምሲት ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምልኳት ኣብ ልዕሊ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝእትፍጽም’ያ ተጠንቅቕ ዘላ።
ኣብ ኣመሪካ’ውን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ፡ 95.27 ዶላር በጺሑ ኣሎ።
ብሰኑይ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 110 ዶላር በጺሑ ነይሩ’ዩ፤ ዋጋ ነዳዲ ክንድዚ ክበጽሕ ድሕሪ 2022 ንፈለማ እዋን’ዩ።
ሰለስተ መራኽብ ተሃሪመን
ኣብ ገማግም ኢራቕ፡ ኣብ ጥቓ ወደብ ኡም ቃስር፡ ክልተ መራኽብ ከምዝተሃረማ ተሓቢሩ።
ብሰንኪ እቲ አaእ ልዕሊ'ተን መራኽብ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ 38 ሰባት ፎዂስን ከቢድን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም።
ዩከይ ማሪታይም ትሬድ ኦፐረሽን፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከባቢ ጀበል ዓሊ፡ ሓንቲ ኮንተይነር ዝጽዓነት መርከብ እንታይ ዓይነት ኣፅዋር ከምዝኾነ ብዘይተፈለጠ ተሃሪማ ቀሊል ባርዕ ከምዘጋጠማ'ውን ኣፍሊጡ።
ብሓፈሻ፡ ካብ 28 ለካቲት ክሳብ 11 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ መጻብቦ ሆርሙዝን ውሽመጥ ዖማንን፡ ኣብ ልዕሊ 13 መራኽብ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ ዩከይ ማሪታይም ትሬድ ኦፐረሽን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኵናት ኢራን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ?
ብዘይወዓሎ ቅትለት ብሞት ክቕጻዕ ዝተፈርደ ሰብኣይ
ኣምባሳደር ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን መጠንቀቕታ ቪዛ
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ሃገሩ ዝገሹ ኢትዮጵያውያን ንሕግታት ቪዛ ከኽብሩ ጸዊዑ።
ኤርቪን ማንሲጋ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ናብ ኣመሪካ ምስኣተኻ ካብ ዝተፈቕደልካ ናይ ግዜ ገደብ ንላዕሊ ምጽናሕ ዘኸትሎ ሳዕቤናት፡ ምስራዝ ቪዛ፡ ምስጓግ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ቪዛ ምንጻግ" ከምዝርከብዎ ኣብሪሁ።
"ካብ ዝተፈቐደልካ ግዜ ንላዕሊ ንምጽናሕ ዝገብር ምኽንያት የለን"።
ከምኡ ምግባር ንኻልኦት ቪዛ ከይረኽቡ ዕንቅፋት ዝፈጥር ምዃኑ'ውን እቲ ዲፕሎማሰኛ ኣሚቱ።
"ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዘነጸሮ፡ ናብ ኣመሪካ ንክነብሩ ይኹን ብንግዲ ወይ ቱሪዝም ንሓጺር ግዜ ዝገሹ መጻእተኛታት ብፋይናንስ ርእሶም ክኽእሉ ኣለዎም"።
እዚ ጾር ህዝባዊ ኣገልግሎት ከይኮኑ ዝዓለመ ምዃኑ'ውን እቲ መልእኽቲ ይጠቅስ።
ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትርከበን 'ኢሚግራንት ቪዛ' (ንከም ናይ ጥርናፈ ቤተሰብን ቀዋሚ ነባርነትን ዝርከቦ ቪዛታት) ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተወሰነ እገዳ ብሰንኪ'ዚ ዝመጸ ምዃኑ'ውን እቲ ኣምባሳደር ኣይሓብአን።
"ከምቲ ጸሓፊ [ማርኮ] ሩቢዮ ዝበሎ) ቪዛ ሓለፋ እምበር መሰል ኣይኮነን" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
"ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይነ ምግልጋለይ ክብሪ ይስመዓኒ" ዝበለ ማሲንጋ፡ ዝምድና ዋሽንግተንን ኣዲስ ኣበባን ን120 ዓመት ዝቐጸለ ምዃኑ ገሊጹ።
ሲቪል ኢራናውያን ካብ ወደባት እታ ሃገር ክርሕቁ ሰራዊት ኣመሪካ ኣጠንቂቑ
ሲቪል ኢራናውያን ካብቶም ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘለዉ ወደባት ኢራን ክርሕቁ ሰራዊት ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።
