እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

'ሓላፍነት ዝጐደሎ ባህሪ ሩስያ ንኩላትና ሓደጋ'ዩ'- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)

ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ተሪር ተቓውሞ ይቐርብ ኣሎ። "ሓደገኛ" ክብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ'ሎ። ሮማንያ ኣባል እቲ ኪዳን ብምዃና እቲ ኲናት ምስ ሩስያ ንዘሎ ምትፍናን ዘጋደደ ኮይኑ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትራምፕ፡ ንኢራን ኣጽዋር ዘቕርባ ዝነበራ ሃገራት ቀረጽ ከምዝስልዓለን ሓቢሩ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢራን ኣጽዋር ዘቕረበት ሃገር " ካብ ሕጂ ጀሚራ ቀረጽ ክትከፍል ክትግደድ’ያ" ኢሉ።

    ትራምፕ ኣብ ውልቃዊ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዝኾነት ንኢራን ኣጽዋር ከተቕርብ ዝጸንሐት ሃገር፡ ኣብ ዝኾነ ናብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ኣቑሑት "ካብ ሕጂ ዘሚሩ" ተግባራዊ ዝኸውን 50 ሚእታዊት ቀረጽ ከምዝስልዓለን ሓቢሩ።

    ትራምፕ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሑፉ፡ እቲ ቀረጽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ብምግላጽ፡ "ኣሻላሻል ዝግበሮ ወይ ዝተርፍ ነገር የለን" ብምባል እቲ ናይ ግብሪ ስልዒት ከምዝትግበር ኣፍሊጡ።

    ትራምፕ ነተን ንኢራን ኣጽዋር ይቕርባ ኣለዋ ዝበለን ሃገራት ግን ስመን ኣይገለጸን።

    ኣብቲ ልጥፎ ምስ ኢራን ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለጸ ትራምፕ "ኣዝዩ ኣድማዒ ናይ ስርዓት ለውጢ እዩ ተኻይዱ" ኢሉ።

    ትራምፕ ኢራን ዩራንየም ከምዘይተኻዕብት ብምግላጽ ኣመሪካ ምስ ቴህራን ብምትሕብባር "ብዕምቆት ዝተቐብረ ኒዩክለራዊ ባእታታት ንምኹዓትን ንምእላይን" ክትሰርሕ ምዃና ገሊጹ።

    ወሲኹ'ውን "ሕጂ ብምስሊ ሳተላይት ብልክዕ ኣበየናይ ቦታ ከም ዝርከብ ንርኢ ኣሎና’’ ብምባል "ካብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ጀሚሩ ዝተተንከፈ ነገር የለን። ምስ ኢራን ብዛዕባ ቀረጽን ምልዓል እገዳን ተዘራሪብና ኣለና፤ ገና እውን ኣብ ዝርርብ ኢና ዘሎና ። መብዛሕትኦም ካብቶም 15 ነጥብታት ድሮ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ'ሎ’’ ኢሉ።

  2. ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ "ብቐሊሉ ክጠሓስ ዝኸእል'ዩ " ኢሉ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሃገሩ ምስ ቴህራን ዝገበረቶ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ "ብቐሊሉ ክጠሓስ ዝኸእል'ዩ " ክብል ብምጥቃስ፡ ኢራን "ብጽቡቕ ድሌት" ነባሪ ስምምዕ ክትገብር ከምዘለዋ ገሊጹ።

    ንምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ንምድጋፍ ኣብ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ዝርከብ ቫንስ፡ "ኢራናውያን ብጽቡቕ ድሌት ምሳና ክሰርሑ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም" ብምባል ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል ገሊጹ።

    ወሲኹውን "እቲ ተበጺሑ ዘሎ ተነቃፊ ስምምዕ እውን ከትግበር እንተዓንቂጾም ክጉህዩ እዮም " ክብል ኣጠንቂቑ።

    ንኢራን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተራኡ ዝተጻወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ ኢስላማባድ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት "ኩሉ ፍልልያት ኣብ ዝፈትሕ መደምደምታ ንምብጻሕ" ዝዓለመ ዝርርብ ሎሚ ዓርቢ ከተአንግድ ምዃና ገሊጹ።

    ማዕከናት ዜና ኢራን ቫንስ ነታ ናይ ኣመሪካ ድርድር ጉጅለ ክመርሕ ምዃኑ እኳ እንተገለጻ፡ ዋሽንግተን ግን ነዚ ኣየረጋገጸትን።

  3. ናይ መወዳእታ ሰዓታት ትራምፕ ከመይ ተሓሊፈን?

