እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ሓያል መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዚዙ
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሰለስተ ሰሙን ካብ ዝናዋሕ ድሕሪ ክልተ መዓልታት፡ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ "ሓያል መጥቃዕቲ" ክኸፍት ኣዚዙ።
እዚ ትእዛዝ`ዚ ዝመጽአ፡ ቀዳም ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሽድሽተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ክልተኦም ወገናት ብተደጋጋሚ ነቲ ስምምዕ ብምጥሓስ ክካሰሱ ድሕሪ ምጽናሖምን እዩ።
ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ እስራኤል ኣብ ናባቲየን ቢንት ጀበይልን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን 17 ድማከም ዝቘሰሉን ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ኣጽዋር ጽዒኖም ይንቀሳቐሱ ነይሮም ዝበሎም ሰለስተ ኣባላት ሕዝቦላህን ካልኦት ሰለስተ ዕጡቓትን ከም ዝቐተለ ኣፍሊጡ።
ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ኣብ ዮህሞር ኣል-ሻቂፍ ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ፡ ንሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና እስራኤል ከም ዝሃረመ ሓቢሩ ኣሎ።
ንናጽነት ሜድያ ዝጣበቕ ትካል፡ እስራኤል ኣብልዕሊ ጋዜጠኛታት እተካይዶ መጥቃዕቲ "ተቐባልነት የብሉን" ክብል ኰኒኑዎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣማል ካሊል ዝተባህለት ጋዜጠኛ ክትቅተል ከላ፡ ሰበስልጣን ሊባኖስ ድማ ጋዜጠኛታት ብደይመደይ ዒላማ ይግበሩ ከም ዘለዉ ይኸሱ።
ሰራዊት እስራኤል ግን ንጋዜጠኛታት ዒላማ ከም ዘይገብር እዩ ዝገልጽ።
ማሊ፡ ምኒስተር ምክልኻል ተቐቲሉ፣ ኪዳል ኣብ ኢድ ዕጡቓት ወዲቓ
ኣብ ማሊ፡ ብጅሃዳውያን ዕጡቓትን ተገንጸልቲ ሓይልታትን ብዝተወደበ ማዕበል መጥቃዕትን፡ ምኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ሳድዮ ካማራ ተቐቲሉ።
እቲ ምኒስተር ዝተቐትለ፡ ኣብቲ ጥቓ ርእሰ-ከተማ ባማኮ ዝርከብ መንበሪኡ ብዝተፈጸመ ነብሰ-ቅለታዊ መጥቃዕቲ እዩ።
መንግስታዊ ተለቪዥን ከም ዘረጋገጾ፡ ካማራ ምስቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣብ ምክልኻል ከሎ ብዝበጽሖ መውጋእቲ ኣብ ሆስፒታል ህይወቱ ሓሊፋ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላት ስድራኡ እውን ተቐቲሎም እዮም።
መሪሕነት እታ ሃገር፡ ጀነራል ኣሲሚ ጎይታ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛኡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናብ ውሑስ ቦታ ከም ዝተሰጋገረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዓወት ተገንጸልቲ ሓይልታትን ምስሓብ ሩስያውያን ዕጡቓትን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ተገንጸልቲ ሓይልታት ኣዛዋድ (FLA) ንኸተማ ኪዳል ከም ዝተቘጻጸሩዋ ገሊጾም።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ጕጅለ፡ እቶም ብመንግስቲ ማሊ ተቘጺሮም ዝነበሩ ሩስያውያን ወተሃደራት (Africa Corps) ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ኲናት፡ ካብታ ከተማ ብሰላም ንኽወጽኡ ምስቶም ዕጡቓት ስምምዕ ብምግባር ለቒቖማ ወጺኦም ኣለዉ።
ኵነታት ጸጥታን ዞባዊ ግብረ-መልስን ናይዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ማሊ ዝተፈጸመ ዝዓበየ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ጅሃዳውያን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
መንግስቲ ማሊ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ድሕነት መጠንቀቕታ ኣዊጁ፡ ኣብ ባማኮን ካልኦት ከባቢታትን ድማ ናይ እዋን እቶ-እቶ ኣዋጅ ኣንቢሩ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ውድብን ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ኰኒኖሞ ኣለዉ። ፕረዚደንት ቡርኪና ፋሶ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦሬ እውን ነቲ ተግባር "ጭካነ ዝመልኦ" ክብል ብምግላጽ ደገፉ ንህዝቢ ማሊ ገሊጹ።