ማእከላይ እዚ (ሰንትራል ኮማንድ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንወተሃደራዊ ኣግልግሎት ዝውዕሉ ወደባት ዒላማ መጥቃዕቱ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።
"ሲቪል ሰባት ካብ ኩሎም ሓይልታት ባሕሪ ኢራን ዝጥቅምሎም ወደባት ብቕልጡፍ ክርሕቁ ማእከላይ እዚ የተሓሳስብ" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መጠንቀቕታ።
ቴህራን ንሲቪላውያን ወደባት ከይተረፈ ንወተሃደራዊ መዓላ ትጥቀመሎም ከምዘላ ዝኸሰሰ እቲ እዚ፡ "እዚ ሓደገኛ ተግባር እዚ ንህይወት ንጹሃት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ" ኢሉ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መጻብቦ 16 ፈንጂ ባሕሪ ዝተኽላ መራኽብ ኢራን ከምዘዕነወ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
ኢራን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ
ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝካየድ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ከምዘይትሳተፍ ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣሕመድ ዶንያማሊ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "እዚ ብልሹው መንግስቲ ንመራሒና ምቕታሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክንሳተፍ ዘፍቅድ ኩነታት የብልናን" ኢሉ።
"ተጻወትቲና ውሕስነት የብሎምን፡ ንክንሳተፍ ዝዕድም ሃዋሁ'ውን የሎን" ዝበለ እቲ ብዓልስልጣን፡ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ወርሒ ክልተ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ከምዝተኣወጀን፡ ብሰንኩ ሓያሎ ኣሽሓት ዜጋታት ከምዝተቐትሉን'ውን ተዛሪቡ።
ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢራን ብወገኑ፡ ንኩነታት ናይተን ንውድድር ናብ ኣውስትራልያ ዝኸዳ ደቂኣንስትዮ ተጻወትቲ እታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂተባዕትዮ ናብ ኣመሪካ ክሰዱ ቅሩባት ከምዘይኮኑ ኣሚቱ።
"ነተን ደቂኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝገጠመን ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋንጫ ዓለም'ውን ከምኡ'ዩ ዝመስል፡ ስለዚ ነታ ጋንታ ናብ ኣመሪካ ምልኣኽ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝቕበሎ ኣይኮነን" ይብል መህዲ ታጅ።
እተን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኢራን፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ኤስያ ንምስታፍ'የን ናብ ኣውስትራልያ ከይደን ነይረን። ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምግላፈን ድማ ዝበዝሓ ወጺአን እየን።
ቅድሚ ጸወታ ኣብ ዝግበር ስነስርዓት ሃገራዊ-መዝሙር ኢራን ክዝምራ ፍቓደኛታት ዘይኮና ሓሙሽተ ካብኣተን ግን ድሕነተን ንምውሓስ ብሰብመዚ ኣውስትራልያ "ሰብኣዊ ቪዛ" ተዋሂብወን ነይሩ። ሓንቲ ካብኣተን ግን ጸኒሓ ሓሳባ ብምቕያር ነቲ ዝቐረበላ ቪዛ ነጺጋ ናብ ዓዳ ክትምለስ ወሲና’ላ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብቲ ኣብ ሃገሩ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ ጸገም ከምዘይብሉ ብኣፍ ፕረዚደንት ፊፋ ጂነኒ ኢንፋንቲኖ ድሕሪ ምግላጹ'ዮም መራሕቲ ቴህራን ነቲ መግለጺ ዝህቡ ዘለዉ።
ናይ መወዳእታ ውሳነ ግን ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ዝወስዶ ምዃኑ'ዩ ይፍለጥ።
