እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትራምፕ ብሰንኪ ጉዳይ ኢራን ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ይወቅስ

    ዶናልድ ትራምፕ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ኣመሪካዊ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝዀኑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘስምዖ ምፍርራሕ ድሕሪ ምዅናኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል ነቐፌታ የመሓላልፍ ኣሎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ነዊሕ ጽሑፍ፡ እቶም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ “ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣዝዮም ሃሳዪ፡” ምዃኖም ገሊጹ።

    ትራምፕ ኣስዒቡ፡ "ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህሉዋ ንቡር እዩ ኢሉ ዝሓስብ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣይደልን እየ፡"ኢሉ።

    ትራምፕ ብዛዕባ እቶም ጳጳስ ዘለዎ ዝተፈላለዩ ቅሬታታት ብምዝርዛር፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ፡ "ኣንጻር ገበን ድኹም እዩ፣ ኣብ ጉዳይ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር’ውን ድኹም እዩ፡"ክብል ጽሒፉ።

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ፡ ኢራን እቲ ውግእ ንኸብቅዕ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሓ፡ "ሎሚ ምሸት ሓደ ምሉእ ስልጣነ ክጠፍእ እዩ፡" ንዝብል ምፍርራሕ ትራምፕ ነቒፎም ነይሮም።

    ነቲ ኵነታት፡ "ብሓቂ ተቐባልነት ዘይብሉ፡" ክብሉ ዝገለጹ እቶም ጳጳስ፡ "ብርግጽ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ሕቶታት ኣለዉ፤ እንተዀነ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ስነ-ምግባር ሕቶ እዩ፡" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።

  2. ኣመሪካ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚራ ንወደባት ኢራን ክትዓጹ ምዃና ገሊጻ

    ሰራዊት ኣመሪካ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዕጽዋ ክትግበር ምዃኑ ገሊጹ።

    እንተዀነ እቲ ስጕምቲ፡ በቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢለን ናብ ካልኦት ሃገራት ዝጓዓዛ ወይ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኣ መራኽብ "ከም ዘየተዓናቕፍ" ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ኣብዚ ጕዳይ እዞም ዝስዕቡ ምዕባለታት ኣለዉ፤

    • ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እቲ ናብ ወደባት ኢራን ዝኣቱን ዝወጽእን ናይ ምዕጻው ስጕምቲ፡ ሰኑይ ሰዓት 14:00 GMT ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።
    • ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት "ኰነ ኢላ ክፈሽል ብምግባራ፡” ዝሰዓበ ግብረ-መልሲ ምዃኑ ገሊጹ። ወሲኹ’ውን፡ ሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ንዝዀነ መጥቃዕቲ ዝፍኑ ኢራናዊ “ናብ ገሃነም ከም ዝፋንውዎ፡”ኣጠንቂቑ። ነቲ መስመር ንምሕላፍ ንኢራን ክኸፍላ ዝተረኽባ መራኽብ ድማ ስጕምቲ ከም ዝውሰደለን ኣፍሊጡ።
    • ዋጋነዳዲ ድሕሪ እዚ ምስሕሓብ’ዚ፡ ዋጋ ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ኣሎ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ኣብ ፓኪስታን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ስለ ዝፈሸለ እዩ።
    • ትራምፕ ብዛዕባ ዘተ እስላማባድ፡ ምስ ኢራን ኣብ እስላማባድ ዝተገብረ ቀጥታዊ ዘተ ዝፈሸለሉ ምኽንያት፡ "ኢራን ካብቲ ናይ ኒዩክሌር ድሌታታ ክትወጽእ ፍቃደኛ ስለ ዘይኰነት እዩ፡" ኢሉ።
    • ምላሽ ኢራን፤ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ቴህራን ኣብቲ ዘተ ሰላም ምስ ኣመሪካ "ብቕንዕና" ከም ዝተሳተፈት ገሊጹ። ነቲ ዘተ ዝመርሐ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ቓሊባፍ ብወገኑ፡ ኢራን "ብምፍርራሕ ኢዳ ከም ዘይትህብ፡" ኣፍሊጡ።
    • ሓለዋ ሰውራ ኢራንናብቲ መስመር ባሕሪ ዝቐርባ ወተሃደራውያን መራኽብ፡ ከም ጥሕሰት ናይቲ ተበጺሑ ዘሎ ምቍራጽ ተዅሲ ገይርካ ከም ዝውሰዳ ገሊጹ።
  3. ትራምፕ፡ መራኽብ ብሆርሙዝ ከይሓልፋ ከም ዝዓግት ገሊጹ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኣትዋ ይዅና ካብኡ ዝወጽኣ፡ "ኵለን መራኽብንምዕጋት" ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ገሊጹ።

    ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ነዊሕ ጽሑፍ፡ "እቲ ዘተ ጽቡቕ ነይሩ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ነጥብታት እውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ እዩ። እንተዀነ እቲ እንኮ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥቢ ጉዳይ ኒዩክለር ግን ስምምዕ ኣይተገብረሉን፡" ክብል ሓቢሩ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ንናጻ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝብጻሕ እኳ እንተገለጸ፡ ኢራን ግን "ኣብ ገለ ቦታታት ማንም ዘይፈልጦ፡ ንሳቶም ጥራይ ዝፈልጡዎ ነታጒ ክህሉ ይኽእል እዩ" ብምባል ጥራይ እቲ ስምምዕ ከይፍጸም ከም ዝገበረት ገሊጹ።

    ትራምፕ ኣብቲ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ንኢራን ግብሪ ዝኸፈለት ዝዀነት ትዅን መርከብ ንምድላይን ንምዕጋትንትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

    ብተወሳኺ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኢራናውያን ኣብቲ መጻብቦ ዘጻወዱዎ ነተጕቲ "ምብርዓን" ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

  4. 'ኣበሳ ኲናት' - ሰነድ መጽሓፍ እሱር ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት

  5. ድሕሪ ምቍራጽ ዘተ ኢራን-ኣመሪካ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፡ 'ዝስዕብ እንታይ እዩ?'

  6. ኣመሪካ፡ 'እምነት ልኡኽ ኢራን ክትረክብ ኣይከኣለትን'

    ኣመሪካ 'እምነት ልኡኽ ኢራን ክትረክብ' ከም ዘይከኣለት ሓላፊ ጉጅለ ልኡኽ ልዝብ ኢራን ገሊጹ።

    ጉጅለ ልኡኽ ኢራን መሪሑ ኣብቲ ኣብ ኢዝላማባድ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ዝተሳተፈ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣመሪካ "እምነት ኢራን ክትረክብ ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን እትውስነሉ፡" ግዜ ሕጂ'ዩ ኢሉ።

    ንሱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ቅድሚ እቲ ልዝብ፡ ኢራን "ጽቡቕ እምነትን ድሌትን" ከም ዝነበራ ኣስሚሩሉ።

    እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣብ ሕሉፍ ክልተ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ውግኣት ዝነበራ ተሞክሮ፡ "ኣብ ተጻባኢ ወገን እምነት ከም ዝስኣነት፡" ሓቢሩ።

    ንሱ፡ ልኡኽ ኢራን "ንቕድሚት ዝጥምት ተበግሶታት ኣልዒሉ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ተጻባኢ ወገን እቲ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እምነት ልኡኽ ኢራን ክረክብ ኣይከኣለን፡" ይብል።

    ኣስዒቡ ድማ፡ "ንዓወታት ናይ ኣርብዓ መዓልታት ሃገራዊ ምክልኻል ኢራን ንምድልዳል ዝገበርናዮ ጻዕሪ ንሓንቲ ደቒቕ እውን ደዉ ኣይነብልን፡" ኢሉ።

    እቲ ዝርርብ "ጽዑቕ" ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ፓኪስታን ነዚ ኣብ ምድላው ንዝነበራ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።

