እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ጸዊዖም

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም።

    እዞም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ነቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኢራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ስርሒት ብትሪ ካብ ዝነቐፉ ሰባት ሓደ እዮም።

    ስለዚ እዚ ሕጂ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብርቱዕ ናይ ቃላት ምልልስ ድሕሪ ምክያዶም ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ትራምፕ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ጳጳስ ነዊሕ ነቐፌታዊ ጽሑፍ ምልጣፉ ይዝከር።

    ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝገበሩዎ ዑደት ተመሊሶም ናብ ሮማ ብነፋሪት ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን፡ "ኵሎም ወገናት ሰላም ንምንጋስ፡ ስግኣት ኲናት ንምውጋድን ኣህጉራዊ ሕጊ ንምኽባርን ዝከኣሎም ኵሉ ጻዕሪ ክገብሩን እቲ ዘተ ሰላም ክቕጽልን አተባብዕ ኣለኹ፡" ኢሎም።

    ወሲኾም ድማ፡ "ከም ጓሳ መጠን፡ ወገን ኲናት ክኸውን ኣይክእልን እየ፤ ኵሉ ሰብ ድማ ካብ ጽልእን ምክፍፋልን ዘይኰነስ፡ ካብ ባህሊ ሰላም ዝምንጩ መልስታት ንምድላይ ጻዕሪ ክገብር አተባብዕ፡" ኢሎም።

    ኣብቲ እዋን፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሊባኖስ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ "እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ" ዝብል ጽሑፍ ሒዙ ዝተሳእለ ናይ ሓደ ሙስሊም ቈልዓ ስእሊ ወትሩ ሒዞም ከም ዝዘሩ ገሊጾም።

    እቶም ጳጳስ ብዛዕባ እቲ ቈልዓ ክዛረቡ ከለዉ፡ "ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኲናት ተቐቲሉ እዩ፡" ኢሎም።

  2. ምስጢር ብሪጣንያውያን ኣብ ቻይና፡ ስለምንታይ እዩ ሕክምናዊ ሓበሬታ ዝስረቕ?

  3. ካብ ዑደት ንጉስ ክሳብ ክሲ ቢቢሲ፡ ትራምፕ ብሓያል መጠንቀቕታ ተመሊሱ

  4. ሓድሽ ማዕበል ፍወሳ ብኸመይ እዩ መንሽሮ ዘወግድ ዘሎ?

  5. ሃለዋቱ ዘይተፈልጠ ጋዜጠኛ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ

  6. ብኢማራት ዝምወሉ ዕሱባት ኣብ ሱዳን ዝገበርዎ ዘቃልዕ ሓድሽ ጸብጻብ

  7. ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ ስልጣኑ ለቚቑ

  8. 6 ዘደንጽዉ ዛንታታት ዝምታ

  9. ኢትዮጵያ፡ ዝቐፀለ 'ዓሌታዊ' ግፍዕታት ኣብ ምዕራብ ትግራይ - ሓድሽ ፀብፃብ

  10. መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ 20,000 በረራታት ክስርሕዝ'ዩ

    ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ሓደ ካብ ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ኣውሮጳ ዝኾነ ሉፍታንዛ፡ እቲ ስጉምቲ 40,000 ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ክዕቅብ ከምዘኽእሎ ሓቢሩ።

    ኲናት እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ካብ ዝውላዕ ንድሓር ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ (ጀት ፍዩል) ብዕጽፊ ወሲኹ'ሎ።

    ሃገራት ወሽመጥ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ዓይነት ነዳዲ ምዃነን ይፍለጥ።

    ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ነዳዲ ነፈርቲ ካብ ሰሙናት ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    እዚ ኣብ ክረምቲ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ምስራዝ በረራታት ሉፍታንዛ ንዋጋ ትኬታት ዝያዳ ከንህሮ ከምዝኽእል ይግመት። ክረምቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዕጸውሉ ናይ መገሻ ወቕቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

