እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ንሓወልቲ ምስሊ ክርስቶስ ዘዕነወ ወተሃደር እስራኤል ቁጠዐ ፈጢሩ

    ሓደ ካብቶም ናብ ደቡብ ሊባኖስ ዝኣተዉ ሓይልታት ዝኾነ ወተሃደር እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሖ ሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብምፍራስ ከርክሶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተራእዩ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእሊ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ወተሃደር ነቲ ዝወደቐ ሓወልቲ ብማሳ ክድርዕሞ ይርአ።

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ወተሃደር "ቅልጡፍ፡ ተሪርን ህዝባዊን" መቕጻዕቲ ክውሳድ ጸዊዑ ነይሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብወገኑ፡ ንምፍራስ ናይቲ "ካቶሊካዊ ሃይማኖታዊ ምስሊ" ኣትሪሩ ከምዝኹንኖ ገሊጹ'ሎ።

    በንጃሚን ነታንያሁ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ እስራኤላውያን" በቲ ፍጻመ "ከምዝሰንበዱን ከምዝሓዘኑን" ገሊጹ።

    ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሰራዊት ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ብምሕባር ድማ፡ እቲ ወተሃደር "ዝግብኦ ተሪር ዲስፕሊናዊ ስጉምቲ" ክውሰደሉ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

    "እስራኤል ኣብ ማእከእላይ ምብራቕ ናይ ኩሉ ናጽነት ኣምልኾ እተኽበር እንኮ ሃገር እያ። በቲ ፍጻመን ዘስዓቦ ዝኾነ ጓሂን ዝተሰመዓና ጣዕሳ ንገልጽ" ይብል ነታንያሁ።

  2. ኣመሪካ መርከብ ትዓግት - ኢራን ሓድሽ ሕጊ መጻብቦ ሆርሙዝ ተቕርብ

    ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢሉ ናብ ኢራን ዝግበር ምንቅስቓስ ዝዓገተት ኣመሪካ፡ ባንዴራ ኢራን እተውለብልብ ናይ ጽዕነት መርከብ ከምዝዓገተት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።ኢራን ብወገና ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዋ ቍጽጽር ፈጺማ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

  3. ኣመሪካ መርከብ ትዓግት - ኢራን ሓድሽ ሕጊ መጻብቦ ሆርሙዝ ተቕርብ

  4. ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መርከባት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺማ

    ሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ባንዴራ ኢራን ዘንበልበለትመርከብ ንግዲ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ኢራን ከም ግብረ-መልሲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መርከባት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ከም ጸብጻብ ናብ መንግስቲ ዝውግን ማዕከን ዜና ታስኒም፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማያት ባሕሪ ዖማን እዩ ተኻይዱ።

    ይዅን እምበር፡ ዛጊት በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዝወረደ ዕንወት ጸብጻብ ኣይቀረበን።

    ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መምርሒ ኢራን ኻታም አል-ኣንቢያ፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ጥሕሰት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ነዚ ብሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ሽፍትነት ባሕሪ ሕነ ክንፈዲ ኢና፡" ክብል ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

  5. ‘ትራምፕ ዓበይቲ ገበናት ኲናት ንምፍጻም የፈራርሕ ኣሎ’ — ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ፡ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን እታ ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ኣፈራሪሑ ኣሎ።

    ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኬነት ሮዝ፡ እዚ ተግባር’ዚ ምስ ገበን ኲናት ዝቝጸር ምዃኑ ይገልጽ።

    ሮዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ትራምፕ ዓበይቲ ገበናት ኲናት ንምፍጻም የፈራርሕ ኣሎ፡" ኢሉ።

    ቀጺሉ፡ “ንሱ [ትራምፕ] ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታት ኣይክተልን እየ ይብል ይኸውን፤ እንተዀነ መንግስቲ ኣመሪካን ኵላ ዓለምን ነዚ ሕጊ እዚ ከም ዝስዕቡ እዮም ዝገልጹ። እዚ ሕጊ ድማ ከም መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ዝኣመሰሉ ሰላማውያን ዜጋታት ዝጥቀሙሎም ትካላት ዒላማ ምግባር ይኽልክል እዩ።”

