እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ካብ ሆርሙዝ ናብ ማላካ፡ እቲ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥሪ

  2. እስራኤልን ሊባኖስን ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ተሰማሚዐን

    እስራኤልን ሊባኖስን ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ከምዝተሰማምዓ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከምዝተዘራረበን "ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ንምስፋን" ነቲ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ጠቒሱ።

    "ምስቲ ኣዝዩ ዝተኸበረ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሰፍ ዓውን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢቢ [በንጃሚን] ነታንያሁ ጨለ ዝኾነ ልዝብ ጌረ ነይረ።"

    "እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ኣብ መንጐ ሃገራቶም ሰላም ንምውሓስ ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም ኣለዉ" ክብል'ዩ ትራምፕ ገሊጹ።

    "ብሰሉስ፡ ክልቲአን ድሕሪ 34 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን ነይረን፡ ሳላ ዓቢይ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ማርኮ ሩብዮ።"

    ንምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ ሩብዮን ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬንን ምስ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ምስ ክልቲአን ሃገራት ብምስራሕ ክከታተልዎ መምርሒ ከምዝሃቦም ትራምፕ ገሊጹ'ሎ።

    እቶም እስራኤል ዒላማ ክትገብሮም ዝጸንሐት ዕጡቓት ሕዝቡላህ ግን ኣብቲ መግለጺታት ኣይተጠቕሱን።

    እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሓይልታት እስራኤል ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ከይህልዎም ጸዊዑ'ሎ።

    እዚ ስምምዕ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ'ውን ድርኺት ዝፈጥር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

    ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ወገናት ድሮ ነቲ ውሳነ ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፡ እፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ይእምቱ ኣለዉ።

  3. 'ዓለም በቶም ቢልዮናት ኣብ ኲናት ዘጥፍኡ ውሑዳት መለኽቲ'ያ ትበርስ ዘላ' - ኣቡነ ሊዮ

  4. ቴህራን፡ ምቁራጽ ተዂሲ ንምጽናዕን ሰላም ንምውሓስን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት

    ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኔው-ነጀው ትብል ዘላ ፓኪስታን ምስ መራሕቲ ኢራን ትላዘብ ኣላ።

    ትማሊ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ዝኣተወ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ምስቲ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ተራኺቡ።

    ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ምስ መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፡ እቲ ኣፈኛ ምስ ሊባኖሳዊ መዘናኡ ናቢሕ በሪ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

    "ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ምስቲ "ኣብ ኢራን ዝግበር ምቁራጽ ተዂሲ" ብማዕረ ከምዝሰርዕዎ ጋሊባፍ ኣነጺሩ'ሎ።

    ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኢስላማባድ ምስ ወከልቲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተን ድሕሪኡን፡ ኢራን "ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ክፍጠር ትጸቅጥ ከምዘላ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

    ምቁራጽ ተዂሲ ምስተገብረ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ብምቕጻላ፡ ቴህራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይትኸፍቶ ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።

    ኣፈኛ ባይቶ ጋሊባፍ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ኮይኑ፡ መራሒ ናይቲ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ዝኸደ ጉጅለ ልኡኽ ኢራን'ዩ።

    ብትራም ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ፊልድ ማርሻል ሙኒር፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ዝርከብ ኣብ መንጐ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይፈርስን፡ ቀዋሚ ሰላም ንምውሓስን ዓቢ ሓላፍነት ዝተዋህቦ'ዩ ዝመስል።

  5. መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ስልታዊን ቴክኒካዊን ምምሕያሽ የካይዱ ኣለዉ ተባሂሉ

    ሰበስልጣን ክፍሊ (ሚኒስትሪ) ኲናት ኣመሪካ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቦም።

    ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ መብርሂ፡ ጸሓፊ ኲናት ፒት ሄሰትን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተረኺቦም ነይሮም።

    ኣቦመንበር ጠቕላሊ ሓለቓታት ስታፍ ዝኾነ ጀነራል ዳን ኬን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣዊጃቶ ዘላ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓይልታቱ ኣብ ሰማይ፡ ምድርን ባሕርን ኣዋፊሩ ምህላዉ ሓቢሩ።

