እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንደቂኣንስትዮ ኣብ 'ባርነት ወሲብ' ሒዝወን ኣሎ -ኣምነስቲ

    ሰራዊት ሓርነት ኦሮሚ (ኦላ) ንደቂኣንስትዮ ኣብ "ባርነት ወሲብ" ብምሓዝ የሳቒ ኣሎ ክብል ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።

    እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እተን ደቂኣንስትዮ "ብዕስለ ጾታዊ ዓመጽ" ይፍጸመን ከምዘሎ የመልክት።

    እቶም ዕጡቓት ኣብ ደቂኣንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝፍጽምዎ ቅትለትን ምዕናው ንብረትን ምስ "ገበናት ኲናት ዝዳረግ" ምዃኑ'ውን ኣምነስቲ ይወቅስ።

    እቲ ሎሚ ዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣብ ምዕራብ እቲ ክልል፡ ቄለም ወለጋ ዞን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ብዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተዳለወ እዩ።

    ግዳይ ናይቲ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና 10 ደቂኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምንባሩ'ውን ተጠቒሱ'ሎ። ሸውዓተ ካብኣተን ትሕቲ 18 ዓመት ኣብ ዝነበራሉ እቲ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ይዛረባ።

    ሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሓ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ንሽዱሽተ ሰሙን ዝኣክል፡ 15 ኣወዳት ንዓይን ጓለይን ይዕምጹና ነይሮም" ትብል።

    እተን ግዳያት ኣንስቲ ወይ ቤተሰብ ኣባላት ጸጥታን ወተሃደራትን መንግስቲ ብምዃነን ነቲ በደል ከምዝበጽሐን'ዩ ኣምነስቲ ዘረድእ።

    እቲ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን እቶም ዕጡቓትን ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰባዊ ክሳራን፡ ዕንወት ትሕተ-ቅርጽን ከምዘስዓበ ይግለጽ።

    ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዛዕባ ጸብጻብ ኣምነስቲ ዝሃቦ ምላሽ'ኳ ዛጊት እንተዘየለ፡ መራሒ ናይ ጉጅለ ድሪባ ኩምሳ (ጃል መሮ) ኣባላቱ ንሲቪላውን ዒላማ ከምዘይገብሩ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምዝራቡ ኣስሼትድ ፕረስ ጸብጺቡ ነይሩ።

    መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ መስመራት መራኸቢታት ከምዝቋረጽ ምግባሩ'ውን እቲ ዓመጽ ክፍጸም ተራ ከምዝነበሮ ኣምነስቲ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

  2. ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ፍጹም ንምድምሳስ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ እስራኤልን ኣመሪካን

    ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት ኣመሪካን እስራኤልን ንመደበራት ሚሳይላት፡ ኑክሌርን ሓይሊ ባሕሪን ኢራን ምዕናው እዩ።

    ብፍላይ እቲ ዒላማ መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ኮይኑ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

    እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ብውሕዱ 11 ወተሃደራውያን መራኽብ ኢራን ዓንየን ኣለዋ።

    ኣብ ከባቢ እቲ ስትራተጂካዊ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ደቡባዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር'ውን ኣይህዲ ደብዳብ ሚሳይላት ከምዝዘነቦን ኣብቲ ወደብ ዝርከባ መራኽብ ኲናት ብትኪ ተዓብሊኾን ከምዝተራእያን ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ የመልክት።

    ንሰለስተ ቀንዲ ሸቶታት መጥቃዕቶም ዝዘርዘረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣመሪካ "ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ፈጺማ ትድምስሶ ኣላ" ክብል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ተዛሪቡ ነይሩ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ብረቡዕ ሳብማሪን ኣመሪካ ኣብ ህንዳዊ ውቅኖስ ንዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ሃሪሙ ከምዘጥሓለ ዋሽንግተን ኣረጋጊጻ ነይራ። ገለ ኣባላታ'ኳ ክድሕኑ እንተኸኣሉ 140 ዝኾኑ ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

    ነቲ ኲናት ዝመርሕ ዘሎ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ዞባ ትንቀሳቐስ መርከብ ኲናት ኢራን ከምዘይትህሉ ገይሮም ምህላዎም ይገልጽ።

    "ንዓሰርተታት ዓመታት ስርዓት ኢራን ንዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ከሰራጢ ጸኒሑ'ዩ" ዝበለ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፡ "ሎሚ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ወይ ወሽመጥ ዖማን ትንቀሳቐስ ዋላ ሓንቲ መርከብ ኢራን የላን" ኢሉ።

  3. ኢራን፡ ሓደ ቤት ትምህርትን ጥቓኡ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከርን ብኸመይ ብተደጋጋሚ ተሃሪሞም?

