እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ህጹጽ ጻውዒት፡ ስዑዲ ዓረብ ን65 ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፍርዲ ሂባ
ፈረንሳ ዜጋታታ ካብ ማሊ ክወጹ ተማሕጺና
ፈረንሳ ዜጋታታ "ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን" ካብ ማሊ ክወጹ ጸዊዓ።
እቲ ሎሚ ዝወጸ መጠንቀቕታ፡ ፈረንሳውያን ናብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከይገሹ'ውን ዝመክር'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዕጡቓት ተቓወምቲ ብዘካየድዎ መጥቃዕትታት እታ ሃገር ኣብ ዓቢ ስግኣት ኣትያ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ርእሰከተማ ባማኮ ድምጺ ተዂሲን ነትጒን ድሕሪ ምስምዑ፡ ሚኒስተር ምክልካል እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ይፍለጥ።
ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ጀነራል ኣኢሚ ጎይታ ግን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተውዎ'ዩ ዝምጉት ዘሎ።
ንሓይልታት መንግስቲ ንምድጋፍ ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት ሩስያ ካብታ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ኣትያ ዘላ ሰሜናዊት ከተማ ኪዳል ክወጹ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጦም ነይሮም'ዮም።
ንከይማረኹ ቦምባ ፈንጂሮም ዝተቐትሉ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ 'ጀጋኑ እዮም'- ኪም
መራሒ ሰሜን ኮሪያ ነቶም ኣብ ኲናት ዩክረይን ርእሶም ዝቐተሉ ወተሃደራቱ "ጀጋኑ እዮም" ክብል ንኢዱ።
ኪም ጆንግ ኡን ንዝኽሪ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት እታ ሃገር ንዝተሃንጸ ሓወልቲ ኣብ ዝመረቐሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
"ነቲ ዓቢ ክብሪ ንምክልኻል ብዘይምውልዋል ርእሶም ብምፍንጃር፡ ከምኡ'ውን ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ" ምፍጻሞም ተወፋይነቶም ዘርኢ ምዃኑ'ዩ እቲ ዴሳዊ መራሒ ተዛሪቡ።
"ካሕሳ ከይተጸበዩ ርእሶም ዝሰውኡን፡ ዓስቢ ከይተጸበዩ ዝተወፈዩን" ይብል ኪም።
እቶም ወተሃደራት ኣብ ጐኒ ሓይልታት ሩስያ ብምስላፍ'ዮም ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም።
ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ፒዮንግያንግ ዝተኻየደ ስነስርዓት ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣንድረይ በሎሶቭንተረኺቡ ነይሩ።
ካብቶም ናብ ሩስያ ዝተላእኩ ኣስታት 15,000 ዝበጽሑ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣስታት 2,000 ኣብቲ ውግእ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ስለያ ደቡብ ኮርያ የመልክቱ።
ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?
ህወሓት፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ
ናሳ ኣብ ወርሒ ዝሃንጾ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ፡ እንተ ተፈንጂሩ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?
ኤርትራ፡ እታ ብኣሃዛት ዘይትግለጽ ዘላ 'ምስጢራዊት' ሃገር
ብዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ዝኸኣለት መርከብ ሩስያ
ሓንቲ ብሩስያዊ ቢልየነር እትውነን ዓባይ ጃልባ (ያት) በቲ ኣመሪካን ኢራንን ዓጽየንኦ ዘለዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ከምዝኸኣለት ተፈሊጡ።
እታ 142 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ 'ኖርድ' ተባሂላ ትጽዋዕ ጃልባ ምስቲ መሓዛ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ኣለክሰይ ሞርዳሾቭ ዝተባህለ ሃብታም ምትእስሳር ከምዘለዋ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ዖማን ከምዝኣተወት'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ላዕለዋይ ልኡኽ ኢራን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ዝርከቦም ሰበስልጣን ሩስያ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ዋላ'ኳ እቲ ቢልየነር ብቐጥታ ዝውንና እንተዘይኮነት፡ ኣብ ትሕቲ ብዓልቲቤቱ ትውንኖ ትካል ዝተመዝገበት እያ። እታ 500 ሚልዮን ዶላር እትግመትን ሓያሎ ደርብታት ዘለዋን ክብርቲ ጃልባ ብዓርቢ ካብ ዱባይ ተበጊሳ'ያ ናብ ርእሰከተማ ሙስካት ኣትያ።
ምዕጻው ናይቲ ማሕንቖ ንግዲ ነዳዲን ካልእ ቀመማዊ ቀረባትን ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።
ኣስመራ፡ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሰብ ጉድኣት ኣውሪዱ
ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ሓደ ወዲ 36 ከምኡ'ውን ጓል 21 ዓመት ኣብቲ ብሰንበት 26 ሚያዝያ ዘጋጠመ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ።
ካብቲ ባርዕ ዝደሓኑ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብዝወረዶም ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ጠንቂ ናይቲ ኣብ "ምምሕዳር ከባቢ ሓሊበት" ዘጋጠመ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ሓላፊ ምክልኻል ገበን 6ይ መደበር ፖሊስ ኣቶ ክብርኣብ ገብረክርስቶስ ሓቢሩ።