    ሮዝ ከም ዝገለጾ፡ ትራምፕ እዞም መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ወተሃደራት’ውን ስለ ዝጥቀሙሎም፡ "ተውለኣዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት" (dual-use objects) እዮም ብምባል ክከራኸር ይኽእል እዩ፡ "እዚ ግን መወዳእታ ናይቲ ዛንታ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

    "ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝወርድ ጉድኣት ካብቲ ዝድለ ወተሃደራዊ ረብሓ ኣዝዩ ዝዓበየ ምስ ዝኸውን፡ ዋላ ወተሃደራዊ ዒላማ እኳ እንተዀነ መጥቃዕቲ ከይፍጸመሉ ይእዝዝ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

    ኣብ ሕቡራትሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ማይክ ዋልትዝ ብወገኑ፡ እዚ ተግባር’ዚ ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ፡ "ጌጋን፡ ስኑዕን መስሓቕን" ምዃኑ ገሊጹ። እቶም ትካላት "ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማታት" ምዃኖም ኣስሚርሉ ኣሎ።

  6. ትራምፕ ቃናኡ ቀይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓያል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ ኣብ ቀረባ ከም ዝፍጸም ተስፋ ብዝመልኦ መንገዲ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ሎሚ ግን፡ ነቲ ሓይለ-ቓል ኣዘራርባኡ ብምቕጻል፡ ንመደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ኢራን ዳግማይ “ከም ዘፍርሶም” ኣፈራሪሑ ኣሎ።

    “ስትራተጂ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ስምምዕ ንምርካብ፡ ብናይ ባሕሪ ዕጽዋን ተወሳኺ እገዳታትን ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ቍጠባዊ ጸቕጢ ምቕጻል ዝዓለመ ይመስል።

    እዚ ናይ መወዳእታ ምፍርራሕ፡ ኣብዚ ዘተን ተዅሲ ደው ምባልን ተነቃፊ ኰይንሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኵነታት ዝያዳ ተኣፋፊ ብምግባር ናብ ዘይርጉእ ሃዋህው ናይ ምእታው ዕድሉ ክብ የብሎ።

    ኢራን ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ወይ ዘይምዃና ዛጊት ኣይተረጋገጸን፤ ስለዚ ኣብ ዝስዕብ መዓልታት ዲፕሎማሲ ክቕጽል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንምውሳን ወሰንቲ ክዀና እየን።

    ዋይትሃውስ ነቲ ዝመጽእ ዙር ዘተ፡ ናብ ምሉእ ዞባዊ ኲናት ቅድሚ ምእታዉ፡ ከም ናይ መወዳእታ ዲፕሎማስያዊ መዋጽኦ ገይሩ ይገልጾ ኣሎ።

  7. ኢራን ሕነ ክትፈዲ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ፣ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓደጋ

    ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ኻታም አል-ኣንቢያ፡ ኣመሪካ ባንዴራ ኢራን ዘንበልበለት ናይ ጽዕነት መርከብ ብምቍጽጻራ ኢራን ግቡእ ምላሽ ክትህብ ምዃና ብምግላጽ፡ እቲ ስጕምቲ "ጥሕሰት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል" ምዃኑ ገሊጹ።

    መንግስታውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሓደ ወሃቢ ቃል ብምጥቃስ ከም ዝሓበራኦ፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ብምጥሓስ፡ ኣብ ባሕሪ ዖማን ኣብ እትርከብ ናይ ንግዲ መርከብ ኢራን ተዅሲ ከፊታ። ብተወሳኺ፡ ስርዓተ-ጕዕዞ እታ መርከብ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ድሕሪ ምግባር፡ ንኣባላት ብምውራድ ነታ መርከብ ከም ዝተቘጻጸረታ ገሊጸን።

    እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "ዕጡቓት ሓይልታት ኢስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን፡ ነዚ ብሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ዕጥቃዊ ቅርሰና ባሕሪ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ግቡእ ምላሽ ክህብሉን ሕነ ክፈድዩን እዮም፡" ይብል።

  8. ኣቦ ንሸውዓተ ደቁን ሓደ ካልእ ቈልዓን ዝቐተለሉ ዘስካሕክሕ ፍጻመ

  9. ኤርትራ፡ ፕሮጀክት ምምካት ደርቂ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ 'ዘመዝገቦ ዓወት'

  10. ሕቡራት ሃገራት፡ 'ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰባት ከም ኣጣል ይሕረዱ ኣለዉ'