    ካብ ሳታላይት ዝተረኽቡ ምስልታት፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝተፈጸመ ብዙሕ መጥቃዕትን ምልክታት ዝተቓጸለ ህንጻን ከም ዘሎ፡ እዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ግዜ ከም ዝተሃርመን የመላኽት።

    ሰብመዚ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ 168 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ዘረጋገጾም ምስልታትን ኣሳእልን ሳተላይት፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሚንዓብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሻጃረህ ታየበህን ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ቀጽሪ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዶም የርእዩ።

    ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ "ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደ እዋን ወይ ዳርጋ ብሓንሳብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተሃርመ" ይሕብር ይብል ክኢላ ኣጽዋር ኤን ኣር ጀንዘን ጆንስ።

    ኣብቲ ምስሊ ክልተ ዝዓነው ህንጻታት ብንጹር ክረኣዩ ይኽእሉ፤ እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ መደበር ሓለዋ ሰውራ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ይርአ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ብኸፊል ፈሪሱ።

  4. '65 መዓልቲ ብዘይ መግቢ' - ኣብ ሱዳን ዝተረፉ ተጋሩ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ነበር

  5. ነበርቲ ቴህራን ብሰንኪ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድቃስ ይስእኑ

    "እቲ ገዛን ሓሙሽተ ደቓይቕ ከየቋረጸ የንቀጥቅጥ ነይሩ። ትማሊ ምሸት እቲ ዝኸፍአ ምሸት እዩ ነይሩ፡" ይብል ሓደ ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ነባሪ ቴህራን።

    ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምብርባሩ ሰለም ከየበለ ከም ዝሓደረ ገሊጹ።

    ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቍራጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኢራን ካብ ዘለዉ ሰባት ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጎንቸህ ሓቢብያዛድ ንገለ ሰባት ንሓጺር እዋን ክትረኽቦም ክኢላ።

    ምእንቲ ድሕነቶም ክትብል ግን መንነቶም ኣይገለጸት።

    “ሰዓት 5 ንግሆ ብድምጺ ፍንጀራ ተበራቢረ ካብ ሽዑ ጀሚረ ክድቅስ ኣይከኣልኩን፡” ትብል ሓንቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እትነብር ሰበይቲ።

    "ኣዝዩ ዘስካሕክሕእዩ ነይሩ። ብብርቱዕ ይሃርሙ ስለ ዝነበሩ ኵሎም መሳዅቲ የንቀጥቀጡ ነይሮም። ድራጎን ድምጺ ዝገብር ዘሎ ይጥዕም ነይሩ፡" ትብል ካልእ ሰበይቲ።

  6. ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ በይሩት ሰፊሕ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ከም ዘካየደ ገሊጹ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ ልዕሊ በይሩት - ሊባኖስ መጠነ ሰፊሕ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ከም ዝኸፈተ ሓቢሩ።

    ኣብታ ርእሰ-ኸተማ ዳህየ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ “ማእከላይ እዚ ሕዞባላህ”ን ድሮናት ዝኽዘነሉ መሳለጥያን ከም ዝሃረመ ወሲኹ ገሊጹ።

    “ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝወርድ ዝዀነ ይዅን ጕድኣት ኣይጻወርን እዩ፡” ክብል ድማ ተሓንዩ።

    በቲ ካልእ ወገን፡ ካብ መረበቶም ክሃድሙ ዝተገደዱ ተቐማጦ በይሩት፡ “ብሓቂ ፈሪሕና ኣለና፡” ክብሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ካብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰላማውያን ሰባት፡ ኣብ መዕቈቢታት፡ መካይን፡ መናፈሻታትን ኣባይቲ ኣዝማድን ሓዲሮም ኣለዉ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ሰባት ናብ ካልእ ቦታታት ክግዕዙ ኣቐዲሙ ትእዛዝ ሂቡ እዩ።