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንበት፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ክሳብ ሰሉስ ሰዓት 20፡00 ብኣቈጻጽራ ኤውሮጳ (00:00 GMT / 01:00 BST) ክትከፍቶ ሓድሽ ጠለብ ኣቕሪቡ።

    ነዚ ድማ ድሒሩ፡ "ስልጣነ" ኢራን ክድምስስ ምዃኑ ምፍርራሕ ወሲኹ። እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ፡ እቲ ዲፕሎማስን ዝወጽእ ዝነበረ መግለጺታትን ከመይ ከምዝተጋህደ ድማ እንሆ፤

    12፡06 GMT (13፡06 BST): ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ እንተዘይከፊታቶ፡ "ሎሚ ምሸት ምሉእ ስልጣነ ክመውት'ዩ" ክብል ኣፈራሪሑ፡

    15፡28 GMT፡ ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቃይ፡ "ስነ-መጎት" ኢራን ኣብ ልዕሊ "ኣረሜናዊ ሓይሊ" ክዕወት ምዃኑ ገሊጹ።

    19፡17 GMT፡ ነቲ ሽምግልና ዝመርሐ ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን፡ ትራምፕ "ዲፕሎማሲ መስርሑ ሓልዩ ንኽኸይድ ንምፍቃድ" ናይ ግዜ ገደቡ ከናውሕ ሓቲቱ።

    22፡32 GMT፡ ትራምፕ፡ እቲ ስምምዕ ክልተ ሸነኻዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኢራን ንሆርሙዝ ብቕጽበት፡ ምሉእ ብምሉእን ብውሑስን ኣገባብ ክትከፍት እንተተሰማሚዓ፡ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ከም ዝብጻሕ ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ወሲኹ፡ ካብ ኢራን 10 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ከም ዝበጽሖን፣ "ከስርሕ ዝኽእል" ምዃኑን ገሊጹ። ነቲ ስምምዕ ንምውዳእ ድማ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ ክህሉ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

    23፡11 GMT፡ ቴህራን ንክልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባልን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ምሕላፍ ውሑስ ምዃኑን ኣረጋጊጻ።

    23፡50 GMT፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ገደb ትራምፕ ቅድሚ ምእካሉ ሒደት ደቓይቕ፡ ፓኪስታን - ኣመሪካን ኢራንን "ብቕጽበት ውጽኢታዊ ክኸውን" ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዓ ኣረጋጊጻ። ቀዳማይ ምኒስተር ሻህባዝ ሸሪፍ፡እቲ ስምምዕ "ንሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኵሉ ቦታታት" ዝምልከት'ዩ ኢሉ።

    01፡45 GM፡ እስራኤል ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ከም እትድግፎ እኳ እንተገለጸት፡ "ንሊባኖስ ግን ኣየጠቓልልን" ክትብል ወሲኻ።

    04፡01 GMT፡ ትራምፕ "ዓባይ መዓልቲ ንሰላም ዓለም" ብምንኣድ፡ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ጕዕዞ ንምሕጋዝ ኣብዚ ከከም ክትዛውን እያ ኢሉ።

    06:05 GMT: እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ሊባኖስ ከተማ ጢሮስ ንዝርከቡ ሰባት ንድሕነቶም "ብቕልጡፍ" ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣጠንቂቓ - ድሒሩ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ድማ ተገሊጹ።

  4. ኢራናውያን ኣብ ጐደናታት ቴህራን ውሒዞም ነቲ ስምምዕ ይጽንብሉ

    ድሕሪ እወጃ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኢራናውያን ባንዴራታትን ስእሊ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመነይን ሒዞም ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ኢራን- ቴህራን ወፂኦም።

    ኣብ ኢራን ነቲ ስምምዕ ሰላም ዝተውሃበ ምላሽ ዝተሓዋወሰ ከም ዝዀነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፋርስ- ዋሽንግተን ካሻያር ጆነይዲ ገሊጹ።

    ሕጂ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መጥቃዕቲ ስለዘይበጽሖም ናይ እፎይታ ስምዒት ኣሎ።

  5. ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ምስ ተሰማመዐት፡ ዋጋ ነዳዲ ወሪዱ

    ኣመሪካን ኢራንን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዘኽእል ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕን፡ ተዅሲ ደው ምባል ምስ ተስማምዓ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ወሪዱ።

    ዓለማዊ መዐቀኒ ዋጋ ነዳዲ ዝኾነ ብሬንት፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ኣስታት 13 ሚእታዊት ብምጕዳል፡ ንሓደ በርሚል ናብ 94.80 ዶላር በጺሑ።