    ክሓልፋ ዝፈተና 13 መራኽብ ንግዲ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብዝተዋህበን ትእዛዝ መሰረት ከምዝተመልሳ'ውን ጀነራል ኬን ጠቒሱ።

    ኣብቲ ብካርታ ኣሰንዩ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓያሎ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዖማን ተዋፊረን ነቲ ዕማም የሳልጣ ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

    ኢራን "ለባም ምርጫ" ክትወስድ ዝተማሕጸነ ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት ሄግሰት ብወገኑ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝቕጽል ትእዛዝ ጥይቶም መሊኦም ድሉዋት ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ።

    "ትእዛዝ ፕረዚደንትና ኣብ ዝረኸብናሉ ክንከይድ ድሉዋት ኢና፡ ልጓም ምኽፋት ጥራይ'ዩ ዝተርፈና" ይብል ሄግሰት።

    ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን (ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኲናት ምክልኻል) ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ'ውን ሓይልታቱ ንዝቕጽል ትእዛዝ ቅሩባት ምዃኖም ኣፍሊጡ።

    ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ናብቲ ዞባ ክልተ ግዜ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ሰራዊቱ ናይ "ስልቲ፡ ቴክኒክን ኣገባባትን" ምምሕያሽ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊጹ። ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተዋፈረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ፡ ከባቢ ከተማ ታምፓ ኣብ ዘሎ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ማክዲል ከምዝርከብ ይፍለጥ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ እዚ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሑ ተራእዮም ነይሮም እዮም።

  6. ሊባኖስ፡ ምስልታት ዘየቋርጽ መጥቃዕታት እስራኤል

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ከካይድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕትታት ሎሚ ኣሐይሎሞ ኣለዉ።

    በዚ ብቐንዱ ንዕጡቓት ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ተባሂሉ ዝግለጽ መጥቃዕቲ ልዕሊ 2100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም።

    ክልቲን ሃገራት ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ኣካይደን ከምዘለዋ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

    እንተኾነ፡ ንትሕተቅርጽታትን ህንጻታትን ዘይነሓፈ መጥቃዕቲ እስራኤል ሎሚ'ውን ዘፍ ኣይበለን። ኣብቲ ኣብቲ ሓድሽ ደብዳባት ከተማታት ናባቲህን ቃስሚየህን ዒላማ ኮይነን ኣለዋ።

    እቲ እንኮ ተሪፉ ዝጸንሐ ንደቡብን ሰሜን ሊባኖስ ዘራኽብ ኣብ ፈለግ ሊታኒ ዝርከብ ድለድል'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    ካብቲ ቦታ ዝመጸና ስእልታት እነሆ፡

  7. ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብዘንበረቶ ዕጽዋ፡ 10 መራኽብ ከም ዝመለሰት ገሊጻ

    ሰራዊት ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተግባራዊ ድሕሪ ዝገበሮ ዕጽዋ፡ ዛጊት ዝዀነት መርከብ ጥሒሳ ከም ዘይሓለፈት ገሊጹ።

    ሓይልታት ኣመሪካ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝጓዓዛ ወይ ካብኡ ዝወጽኣ መራኽብ ክዓግቱ ወይ ክመልሱ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ።

    ካብ ካልእ ቦታታት ዝሓልፋ ወይ ናብ ካልእ ዝኸዳ መራኽብ ግን በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ክፍቀደለን እዩ ይብል።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ካብቲ ዕጽዋ ዝጀመረሉ ሰኑይ ኣትሒዙ፡ ዛጊት ዓሰርተ መራኽብ ተመሊሰን ኣለዋ፣ ሓንቲ መርከብ እኳ ዝሰገረት የላን፡" ኢሉ።

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መራኽብ በቲ መጻብቦ ንኽሓልፋ ትሓቶ ዝነበረት ክፍሊት ብምውጋድን ሰደድ ነዳዲኣ ብምንካይን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ክገብር ተስፋ ይገብር።

    ኢራን ነዚዕጽዋ "ቅርሰና [ሽፍትነት ባሕሪ]" ኢላ ክትጽውዖ እንከላ፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ወሽመጥ ዖማንን ቀይሕ ባሕሪን ዘለዋ መራኽብ ዒላማ ብምግባር ሕነ ከም እትፈዲ ኣጠንቂቓ ኣላ።