'ትንሳኤ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንምብሳር' ሓላፍነት ዝተረከበ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ
ኢራን ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ሓድሽ መጥቃዕቲ ጀሚራ
ኢራን መበል 35 ማዕበል ስርሒታ ከም ዝጀመረት ዘፍለጠት ኰይና፤ ቐጠር ናብኣ ዝተተኰሰ ተወንጫፊ ከም ዝዓገተት ገሊፃ።
ስዑዲ ዓረብ ድማ፡ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣየራ ዝዓለመ ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዓቢ ዕደና ነዳዲኣ ዒላማ ዝገበራ ድሮናት ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ንማዕበል ሚሳይላት ምላሽ ትህብ ከምዘላ፣ ባሕረይን ድማ ነበርቲ ውሑስ መዕቘቢ ክደልዩ ኣጠንቂቓ።
ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላትን መደበራት ኣመሪካን ከም ዘጥቀዐት ክትገልጽ እንከላ ክልቲአን ሃገራት ግን ነቲ ኵነታት ኣየረጋገጻን።
ኣመሪካ፡ ኢራናውያን ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ነታጒ ከይቀብሩ ስክፍታ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ወሳኒ መሕለፊ ማይ ንዝነበራ 16 ነተጉቲ ዘንጽፋ መራኽብ ኣጥቂዓ ኣላ።
ኣመሪካ 16 ነተጉቲ [ፈንጂ] ዘንፅፋ መራኽብ ኢራን ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ [ሴንትኮም] ፡ ሓያሎ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ብመጥቃዕቲ ዝዓነዋሉ ዝበሎ ምስሊ ዘርእይ ቪድዮ ዘርጊሑ።
ሴንትኮም እተን ብሰሉስ ዓንየን ዝበለን መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ነተጉቲ ዘንፅፋ 16 መራኽብ ይርከበአን።
ሓለቓ ስታፍ ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬይን፡ ብሰኑይ ኣብ ፔንታጎን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምድምሳስ ሓይል ባሕሪ ኢራን ካብቶም ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ስርሒት ‘ኦፒክ ፉሪ’ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቁልፊ ዓለማዊ መስመር ዝዀነ - መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ነታጒ ንምቕባር ዝፍትና መራኽብ ኢራን ከዕኑ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቲ እዚ፡ ኣብ ኤክስ ዝዘርገሖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ዝተፈላለየ መጠን ዘለወን መራኽብ ብተወንጫፊ [ፕሮጀክታይል] ድሕሪ ምውቃዐን ክፈንጀራ እንተለዋ የርእይ።
ጄፍሪ ኤፒስተይን ክልተ ሓገዝቲ ነይሮምዎ- ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ገንዘቡን ምስጢራቱን ዓቂቦም?
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ሓሳባ ቀይራ ናብ ዓዳ ክትምለስ ወሲና
መብዛሕትአን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ኤስያ ድሕሪ ምግላፈን ካብ ኣውስትራልያ ወጺአን እየን።
እተን ደቀንስትዮ፡ ቅድሚ ጸወታ ኣብ ዝግበር ስርዓተ-መዝሙር ሃገራዊት ጋንታ ክዝምራ ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ንድሕነተን ስለ ዝሰግኣ፡ ንሓሙሽተ ካብኣተን ውሕስነተን ቪዛ “ሰብኣውነት” ኣብ ኣውስትራልያ ተዋሂቡወን ነይሩ።
ክልተ ካልኦት ድማ ነቲ ዝቐረበለን ቪዛ ተቐቢለን ኣብቲ ዓዲ ክጸንሓ ወሲነን ነይረን።
እንተዀነ ሕጂ፡ ሓንቲ ካብኣተን ነቲ ዝቐረበላ ቪዛ ነጺጋ ናብ ዓዳ ክትምለስ ወሲና’ላ።
እታ ስፖርተኛ ግን መን ምዃና ኣይነጸረን ዘሎ። ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራልያ ቶኒ በርክ፡ ሎሚ ንግሆ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 10፡00 (23፡00 GMT) ብዛዕባ’ዚ ውሳነ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።