  7. 'መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ኢድ ኢራን ስለ ዘሎ፡ ዝኽፈል ክኽፈል'ዩ' - ምክትል ኣፈኛ ባይቶ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ኣብ ፓኪስታን ምስ ኢራን ንሰዓታት ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣይጠቐሰን።

    እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስታት 20% ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር ማይ፡ ኣብቲ ዝርርብ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ ነይሩ።

    ቁልፊ ክፋል ናይቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ተኹሲ ደው ምባል፡ መራኽብ በቲ መጻብቦ ብውሑስ መንገዲ ክሓልፋ ኣለወን ይብል።

    ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን ሓጂ ባቤይ፡ እቲ መጻብቦ ንቴህራን ቀይሕ መስመር ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ሚሀርስ ጸብጺቡ።

    እቲ መጻብቦ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ኢራን ከም ዘሎን "ወጻኢታት ብርያል -መተዓዳደጊ ባጤራ ኢራን - ክኽፈል ኣለዎ፡" ኢሉ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ መጻብቦ "ኣብ ቀረባ እዋን ክፉት ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ብተወሳኺ ክልተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ "መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ዝሰጋገራ" ገሊጹ።

    ኢራን ግን እዘን ክልተ መራኽብ በቲ ከባቢ ኣቢለን እየን ሓሊፈን ዝብል ነጺጋቶ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን "ወተሃደራዊ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ ኸቢድ ግብረ መልሲ ክወሃቦ'ዩ፡" ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንመንግስታዊ ፈነወ IRIB ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

  8. ሕጂ ትራምፕ ክልተ ጽኑዕ ምርጫ ኣለዎ - እቲ ጐንጺ ምግዳድ ወይ ምልዛብ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ነቲ ብዘይ ፍረ ዝተበተነ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን፡ እዚ ሕማቕን ጽቡቕን ዜና እዩ ኢሉ።

    እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ምስ ኢራናውያን ጭቡጥ ዘተ ምክያዶም እዩ።

    ኣብ ስምምዕ ዘይምብጽሖም ግን እቲ ሕማቕ ዜና እዩ፤ እዚ ኽኣ ንኢራን ከም ዝዀነ እዩ ተዛሪቡ።

    እዚ ዘተ ዝወሰዶ ንውሓት ግዜ ርኡይን ዘገርምን እዩ ነይሩ።

    ኣብ ስምምዕ ዘይምብጻሖም ግን ዘገርም ኣይኰነን።

    ኣመሪካውያን፡ ኣብዚ ኲናት ኣመና ተሃስያ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ቅልጡፍ ምርድዳእ ክብጻሕ ይክኣል'ዩ ዝብል ግምት ሒዞም'ዮም ናብ ፓኪስታን መጺኦም።

    ቫንስ ኢራን ኣመሪካ ንዘቕረበቶም "ውዕላት ክቕበሉ ኣይመረጹን፡" ክብል ተዛሪቡ።

    ኢራን ግን ናይ ገዛእ ርእሳ ቀይሕ መስመራት ኣለዋ። ሓያል ኢድ ከም ዘለዋ ኣሚና እያ ናብዚ ድርድር መጺኣ።

    ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕማ ዓቢ ጉድኣት እኳ እንተበጽሐ፡ ገና ክትቃለስ ዓቕምን ድልውነትን ኣለዋ።

    ከምኡ’ውን ሕጂ’ውን ብፍላይ ስትራተጂካዊ ቦታ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምቁጽጻር ርኡይ ዓቕሚ ኣለዋ።

    ቴህራንን ዋሽንግተንን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ስምምዕ ኒዩክሌር ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ 18 ኣዋርሕ ዝወሰደ ሰሓቦ ጉተቶ ነይሩ።

