እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሲሸልስ፡ ቱሪዝም ኣፍሪቃ ዝዓበየሉ ሚስጥር እንታይ?
ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ
ኢቶሪካ፡ ቴዲ ኣፍሮ ንምንታይ ኵሉ ሳዕ ኣዘራራቢ ይኸውን፡ ፍልዩነት ስርሓቱኸ እንታይ እዩ?
ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ብሃብቲ ኣዛብኣ ዘይተጠቕመት?
ናይ ቅድሚ 50 ዓመት ኣፍቃሪኣ ንምርካብ ናብ ኣመሪካ ዝተጓዕዘት ፈረንሳዊት ንምንታይ ተኣሲራ?
ራፐር ካንየ ዌስት ኣብ ፖላንድ ከካይዶ ዝወጠነ ምርኢት ንምንታይ ተሰሪዙ?
ኤርትራ፡ ንሓራምዝ ዘስግእ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዘርኢ ጸገም
መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝተኸፍተ ኢራን ኣፍሊጣ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓባስ ኣራግቺ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ኮይኑ ዝቐነየ መጻብቦ 'ምሉእ ብምሉእ ተኸፊቱ ኣሎ" ክብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ዝርከብዎም መራሕቲ ዓለም ሓጎሶም ይግልጹ ኣለዉ።
እንተኾነ ግን፡ ትራምፕ'ውን ኣመሪካ ዝኣወጀቶ ዕጽዋ ናይቲ መጻብቦ ክቕጽል ምዃኑ ምግላጹ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ ይርከብ።
ኣብ ፈረንሳ ክዘራረቡ ዝወዓሉ መራሕቲ ኣውሮጳ ብወገኖም፡ ነቲ ሓድሽ ዜና ብምንኣድ፡ እቲ መጻብቦ ብዘይ ገደብን ክፍሊት ንሓዋሩ ክኽፈት ጸዊዖም ኣለዉ።
ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ'ውን መግለጺ ቴህራን ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝርአ ምጽባይ ከምዘድሊ የጠንቅቑ ኣለዉ።
ምላሽ ኤርትራ ንመግለጺታት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይን ጀነራል ጻድቃንን
ብዛዕባ ምቁራጽ ተኹሲ ሊባኖስን እስራኤልን እንታይ ንፈልጥ?
መራሕቲ እስራኤልን ሊባኖስን ክልቲኦም ነቲ ተበግሶ ዕርቂ ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎ ይግለፅ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ድማ "ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ንምግባር ዓብዪ ዕድል" ክብል ተዛሪቡ።
ውዕል ስምምዕ እቲ ተኹሲ ደው ምባል፡ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ዀይኑ፡ እቲ ልዝብ እናተመሓየሸ እንተኸይዱ ድማ፡ "ብሓባራዊ ስምምዕ ክናዋሕ" ከምዝኽእል ይገልጽ።
ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡
- እስራኤል "ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ኣንጻር ዝዀነ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ፡ መሰል ዓርሰ-ምክልኻል” ዝተሓለወ ከምዝዀነ፤
- ሊባኖስ፡ ንሕዝቦላህ ሓዊሱ ካልኦት ኩሎም "ዕጡቓት ጉጅለታት" ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ "ትርጉም ዘለዎ ስጉምትታት" ክትወስድ፤
- እቶም ኣብዚ ልዝብ ዝሳተፉ ኣካላት፡ ጸጥታ ሊባኖስ ኣብ ምሕላው ሙሉእ ሓላፍነት ዘለዎም ሓይልታት ጸጥታ ሊባኖስ ከምዝዀነ ይግንዘቡ፤
- እስራኤልን ሊባኖስን፡ ኣመሪካ “ካልኦት ዝተረፉ ጉዳያት ንምፍታሕ" ዝያዳ ቀጥታዊ ዝርርብ ምምችቻው ክትቅጽል ሓቲተን።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ዕርቂ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት "ናብ ቀዋሚ ስምምዕ ጸጥታን ሰላምን ዝወስድ" ልዝብ ንምክያድ ዝዓለመ፡ ኣብ ሰናይ ድሌት እስራኤል ዝተመርኰሰ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ብወገኑ፡ ኣብቲ ሰምምዕ ሰላም ንምስታፍ ድሌት ከምዘለዎ'ኳ እንተ'መልከተ፡ ኣብ መላእ ሊባኖስ "ዝዀነ መጥቃዕቲ ከይፍፀምን፡ ቀይዲ በተኽ ምንቅስቓስ ሓይልታት እስራኤል" ምግታእን ዘጠቓልል ክኸውን ጠሊቡ።
ማላካ፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መጻብቦ ባሕሪ
ኣብቲ ንዓለምና ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዕጽዋ ከይኣክል፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መስመር መጓዕዝያ ባሕሪ ቈላሕታ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢንዶነዥያ ወተሃደራዊ በረራታት ንምክያድ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝርከብ መጻብቦ ማላካ ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ክረክብ ገይሩዎ ኣሎ።
ንምዃኑ መጻብቦ ማላካ ኣበይ እዩ? ስለምንታይ እዩኸ ኣገዳሲ ዝኸውን?
ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?