    ኣብ ጐደናታት ደቂሶም ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝኸውን ዘሎ ፍርሕን ምድንጋርን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም።

    "ከም ኮቦርታ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ጥራይ ኢና ተማሊእና፡" ትብል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዳህየ። "ብሓቂ ፈሪሕና እኳ እንተለና፡ ኲናት እንተ መጽአ’ውን እዚ እዩ መሬትና። ክንክእሎ ጥራሕ እዩ ዘለና፣ ክንገብሮ እንኽእል ነገር የሎን፡” ኢላ።

    ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ብመጥቃዕቲ እስራኤል 123 ሰባት ከም ዝመቱን 683 ከም ዝቘሰሉን ሓቢሩ።

  7. ምኒስተር ምክልኻል፡ ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ‘ብወሳኒ መንገዲ ይግስግ ኣሎ’ ኢሉ

    ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተልእኾ ሃገሩ ኣብ ኢራን “ብወሳኒ መንገዲ ይግስግስ፡” ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    "ኢራን [ነቲ መጥቃዕቲ] ብኸምዚ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ክንቅጽሎ ከም ዘይንኽእል እያ ተስፋ ትገብር ዘላ። እዚ ድማ ድኹም ቅማረ እዩ፡" ይብል።

    ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ "ሕጽረት ተተኰስቲ የብላን"፣ ከምኡ'ውን ነቲ ወፍሪ ክሳዕ እትደልዮ ከተቐጽሎ ከም እትኽእል ገሊጹ።

    “ዛጊት ጀሚርና ጥራሕ ኢና ዘለና፣ ብወሳኒ መንገዲ ድማ ክንቅጽሎ ኢና፡” ኢሉ።

    ሓደ ጋዜጠኛ ንሄግሰት፡ ትራምፕ ድሕሪ ሞት መንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንኢራን መን ከም ዝመርሓ ጽልዋ እንተለዎ ሓቲቱዎ።

    "እቲ ፕረዚደንት ነቲ ዘለና ቀጻሊ ስርሒት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኢራን መን የመሓድራ ኣብ ዝብል ርእይቶ ዘለዎ እመስለኒ፡" ክብል መሊሱ።

    "ኣብ ዕላማታትና ዝዀነ ጫሌዳታት የሎን። እንታይ ውጽኢት ክንጭብጥ ከም እንደሊ ብልክዕ ንፈልጥ ኢና።”

    ፒት ሄግሰት እዚ ሕቶ ዝቐረበሉ፡ ትራምፕ ኣቐዲሙ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኢራን ድሕሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ መን ይምርሓያ ኣብ ምውሳን ቀጥታዊ ግደ ክህልዎ ከም ዝደሊ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።

  8. ኵሎም ወገናት 'እንዋግኣሉ ምኽንያት ኣለና' ዝብልሉ ኣዕናዊ ኲናት ሱዳን

  9. ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ እንተዓፅያቶ ኣብ ዓለም እንታይ ይፍጠር?

    ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ እትሓልፍ ዝኾነት መርከብ ከንድዳ እየ ምባላ ስዒቡ ዘሻቕል ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ሆርሙዝ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጽዑቕ ምንቅስቓስ መራኸብ ዝረኣየሎም መስመራት'ዩ።

    ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና በዚ ጸቢብ መስመር ማይ'ዩ ዝሓልፍ።

    ኢራን ግና ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ ኲናት ንጣብ ነዳዲ'ውን በቲ መስመር ከምዘይትሓልፍ ገሊጻ ኣላ።

    እዚ ኣገዳሲ መስመር ፀገም እንተጋጢምዎ፡ ዋጋታት ኣቑሑትን ነዳድን ዓለም ብዝለዓለ መጠን ወሰኽ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

  10. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርቀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን

    ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ተቐተለ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ።

    ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህ፡ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ናብ እስራኤል ሮኬታት ብምውንጫፍ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሩ።