ማሊ ካብ 2020 ጀሚሩ ብወተሃደራዊ ጕጅለ ትመሓደር እኳ እንተ ሃለወት፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ነቲ ካብ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን ዝምንጩ መጥቃዕቲ ክትገትኦ ኣይከኣለትን። ብዙሕ ክፋል ሰሜንን ምብራቕን እታ ሃገር ድማ ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኰይኑ ይርከብ።
ሊባኖስ፡ ኣብ መንጎ ተኣፋፊ ስምምዕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል 14 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ሊባኖስ፡ ሰንበት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል፡ ክልተ ህጻናትን ክልተ ደቀንስትዮን ዝርከባኦም 14 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 37 ድማ ከም ዝቘሰሉን ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንዝርከባ ዓድታት ናይ ምውጻእ መጠንቀቕታ ሂቡ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ስርሒት ድማ ንወተሃደራቱ ስግኣት ዝዀኑ ድፋዓት ሕዝቦላህ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ሕዝቦላህ ብወገኑ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ወዲ 19 ዓመት እስራኤላዊ ወተሃደር ክቕተል እንከሎ፡ ሽዱሽተ ድማ ቈሲሎም። እስራኤል ግን ካልኦት ሰለስተ ድሮናት ዶብ ቅድሚ ምስጋረን ከም ዘፍሸለተን ሓቢራ።
እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምስሕሓብ ዝካየድ ዘሎ፡ ክልተአን ሃገራት ካብ 16 ምያዝያ ጀሚሩ ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ዝርከባሉን እቲ ስምምዕ ድማ ዝሓለፈ ሓሙስ ንተወሳኺ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝተናወሓሉን እዋን እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ፡ ሕዝቦላህ ነቲ ስምምዕ የፍርሶ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እስራኤል ርእሳ ንምክልኻልን ስግኣታት ንምፍሻልን "ናይምንቅስቓስ ናጽነት" ከምዘለዋ ኣስሚሩሉ።
ኣብቲ ዲፕሎማስያዊ ሸነኽ ድማ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ምስ ዋሽንግተን ክካየድ ብዛዕባ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምምይያጥ ኣብ ፓኪስታን ዑደት ድሕሪ ምግባር፡ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ናብ ሞስኮ ከም ዘምርሕ ይጥቀስ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘተ ዕድል ንምሃብ፡ ነቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ግዜ እኳ እንተ ኣናውሖ፡ እቲ ናብ ኢስላማባድ ክግበር ዝነበሮ ዑደት ፍሉያት ልኡኻት ግን ከም ዝተሰረዘ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ኵነታት ነቲ ተኣፋፊ ሰላም እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ዓቢ ጸቕጢ የውድቘ ኣሎ።
ኣብ ድራር ዋይት ሃውስ ዝተጠጅአ ሽርሒ፡ ተዅሲ ዝኸፈተ ጥርጡር ተፈሊጡ
ኤርትራዊ ሰመረ ገብረእግዚኣብሄር ድሕሪ ነዊሕ ማእሰርቲ ካብ ቀይዲ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ወጺኡ
ካብ ካርቱም ክሳብ መቐለ፡ ሓደ ሃገር ብዙሓት ሓይልታት
ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ማራቶን ለንደን ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ
ኣብ እንግዶት ድራር ንትራምፕ ዒላማ ዝገበረ ተዅሲ፡ ኣብታ ቦታ ካብ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ
ብኪነታዊ ብልሒ ብዝተዳለዉ ምስልታት ክሳብ ክንደይ ትታለሉ? እነሆ ፈትኑ. . .
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዝጀመሮ ሓደሽ መጥቃዕቲ
ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት እሱራት ንምውጻእ ኣብ ዝገበሩዎ ስርሒት ሰባት ተቐቲሎም
ሶማልያ፡ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብቐርሰንቲ ተጨውያ
ዝተኸወለ ሓቂ መዓስከር ባቱክ፡ ኬንያውያን ብዲኤንአ ብሪጣናውያን ኣቦታቶም ይረኽቡ
በንያሚን ናታንያሁ ንኣዋርሕ ዝሓብኦ ናይ ጥዕና ምስጢር
ዝለሓዀ ኢመይል ፔንታጎን፡ ኣመሪካ ንኣባላት ኔቶ ክትቀጽዕ ድያ?