  8. ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ምስ ፕረዚደንት ሊባኖስ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ዓውን ክዘራረብ ምዃኑ፡ ኣባል ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ጋልያ ጋምሊኤል ንራድዮ ሰራዊት እስራኤል ሓቢራ።

    እዚ ሓበሬታእዚ ዝወጽአ፡ ፕረዚደንትዶናልድ ትራምፕ ብረቡዕ ምሸት (ብኣቈጻጽራ ኣመሪካ) ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ "ጽባሕ መራሕቲ እስራኤልን ሊባኖስን ክዘራረቡ እዮም፡” ዝብል ጽሑፍ ድሕሪ ምስፋሩ እዩ።

    ብወገን ሊባኖስ ግን፡ ሓደ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝሰርሕ በዓል ስልጣን ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ እስራኤል ክግበር ብዛዕባ ዝተሓሰበ ርክብ ዝፈልጡዎ ነገር ከም ዘየሎ ገሊጹ ነይሩ።

    ሕጂ ግን እቲ ዘተ ክካየድ ዝኽእል ይመስል ኣሎ።

  9. ኣብ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን እንታይ'ዩ ክስዕብ? ኣርባዕተ ክህልዉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት

  10. ኣይኤምኤፍ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣሎ

  11. ትራምፕ፡ መራሕቲ ሊባኖስን እስራኤልን ክዘራረቡ'ዮም ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራሕቲ ሊባኖስን እስራኤልን "ጽባሕ" - ምናልባት ሓሙስ - ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

    ንሱ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ኣስፊሩ ነይሩ፤

    "ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ንእሽቶ መስተርሆ ንምርካብ ንጽዕር ኣለና። ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ዝዘራረቡ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ፡ 34 ዓመት። ጽባሕ ክዘራረቡ'ዮም። ጽቡቕ! ፕረዚደንት ዲ.ጀይ.ቲ።"

    እዚ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ከም ዘካየዳ ድሕሪ ምግላጹ ዝመጽአ ምዕባለ እዩ።

    እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ።

  12. ቻይና፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍቶ ትላቦ

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ኢራናዊ መዘንኡ ዓባስ ኣራግቺ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምንቅስቓስ መራኽብ ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

    ዋንግ፡ ልኡላውነትን ድሕነትን ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽበርን ክሕሎን ዝግበኦ እኳ እንተዀነ፡ ብመስመር ማይ ኣቢሉ ናይ ምጓዓዝ ናጽነትን ድሕነትን እውን ክረጋገጽ ይግባእ ኢሉ።

    እቲ መጻብቦ ንምኽፋት ምሉእ ተገዳስነት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    ቻይና፡ ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ንምዕቃብን ዳግማይ ዘተ ንምጅማርን ከም እትድግፍ ዋንግ ወሲኹ ገሊጹ።

  13. ኣብ ሊባኖስ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም

    ሓደ ሚልዮን ኣብ ሊባኖስ ተመዛቢሎም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ሓላፊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ህጹጽ' ደገፍ ክግበረሉ ይጽውዕ።

    ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባርሃም ሳልሕ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንሊባኖስ "ህጹጽ ደገፍን ረድኤትን" ክገብረላ ጸዊዑ።

    ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ - ሓሙሽተ ክፋል ህዝቢ ሊባኖስ - በቲ ሳልሕ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ዝብሎ ግጭት ተመዛቢሎም ኣለዉ።

    ሳሊሕ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ሊባኖስ ናዋፍ ሳላም ድሕሪ ምርኻቡ፡ "ሊባኖስ ኣብ ተደጋጋሚ ዑደት ግጭት ክትጽመድ ኣይግብኣን'ዩ፣ ደገፍን ምርግጋእን የድልያ፡" ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

    ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ልዕሊ 2,100 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሩ።

    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትገብሮ ስርሒታት ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ንምድኻምን ዜጋታታ ካብ ስግረ-ዶባዊ ምትኳስ ሮኬት ሓዊሱ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።