    እስራኤል ድማ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ትህብ ኣላ።

    ይዅን'ምበር፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ሃስያ ይወርድ ከም ዘሎ እዮም ጸብጻባት ዘመልክቱ።

    ኣብቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እውን ግዳያት እቲ ረጽሚ ይዀኑ ኣለዉ።

    ብፍላይ ኣብ ሊባኖስ፡ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ገለ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብሰንኪ ዝወረደ ስብርባር ሚሳይላት፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ሰባት መጕዳእቲ ወሪዱዎም ኣሎ።

    ኣብ ሊባኖስ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጀኑድ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ብርቱዕ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ካብ መንበሪኦም ክስደዱ ከም ዘገደዶም ሓንቲ ካብቲ ቦታ ዝሃደመት ዜጋ ንቢቢሲ ገሊጻ።

  11. ኢራን፡ ሓደ ቤት ትምህርትን ጥቓኡ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከርን ብኸመይ ብተደጋጋሚ ተሃሪሞም?

  12. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርቀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እንታይ ይብሉ?

  13. ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንዕላማታት ኢራን ‘ፍጹም የዕኑ ኣሎ’ ይብል

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘካየዶ መደብ፡ ብዛዕባ ኢራን እዋናዊ ሓበሬታ ሂቡ።

    ሰራዊት ኣመሪካ ምስ እስራኤል ብምዃን ንዕላማታት ኢራን “ፍጹም የዕኑ ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ “ካብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ኣዝዩ ኣቐዲሙ” ከም ዘሎ’ውን ሓቢሩ።

    ትራምፕ፡ እቲ ስርዓት ንንጹህ ህዝቢ ኢራን ከም ዝጐድአ ብምግላጽ፡ ምስ መንግስቲ ኢራን "ዘስካሕክሓ 47 ዓመታት" ከም ዘሕለፈ ይገልጽ።

    "ህዝብና ዓቢይ ስራሕ ይዓምም ኣሎ፡" ድማ ኢሉ።

    ወሲኹ፡ ኣብዚ ግጭትዋጋ ነዳዲ ንምንካይ መደብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሃገሩ ድሮናትን ሚሳይላትን ኢራን ‘ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት’ ትሃርም ከም ዘላ ገሊጹ።

    ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብታ ህቡብ እንግሊዛዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ደቪድ ቤክሃም ብሓባር ዝውንና ጋንታ ኢንተር ሚያሚ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ።

    ኣመሪካ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት" ድሮናት ሚሳይላትን ኢራን ትሃርም ከም ዘላ ተዛሪቡ።

    "ስለ ዝዀነ፡ ሓይሊ ኣየር የብሎምን፡ ምክልኻል ኣየር የብሎምን። ኵለን ነፈርቶም ተወቒዐን እየን፡ ርክባቶም ጠፊኡ፡" ኢሉ። ካብቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ሰሓቕን ጣቕዒትን ስዒቡዎ።

    ኢራን፡ “ደዊላ ብኸመይ ውዕል ክንገብር ንኽእል እያ ትብል ዘላ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኣነ ድማ ቍሩብ ደንጒኹም፣ “ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብቲ ንስኹም ትደልዩዎ ንላዕሊ ክንጋጠም ኢና ንደሊ፡” ኢሉ።

    ምኒስተርጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ብሓሙስ ምስ ኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ግደ ሓቂ ምስ ኣመሪካ ናይ ምዝታይ ዝዀነ እወታዊ ተመኵሮ የብልናን። ትፈልጡ ኢኹም፡ ብፍላይ ምስዚ ምምሕዳር’ዚ ዓሚን ሎሚ ዓመትን ክልተ ግዜ ተዛቲና፡ ድሕሪኡ ኣብ ማእከል ዘተ እንከለና ኣጥቂዖምና፡” ክብል ገሊጹ።

  14. ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ እንተዓፅያቶ ኣብ ዓለም እንታይ ይፍጠር?