ልኡኽ ኢራን ናብ ፓኪስታን ክብገስ'ዩ
ኢራን፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ፓኪስታን ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ።
ዓባስ ኣራግቺ ሎሚ ለይቲ ናብታ መዲና ዘተ ሰላም ኢራንን ኣመሪካን ኮይና ዘላ ኢስላማባድ ክብገስ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
እቲ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ናብ ሙስካትን ሞስኮን ብምብጻሕ'ውን ምስ ሰበስልጣን ዖማንን ሩስያን ብዛዕባ ኲናትን ካልእ ክልተኣዊ ጉዳያትን ክዝቲ ምዃኑ ቴህራን ኣፍሊጣ'ላ።
እቲ ብወገን መንግስቲ ኢራን ብመንገዲ ኤክስ ዝተዋህበ ሓበሬታ ብዛዕባ ዘተ ሰላም ኣይጠቐሰን።
ምስ ወከልቲ ኢራን ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ክመለስ'ዩ ክብሃለሉ ዝቐነየ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ-ዲ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ብዛዕባ ምብጋሱ ግን ኣይተነጸረን ዘሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ንዘይተወሰነ እዋን ከምዘናውሖ ይፍለጥ።
ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ብወገኖም፡ ኢራን "ለባም ምርጫ" ብምውሳድ ንዘተ ቅርብቲ ክትከውን ብምምካር ሓይልታቶም ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ንዳግማይ ኲናት ድሉዋት ምዃኖም ኣጠንቂቖም።
ጸሓፊ (ሚኒስተር) ኲናት ፒት ሄግሰት ከምዝበሎ ኣመሪካ ኣዊጃቶ ዘላ ንገለ ካብን ናብን ወደባት ኢራን ዝጓዓዛ መራኽብ ዒላማ ዝገበረ ዕግታ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ይሕይልን ይሰፍሕን ኣሎ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬን እውን፡ ዝተወሰና መራኽብ ይሓልፋ ከምዘለዋ ብምእማን፡ ቴህራን ንስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ብምጥሓስ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ፈንጂ ማይ ተጻውድ ኣላ ክብል ከሲሱ። ሓይልታቱ 34 መራኽብ ንግዲ ከምዝመለሱ'ውን እቲ ኣቦመንበር ሓለቓታት ጠቕላሊ ስታፍ ሓቢሩ'ሎ።
ኮሎነል ደመቀ ዘውዱ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች 'ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ን 'ወገንተኛ'ን ክብል ነጺጉ
ሩብዮ፡ ኢራን ካብ ሱታፈ ዋንጫ ዓለም ኣይተኸልከለትን
ኣብ ቤትጽሕፈት 'ኦቫል' ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ።
ኢራን ኣብቲ ግጥማት ንኸይትሳተፍ፡ ኣብ ክንድኣ ድማ ኢጣልያ ክትትካእ ትኽእል እያ ዝብል ግምታት ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ሩብዮ፡ ኢራን እንተ ዘይመጺኣ ግን ምርጫኣ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
ኢራን ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብ ምስታፋ ዘሎ ጸገም እቶም ስፖርተኛታት ዘይኰኑስ፡ እቶም ምስኣቶም ሒዛቶም ክትመጽእ እትኽእል ሰባት ምዃኖም ኣገንዚቡ።
"እቲ ክገብርዎ ዘይክእሉ፡ ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ሊባኖስ ብምዃን "ካብ ሕዝቦላህ ንምክልኻል" ክትሕግዝ እያ
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ዝተረኽብሉ ኣኼባ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ከም ዝነበረ ገሊጹ።
"ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ጽሒፉ።
ኣብዚ "ታሪኻዊ ኣኼባ" ተሳታፊ ምዃኑ "ዓቢ ክብሪ" ከም ዝስምዖ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን ንፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውንን ኣብ ዝመጽእ ንኸአንግዶም ብሃንቀውታ ከም ዝጽበ ኣፍሊጡ።
እቶም ላዕለዎት ተዛተይቲ ናይ ነፍሲወከፍ ሃገር፡ ኣብ ቤትጽሕፈት 'ኦቫል' ምስ ትራምፕ፡ ቫንስን ሩብዮን ብሓባር ኰይኖም ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ነቲ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብምንዋሑ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም።
ኣምባሳደር ሊባኖስ ኣብ ኣመሪካ ናዳ ሓማደ ሙዓዋድ፡ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ የኪኤል ላይተር፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሊባኖስ ሚሸል ኢሳ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማይክ ሃካቢ፡ ነፍሲወከፎም ንትራምፕ ኣብቲ ዘተ ንዝተጻወቶ ተራ ንኢዶም።
ላይተር፡ "ክቡር ፕረዚደንት፡ ብሳላ እቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ሓያል መሪሕነት ኢራን ኣዝያ ስለ ዝደኸመት፡ ሕጂ ንሕዝቦላህ ንምድኻምን ንሊባኖስ ካብ ወራሮም ናጻ ንምውጻእን ዘሎ ተኽእሎ ናይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ እስራኤልን ሊባኖስን ነታ ሃገር ካብቲ "ሕዝቦላህ ዝበሃል ሕማቕ ጽልዋ፡" ንምንጋፍ ሓባራዊ ዕላማ ከም ዘለወን ኣገንዚቡ።
ሃካቢ ብወገኑ ንሕዝቦላህ፡ ኣብ ሓደ ሰፈር ኰይኑ ናብ መስኮት ኵሎም ጐረባብቲ እምኒ ምስ ዝድርቢ ቈልዓ ኣመሳሲሉዎ። "እቲ ቈልዓ ደው ምስ ዝብል፡ ከም ሊባኖስን እስራኤልን ዝኣመሰሉ ጐረባብቲ ብሰላም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም፡" ኢሉ።