"እቲ ሓደጋ ዝተኸስተ ከባቢ ሰዓት 12:30 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምዃን ብዝገበርዎ ርብርብ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ተኻኢሉ እዩ።
"እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ጽዑቕ ትኪ፡ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብምዕፋኖም ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወሲዶም ኣለዉ። እቶም ግዳያት ኣብዚ እዋን እዚ ኣድላዪ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ" ይብል እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ።
ሕብረተሰብ ምስ ሓዊ ዝተሓሓዝ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ዝተማሕጸኑ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ፡ "ተቓጻሊ ባህሪያት ዘለዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ምኽዛን ክቑጠብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።"
ኣብ ኤርትራ ባርዕ ሓዊ መንበሪ ሳሕቲ ዘጋጥም'ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ሓሓሊፉ ክርአ ጸኒሑ'ዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ 6ይ መደበር ፖሊስ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ጥርጡር መጥቃዕቲ ድራር ዋይት ሃውስ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ
ብረት ሒዙ ናብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ እንግዶት ድራር ጋዜጠኛታት ዋይት ሃውስ ክኣቱ ዝፈተነ ጥርጡር ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቅትለት ክፍጽም ፈቲኑ ዝብል ወግዓዊ ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ ኮል ቶማስ ኣለን፡ ምስ ብረት ዝተሓሓዝ ተወሳኺ ክልተ ክስታት'ውን ቀሪቦምሉ ኣለዉ።
እቲ ወዲ 31 ዓመት፡ ሓደ 'ሰሚ-ኦቶማቲክ'፡ ሓጺር ብረት፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ካራታት ሒዙ'ዩ ናብቲ ትራምፕ ዝተረኽበሉ እንግዶት ክኣቱ ኣብ ዝፈተነሉ ብኣባለት ፍሉይ ሓለዋ ፕረዚደንት (ሲክረት ሰርቪስ) ተታሒዙ።
ኣብቲ ፍጻመ ብጥይት ዝቖሰለ ሓደ ካብቶም ሓለውቲ፡ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቲ ነባሪ ካሊፎርንያ ዝኾነ ጥርጡር በቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ንሕልፈት ክፍረድ ይኽእል'ዩ።
ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ እቲ ፕረዚደንት ናብ ባዕሉ፡ ደገፍቱን ተቓወምቱን፡ ከምኡ'ውን ናብ ጋዜጠኛታት ዘነጻጸረ ዋዛታት ክወርውረሉ ዝተሓሰበ ዓቢ ናይ ዳእላ ምሸት ክስረዝ ከምዝተገደደ ይዝከር።
ኣመሪካ “ሽፍትነት ባሕሪ” ትፍጽም ኣላ - ኢራን
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንሓንቲ ናይ ኢራን መርከብ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣእትያ።
ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይ ኣመሪካ ስጕምቲ “ሽፍትነት ኣብ ባሕሪ” ክብል ገሊጽዎ።
"እንቋዕ ናብ ሽፍትነት ባሕሪ ብደሓን መጻእኩም። ሕጂ ወግዓዊ መንግስታዊ ፍቓድ ዘለዎ፡ ባንዴራኡ ብግልጺ ዘንበልብል፡ ገበኑ ድማ 'ምኽባር ሕጊ' ብዝብል ስም እዩ ዝፍጸም ዘሎ" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ነቲ ናይ ኣመሪካ ስጕምቲ ኮኒኑ።
ብተወሳኺ እቲ ስጕምቲ “ዓለምለኻዊ ሕግን መትከላት ዓለማዊ ናጻ ንግድን ዝጥሕስ” ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል ነዚ ዝብል ዘሎ፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኣመሪካ ጂኒን ፌሪስ ፒሮ፡ እታ መርከብ ኣብ ቍጽጽር ክትኣቱ ትእዛዝ ከምዝተዋህበ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።
ኣብ ድራር ዋይት ሃውስ ተዅሲ ዝኸፈተ ጥርጡር ብፈተነ-ቅትለት ተኸሲሱ
ዋይት ሃውስ ብቐዳም ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘዳለዎ እንግዶት ድራር፡ ኣብቲ ሆቴል ተዅሲ ብምኽፋቱ ዝተታሕዘ ኮል ቶማስ ኣለን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፈተነ-ቅትለት ብምፍጻም ተኸሲሱ።
እቲ እቲ ወዲ 31 ዓመት ኮል፡ ኣብ ውሽጢ ሆቴል ዋሽንግተን ሂልተን ብወከልቲ ጸጥታ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ዕላማኡ ንሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ንምቕንጻል ምዃኑ ተዛሪቡ ከም ዝነበረ ጸብጻብ ሲቢኤስ የመልክት።
ነቲ ናይ ጸጥታ መፈተሺ ነቝጣ ክሓልፍ እንከሎ፡ ሓውሲ ኣውቶማቲክ ሽጉጥ፣ ሻትጋንን ሰለስተ ካራን ሒዙ ከምዝነበረ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ኣብቲ ዝተፈጸ መጥቃዕቲ ሓደ ወኪል ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ብጥይት ተሃሪሙ ነይሩ፤ ግን ብኸቢድ ኣይተጎድአን።
ኮል ቶማስ ገበነኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረድ ተኽእሎ ኣሎ።
ካብ ስደት ናብ ጥርሑ ቤት፡ ሚልዮናት ሱዳናውያን ዝጽበዮም ዘሎ እንታይ እዩ?
