እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዓሊ ሱሌማን ዝደመቐሉ ግጥም ኤርትራን ኢስዋቲንን

  2. ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ ልክዕ ከምቲ ኣልኮል ዘለዎ ክጥዕም ይኽእል ድዩ?

  3. ኣብ 1970ታት ዝነበረ ቅልውላው ነዳዲ እንታይ'ዩ፣ ካብኡ ናብ ዝኸፍአ ዲና ነምርሕ ዘለና?

  4. ኤርትራ ድርብ ዓወት ብምጉንጻፍ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ

  5. ሰሊን ዲዮን ናብ መድረኽ ሙዚቃ ትምለስ ከምዘላ ኣፍሊጣ

    እታ ብድምጻ እትለለ ውርይቲ ድምጻዊትን ሙዚቀኛን ሰሊን ዲዮን ብሰንኪ ዘጋጠማ ስእነት ጥዕና ካብ ሙዚቃ ዓለም ርሒቓ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ምርኢት ክትምለስ ምዃና ኣፍሊጣ።

    ዲዮን፡ ቅድሚ ኣርባዓተ ዓመት ክፍወስ ብዘይክእል፡ ናይ ምድራፍ ክእለታን ምንቅስቓስ እግራን ዝደረተ ሕማም ካብ መድረኽ ተኣልያ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

    ብኣጋጣሚ መበል 58 ዓመተ-ልደታ ብኢንስታግራም ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ተመሓይሻ ናብ ንጡፍ ስራሕ ክትምለስ ምብቃዓ "ዝዓበየ ህያብ ናይ ህይወተይ እዩ" ክትብል ገሊጻ።

    "ክገብሮ ኣዝየ ተዳልየ ኣለኹ" ክትብል ነቶም ኣመና ዝፈቅርዋ ደገፍታ ዘበሰረት ዲዮን፡ "ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ሓዪለ ኣለኹ፡ ሓጐስ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ቅሩብ ተርባጽ ከምዘለኒ ፍሉጥ'ዩ" ብምባል ስምዒታ ኣካፊላ ኣላ።

    ሰሊን ድዮን ሓንቲ ካብቶ ምኣብ ዓለም ብዝሸጥዎ ፍርያት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ስርዑ ስነጥበበኛታት ምዃና ትፍለጥ።

    ስለዚ ድማ'ዩ ናይቲ ኣብ ርእሰከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ከተካይዶ መዲባ ዘላ ናይ ምልሶት ምርኢት ትኬት ደገፍታ ክቀዳደምሉ ጀሚሮም ዘለዉ።

    እዚ "ዑደት ትብዓት' ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ምርኢታት ካብ ዝመጽእ መስከረም ክሳብ መፋርቕ ጥቅምቲ ዝጸንሕ'ዩ።

    'ማይ ሃርት ዊል ጎ ኦን' ከምኡ'ውን 'ቢከውዝ ዩ ላቭ ሚ" ዝብላ ደርፍታታ ካብተን ዝያዳ ህቡብነት ዝረኸባ እየን።

  6. ብርሃን ክትውልዕ ትጽቢት ዝተገብረላ መርከብ ነዳዲ ሩስያ ኲባ ኣትያ

    ናብታ ኣብ ጸልማት ትርከብ ኲባ ነዳዲ ንምብጻሕ ዝተበገሰት መርከብ ሩስያ ሎሚ ሰሉስ ናብታ ሃገር ኣትያ።

    እዛ 730,000 ነዳዲ ከምዝጸዓነት ዝንገረላ ዘሎ 'ኣናቶሊ ኮሎድኪን' ዝተባህለት መርከብ ነቲ ኣብታ ነዳዲ ተሓሪሙዋ ዘሎ ኲባ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ከተቃልል ትጽቢት ይግበረላ።