  14. ክቡራት ጻጸ ካብ ኬንያ ከውጽእ ዝተትሓዘ ቻይናዊ ፍርዲ ተቐቢሉ

  15. ኣብ መንጎ ስግኣት ኲናትን ተስፋ ዲፕሎማስን ዝተቐርቀሩ ኢራናውያን

  16. ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ናብ ኢራን ኣትዩ

    ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ኣትዩ።

    ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር መልእኽቲ ዋሽንግተን ናብ ሰበስልጣን ኢራን ከብጽሕን ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ንምስላጥን ጻዕርታት ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር'ውን ምስኡ ተጓዒዚ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ከም መንጐኛ ብምዃን ነቲ ዘተ ንምዕዋት ትንቀሳቐስ ዘላ ፓኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍ'ውን ብዛዕባ "ዞባዊ ኩነታት" ምስ መራሕቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንምዝርራብ ናብ ጂዳ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

    ፊልድ ማርሻል ሙኒር፡ ኣብ ዓይኒ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሞገስ ዝረኸበ ፓኪስታዊ መራሒ ምዃኑ ይፍለጥ። "ዝፈትዎ ፊልድ ማርሻል" ክብል ትራምፕ ብዛዕባኡ ደጋጊሙ ክዛረብ'ዩ ዝስማዕ።

  17. መጻብቦ ሆርሙዝ ይኽፈት ስለዘሎ መራኽብ ይመጻ ኣለዋ - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ እቲ ኣገዳሲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲን ፍርያት ነዳዲን ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጻብቦ "ይኽፈት" ስለዘሎ "መራኽብ ይመጻ ኣለዋ።"

    ኢራን፡ ዕግታ ኣመሪካ ደው እንተዘይሉ መራኽብ ብወሽመጥ ዓረብ ብዓቢኡ፡ ከምኡ'ውን ብወሽመጥ ዖማንን ቀይሕ ባሕርን ከይሓልፋ ክትዓግት ከምእትኽል ኣጠንቂቓ ምህላዋ ይፍለጥ።

    እቲ ምስ መደብ ንግዲ ፎክስ ኒውዝ ዝገበሮ ቃለመሕትት ቅድሚ'ቲ ብወገን ቴህራን ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ'ሎ።

    እንተኾነ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕትታት ክካየድ ከምዝኽእል ምግላጹ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎ ሻቕሎት ዘህድእ ስግኣት ከምዘሎ ኣሚቱ።

    "ነቲ ኩነታት ከምዝዓርግ እንተጌረዮ፡ ነታ ሃገር ዳግም ንምህናጽ 20 ዓመታት ክወስደሎም ይኽል'ዩ" ይብል ትራምፕ።

    ሓደ ኣመሪካዊ ብዓልስልጣን'ውን ነቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንምሕዳስ ምርድዳእ ከምዘይተበጽሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ፈለማ ብሰራዊት ኢራን ዳርጋ ምሉእ ብምሉ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ጸቕጢ ንምፍጣር ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።

    ብኻልእ ወገን፡ ቴህራንን ዋሽንግተንን መልእኽትታት ምልውዋጥ ቀጺለን ከምዘለዋ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኢስማዒል ባጋኢ ሓቢሩ'ሎ።

    ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናይታ ከም መንጐኛ ተገልግል ዘላ ፓኪስታን ሎሚ ናብ ቴህራን ክኣቱ ትጽቢት ከምዝገብር'ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

    ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትሃንጽ ትደሊ'ያ ንዝብል ክሲ ኣመሪካ ዝነጸገ እቲ ኣፈኛ፡ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን "ሰላማዊ" ምዃኑ መጒቱ።

  18. ኢራን፡ ዕግታ ኣመሪካ እንተቐጺሉ ኣብ ወሽመጥ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዖማንን መራኽብ ንዝኣትዋ መራኽብ ኣጠንቂቓ

    ዓሊ ዓብደላሂ፡ ኣዛዚ ናይቲ ንዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ዘወሃህድ ዝለዓለ ስርሒታዊ እዚ እታ ሃገር ዝዀነ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኢራን ኻታም ኣል-ኣንቢያእ - ኣመሪካ ዕግታ መራኽብ እንተቐጺላን "ንንግዳዊ መራኽብን ታንከራት ነዳዲን ኢራን ውሕስነት እንተዘይፈጢራ"፡ ጠንቂ ምጥሓስ ተዅሲ ምቍራጽ መበገሲ ክኸውን'ዩ ክብል ኣጠንቂቁ።