ብድሆ ሩስያ ኣብ ማሊ፡ ካብ ዋግነር ናብ ኮርፕስ ኣፍሪቃ
ኣብ ዛዕባ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራ-ኣመሪካ እንታይ ይበሃል ኣሎ?
ልዕሊ 100 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም
ፒተርስበርግ፡ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተራኸበ ልኡኽ ኢራን
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ፒተርስበርግ ዝርከብ ዓባስ ኣራግቺ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብምርኻብ ብዛዕባ ኩነታት ሃገሩ ተዘራሪቡ።
ኣብቲ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮብ፡ ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ፑቲን ዝኾነ ዩሪ ኡሻኮቭን ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ኢጎር ኮስቲዩኮቭን ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንክሰፍን ሩስያ ዝክኣላ ከምእትገብርን፡ "ሰናይ ድልየት ወይ ንክልቲኦም ወገናት ቅቡል ዝኾነ ናይ ምሽምጋል ኣገልግሎት" ንምሃብ ቅርብቲ ምዃናን ፑቲን ነቲ ኢራናዊ ጉጅለ ከምዝገለጸሉ ኣፈኛ ክረምሊን ድሚትሪ ፐስኮቭ ሓቢሩ።
"ኣብ መወዳእታ ሰላም፡ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን፡ ከምኡ'ውን ናብ ተጻብኦታት ንዘይምምላስ ዝክኣለና ኩሉ ከንገብር ቅሩባት ኢና" ይብል ፐስኮቭ።
እቲ ኢራናዊ ሚኒስተር ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣመሪካ ተወሳኺ ልዝብ ክግበር ሓቲታ ከምዘላ ተዛሪቡ።
ሃገሩ "ኣንጻር ልዕለ ሓያላን ዝኾነት ሃገር [ኣመሪካ] ገጢማ ትርከብ" ዝበለ ኣራግቺ፡ ኣመጥቃዕቲ ኣመሪካውያን "ሓንቲ ካብ ዕላማታቶም'ውን ከዕውቱ ኣይክኣሉን" ኢሉ።
"ከምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዮም፡ ዘተ ክግበር ጠሊቦም ዘለዉ፡ ንሕና'ውን ንግምግሞ ኣለና" ብምባል ድማ፡ ኢራን "ከም ሩስያ ዝበላ ዓበይቲ መሓዙትን መሻርኽትን" ከምዘለዋ ተነይቱ።
ማሊ፡ ሩስያውያን ዕጡቓት ካብ ሰሜን እታ ሃገር ኣንሳሒቦም
ኣብ ጐኒ ሰራዊት ማሊ ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ሩስያ ካብ ሰሜን እታ ሃገር ከምዝወጹ ኣፍሊጦም።
ናይ ሩስያ 'ኮር ኣፍሪቃ' ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቲ ከተማ ኪዳል ትርከበሉ ከባቢታት ከምዝወጹ ኣረጋጊጹ።
ነታ ከተማ ተቖጻጺሩ ዘሎ ግንባር ሓርነት ኣዛዋድ (FLA) ብሰንበት ከምዝበሎ፡ ኣብ መንጎኦምን ሞስኮን ብዝተበጽሐ ስምምዕ'ዮም እቶም ሩስያውያን ዕጡቓት ብሰላም ክወጹ ክኢሎም ዘለዉ።
ብቐዳም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ርእሰከተማ ባማኮ ድምጺ ተዂሲን ነትጒን ተሰሚዑ ነይሩ'ዩ።
ሚኒስተሰር ምክልኻል እታ ሃገር ሳድዮ ካማራ እውን ኣብቲ ጥቓ ርእሰ-ከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብዝተፈጸመ ነብሰ-ቅለታዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብጀነራል ኣሲሚ ጎይታ ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ 2020 ከምኡ'ውን ኣብ 2021 ብዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ኮይኑ፡ ነቲ ካብ እስላማውያን ዝርከብዎም ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝነቅል ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ከህድእ'ዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ጀርመን፡ ዝተረኽበ ሽክና ርእሲ ናይታ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ምዃኑ ተረጋጊጹ