    እታ "ህጹጽ ሰብኣዊ ጽዕነት" ነዳዲ ዝሓዘት መርከብ፡ ዝኾነት ሃገር ናብ ኲባ ነዳዲ ክትልእኽ ከምእትኽእል ፕረዚደንት ኣመሪካ ድሕሪ ምግላጹ'ያ ኣብ ሰሜናዊ ኲባ ናብ ዝርከብ ወደብ ኣትያ ዘላ።

    ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ናብታ ዴሳዊት ደሴት ነዳዲ ዝብሃል ኣይኣተወን።

    ቀንዲ ምንጪ ነዳዲ ኲባ ቨነዙዌል'ኳ እንተነበረት፡ ብ3 ጥሪ ናይዚ ዓመት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ኒኮላስ ማዱሮ በቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝኣዘዞ ወተሃደራዊ ስርሒት ተመንዚዑ ድሕሪ ምውሳዱ ናብታ ደሴት ዝኸይድ ዝነበረ ቀረብ ደው ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ናብ ኲባ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት'ውን ቀረጽ ከንብር ከምዝኽእል ምጠንቃቑ'ውን ንኩነታት እታ ደሴት ኣግዲድዎ'ዩ።

    ብሰንኪ'ዚ፡ ኤለክትሪሲቲ ምሉእ ብምሉእ ዝጠፍኣሉ ኩነታት ከምዝተፈጥረን፡ ተቓውሞታት ከምዘስዓበን ይፍለጥ።

    ሚኒስተር ጸዓት ሩስያ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ጸቕጢ እገዳ" ዘንቀሎ ጸገም ከምዝተፈጥረላ ብምግላጽ "ስለዚ ድማ ኢና ኣብዚ እዋን'ዚ ሰብኣዊ ቀረብ ናብ ኲባ ንሰድድ ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።

  7. ፍሉያት ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ኢራን ክሳተፋ ከምዝጀመራ ፐንታጐን ኣፍሊጡ

    ቢ-52 ዝተባህላ ደብደብቲ ነፈርቲ ኲናት ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ክሳተፋ ከምዝጀመራ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ኣፍሊጦም።

    ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሰማያት ኢራን ክቆጻጸሩ ምኽኣሎም እተን ዓበይቲ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ክበራ ዕድል ከምዝረኸባ ተዛሪቡ።

    እዘን ዓርሞሸሽ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣካል 'ስትራተጂክ እዚ' ሰራዊት ኣመሪካ ኮይነን 31,751 ኪሎ-ግራም ዝበጽሕ ኑክሌራዊን ካልእ ስሩዕን ኣጽዋር ክጽዕና ዝኽእላ እየን።

    ቁመተን 49 ሜትሮ ኮይኑ፡ ክሳብ 2,414 ኪሜ ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይላት ክዓጥቃ ይኽእላ።

    እተን ነፍሲ ወከፈን ብሓሙሽተ ኣብረርቲ ዝምራሓ ገዘፍቲ ነፈርቲ ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ኣመሪካ እተን ዝነውሐ ዕድመ ዘለወን ምዃነን'ውን ይፍለጥ። ፈለማ ኣብ 1952 ናብ ሰማያት ምስ በረራ ክሳብ ሎሚ ኣይወረዳን።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብን ካብን ብሪጣንያ ክኣትዋን ክወጻን ተራእየን ምንባረን ይዝከር።

    ምስ ጸሓፊ ኲናት ኣመሪካ ብምዃን ጋዜጣዊ መብርሂ ዝሃበ ጀነራል ኬን፡ ዛጊት ሚሳይላትን ነፈርቲን ኣመሪካ ንልዕሊ 11,000 ዒላማታት ከምዝሃረሙ ጠቒሱ።

    ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ደብዳባት 150 መራኽብ ኲናት ኢራን ከምዘዕነዉ'ውን እቲ ኣቦመንበር ሓለቓታት-ስታፍ ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾነ ኣዛዚ ኣመልኪቱ።