ሓላፊ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብረቡዕ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዮንግብዮን ኣብ ዝርከብ ህንጻር ኒዩክሌር፡ ሰሜን ኮርያ "ቅልጡፍ ወሰኽ" ምንቅስቓስ ኒዩክሌር ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዓቕሚ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር "ኣዝዩ ከቢድ ወሰኽ" ክብል ዝገለጾ ኣመልኪቱ።
ዛጊት ትሽዓተ ሃገራት ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለወን ይፍለጣ፤ ከመይ ጌረን እየን ኣጥሪየንኦ፣ ሕጂ ድማ ካልኦት ክስዕባኦ ይደልያ'ዶ? ዝብል ሕቶ ድማ እዚ ትንታነ ዳህሲስዎ ኣሎ፤
ኢራን ነቲ ዝሃብተመ ዩራንየም ንኣመሪካ ከተረክብ ተሰማሚዓ- ትራምፕ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ዝተሃብተመ ዩራንየም ከተረክቦ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ።
እዚ ጠለብ፡ ሓደ ካብቶም ኲናት ኢራን ንኸብቅዕ ክፍተኑ ዝቐነዩ ልዝባት ቀንዲ ማሕንቘ ኰይኑ ዝጸንሐ ነጥብታት እዩ ነይሩ።
ትራምፕ ግን፡ ሓድሽ ዝርርብ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ክጅምር ከም ዝኽእልን፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ "ኣዝየን ቀሪበን" ከምዘለዋን ገሊጹ።
እዚ ድማ ትራምፕ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ዝተዛረቦም፡ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ገምጋም እዩ ተባሂሉ።
እቲ ኲናት "እናዓሞቐ" ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ግድን ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ከምዘለዎን ገሊጹ።
ኣቐዲሙ ኣብ ዋይት ሃውስ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይትረክብ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ ነይሩ።
እቲ ዝሃብተመ ዩራንየም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካን እስራኤልን፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ናብ ሓመድ ከም ዝቐየረኦ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝተቐብረን እዩ ዝእመን ።
ኢራን ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን ኣላ።
ሓድሽ ዙርያ ‘ፊትንፊት’ ዝርርብ ከምዝቐረበ ርግጸኛ ዝዀነ ትራምፕ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ዘብቅዕ ምስ ኢራን ዝተገብረ ተኹሲ ደው ምባል ምንዋሕ ከምዘድሊ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?
ሕጽረት ነዳዲ ነፈርቲ ኣብ ኤውሮጳ፡ በረራታት ክስረዙ ይኽእሉ ድዮም?
ካብ ሆርሙዝ ናብ ማላካ፡ እቲ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥሪ
እስራኤልን ሊባኖስን ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ተሰማሚዐን
እስራኤልን ሊባኖስን ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ከምዝተሰማምዓ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከምዝተዘራረበን "ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ንምስፋን" ነቲ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ጠቒሱ።
"ምስቲ ኣዝዩ ዝተኸበረ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሰፍ ዓውን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢቢ [በንጃሚን] ነታንያሁ ጨለ ዝኾነ ልዝብ ጌረ ነይረ።"
"እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ኣብ መንጐ ሃገራቶም ሰላም ንምውሓስ ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም ኣለዉ" ክብል'ዩ ትራምፕ ገሊጹ።
"ብሰሉስ፡ ክልቲአን ድሕሪ 34 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን ነይረን፡ ሳላ ዓቢይ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ማርኮ ሩብዮ።"
ንምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ ሩብዮን ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬንን ምስ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ምስ ክልቲአን ሃገራት ብምስራሕ ክከታተልዎ መምርሒ ከምዝሃቦም ትራምፕ ገሊጹ'ሎ።
እቶም እስራኤል ዒላማ ክትገብሮም ዝጸንሐት ዕጡቓት ሕዝቡላህ ግን ኣብቲ መግለጺታት ኣይተጠቕሱን።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሓይልታት እስራኤል ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ከይህልዎም ጸዊዑ'ሎ።
እዚ ስምምዕ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ'ውን ድርኺት ዝፈጥር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ወገናት ድሮ ነቲ ውሳነ ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፡ እፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ይእምቱ ኣለዉ።
'ዓለም በቶም ቢልዮናት ኣብ ኲናት ዘጥፍኡ ውሑዳት መለኽቲ'ያ ትበርስ ዘላ' - ኣቡነ ሊዮ
ቴህራን፡ ምቁራጽ ተዂሲ ንምጽናዕን ሰላም ንምውሓስን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት
ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኔው-ነጀው ትብል ዘላ ፓኪስታን ምስ መራሕቲ ኢራን ትላዘብ ኣላ።
ትማሊ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ዝኣተወ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ምስቲ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ተራኺቡ።
ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ምስ መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፡ እቲ ኣፈኛ ምስ ሊባኖሳዊ መዘናኡ ናቢሕ በሪ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
"ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ምስቲ "ኣብ ኢራን ዝግበር ምቁራጽ ተዂሲ" ብማዕረ ከምዝሰርዕዎ ጋሊባፍ ኣነጺሩ'ሎ።
ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኢስላማባድ ምስ ወከልቲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተን ድሕሪኡን፡ ኢራን "ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ክፍጠር ትጸቅጥ ከምዘላ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።
ምቁራጽ ተዂሲ ምስተገብረ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ብምቕጻላ፡ ቴህራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይትኸፍቶ ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።
ኣፈኛ ባይቶ ጋሊባፍ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ኮይኑ፡ መራሒ ናይቲ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ዝኸደ ጉጅለ ልኡኽ ኢራን'ዩ።
ብትራም ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ፊልድ ማርሻል ሙኒር፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ዝርከብ ኣብ መንጐ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይፈርስን፡ ቀዋሚ ሰላም ንምውሓስን ዓቢ ሓላፍነት ዝተዋህቦ'ዩ ዝመስል።