  11. ህወሓት፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስ ወሲኑ

  12. ኢራን ክልተ ነዳዲ ዝጽዓና መራኽብ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ መሊሳ

    ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ “ኣብ ባሕሪ ኢራን ድሕሪ ዝቐጸለ እገዳ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ሎሚ ክልተ ተወሳኺ መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከይሓልፋ ንድሕሪት መሊሶም፡” ክብል ብሰንበት ገሊጹ።

    ታስኒም፡ እዘን ክልተ መራኽብ፡ "ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ቦትስዋናን ኣንጎላን ዝጓዓዛ ዝነበራ"፡ እኳ እንተነበራ፡ "ብሰንኪ እዋናዊ ስጉምቲ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን መንገደን ክቕይራን ንድሕሪት ክምለሳን ከም ዝተገደዳ" ይጠቅስ።

    ኣመሪካ ኣብ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ክሳብ እተልዕል መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጹው ክጸንሕ ምዃኑ ኢራን ገሊጻ እያ።

    መርበብ ሓበሬታ ምክትታል መራኽብ ማሪንትራፊክ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ በቲ መጻብቦ ዝሓለፈት መርከብ ከም ዘየላ ዘርኢ ይመስል።

    ብዙሓት ግን ኣብ ዙርያ ወሽመጥ- ብፍላይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማንን ኢማራትን - መልሕቐን ዝደርበያ ይመስላ።

    ትማሊ መራኽብ ባሕሪ በቲ ወሳኒ መጻብቦ ማይ ይንቀሳቐስ እኳ እንተነበረ፡ ቴህራን ዳግም ነቲ መስመር ማይ ክትዓጽዎ ምዃና ምስ ኣፍለጠት ግን ኣዝዩ ተዘሓሒሉ።

    ሓያሎ መራኽብ ብፕሮጀክትላይት ከም ዝተሃርማን ሓንቲ መርከብ ድማ ብቐዳም ብጀላቡ ጠበንጃ ኢራን ከም ዝተተኰላን ተገሊጹ።

  13. ሊባኖስ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ሞት ከም ዝተመዝገበ ተገሊጹ

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተኻየደ ተኹሲ ደው ምባል ዝቕጽል ዘሎ ይመስል።

    እንተዀነ፡ ኣብ ሊባኖስ ሞት ዘስዓበ ብርክት ዝበሉ ክስተታት ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

    ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል እቲ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝትግበር ንደሓር ክልተ ወተሃደራት ከም ዝሞቱ ይገልጽ።

    ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሳጅን ባራክ ካልፎን ብዓርቢ ህንጻታት እናጸረገ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ከም ዝሞተን፡ ካልኦት ሰለስተ ወተሃደራት እውን ከም ዝቖሰሉን ይሕብራ።

    ካልኦት ትሽዓተ ሰባት እውን ሕክምና ሆስፒታል ይግበረሎም ከምዘሎ ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ኣፍሊጡ።

    እቶም ወተሃደራት ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ብነተጉቲ ከም ዝሃረመትን፡ እስራኤል ድማ እቲ ነታጒ መዓስ ከም ዝተቐመጠ ንምርግጋጽ ክትምርምር ምዃናን፡ እዚ ድማ ንውዕላት ተኹሲ ደው ምባል ምጥሓስ ክኸውን ከም ዝኽእልን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ።

    ኣብ ሊባኖስ ምስ ግዝያዊ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒፊል) ዘገልግል ዝነበረ ፈረንሳዊ ዓቃቢ ሰላም እውን ኣብ ሊባኖስ ሞይቱ'ዩ።

    ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ንሕዝቦላህ ወቒሱ፥ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብድሕሪ እቲ ፍጻመ ከም ዘየሎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉ።

  14. መራሕቲ ትግራይ ብሕልፈት ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ኣርኣያ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ

  15. ብዛዕባ 'መለኽቲ' ዝተዛረብኹዎ ንትራምፕ ዒላማ ዝገበረ ኣይኰነን - ጳጳስ ሊዮ

    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፡ "መለኽቲ" ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ኣብ ኲናት የፍስሱ ኣለዉ ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

    ይኹን'ምር ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውጥጥ ክኣትዉ ከም ዘይደልዩ ገሊጾም።

    እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እዚ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናብ ዘይቅዳው ድሕሪ ምእታዎም ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዘስምዑዎ ዘረባ፡ "እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባይ ርእይቶ ቅድሚ ምሃቡ፡" ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተጽሓፈ እዩ ኢሎም።

    ትማሊ ቐዳም ናብ ኣንጎላ ኣብ ዝኸድሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ነፋሪት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዳግም ምስቲ ፕረዚደንት ክመላለስ ከም ዝፈተኑ ተገይሩ'ኳ እንተተወሰደ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ዕላማ የብለይን፡" ኢሎም።

    ዶናልድ ትራምፕ ብሰኑይ፡ ኣብ ኢራን ንዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካን እስራኤልን ንዝነቕፉ ዝነበሩ ጳጳስ ሊዮ "ኣብ ፖሊሲ ​​ወጻኢ እቲ ዝኸፍአ" ክብል ነቒፉዎም'ዩ።

    ኣብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዝገብሩ ዘለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፡ ነቲ ትራምፕ ዝሃቦ ርእይቶ ዝፈጠሮ “ፖለቲካዊ ሃዋህው” ብምጥቃስ፡ “ገለ ዘይቅኑዕ ተረኽ” ከም ዝተፈጥረ ገሊጾም።

    ብሓሙስ ኣብ ካሜሩን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፡ “ቢልዮናት ዶላራት ንምቕታልን ዕንወትን ክውዕል ርእዮም ከም ዘይርኣዩ ዝሓልፉ መራሕቲ፡ ንጥዕና፡ ትምህርትን ህንጸትን ጸጋታት ከም ዘድሊ ረሲዖም ኣለዎ፡" ኢሎም።

    ወሲዀም ድማ፡ "ጐይቶት ውግእ፡ ንምጥፋእ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ከም ዝወስድ፡ ንምህናጽ ግን ዕድመ ምሉእ ከም ዝወስድ ዘይፈልጡ'ዮም ዝመስሉ፡" ክብሉ ተዛሪቦም።

    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ግጭት ዝዓሰላ “ብደም ዝተበከለ” ዞባ ካሜሩን፡ “መወዳእታ ዘይብሉ ዑደት ጥፍኣትን ሞትን” ምህላዉ ኰኒኖም።

  16. ኣመሪካን ኢራንን ዘካይድኦ ክልትኣዊ ዘተ እንታይ ይመስል?

    ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝርርብ እንታይ ይመስል?

    28 ለካቲት፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻመን፡ ክልቲአን ሃገራት ዝጀመርኦ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ኣፈሪሱ፡ ግጭት ተላዒሉ።

    6 መጋቢት፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዘይካ "ብዘይ ቅድመ ኩነት ኢድ ምሃብ" ዝዀነ ስምምዕ ከም ዘይህሉ ገሊጹ።

    21 መጋቢት፡ ትራምፕ ናይ መወዳእታ ግዜ ገደብ ሂቡ፤ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍት እንተዘይተሰማሚዓ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ዒላማ ክገብር ምዃኑ ድማ ኣፈራሪሑ።

    23 መጋቢት፡ ትራምፕ "ውጽኢታዊ ዝርርባት" ከም ዝተኻየዱ ብምጥቃስ እቲ ዘቐመጠኦ ግ ገደብ ኣወንዚፉዎ

    7 ሚያዝያ፡ ትራምፕ እቲ መጻብቦ እንተዘይተኸፊቱ “ምሉእ ስልጣነ ክዓኑ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ

    8 ሚያዝያ፡ ፓኪስታን፡ ከም መንጎኛ ኰይና ንኽልቲአን ሃገራት ከተሸማግል ምዃና፤ ንተወሳኺ ዝርርብ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዝግበር ኣፍሊጣ

    11 ሚያዝያ፡ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን ተራኺቦም። ድሕሪ 21 ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ቁልፊ ነጥብታት ከይተሰማምዓ ተሪፈን

    12 ሚያዝያ፡ ትራምፕ ወደባት ኢራን ከም ዝዕጾ ኣፍሊጡ

    17 ሚያዝያ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢራን ኣራግቺ፡ እቲ መጻብቦ እቲ ንኽልተ ሰሙን ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ምባል ክሳብ ዝውዳእ ክፉት ክኸውን’ዩ ኢሉ። ትራምፕ ድማ እገዳ ኣመሪካ ክቕጽል እዩ ይብል።

    18 ሚያዝያ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ክዓጽዎ ምዃኑ ገሊጹ። ትራምፕ ኣብዚ እዋን "ኣዝዩ ጽቡቕ ዝርርባት" ይካየድ ኣሎ'ኳ እንተበለ፡ ኣመሪካ ግን ብሰንኪ እቲ መስመር ማይ "ታህዲድ" ክበጽሓ ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

  17. 'ነቲ መጻብቦ ንሕና ኢና ንቈጻጸሮ' - ላዕለዋይ ተደራዳሪ ኢራን

    ላዕለዋይ ተደራዳሪ ኢራን ኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ፡ ምስ ኣመሪካ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ "ገስጋስ ተራእዩ" ኢሉ።

    እንተዀነ፡ ክልቲኦም ወገናት "ኣብ ናይ መወዳእታ ዘተ ከም ዘይበጽሑ፡" ሓቢሩ።

    ሓደ ካብ ተደራደርቲ ኢራን ዝዀነ ጋሊባፍ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ዝርከብዎም ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ከምዝነበረ ይፍለጥ።

    ዝቕጽል ዙር ዝርርብ ዝካየደሉ ዕለት ኣይተቐመጠን።

  18. መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ተዓጽዩ

    መዓልታዊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዘለዉ ምዕባለታት እንገብሮ ቀጥታዊ ሽፋን ቀጺሉ ኣሎ።

    ሎሚ 19 ሚያዝያ 2026፡ ዝተራእዩ ምዕባለታት ብሓጺሩ እነሆ፤

    መጻብቦ ሆርሙዝ መሊሱ ተዓጽዩ

    • እቲ ቁልፊ መስመር መራኽብ፡ ብዓርቢ ብኢራን ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምኽፋቱ ተዓጽዩ ኣሎ። ኣመሪካ ኣብ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ክሳብ እተልዕል ከም ዝዕጾ ድማ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣፍሊጡ።
    • ብመሰረት እገዳ ኣመሪካ፡ ሓይልታት ኣመሪካ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ወይ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝጓዓዛ መራኽብ ክዕገታ ወይ ንድሕሪት ክመልሳ ምዃነን ተገሊጹ ነይሩ። ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ እገዳ ክሳብ ኣብ ስምምዕ ሰላም ዝብጻሕ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

    መራኽብ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ይሕብራ

    • ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ሓንቲ መርከብን ናይ ጽዕነት መርከብን መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ (UKMTO) ኣፍሊጡ። እዚ ድሕሪ ልዕሊ 10 መዓልታት ኣብ ልዕሊ መራኽብ ተፈጸሙ ዝተባህለ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ምዃኖም።
    • እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ፡ ክልተ ባንዴራ ህንዲ ዘለወን መራኽብ ኣብቲ መጻብቦ "ፍጻመ መልውዋጥ ተኹሲ" ከም ዘጋጠመን ይገልጽ።

    ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ ዘተ ሰላም

    • ትራምፕ ምስ ኢራን "ኣዝዩ ጽቡቕ ዝርርብ" ይካየድ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ ኢራን ግን ብሰንኪ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንኣመሪካ "ክትህድዳ" ኣይትፈቅድን ኢሉ።
    • ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን፡ ቴህራን "ኣብዚ እዋን'ዚ ትግምግሞ ዘላ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ መልሲ ዘይሃበትሉ" ሓደስቲ እማመታት ብኣመሪካ ከም ዝቐረቡ ገሊጹ።

    ኣብ መላእ እቲ ዞባ

    • ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ እዋን ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ዝነበረ ሓደ ፈረንሳዊ ወተሃደር ከም ዝተቐትለ ገሊጹ። ሕዝቦላህ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
    • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ናይ ጸጥታ መዐቀኒታት ከም ዘቐመጠ ገሊጹ። ብተወሳኺ "ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝጠሓሱ [ኣሸበርቲ]" ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

    እዋናዊ ሓበሬታ ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና፡ ምሳና ጽንሑ።

  19. ታሪኽ፡ ኣመሪካ እቲ ሕጂ ዘለዋ ቅርጺ ንምሓዝ ዝጠቕለለተን ግዝኣታት

  20. 'መግቢ ግፍዒ ኣለዎ' - ዕሳው መግቢን ሳዕቤኑን