  15. ብሪትኒ ስፒርስ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ከምዝነበረት ተፈሊጡ

    ህብብቲ ኣመሪካዊት ደራፊት ብሪትኒ ስፒርስ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ምንባራ ሰነዳት ቤትፍርዲ ሓቢሮም።

    እታ ብረቡዕ ምሸት ከምዝተኣስረት ዝንገረላ ዘሎ ደራፊት ብምንታይ ከምዝተደልየት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

    ማእሰርታ ምስ ተሰምዐ ብሓሙስ ንጉሆ ናይ ኢንስታግራም ኣካውንታ ከምዝሰረዘቶ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

    ስፒርስ ኣብ ዝመጽእ 4 ግንቦት ናብ ቤትፍርዲ ክትቀርብ ቆጸራ ተዋሂቡዋ ከምዘሎ እቲ ሰነዳት የመልክት።

    ስፒርስ፡ 'ቶክሲክ'፡ 'ኤቭሪታይም'፡ 'ጊሚሞር'፡ 'ዉመናይዘር'፡ 'ስትሮንገር'፡ ከምኡ'ውን 'ቤቢ ዋን ሞር ታይም' ብዝብላ ኣውራ ደርፍታታ እትለለ ህብብቲ ድምጻዊት ቅዲ ፖፕ እያ።

    እታ ምስ ወላዲኣ ኣብ ከቢድ ምስሕሓብ ብምእታዋ'ውን እትዝከር ደራፊት፡ ናብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ከምዘይትምለስ ኣብ ጥሪ 2024 ኣፍሊጣ ነይራ'ያ።

  16. ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ወዲቓ ዝብል ወረ ሓሶት'ዩ - ሰራዊት ኣመሪካ

    ኤፍ-15 ዝተባህለት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ወዲቓ ዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ ሓቂ ከምዘይኮነ ዋሽንግተን ኣፍሊጣ።

    ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝናፈስ ዘሎ ወረ "መሰረት ዘይብሉ" ክብል ነጺግዎ ኣሎ።

    "ብረቡዕ ንጉሆ ሓንቲ ኤፍ-15ኢ ኣብ ኢራን ተሓምሺሻ ዝብል ብማሕበራዊ ሚዲድያ ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረታት መሰረት ዘይብሉን ሓቂ ዘይኮነን እዩ" ይብል እቲ እዚ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ "ብናይ ወገን" ኣጽዋር ተሃሪመን ኣብ ኩዌት ከምዝወደቓ ይዝከር።

    ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣመሪካን ሃገራት እቲ ዞባን ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ባሊስቲካዊን ክሩዝን ሚሳይላትን ድሮናትን ምክያድ ትቕጽል ኣላ።

    እንተኾነ ጸረ-ኣየራታ ተዳኺሙ ነፈርቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ሰማያታ ዳርጋ ከምድላየን ደብዳብ ዘካይዳሉ ኩነታት ተፈጢሩለን ከምዘሎ ይንገር።

  17. ብሪጣንያ ናብ ቐጠር ነፈርቲ ውግእ ትሰድድ

    ዓባይ ብሪጣንያ ተወሰኽቲ ነፈርቲ ኲናት ናብ ቐጠር ክትሰድድ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ኪር ስታርመር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣርባዕተ 'ታይፉን' ዝተባህለ ነፈርቲ ውግእ ናብቲ ወሽመጣዊት ሃገር ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትልእኽ ከምዝወሰነት ገሊጹ።

    እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብ ቐጠር ዘሎ ሓደ 'ስኳድሮን' ዝበጽሕ ኣሃዱ ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ንምሕያል ዝተወስደ'ዩ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ነታ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ዝርከበላ ደሴት ሳይፕረስ ንምክልኻል ሓንቲ ፍልይቲ መርከብ ኲናት ኣዋፊራ ከምዘላ ስታርመር ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

    እታ 'ድራጎን' ዝተባህለት መርከብ ንድሮናት ዒላማ ንምግባር ብቕዓት ዘለዎ ምዕቡል ኣጽዋር ዝዓጠቐት'ያ። ጸረ-ድሮን ዝዓጠቓ 'ዋይልድካት' ዝተባህላ ሄለኮፕተራት'ውን ብተመሳሳሊ ጽባሕ ናብ ሳይፕረስ ክኣትዋ እየን።