    ጸሓፊ ናይቲ 'ክፍሊ ኲናት' ተባሂሉ ዘሎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝኾነ ፒት ሄግሰት ብወገኑ፡ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ መራሕቲ ኢራን ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክሰማምዑ እንተዘይክኢሎም መጥቃዕትታት ኣመሪካ "ብዝሓየለ መጠን" ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝካየድ ዘሎ ዝርርባት "ናይ ሓቂ፡ ንጡፍን እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎን" ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምኽፋት ሓላፍነት ንሃገሩ ጥራይ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ዝኣመተ ሄግሰት፡ ካልኦት ሃገራት ክሳተፋ ኣለውን ብምባል ንመግለጺታት ትራምፕ ኣቃሊሑ።

    ትራምፕ፡ ንነፈርቲ ዘገልግል ነዳዲ ክረኽባ ዘይክኣላ ከም ብሪጣንያ ዝበላ ሃገራት "ዝደንጐየ ትብዓት ኣኪበን ናብቲ መጻብቦ ብምኻድ ይርከብኦ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

    "ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ሓደ ክፉእ [ሓያል] ሮያል ሓይሊ ባሕሪ ምንባሩ'ዩ" ብምባል ብዛዕባ መርገጺ ብሪጣንያን ወተሃደራዊ ሓይላን ተዛሪቡ። ለንደን ብቐጥታ ናብቲ ኲናት ክትጽንበር ከምዘይትደሊ ብወግዒ ምፍላጣ ንዋሽንግተን ባህ ከምዘየበላ ይፍለጥ።

    ሄግሰት፡ ናበይ ከምዝበጽሐ'ኳ ብንጹር እንተዘይሓበረ፡ ምስቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ኣመሪካ ከምዝተራኸበ'ውን ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ።

  8. ትግራይ፡ ንህፃን ናኦድ ተኽላይ ጨውዮም ዝቐተሉ ተፈሪዶም

  9. ዱባይ፡ ነዳዲ ዝጸዓነት ታንከር ብመጥቃዕቲ ድሮን ኢራን ተቓጺላ

    ክልተ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዝጸዓነት ታንከር፡ ኣብ ዱባይ ተጸጊዓ ኣብ ዝነበረትሉ ብመጥቃዕቲ ድሮን ኢራን ተወቒዓ ተቓጺላ።

    ብዘይካ’ዚ፡ ድሮን ኢራን ትማሊ ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ ሻርጃ ንቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ቴሌኮሙኒኬሽን ቱራያ ዒላማ ከም ዝገበረት ንሰብ መዚ ኢማራት ጠቒሶም፡ ዝዀነ መጕዳእቲ ከም ዘይተመዝገበ ግን ሓቢሮም።

    ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ዝወደቐት ድሮን ዝተፈጥረ ስኩጆ ሽዱሽተ ኣባይቲ ተሃስዮም፣ ዝኾነ ሰብ ግን ከም ዘይተጎድአ በዓል መዚ ምክልኻል ሲቪል እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኩዌት እውን ሎሚ ንግሆ ኣብ ልዕሊ ግዝኣቱ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ይዓግት ከምዘሎ ኣብ ኣፍሊጡ’ሎ።

    ከምኡ'ውን፡ ኣብ ዱባይ፡ ኣጋ ወጋሕታ፡ ካብ ዝተዓግተ ሚሳይል ዝወደቐ ስብርባር ባርዕ ተላዒሉ። ኣብ ከባቢ ኣል-ባድያ ኣብ ጥቓ ሓደ ነበርቱ ገዲፎምዎ ዝኸዱ ገዛ ብሰንኪ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ዱባይ ሓቢሩ።

  10. እቲ ውግእ መዓስ እዩ ክውዳእ?, ክንፈልጦ ዘድልየና ኣርባዕተ ነገራት፤

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ ኲናት “ኣሽሓት” ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም ዝቐተለን፡ ሃገሩን ኣመሪካን “ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ንምውዳእ ... ንባዕሉ ምሉእ ትካል ኒዩክለራዊ መደብን ምድምሳስ ቀሪበን ኣለዋ” ክብል ገሊጹ።