    ዓብደላሂ ወሲኹ፡ እዚ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት ድማ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን "ዝዀነ ሰደድ ወይ ኣእትዎት ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ባሕሪ ዖማንን ቀይሕ ባሕርን ብውሕስነት ክቕጽል" ከምዘይፈቅድ ኣተሓሳሲቡ።

    እዚ ብኣዛዚ ኻትም ኣል-ኣንቢኣያእ ዝተጠቕሰ ማያዊ ኣካላት ኣዝዩ ሰፊሕ ጂኦግራፊያዊ ከባቢታት ዝሽፍኑ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣየኖት ሃገራት ሃገራት ክጽለዋ ከም ዝኽእላ ግን ኣይገለጸን።

    ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዛ እያ ንወደባት ኢራን እገዳ ጀሚራ ዘላ። ሰራዊት ኣመሪካ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብተን ቀዳሞት 24 ሰዓታት "ዝኾነት መራኽብ ኣይሓለፈትን" ብምባል፡ ሽዱሽተ ንግዳዊ መራኽብ ከኣ ናብ ወሽመጥ ዖማን ክጥወያ ተገዲደን ኢሉ።

    እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብመንጐኝነት ፓኪስታን ጸኒዑ ዘሎ ውዕል ተኹሲ ደው ምባል፡ ድሕሪ'ቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሐ ግጭት ብ8 ምያዝያ ዝተኣወጀ እዩ።

    ኣብ ኢስላማባድ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዘተ ኢራንን ኣመሪካን ኣይተዓወተን፤ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ካልኣይ ዙር እቲ ዘተ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት ዳግማይ ክጅምር ከምዝኽእል ኣተንቢሁ'ሎ። መዓስን ኣበይን ግን ኣየነጸረን፤ ኢራን ብወገና ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ኣየረጋገጸትን።

  19. ዋጋ ነዳዲ ብቕጽበት ክወርድ እዩ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ፎክስ ቢዝነስ ኔትወርክ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ካብ ዝበሎ ተወሳኺ መግለጺታት። ትራምፕ ኣብቲ ምሉእ ቃለ መሕትት "ንኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተሂብካያ ዓለም ክትፍንጀር እያ" እዩ ዝብል። ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝነበረ ኲናት ምስተፈትሐ፡ ዋጋታት ነዳዲን ጋዝን "ኣዝዩ ኣዝዩ ክወርድ'ዩ" ይብል።

    ዋጋታት ጸዓት'ውን ክጎድል ምዃኑ ብምትእምማን ይዛረብ። ትራምፕ ነቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ስምምዕ ኑክሌር ኢራን "እቲ ዝኸፍአ ስምምዕ" ክብል ዝዅንን ኰይኑ፣ እዚ ድማ እታ ሃገር ናብ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኽትበጽሕ ኣቋራጭ መንገዲ ዝፈጥረላ እዩ ይብል።

    ወሲኹ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ንመሳለጥያታት ኑክሌር ኢራን እንተዘይትድብድብ ነይራ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ጎረባብታ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ብዓቢኡ ድማ ንኣመሪካ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ተጠቒማ መጥቅዓተን ነይራ፡ ይብል።

    ትራምፕ፡ ቻይና ንኢራን ኣጽዋር ትህብ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ምስ ሰምዐ፡ ንፕረዚደንት ሺ ደብደበ ጽሒፉ ከምኡ ንኸይገብር ከም ዝሓተቶ ብምግላጽ፡ ሺ ድማ፡ "ብመሰረቱ" ቻይና ከምኡ ኣይትገብርን እያ ክብል ምላሽ ከም ዝሃቦ እዩ ዝዛረብ።

  20. እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን

    ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣካይደን። እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ። ካብ ኣመሪካ ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ብኽልተኦም ወገናት ኣብ ዝውሰን ግዜን ቦታን ቀጥታዊ ዘተ ንምቕጻል ተሰማሚዖም ኣለዉ።

    እስራኤል ኣብቲ ዘተ፡ ኵሎም መንግስታውያን ዘይኰኑ ዕጥቃውያን ጕጅለታት - ብፍላይ ድማ ሕዝቦላህ - ዕጥቆም ክፈትሑ ከም እትደሊ ገሊጻ ኣላ። ሊባኖስ ብወገና፡ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ክብልን ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክግበረሉን ጸዊዓ።