    ሕጂ ትራምፕ ክልተ ምርጫ ገጢምዎ ኣሎ - እቲ ኲናት ምብራኽ ወይ ናብ ድርድር ምምላስ።

  9. ሓሪቑ፡ ተስፋ ቈሪጹ፡ ጥራይ ኢዱ ናብ ኣመሪካ ዝተመልሰ ቫንስ

    ኣብ ኢስላማባድ፡ ጸሓይ ኣብ እትበርቕሉ ዝነበረት እዋን'ዩ ሃንበት እዚ ዜና ተሰሚዑ።

    ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ንጉሆ ዝቐጸለ ዝርርብ ድሕሪ ምክያዱ፡ ጄዲ ቫንስ ልኡኽ ኣመሪካ ብዘይ ስምምዕ ናብ ሃገሩ ክምለስ ምዃኑ ገሊጹ።

    ቫንስ ኣብ መስርሕ እቲ ዘተ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዙሕ ግዜ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ።

    እቲ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ይኹን ንዕኡ ንምምዕባል ዘኽእላ ኣጽዋር ከም ዘይትደልዩ ከረጋግጽ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።

    እዚ ድማ ቀንዲ ዕላማ ፕረዚደንት ትራምፕ ምዃኑ ገሊጹ - በዚ ሕቃኑ ኣይሓበአን።

    ኢራን ወትሩ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምምዕባል መደብ ከም ዘይብላ ትገልጽ።

    ዛጊት ልኡኽ ወግዓዊ ምላሽ እኳ እንተዘይተዋህበ፡ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ግን እቲ ዝርርብ ብሰንኪ ዘይምኽንያታዊ ጠለባት ኣመሪካ ከም ዝተበተነ ገሊጸን።

    ቫንስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝሃቦም ርእይቶታት፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ኣይጠቐሰን።

    እዚ፡ እቲ ኣመሪካ ኢራን ክትከፍቶ እትደልዮ ቁልፊ መስመር ነዳዲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝርርብ ድማ ዓቢ ኣካታዒ ነጥቢ ምዃኑ ብሰፊሑ ይግለጽ ነይሩ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ ናብ ኢስላማባድ ምምጽኦም ነቲ ዝተሰማምዑሉ ተኹሲ ደው ምባል ክቕጽሉ ግድን ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ክልቲኦም ወገናት ድሮ ነቲ ስምምዕ ብምጥሓስ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።

  10. ፓኪስታን፡ ክልአቲኦም ወገናት ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከኽብሩ 'ወሳኒ'ዩ' ኢላ

    ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኣመሪካን ኢራንን "ተኹሲ ደው ንምባል ዘለዎም ተወፋይነት ክቕጽሉ፡" ኣተሓሳሲቡ።

    እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክልቲኦም ወገናት ብእወንታዊ መንፈስ ብሓባር ብምስራሕ ንዞባናን ኪኖኡን ነባሪ ሰላምን ራህዋን ክረጋገጹ ተስፋ ንገብር፡" ኢሉ።

    ፓኪስታን "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት" ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘተ ኣብ ምምችቻእ ክትጽዕር ምዃና'ዉን እቲ ሚኒስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

  11. ልኡኽ ኢራን ካብ ኢስላምባድ ተበጊሱ

    ልኡኽ ኢራን ካብ ኢስላምባድ ከም ዝተበገሰ ሙሉእ ንሙሉእ ወግዓዊ ዘይኰነ ማዕከን ዜና ኢራን መህር ሓቢሩ።

    እቲ ብኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ዝምራሕ ልኡኽ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ውሽጢ ዓዲ ሰዓት 9፡00 (4፡00 GMT፡ 5፡00 BST) ከም ዝተበገሰ እቲ ትካል ጸብጺቡ።

    ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ዝርከቦ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ እውን፡ ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ካብ ኢስላምባድ ከም ዝወጽአ ይፍለጥ።

  12. ኢራን፡ ኣመሪካ 'ካብ መጠን ንላዕሊ ጠለባት' ካብ ምቕራብ ክትቑጠብ ጸዊዓ

    ኢራን ምስ ኣመሪካ ዘካየደቶ ልዝብ ከም ዝፈሸለ ይፍለጥ።

    ድሕሪ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሕሉ ዘይኽሉ ዝርርብ ሰላም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ድማ፡ ኣመሪካ ካብ 'ካብ መጠን ንላዕሊ ጠለባት' ክትቁጠብ ኣለዋ ኢላ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ዝርርብ "ጽዑቕ" ክብል'ኳ እንተገለጾ፡ ዕዉትነት ናይቲ ዝተኻየደ ዘተ ግን "ኣብ ዕቱብነትን ሰናይ ድሌትን ተጻባኢ ወገን ዝምኰስ'ዩ፡" ይብል።

    ባጋይ ብተወሳኺ ዋሽንግተን ካብ "ካብ መጠን ንላዕሊ ጠለባትን ዘይሕጋዊ ሕቶታትን" ካብ ምቕራብ ክትቁጠብን "ሕጋዊ መሰላትን ረብሓታትን" ኢራን ክትቅበልን ይጽውዕ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ፡ መደብ ኒዩክለራዊ ኢራንን "ኲናት ኢራን ምሉእ ብምሉእ ምውዳእ"ን ኣብ ዘተ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ካብ መንጐ ዝተላዕሉ ምዃኖም ይግለጽ።

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ካብ ኢዝላማባድ ዝወጽአ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ዝርርብ ብወገን ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ክንሰምዕ ትጽቢት ይግበር።

  13. ቫንስ፡ ብዛዕብ ምቁራጽ ዝርርብ ክልአቲን ሃገራት ዝጠቐሶም ጉዳያት

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ምስ ኢራን ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕን ከቢድን ዘተ፡ ነቲ ኲናት ኣብ ዘብቅዕ ስምምዕ ሰላም ከብጽሕ ድሕሪ ዘይምኽኣሉ ናብ ሃገሩ ኣምሪሑ።

    ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ኣማኻሪ ዋይት ሃውስን ጃረድ ኩሽነርን ደው ኢሉ ዝነበረ ቫንስ፡ ካብ ኢዝላማባድ ቅድሚ ምብጋሱ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ሂቡ።

    ቀንዲ ዘልዓሎም ሓሳባት፥

    • ኣብ ኢስላማባድ ን21 ሰዓታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ከም ዘይከኣላ ገሊጹ
    • "ምስ ኢራናውያን ብርክት ዝበሉ ዘተታት ኣካይድና ኢና፡ እዚ'ዩ እቲ ጽቡቕ ዜና። እቲ ሕማቕ ዜና ኣብ ስምምዕ ከም ዘይበጻሕና'ዩ፡ እዚ ድማ ካብ ንኣመሪካ ንኢራን ሕማቕ ዜና'ዩ ዝመስለኒ፡" ይብል ቫንስ
    • "በቃ ኢራናውያን ንውዕላትና ኣብ ዝቕበሉሉ ኩነታት ክንበጽሕ ኣይከኣልናን፡" ኢሉ
    • እቲ ምክትል ፕረዚደንት ብተወሳኺ ንቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒርን ዘለዎ ናእዳ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ልዝብ "ዝዀነ ጉድለታት" እኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን"ብሰንኪ ፓኪስታናውያን ዝስዓበ ኣይኰነን፤ ዘገርም ስራሕ እዮም ሰሪሖም፡" ክብል ተዛሪቡ
    • ቫንስ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ኢራን ምስ ተሓተተ፡ እታ ሃገር ሕጂ ይኹን ንመጻኢ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይህልዋ ደው ምባል "ቀንዲ ዕላማ" ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምዃኑ ጠቒሱ
    • ወሲኹ ድማ ትራምፕ ኣብቲ ዝርርብ ተሳቲፉ ከም ዝነበረን እቲ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ብተደጋጋሚ ምስ ትራምፕ ይዘራረብ ከም ዝበረ ሓቢሩ
    • "ኣዝዩ ቀሊል እማመ ሒዝና ኢና ንብገስ፡ እዚ ናይ መወዳእታን ዝበለጸን ጠለብ እዩ፤ ኢራናውያን ይቕበልዎ እንተዀይኖም ክንርኢ ኢና፡" ኢሉ
  14. 'መግነዚ ጨርቂ' እየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ'ዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ?

  15. ብዛዕባ ዝርርብ ሰላም ዝወሃቡ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት መራሕቲ

    ኣመሪካን ኢራንን፡ እቲ ኣብ ፓኪስታን ከካይኦ ዝጀመራ ክልትኣዊ ዝርርብ ሰላም ዝፈሸለሉ ምኽንያት ዝምልከት ዝተፈላለየ ርእይቶታት የቕርባ ኣለዋ።

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ካብ ኣመሪካ ዝቐረበ "ዘይምኽኑይ ጠለባት" ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ኣፍሺልዎ።

    "ካብ ልኡኽ ኢራን ዝተፈላለየ ተበግሶታት እኳ እንተተወሰደ፡ ዘይምኽኑይ ጠለባት ወገን ኣመሪካ ነቲ ድርድር ከይስጉም ዓጊትዎ። እቲ ድርድር ድማ በዚ ተዛዚሙ፡" ክብል መንግስታዊ ፈነወ ኢራን ኢራብ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተላዘብቲ ኣመሪካ "ተዓጻጸፍት"ን "ተሓባበርትን" ምንባሮም ይዛረቡ።

    ቫንስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብዚ "ሰናይ ድሌት ሒዝኻ ብምኻድ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ጻዕሪ ግበር ኢሉ ሰዲዱኒ። ከምኡ ጌርና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ዝዀነ ምዕባለ ክንገብር ኣይከኣልናን፡" ኢሉ።

    ንሱ ወሲኹ፡ "ኣዝዩ ቀሊል ሓሳብ፡ ናይ መወዳእታን ዝበለጸን ኣገባብ ምርድዳእ" ከም ዘቕረበ ይዛረብ።

    ክልቲአን ሃገራት ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበራ ይፍለጥ።

    ሕጂ ዝቕጽል ስጉምትታት እንታይ ምዃኑን ተወሳኺ ዝርርብ ክካየድ መደብ ከም ዘሎን ንጹር ኣይኰነን።

  16. ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ቺምፓንዚታት ኣብ ሕሱም 'ኲናት ሓድሕድ' ተጸሚዶም

  17. ቅዋም ሃገር ዝቐየረ ፕረዚደንት ጅቡቲ፡ ንሻድሻይ ግዜኡ ብዓብላሊ ተዓዊቱ

  18. ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳብ በዓል ትንሳኤ

  19. ፓኪስታን፡ ብኸመይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ክትሽምግል ክኢላ?

  20. ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራንን ኣመሪካን ብ'ክፉት ልቢ' ክዛተያ ጸዊዑ

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ብሓጎስ ብምቕባል ክልቲኦም ወገናት "ብክፉት ልቢ " ክላዘቡ ጸዊዑ።

    ወሃቢት ቃል እቲ ዋና ጸሓፊ ስቴፋን ዱጃሪክ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ጉተረዝ "እቶም ወገናት ነዚ ዲፕሎማስያዊ ዕድል ተጠቒሞም ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝምህዳእን ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ብምዕላም፡ ናብ ነባሪን ኩuለመዳያውን ስምምዕ ብጽቡቕ ድሌት ክብገሱ ይጽውዕ።

    "ዋና ጸሓፊ፡ ንኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ካብ ንዓለምለኻዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ተማእዚዝካ ብሰላማዊ ካb ዘተ ምፍታሕ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየልቦ ደጊሙ ይገልጽ፡" ክትብል ዱጃሪክ ኣስሚራትሉ።

    ውልቃዊ ልኡኽ ጉተረዝ እውን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምድጋፍ ኣብቲ ዞባ ከምዘሎ ወሲኻ ገሊጻ።