    ኣብ መላእ እቲ ዞባ መጥቃዕቲታት ይቕጽል ኣሎ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብ ኢራን ናብ እስራኤል ገጹ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ድሕሪ ምልላዩ ኣብ ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ቴህራን ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከም ዝተጀመረ ሓቢሩ።

    ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ እውን መጥቃዕቲታት ቀጺሉ ኣሎ፣ ኣብ ዱባይ ሓዊሱ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ መጥቃዕቲ ድሮናት ኢራን ሓንቲ ታንከር ነዳዲ ከም ዝተቓጸለት ይገልጹ።

    ኢራን፡ ኣብ

    መጻብቦ ሆርሙዝ ክፍሊት ክትገብር መደብ ኣለዋ።

    ኮሚተ ፓርላማ ኢራን፡ ኣብቲ መጻብቦ ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ መራኽብ ክፍሊት ንምስላዕ ዝተሓሰበ መደብ ከም ዘጽደቐ፡ ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኮር ዝተኣሳሰር ማዕከን ዜና ፋርስ ሓቢሩ።

    ብመሰረት እቲ ውጥን፡ መራኽብ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ እገዳ ዝተሳተፋ ሃገራት፡ በቲ መጻብቦ ከይንቀሳቐሳ ክኽልከላ እየን።

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ “በዚ ይዅን በቲ ዳግማይ ክኽፈት'ዩ” ይብል።

    ብመሰረት ጸብጻብ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ትራምፕ - ዋላ’ውን መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰፊሑ ይተዓጾ ‘ምበር፡ ኣንጻር ኢራን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከብቅዕ ድሉው ምዃኑ ንተሓጋገዝቱ ገሊጹ።

    ብዛዕባቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ዝተዋህበ - መጻብቦ ሆርሙዝ በዚ ይዅን በቲ ክኽፈት እዩ ንዝበሎ መብርሂ ክህበሉ ተሓቲቱ እዩ።

  11. ባብኤል መንደብ፡ እቲ ካልእ ኢራን 'ክዓጽዎ እየ' ትብሎ ዘላ መጻብቦ

  12. ትራምፕ፡ ሆርሙዝ ዋላ ኣይከፈት ኲናት ክውዳእ ከም ዝደሊ ተገሊጹ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዋላ’ኳ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዝሰፍሐ ክፋሉ ይተዓጾ፡ ንሱ ግን ነቲ ኣንጻር ኢራን ዝግበር ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ክብል ከም ዝደሊ ንመሳርሕቱን ኣማኸርቱን ገሊጹሎም ክብል ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ከም ኣቃሊሑ።

    እቲ ጋዜጣ ንሰበስልጣን ምምሕዳር ዋሽንግተን ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ወሳኒ ማያዊ መስመር ዝዀነ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝግበር ወተሃደራዊ ተልእኾ፡ ነቲ ግጭት ካብ ዝተሓሰቦ ግዜ ብኣርባዕተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሳምንቲ ከናውሖ ከም ዝኽእል፡ ፕረዚደንትን ተሓጋገዝቱን ገምጊሞም እዮም ይብል።

    ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ሚሳይላትን ኢራን ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ እዩ ብዝብል ገምጋም፡ ነቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ይሓስብ ከም ዘሎን ንኢራን መስመር ዳግማይ ንምኽፋት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ጸቕጢ ክገብር ከም ዝሓይሽን ኣብ ዝብል ሓሳብ ምብጽሑ ይገልጽ።