ነዚ ኣመልኪቱ እቲ ምኒስተር፡ “ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ሓሳቦም ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም፣ ሰባት ክጓዓዙ ይኽእሉ። ስለዚ፡ ነቲ ንሳ ነዚ ውሳነ ዝወሰደትሉ ኵነታት ነኽብሮ ኢና” ክብል ገሊጹ።
እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ ቪዛ ዝተዋህበን ኢራናውያን ተጻወትቲ እውን ብሰንኪ እቲ ኵነታት ምቕያር ሓሳብ ናይታ ሓንቲ ቦታ ክቕይራ ከም ዝተገደዳ ምኒስተር በርክ የረድእ።
“ነዚ ውሳነ ኣብ ምውሳን፡ ብደቂ ጋንታኣን ኣሰልጣኒኣን ምስ ኤምባሲ ኢራን ክትራኸብን ሓሳብ ቀሪቡላ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኤምባሲ ኢራን ኵለን ኣበይ ከምዝነበራ ክፈልጥ እዩ።”
ኣብ ደም ወርሓዊ ጽግያት ዝተሓብኡ ምስጢራት ጥዕና
ብሰንኪ ምቍራፅ ባጀት ፌዴራል፡ ኣብ 'ሓደጋ ዝወደቐ' ዓውደ-ትምህርቲ ትግራይ
ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ዝኣወጀት ኣውሮጳዊት ሃገር
መንእሰያት ሃገረ ክሮኦሽያ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ናብ መዓስከራት ይውሕዙ ኣለዉ።
ዛጊት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኮተቴ እታ ሃገር ካብቶም ተዳልዮም ዘለዉ ሰለስተ መዓስከራት ስልጠና ናብ ዝቐረቦም ክኸዱ ተኣዚዞም ኣለዉ።
ካብ 2008 ኣትሒዛ ነቲ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣቋሪጻቶ'ያ ጸኒሓ።
እቲ ስጉምቲ ምስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶን ተካይዶ ዘላን ኲናት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግለጽ።
ንክሮኦሽያ ሓዊስካ፡ ዛጊት 10 ኣባል ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ሃገራዊ ኣግልግሎት ዳግማይ ኣዊጀን ኣለዋ።
እተን ብወለንታ ክሳተፋ ዝኽእላ ደቂኣንስትዮ'ውን ድሮ ናብቲ መዓስከራት ይኣትዋ ምህላወን ሰብዘሚ ሓቢሮም።
ኩባንያ ቮልክስዋገን ኣስታት 50 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከሰናብት'ዩ
ኣፍራዪ መካይን ዝኾነ ኩባንያ ቮልክስዋገን ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት 50,000 ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ 2025 መኽሰባቱ ኣንቆልቊሉ ኣሎ።
ዋና ኣካያዲ ናይቲ ጀርመናዊ ኩባንያ ዝኾነ ኦሊቨር ብሉም ንሰብ ብርኪ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ እቲ ቅልውላው ንኩሉ ክፋላት እቲ ትካል ዝጸሉ እዩ።
ቮልክስዋገን ብዘይካ እተን ብስሙ ዝጽውዓ መካይን፡ ኣውዲን ፖርሽን ዝተባህላ ተሽከርከርቲ'ውን ዝሰርሕ እዩ።
ጠንቂ ናይቲ ኩነታት፡ ኣመሪካ ዘንበረቶ ቀረጽን ካብ ተቐናቐንቲ ኩባንያታት ቻይናን ዝተፈጥረ ጸቕጥን ዘስዓቦ እዩ።
ቻይና ብፍላይ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ኣብ ምፍራይ መሪሕ ተራ ትጻወት ምህላዋ ይፍለጥ።
ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዋ ዘለዋ ፍሉያት ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ
ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ይራኣየሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ግሎቸስተርሸር ዝርከብ መዓስከር ፌርፈርድ፡ ኣመሪካ ትጥቀመሉ ኮይኑ፡ ቢ-1፡ ቢ-52 ከምኡ'ውን ቢ-2 ዝተባህላ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ከአንግዱ ካብ ዝኽእሉ ሒደት መዓርፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ ምዃኑ ይንገረሉ።