  11. ሓይልታት ኢራን ንመራኽብ ንግዲ የጥቅዑን ይሕዙን ኣለዉ

    ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሓይልታት ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክልተ መራኽብ ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።

    ሓደ ብሪጣንያዊ ትካል ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ (UKMTO) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓንቲ "ብረት ዝዓጠቐት ጃልባ" ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ናብ ሓንቲ ኮንቴነራት ዝጸዓነት መርከብ ንግዲ ከምዝተኮሰት የመልክት።

    መራሒ ናይታ ባንዴራ ግሪኽ ዝሰቐለት መርከብ 'ኢፓሚኖንዳስ' መጠንቀቕታ ከምዘይተዋህቦ'ኳ እንተገለጸ፡ ምስቶም ጸግዒ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዘለዎ ማዕከን ዜና ኑር ኒውስ ግን፡ እታ መርከብ "ዝተዋህባ መጠንቀቕታ ዕሽሽ" ከምዝበለት ገሊጹ'ሎ።

    ናብ ወሽመጥ ዖማን ኣንፈት ትወጽእ ዝነበረት ካልእ መርከብ'ውን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዒላማ ሓይሊታት ኢራን ከምዝኾነት ጸብጻባት ሓቢሮም።

    'ቫንጋርድ' ዝተባህለ ትካል ስለያ ባሕሪ ከምዝበሎ፡ እታ መልህቓ ከተወርድ ዝተገደደት 'ፍራንቸስካ' ዝተባህለት ባንዴራ ፓናማ ዝቐለት መርከብ፡ ጉድኣት ወሪዱዋ ከምዘሎ ሓቢራ ኣላ።

    'ዩፎሪያ' ዝተባህለት ካልእ መርከብ'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ ኢራን ከምዝኾነት ተፈሊጡ ኣሎ። እንተኾነ ኣብታ ባንዴራ ፓናማ ዝሰቐለትን ናብ ጂዳ፡ ስዑዲ ዓረብ ትኸይድ ዝነበረት መርከብ ጽዕነት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ'ዩ ዝግለጽ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ከካይድኦ ዝጸንሓ ኲናት ዘህድአ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንደገና ከናውሖ'ኳ እንተወሰነ፡ ኣብ ኣፍደገ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኣወጆ ዕግታ መራኽብ ንግዲ ክቕጽል ምዃኑ'ዩ ኣፍሊጡ።

    ንዕጽዋ ኣመሪካ ዝተቓወመት ኢራን ብወገና፡ ናብቲ ኣፍኲሳቶ ዝነበረት ፖሊሲኣ ተመሊሳ ነቲ መጻብቦ ከምዝዓጸወቶ ብምፍላጥ ክሓልፋ ዝፈተና መራኽብ ንግዲ ከተጥቅዕ ጀሚራ ኣላ።

    ብኻልእ ወገን፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተዂሲ ንምንዋሕ ልዝብ ይግበር ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

  12. ኣምሓራ፡ ኣብ ደቡብ ጎንደር ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዝርከብዎም ሰባት ተቐቲሎም

  13. ካብ ነዳዲ ናብ ኮንዶም፡ ጽልዋ ውግእ ኢራን ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋታት

  14. 'ክሩስቲፋርያኒዝም'፡ ኪነታዊ ብልሒታት ኣንጻር ሰባት ውዲት ይገብሩ ኣለዉ ድዮም?

  15. ትራምፕ፡ ንገደብ ግዜ ምቍራጽ ተዅሲ ንምንታይ ኣናዊሑዎ?

  16. "ደቅና ክነዕቢ ኢና ንደሊ" - ነበርቲ ከተማታት ትግራይ

  17. ሓድሽ ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይብል?

  18. መቐለ፡ ጀነራል ታደሰ ንውሳነ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ

  19. ሱዳን፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ዘናወጸ ምኽዳዕ ጀነራል ኣል-ጉባ

  20. ሊባኖስ፡ ምስሊ የሱስ ብመዶሻ ዝሰበረ እስራኤላዊ ወተሃደር ዓለምለኻዊ ቍጥዐ ፈጢሩ