    ቢቢሲ ካብ ዋይት ሃውስ ርእይቶ ንምርካብ ፈቲኑ እዩ።

  13. መንገዲ ኣየር ደ.ኮርያ ብሰንኪ ቅልውላው ነዳዲ ህጹጽ ስጕምቲ ይወስድ

    ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ደቡብ ኮርያ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ዋጋ ነዳዲ ጀት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ጽልዋን ቍጠባዊ ውድቀትን ንምምምካት ህጹጽ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

    ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ዉ ኪ-ሆንግ ቢቢሲ ኣብ ዝረኣዮ ውሽጣዊ መዘክር ንኣባላት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝጸሓፎ መተሓሳሰቢ፡ ዋጋታት ነዳዲ ካብ ዝተቐመጠ ውጥን ንግዲ ናይቲ መንገዲ ኣየር ልዕሊ ዕጽፊ ከም ዝዓበየን ብሰንኩ ድማ “ወርሓዊ ጾር ወጻኢታት ነዳዲ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዘሎን” ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ትካል ምርግጋእ እቲ መንገዲ ኣየር ንምርግጋጽ ፋይናንስያዊ ውጥናቱ ንምምሕዳር ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ “ውሽጣዊ ስጕምትታት ምንካይ ወጻኢታት” ክወስድ ምዃኑ ወሃቢ-ቓል ኣየር ኮርያ ገሊጹ።

    ማእከላይ ዋጋ ነዳዲ ጀት ብ20 መጋቢት ናብ ኣስታት 200 ዶላር (151.45 ፓውንድ) ንሓደ በርሚል ከም ዝዓበየን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ለካቲት ዝነበረ ልዕሊ ዕጽፊ ምዃኑን ኣሃዛት ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ይሕብር።

    ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብቲ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ዝነበረ ብልዕሊ 50% ክብ ኢሉ ይሽየጥ ብምህላዉ፡ ዋጋ ነዳዲ ጀት እናወሰኸ መጺኡ።

  14. ስጳኛ፡ ኣብ ውግእ ኢራን ንዝሳተፋ ነፈርቲ ኣመሪካ ክሊኣየራ ዓጽያ

    ስጳኛ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ንዝሳተፋ ነፈርቲ ኣመሪካ ክሊኣየራ ከም ዝዓጸወት ምኒስተር ምክልኻልእታ ሃገር ማርጋሪታ ሮብለስ ገሊጻ።

    እታ ምኒስተር፡ “ወተሃደራዊ መዓስከራት ሞሮንን ሮታን ምስ ኲናት ኢራን ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይዅን ተግባራት ከገልግሉ ኣይንፈቅድን ኢና፡” ብምባል፡ ስጳኛ “ነዚካብ መጀመርታ ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣነጺራ እያ፡” ኢላ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጆሴ ማኑኤል ኣልባረስ፡ ዕላማ ናይቲ ውሳነ፡ “ነዚ ኲናት ንምጕህሃር ኣበርክቶ ንዘይምግባር እዩ፡” ክብል ኣነጺሩ።

    ሓደ ብዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ “ኣብ ትሕቲ እቲ ዝበገሶ ስርሒት ‘ኤፒክ ፉሪ’ ዕላማታቱ የዐውት ኣሎ፣ ስለዚ ካብ ስጳኛ ይዅን ካልእ ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ፡” ኢሉ።

    ስጳኛ ካብ ፈለማኡ ነቲ ኲናት ብምዅናን ኣብ ጐድኒ ኣመሪካ ከም ዘየላ ዘነጸረት ኰይና፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ስጳኛ ንዂናት ኢራን ብምቅዋማ ምሉእ ንግዳዊ እገዳ ክገብረላ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

    ኣብ መወዳእታ ለካቲት እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ሓደ ካብቶም ብዓውታ ነቲ መጥቃዕትታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተቓወመ ኰይኑ፡ ነቲ ተግባር ዘይሓላፍነታውን ዘይሕጋውን ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

    ኣብ ፈለማ መጋቢት እውን ሳንቸዝ ስጳኛ ነተን ኣብ ኣንዳሉስያ ዝርከባ ክልተ ብሓባር ዝመሓደራ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሮታን ሞሮንን ኣመሪካ ከም ዘይትጥቀመሉ ሃገሩ ከም ዝኸልከለት ገሊጹ ነይሩ።

    ዝሓለፈ ረቡዕ ድማ፡ “ኵሎም ምስቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ዝተኣሳሰሩ በረራታት - እንተላይ መስርሕ ምምላእ ነዳዲ ነፈርቲ” ክልኩል ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።

  15. ኣመሪካ ብኸመይ ንደሴት ኻርግ ኢራን ንምቍጽጻር ክትፍትን ትኽእል?

  16. ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝልመድ ዘሎ መብጣሕቲ ሕርስን ሳዕቤኑን

  17. ንኲባ ንምርዳእ ዝተበገሰት መርከብ ሩስያ ናብታ ደሴት ትጽጋዕ ኣላ

    ናብታ ኣብ ጸልማት ትርከብ ኲባ ነዳዲ ንምብጻሕ ዝተበገሰት መርከብ ሩስያ ኣብ ማያት እታ ሃገር ከምዝበጽሐት ተፈሊጡ።

    እታ "ህጹጽ ሰብኣዊ ጽዕነት" ነዳዲ ዝሓዘት መርከብ፡ ዝኾነት ሃገር ናብ ኲባ ነዳዲ ክትልእኽ ከምእትኽእል ፕረዚደንት ኣመሪካ ድሕሪ ምግላጹ'ያ ናብታ ሃገር ትጽጋዕ ዘላ።

    እዛ ኣስታት 100,000 ነዳዲ ከምዝጸዓነት ዝንገረላ ዘሎ 'ኣናቶሊ ኮሎድኪን' ዝተባህለት መርከብ ነቲ ኣብታ ነዳዲ ተሓሪሙዋ ዘሎ ኲባ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ከተቃልል ትጽቢት ይግበረላ።

    ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ናብታ ዴሳዊት ደሴት ነዳዲ ዝብሃል ኣይኣተወን።

    ቀንዲ ምንጪ ነዳዲ ኲባ ቨነዙዌል'ኳ እንተነበረት፡ ብ3 ጥሪ ናይዚ ዓመት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ኒኮላስ ማዱሮ በቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝኣዘዞ ወተሃደራዊ ስርሒት ተመንዚዑ ድሕሪ ምውሳዱ ናብታ ደሴት ዝኸይድ ዝነበረ ቀረብ ደው ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ናብ ኲባ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት'ውን ቀረጽ ከንብር ከምዝኽእል ምጠንቃቑ'ውን ንኩነታት እታ ደሴት ኣግዲድዎ'ዩ።

    ብሰንኪ'ዚ፡ ኤለክትሪሲቲ ምሉእ ብምሉእ ዝጠፍኣሉ ኩነታት ከምዝተፈጥረን፡ ተቓውሞታት ከምዘስዓበን ይፍለጥ።

    ሚኒስተር ጸዓት ሩስያ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ጸቕጢ እገዳ" ዘንቀሎ ጸገም ከምዝተፈጥረላ ብምግላጽ "ስለዚ ድማ ኢና ኣብዚ እዋን'ዚ ሰብኣዊ ቀረብ ናብ ኲባ ንሰድድ ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።

  18. ዒላማ ሚሳይላት ዝኾነ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ሎሚ'ውን ጉድኣት ወሪዱዎ

    ኣብ ወደባዊት ከተማ ሃይፋ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ብናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ጉድኣት ወሪዱዎ ኣሎ።

    ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊን ህጹጽ ረዲኤትን እታ ሃገር ከምዝበልዎ፡ ሓደ ፋብሪካን ናይ ነዳዲ ገንእን ብፍንጫል ናይቲ ብጸረ-ኣየር እስራኤል ዝተጠልፈን ሚሳይል ተሃሪሙ።

    ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘይነበረ ዝሓበሩ እቶም ሰብመዚ፡ እቲ ባርዕ ናብ ካልእ ከባቢ ከይላባዕ ይሰርሑ ምንባሮም ሮይተርስ ሓቢሩ። ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ሰባት ከይህልዎ ሃሰስ ይብሉ ከምዘለዉ'ውን እቶም ሰብመዚ ጠቒሶም።

    እቲ ሚሳይል ካበይ ከምዝተወንጨፈ'ኳ ዛጊት ብንጹር እንተዘይተፈልጠ ሚሳይላትን ኢራንን ሕዝቦላህን ንሰሜናዊ እስራኤል ዒላማታት ክገብር ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን'ውን ኣብታ ወደብ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ግዳይ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኢራን ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።

  19. ሩስያ ብሪጣንያውያን ዲፕሎማሰኛታት ምብራር ትቕጽል

    ሩስያ፡ ሕነኣ ንምፍዳይ ንሓደ ብስለያ ዝኸሰሰቶ ብሪጣንያዊ ዲፕሎማሰኛ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛ።

    ፈደራላዊ ትካል ጸጥታ ሩስያ (ኤፍ-ኤስ-ቢ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስሙ ብወግዒ ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማሰኛ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሃብ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ይኸስስ።

    እቲ ብሪጣንያዊ፡ ዝተዋህቦ ናይ ዲፕሎማሲ ፍቓድ ብምስራዝ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክወጽእ'ዩ ተኣዚዙ ዘሎ።

    ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ነቲ ክሲ 'ፍጹም ትርጉም ኣልቦ" ክብል ብምጻግ፡ ሩስያ "ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያውያን ዲፕሎማሰኛታት "ደፋርን ዝተወሃሃደን ወፍሪ ምስርጣይ" ተካይድ ኣላ ክብል ብወገኑ ከሲሱ'ሎ።

    ኲናት ዩክረይን ኣብ 2022 ድሕሪ ምውልዑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዲፕሎማሰኛታተን ከባርራ ምጽንሐን ይፍለጥ።

    ለንደን ነቲ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ኲናት ብምቅዋም፡ ንኪቭ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ደገፍ ካብ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ኮይና'ላ። እዚ ድማ ንቤተመንግስቲ ክረምሊን ዘቐየመ ጉዳይ እዩ።

  20. ሩስያ ብሪጣንያዊ ዲፕሎማሰኛ ተባርር

    ሩስያ፡ ሕነኣ ንምፍዳይ ንሓደ ብስለያ ዝኸሰሰቶ ብሪጣንያዊ ዲፕሎማሰኛ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛ።

    ፈደራላዊ ትካል ጸጥታ ሩስያ (ኤፍ-ኤስ-ቢ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስሙ ብወግዒ ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማሰኛ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሃብ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ይኸስስ።

    እቲ ብሪጣንያዊ፡ ዝተዋህቦ ናይ ዲፕሎማሲ ፍቓድ ብምስራዝ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክወጽእ'ዩ ተኣዚዙ ዘሎ።

    ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ነቲ ክሲ 'ፍጹም ትርጉም ኣልቦ" ክብል ብምጻግ፡ ሩስያ "ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያውያን ዲፕሎማሰኛታት "ደፋርን ዝተወሃሃደን ወፍሪ ምስርጣይ" ተካይድ ኣላ ክብል ብወገኑ ከሲሱ'ሎ።

    ኲናት ዩክረይን ኣብ 2022 ድሕሪ ምውልዑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዲፕሎማሰኛታተን ከባርራ ምጽንሐን ይፍለጥ።

    ለንደን ነቲ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ኲናት ብምቅዋም፡ ንኪቭ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ደገፍ ካብ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ኮይና'ላ። እዚ ድማ ንቤተመንግስቲ ክረምሊን ዘቐየመ ጉዳይ እዩ።