    ኣብ ምክልኻል ንዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ንምድጋፍ ብሪጣንያ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ መዓስከራታ ከተፍቅድ ከምዝወሰነት ይፍለጥ።

    ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ሓዲግ ንዝተረፉ ብውሕዱ 140 ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታቱ ንምውጻእ ይጽዕር ከምዘሎ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ'ሎ።

    ስታርመር ከምዝበሎ፡ ዛጊት ኣስታት 4000 ብሪጣንያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ፣ ተደናጒያ ዝቐነየት ካብ ዖማን ክትብገስ ዝነበራ ነፋሪት ብዙሓት ዜጋታት ሒዛ ናብ ብሪጣንያ ኣምሪሓ ኣላ።

    እቲ ኣብ መንጎ እስራኤል-ኣመሪካን ኢራንን ዝቕጽል ዘሎ ረጽሚ ክሃድእ ዝተማሕጸነ ስታርመር፡ ብቐዳም ምስቲ ክነቕፎ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ ግጭት ከምዝተዘራረበ ጠቒሱ።

    ትራምፕ፡ ብሪጣንያ ንኣመሪካ እኹልን ቅልጡፍን ደገፍ ብዘይምግባራ'ዩ ዝነቕፋ ዘሎ።

  18. ዓለማዊ ስርዓት ይፈራኸሽ ኣሎ ክብል መራሒ ካናዳ ኣጠንቂቑ

    ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተሃንጸ "ዓለማዊ ቅርጺ ብሰንኪ ተኸታታሊ ቅልውላዋት ይፈርስ" ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ገሊጹ።

    ኣብ ኣውስትራልያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ማርክ ካርኒ፡ ክልቲአን ሃገራት ከም "ስትራተጂካውያን ኣሓት" ተወሃዲደን ክሰርሓ ጸዊዑ።

    ኣብቲ ንፓርላማ ኣውስትራልያ ዘስምዖ መደረ፡ ኦታዋን ካንቤራን ኣብ ምክልኻል፡ ኣገደስቲ ማዕድናትን ኪነታዊ-ብልሒን (ኤ-ኣይ) ክተሓጋገዛ ከምዝኽእላ ተዛሪቡ።

    ምስ ኣውስትራልያዊ መዘናኡ ኣንቶኒ ኣልባኒዘ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ጉዳይ ምክልኻል፡ ጸጥታን ዳህሳስ ጠፈርን ዘለዎም ርክባት ንምዕማቚ ከምዝተረዳድኡ ኣፍሊጦም።

    ክልቲአን ሃገራት ሓደ-ሲሶ ማዕድናት ዩራንዮምን ሊትዮምን ከምዘፍርያ ጸብጻባት የመልክቱ።

    እቲ ካናዳዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ምስ ኣመሪካ ዘለዎ ብቀረጽ ዝሰዓበ ንግዳዊ ምስሕሓብ መተካእታ ንምርካብ ምስ ቻይናን ህንድን ዝርከብአን ዓበይቲ ሃገራት ቁጠባዊ ዝምድና ንምሕያል ክንቀሳቐስ'ዩ ጸኒሑ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ በይዢንግን ደልሂን ብምኻድ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ድሕሪ ምዝርራቡ'ዩ ናብ ኣውስትራልያ ኣምሪሑ ዘሎ።

  19. መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ይፈትሕ ኣሎ

    ሰብመዚ ኤርትራ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝፈትሑ ምንጭታት ሓቢሮም።

    እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተፈትሑ ልዕሊ 40 ዜጋታት ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ተታሒዞም ዝጸንሑ እዮም።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ናይተን ዝተኣገዳ ኣብያተ-ክርስትያን ምፍትሖም ይዝከር።

    ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ተፈቲሖም ናብ ስድራቤታቶም ዝተፋነዉ ግዳያት ማእሰርቲ፡ ደቂኣንስትዮን መጻምድቲን ዝርከብዎም እዮም።

    ኣብታ ሃገር ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ መምህራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከብዎም ኣስታት 10,000 እሱራት ከምዘለዉን፡ ኵሎም ብህጹጽ ክፍትሑን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጸዊዑ ነይሩ።

  20. ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም