እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢራን-ኣመሪካ ቀዳም፡ እስራኤል-ሊባኖስ ሰሉስ

    ኣብዚ እዋን ተዛተይቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ኢስላማባድ ፓኪስታን ተረኺቦም ነቲ ሎሚ ድሒሩ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝርርብ ሰላም ይዳለዉ ኣለዉ። ሰሉስ ድማ እስራኤልን ሊባኖስን ዘተ ከካይዳ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ዝርርባትን ተበጺሑ ዘሎ ተኹሲ ደው ምባልን ዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ሓደ ሓደ ነጥቢታት ንርአ፤

    ዘተ

    ኣመሪካ-ኢራን፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ዝርርብ ሰላም ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስን ጕጅልኡን፡ ኢራናውያን መዛኑኦም ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፡ ሰዓታት ጸኒሖም ኣብ ሓይሊ ኣየር ክልተ ዓሊቦም።

    ሊባኖስ-እስራኤል፡ ሰበስልጣን እስራኤልን ሊባኖስን ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ዝርርብ ክጅምሩ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ምስ ሊባኖስ ኣብ ዝግበር ዘተ ተዅሲ ደው ምባል ከምዘይሳተፍ ገሊጻ።

    ተዅሲ ደው ምባል

    ሰሉስ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ቅድመ ኵነት ዘለዎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተበጺሑ፤ እዚ ድማ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።

    እዚ ስምምዕ ፈለማ ብትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ቴህራን ድሒራ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ኣረጋጊጻ፤ እዚ ድማ ኣብ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር መጥቃዕቲታት ደው ኣብ ምባልን ዝተመርኮሰ እዩ።

    ይዅን እምበር ኣብቲ እዋን ዝተሰማምዑሉ ነገራት ምሉእ ዝርዝር ኣይተዘርግሐን። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝብጻሕ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

    ሊባኖስ ኣብ መንቀራቕሮ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣትያ ዘላ እያ፣ እቲ ውግእ ቀጺሉ ኣሎ። ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ከም ዘይትኸውን ከመልክታ እንከለዋ፡ እታ ቀንዲ መንጐና ዝዀነት ፓኪስታን ግን እቲ ውዕል ንሊባኖስ’ውን ከምዘጠቓልል ገሊጻ።

  2. ፓኪስታን፡ ክልቲኦም ወገናት እወታዊ ሃናጺ ልዝብ ከካይዱ ተስፋኣ ገሊጻ

    እቲ ንመኣዲ ዘተ ኣመሪካን ኢራንን ዘዋድድ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን መሓመድ ኢሻቕ ዳር፡ ኣብ ኢስላማባድ ንጀይዲ ቫንስ ኣብ ዝተቐበለሉ ኣጋጣሚ፡ ኣመሪካ ነባሪ ዞባውን ዓለማውን ሰላም ንምምዝጋብ ዝገበረቶ ተወፋይነት መጕሱ።

    እቲ ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝተዋህበ መግለጺ፡ ከም ዘመልክቶ፡ ኢራንን ኣመሪካን "ብሃናጺ መንገዲ ክሳተfኣ ተስፋ ከምዘሎዎ፣ ፓኪስታን ድማ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ነባሪን ፍታሕ ናይቲ ግጭት ንምብጻሕ ዘድሊ ምምችቻእ ኣብ ምግባር ክትቅጽል ዘለዋ ድሌት ደጊሙ የረጋግጽ" ክብል ኣፍሊጡ።

  3. ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

    ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ቫንስ ነቲ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ንምግታእ ኲናት ከምዘድሊ ዝገልጽ ስነ-ሞጎት ትራምፕ ብግልጺ ከቃልሕ ጸኒሑ እዩ፤ እዚ ግን ከም ካልኦት ሰበስልጣን ብፍላይ ድማ ከምቲ ጸሓፊ ምክልኻል ሄግሰት ክገብሮ ዝጸንሐ ዓይነት ኣይኰነን። ዘረባኡ’ውን ሓሓሊፉ ካብ ናይ ትራምፕ ተፈልዩ'ዩ፤ ነቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ተሃዋሲ ዕርቂ ክብል እዩ ገሊጽዎ።

    እዚ እናተፈልጠ ግን ትራምፕ ንቫንስ ነቲ ልኡኽ ክመርሖ ከቢድ ሓለፍነት ኣሰኪምዎ። ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ እቲ ዝተገብረ ምርጫ ንቫንስ፡ ንኢራናውያን ምትእምማን ንምፍጣርን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዕቱብነት ከምዘለዎን ንምርኣይ ዝተሰደደ ኣገዳሲ ምልክት ምዃኑ ይገልጽ።

  4. ፓኪስታን ዝኣተዉ ልኡኻት ዘተ ኣመሪካን ኢራንን ብዓል መን'ዮም?

    ብኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ዝምራሕ ጕጅለ ቴህራን ምስ ኣመሪካ ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ከምዝኣተወ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ብምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ዝምራሕ ልኡኽ ዋሽንግተን እውን ናብ ርእሰ ከተማ እስላማባድ በጺሑ ኣሎ።

    ኣመሪካን ኢራንን ድሕሪ ናይ 40 መዓልታት ኲናት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምብጽሑ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን እየን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ክራኸባ ።

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቲ ጕጅለ ንምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺ፡ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ዓሊ ኣኽባር ኣሕመዲነጃድ፡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ኤስያ ዓብደልናሰር ሐማቲን ሓያሎ ኣባላት ባይቶን ዝሓቘፈ እዩ።

    እቲ ልኡኽ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንግስቲ ኢራን ፍሉጥ ሰብ ኰይኑ ተቐልቂሉ ዘሎ፡ ኣፈ ጉባኤ ጋሊባፍ ዝምራሕ እዩ።

    እቲ ኣፈኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ናይ ኤክስ ጽሑፋቱ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝርርብ ክትሳተፍ ድልውቲ ብዛዕባ ምዃና ኢራን ብዓይኒ ጥርጣረ ከምእትረእዮ ገሊጹ ነይሩ።

    ካልእ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ድማ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣባስ ኣራግቺ እዩ። ኣራግቺ ኣብ 2015 ኣብ ውዕል ኒኩለር ኢራን ኣብ ዝርርብ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

    ብምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ዝምራሕ ልኡኽ እውን ድሮ ናብ ፓኪስታን ኣትዩ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮፍን ኣብ ቀዳማይ ዕድመ ስልጣን ትራምፕ ኣማኻሪኡ ዝነበረን ሰብኣይ ጓሉ ጃረድ ኩሽነርን ኣካል ናይቲ ጕጅለ ዘተ እዮም።

    ኩሽነርን ዊትኮፍን እውን ኣብቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝተኻየደ ዝርርብ ዝነበሩ እዮም። ኣብቲ ንኲናት ቓዛ ዘብቅዐ ተዅሲ ደው ምባልን ምስ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ዝተገብረ ዘተ እውን ተሳቲፎም እዮም።

    ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኢራናውያን ብጽቡቕ ድሌት ክዘራረቡ ፍቓደኛታት እንተዀይኖም ብርግጽ ሓንጎይፋ ኢልና ክንቅበሎም ኢና” ኢሉ።

  5. ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ-2 እንታይ ተዓዚቦም ተመሊሶም?

  6. ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

  7. ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ደራሲ ዜማታት ቤተክርስትያን - እንታይ ንፈልጥ?

  8. ደርበይቲ ቦምባታት 'ደቂ መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን'- ኣቡነ ሊዮ

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሕ ዘሎ ኲናት "ዘይስነመጐታዊን ኢሰብኣዊን ጎነጽ" ብምባል ኮኒኖሞ።

    ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ህይወት ሰባት ግዳይ ውልቃዊ ረብሓታት ይኸውን ኣሎ ክብሉ'ውን ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም።

    "ብህይወት ድኹማት፡ ቆልዑን ስድራቤታትን ዝርከብ ረብሓ ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል ኣብ ኤክስ ጽሒፎም።

    "ቦምባታት ዝድርብዩ" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን ብምባል ንኲናት ዘለዎም ተቓውሞ ዘነጸሩ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ "ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ቦታ ናጽነት ወይ እዋን ሰላም እዋን ኣይክፈጥርን እዩ" ኢሎም።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንበረ ቫቲካን ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ፈላሚ ዓለምለኻዊ መገሻኦም ዝበጽሑዋ ሊባኖስ ብዘየቋርጽ ደብዳባት እስራኤል ትናወጽ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ዛጊት 1,953 ሰባት ብመጥቃዕቲ ሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።

  9. ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ወኪል ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

  10. ጀይ-ዲ ቫንስ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ተበጊሱ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ወከልቲ ኢራን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ'ሎ።

    ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ክንዘራረብ ኢና ንደሊ" ብምባል ኢራናውያን "ብቕንዕና" ንዘተ እንተመጺኦም ኣመሪካ "ኣእዳዋ ክትዝርግሕ" ቅርብቲ ምዃና ተዛሪቡ።

    እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ቫንስ፡ ምስ ምልሶት ሓለቓኡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር እዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ዕማም እቲ ኣዝዩ በዳሂ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፠

    ትራምፕ፡ ኢራን፡ እስራኤልን መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥን ዝዓግባሉ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምርግጋጽ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

    እንታይ ምዃኖም'ኳ ብንጹር እንተ ዘይጠቐሰ፡ ካብቲ ፕረዚደንት "ንጹራት መምርሒታት" ከምዝተዋህቦ'ዩ ናብታ "ኣየርፎርስ ክልተ' ዝተባህለት ነፋሪቱ ቅድሚ ምስቃሉ ኣሚቱ ዘሎ።