ኣመሪካን-እስራኤልን ምስ ኢራን ናብ ሓድሽ ኲናት ድሕሪ ምእታወን፡ ፍሉያት ነፈርቲ ኣመሪካ ናብቲ መዓስከር ክኣትዋ ጀሚረን ኣለዋ።
ገለ ካብአን ቢ-52 ተባሂለን ዝፍለጣ ደብደብቲ ስትራተጂካውያን ነፈርቲ ውግእ እየን።
እዘን ዓርሞሸሽ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣካል 'ስትራተጂክ እዚ' ሰራዊት ኣመሪካ ኮይነን 31,751 ኪሎ-ግራም ዝበጽሕ ኑክሌራዊን ካልእ ስሩዕን ኣጽዋር ክጽዕና ዝኽእላ እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 72 ሰዓታት ጥራይ ሰለስተ ተወሰኽቲ ቢ-52 ነፈርቲ ናብ ብሪጣንያ ኣትየን ኣለዋ።
ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ከምዘይሳተፍ ዘፍለጠ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራቱ ንምክልኻል ዝዓለመ ምንቅስቓስ ነፈርቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምፍቃዱ'የን እተን ነፈርቲ ክኣትዋ ጀሚረን።
ቢ-52 ኣብ 1950ታት ዝተሰርሓ ኮይነን፡ ኣብ ከም ቬትናም፡ ዒራቕ፡ ከምኡ'ውን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፋ እየን።
ቁመተን 49 ሜትሮ ኮይኑ፡ ክሳብ 2,414 ኪሜ ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይላት ክዓጥቃ ይኽእላ።
እተን ነፍሲ ወከፈን ብሓሙሽተ ኣብረርቲ ዝምራሓ ገዘፍቲ ነፈርቲ ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ኣመሪካ እተን ዝነውሐ ዕድመ ዘለወን ምዃነን'ውን ይፍለጥ። ፈለማ ኣብ 1952 ናብ ሰማያት ምስ በረራ ክሳብ ሎሚ ኣይወረዳን።
ብዘይካ'ዚ፡ ካብአን ንላዕሊ ዝውንጨፋ ቢ-1 ዝተባህላ ካልኦት ደብደብቲ'ውን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚረን ክኣትዋ ቀንየን እየን።
ዛጊት ኣርባዕተ ቢ-1 ናብቲ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ክርኣየሉ ጀሚሩ ዘሎ መዓስከር ኣትየን ኣለዋ።
ቢ-1፡ ነፍሲ ወከፈን 23 ሚሳይላት ክሕዛ ዝኽእላ ኮይነን፡ ንነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዛ ዝኽእላ እየን።
እዘን 86 ቶን ዝምዘና ምዕቡላት ነፈርቲ፡ 44.5 ሜትሮ ዝበጽሓ ኮይነን፡ ልዕሊ 1,448.4 ኬሜ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ዝዓጥቃ እየን። ምዕቡል ስርዓተ-ራዳርን ስርዓተ ጂ-ፒ-ኤስን ዝርከቦ መሳርሒታት ዝወነና ምዃነን'ዩ ዝግለጽ።
መራሒ ማዳጋስካር ንካቢነ ሚኒስተራት የፍርስ
መራሒ ማዳጋስካር ሚካኤል ራንድሪያኒሪና ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ካቢነ እታ ሃገር ኣፍሪስዎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ኮለነል፡ ነቲ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ዛጊት ኣይገለጸን።
"ሓላፍነት መንግስቲ ኣቋሪጹ ኣሎ" ዝበለ መግለጺ ኣፈኛ እቲ መራሒ፡ "ብመሰረት ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ሰፊሩ ዘሎ ስልጣን" ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክምዝዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኮ/ል ራንድሪያኒሪና ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ነበር ኣንድሪ ራጆሊና ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ደሞክራስያዊ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ ቃል ከምዝኣተወ ይፍለጥ።
ብሓድሽ ወለዶ 'ጀነረሽን ዚ' ዝተመርሐ ህዝባዊ ተቓውሞታት ነቲ ብፕረዚደንት ራጆሊና ዝምራሕ መንግስቲ ድሕሪ ምእላዩ'ዩ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ክቆጻጸር ክኢሉ።