ጀይ-ዲ ቫንስ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ተበጊሱ
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ወከልቲ ኢራን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ'ሎ።
ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ክንዘራረብ ኢና ንደሊ" ብምባል ኢራናውያን "ብቕንዕና" ንዘተ እንተመጺኦም ኣመሪካ "ኣእዳዋ ክትዝርግሕ" ቅርብቲ ምዃና ተዛሪቡ።
እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ቫንስ፡ ምስ ምልሶት ሓለቓኡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር እዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ዕማም እቲ ኣዝዩ በዳሂ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፠
ትራምፕ፡ ኢራን፡ እስራኤልን መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥን ዝዓግባሉ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምርግጋጽ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
እንታይ ምዃኖም'ኳ ብንጹር እንተ ዘይጠቐሰ፡ ካብቲ ፕረዚደንት "ንጹራት መምርሒታት" ከምዝተዋህቦ'ዩ ናብታ "ኣየርፎርስ ክልተ' ዝተባህለት ነፋሪቱ ቅድሚ ምስቃሉ ኣሚቱ ዘሎ።
ኢስላማባድ ንክልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ሞገስ ዝረኸበት ሃገር ኮይና ብምህላዋ፡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒባ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኣወጀ ተነቃፊ ምቁራጽ ተዂሲ ዛጊት ጸኒዑ'ኳ እንተሎ፡ እቲ ንግዳዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት መሊኡ ክኽፈት ኣይክኣለን።
ቴህራን፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው እንተ ኣቢላ ጥራይ ከምእትኸፍቶ'ያ ኣፍሊጣ ዘላ።