    ኢስላማባድ ንክልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ሞገስ ዝረኸበት ሃገር ኮይና ብምህላዋ፡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒባ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኣወጀ ተነቃፊ ምቁራጽ ተዂሲ ዛጊት ጸኒዑ'ኳ እንተሎ፡ እቲ ንግዳዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት መሊኡ ክኽፈት ኣይክኣለን።

    ቴህራን፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው እንተ ኣቢላ ጥራይ ከምእትኸፍቶ'ያ ኣፍሊጣ ዘላ።

  11. ምስልታት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ወጻኢ ሃገራትን

  12. መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓውሞ ህወሓት ብዝምልከት ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ

  13. መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ'ዩ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

    ድሕሪ'ቲ ን40 መዓልታት ዝተኻየደ ግጭት ኢራንን ኣመሪካ-እስራኤልን፡ ሓደ ዘገርም መደምደምታ እዩ ተቐልቂሉ ወጺኡ፤ ኢራን ዝያዳ ብመንገዲ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምቍጽጻር ዘለዋ ዓቕሚ ብዘግሃደ መልክዕ።

    ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ንቐንዲ ቦታታትን መራሕትን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ደብዳባት ብምግባር ለውጢ ስርዓት ንምስግዳድ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ብሰፊሑ ክትረኽ ጸኒሑ እዩ።

    እቲ ተጻብኦታት እናገደደ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኢራን ኣተኵሮኣ ናብቲ ንወሽመጥ ፋርስ ምስ ዓለማዊ ዕዳጋታት ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ማይ ብምዛር፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ክትዘርግን ክትዓግትን ክኢላ።

    ዝርዝሩ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሊንክ ጠዊቕኩም ክተንብቡ ትኽእሉ፡

  14. ስታርመር፡ ኣብ ዑደት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ተዘራሪቡ

    ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኪር ስታርመር፡ ብሰሉስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምዃዱ ንጽባሒቱ ናብ ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬንን ቀጠርን ተጓዒዙ ምስ መዘናታቱ ዘትዩ።

    ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር (ዳውኒንግ ስትሪት) ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምስ ኵሎም መራሕቲ ዝተገብረ ዘተ፡ ኣብ ምዅናን ናይቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ክትፍጽሞ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምጽናዕ ምቍራጽ ተኸሲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ዘተኰረ ነይሩ።

    ስታርመር ምስ መራሕቲ እቲ ዞባ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ ብተለፎን ተዘራሪቡ።

    ስታርመር፡ መጻብ ቦሆርሙዝ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ስምምዕ፡ "ዓዲ እንግሊዝ ንመሻርኽቲ ሃገራት ንምእካብ እትገብሮ ጻዕሪ፡" ንትራምፕ ገሊጽሉ።

    ብተወሳኺ፡ "ምንቅስቓስ መራኽብ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንምጅማር ብዛዕባ ዘኽእል ግብራዊ ትልሚ" ምስ ትራምፕ ተመያዪጡ።

  15. ሕዝቦላህ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ እስራኤል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ

    ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝጠሓሰቶ ብምግላጽ፡ ከም ግብረመልሲ ኣብ ሰሜን እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይገልጽ ኣሎ።

    እዚ ኣብ ሊባኖስ ዝመደሩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጕጅለ ተኸታሊ ሺዓ ሙስሊም እዩ።

    ሕዝቦላህ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ናብ እትርከብ ኪርያት ሽሞናን ኣብ ሰሜን እስራኤል ዞባ ላዕለዋይ ጋሊለ ናብ እትርከብ ምስጋቭ ዓምን ሮኬታት ከም ዝተኰሰ ገሊጹ።

    እቲ ጕጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዚ ግብረ-መልሲ እዚ፡ ወራር እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ክሳዕ ዘብቅዕ ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።

    ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከካይድኦ ዝወርሓ ኲናት ንኽልተ ሰሙን ደው ከብልኦ እኳ እንተ ተሰማምዓ፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ግን ቀጺሉ ኣሎ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስ ናይቲ ስምምዕ ኣካል ኣይኰነትን ክብላ እንከለዋ፡ እታ ኣብቲ ዘተ ቀንዲ ኣሸምጋሊት ዝዀነት ፓኪስታን ግን ሊባኖስ ኣካል እቲ ስምምዕ ምዃና ትገልጽ።

  16. ንሜላንያ ምስ ትራምፕ ዘራኸባ ኤፕስተይን ድዩ፡ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ኢላ?

  17. መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

  18. ስቕለት ብኸመይን ኣበይን ተጀሚሩ?

  19. ሩስያን ዩክረይንን ንበዓል ፋሲካ ኦርቶዶክስ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዐን

  20. ኣድማስ ዘልኣለማዊ ድዩ፡ ብኸመይከ ክጠፍእ ይኽእል?