    ደረቕ ነዳዲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ብ15 ሚእታዊት ብምንካይ፡ ናብ 96.75 ዶላር ወሪዱ።

    ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ዋጋ ነዳዲ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝነበሮ - ማለት ኣስታት 70 ዶላር ንሓደ በርሚል - ዝለዓለ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

    ምውላዕ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ስዒቡ፡ ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ከተጥቅዕ ብምጅማራ፡ ዋጋ ነዳዲ ሓፍ ከም ዝበለን፡ ሕፅረት ቀረብ ነዳድን ጋዝን ከም ዘጋጠመን ይዝከር።

    እቲ ሕጂ ዝተበፅሐ ክልተኣዊ ስምምዕ ስዒቡ፡ ብዙሓት ንነዊሕ እዋን ኣብ ባሕሪ ዝጸንሓ መራኽብ ነዳዲ ብሰላም ክሓልፋ ከም ዝኽእላ ይግመት።

    እዚ ድማ፡ ንዓለማዊ ዕዳጋ ነዳዲ ዓቢ ተስፋ ከም ዝኸውን ክኢላታት ይገልጹ ኣለዉ።

  6. "ተዅሲ ደው ምባል ሽዑ ንሽዑ ግብራዊ ክኸውን እዩ"- ፓኪስታን

    ንልዝብ ኣመሪካን ኢራንን ክሽምግል ዝጸንሐ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ እቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ብቕጽበት ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

    "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ምስ መሻርኽተን ኰይነን፡ ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ኣብ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ከብል ከም ዝተሰማምዓ ክገልፅ እፈቱ።"

    እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ ድማ ተዛሪቡ።

    ነቶም ልኡኻት ክልቲአን ሃገራት፡ ዓርቢ 10 ሚያዝያ ናብ ኢስላምባድ [ርእሰ-ከተማ ፓኪስታን] "ዝዀነ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕን ውዱእ ስምምዕ ንምግባርን ክዛተዩ" ዓዲሙ።

  7. መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሩስያን ቻይናን ደው ዘበልኦ እማመ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

    ንመጻብቦ ሆርሙዝ ውሕስነት ንምሃብ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንድምጺ ዝቐረበ እማመ ሩስያን ቻይናን ብዘለወን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ደው ኣቢለንኦ።

    እቲ ደገፍ ናይ ኣመሪካ ዘላተን 10 ሃገራት ዝረኸበ እማመ፡ "ሃገራት ኣድላዪ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ብምውሳድ እቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ዝኾነ መጻብቦ ከምዝኽፈት ክገብራ ዘፍቅድ'ዩ።

    ኣብ ፈለማ ዝቐረበ ሰነድ ንዓንቀጽ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብምምርኳስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝብል ትሕዝቶ ኣብቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ልዝብ ከምዝቕየር'ኳ እንተ ተገብረ፡ "ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ምፍቃድ ንሞስኮን በይዢንግን መለሳ ዘይብሉ'ዩ ኮይንወን።

    ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ፓኪስታንን ኮሎምቢያን ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን ኣለዋ።

    ነቲ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መጋባእያ እቲ ባይቶ ዝመርሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባሕሬን ዓብዱላጢፍ ቢን ራሺድ ኣል ዛያኒ፡ ሃገራት ንኣገዳሲ መጻብቦታትን መትረባትን ከም መሳርሒ ኲናት ክጥቀማሉ እንተ ተፈቒዱለን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ቀወምቲ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቻይናን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ስለዘለወን፡ ሓንቲአን ዝተቓወመቶ እማመ ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።

    እተን ዝተረፋ ዝርከብአን 10 ኣባላት በብእዋኑ ተመሪጸን ናብቲ ባይቶ ዝኣትዋ ኮይነን ንክልተ ዓመታት የገልግላ። ሶማልያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንኣፍሪቃ ወኪለን ኣብቲ ባይቶ ዘለዋ እየን።

  8. ኢራን ንትካል ፐትሮከሚካል ስዑዲ ኣጥቂዓ

    ሰራዊት ኢራን ንትካል ፐትሮከሚካል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከምዘጥቅዐ ኣፍሊጡ።

    ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናብቲ ኣብ ጁበይል ዝተባህለ ከባቢ ስዑዲ ዝርከብ ትካል ዘነጻጸረ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ገሊጾም።

    እቲ መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ንትካላት ፐትሮከሚካል ኢራን ዒላማ ዝገበረ ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ'ውን እቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢራን (ኢርና) ዝወጸ መግለጺ የነጽር። ኤ-ኤፍ-ፒ እውን ኣብቲ ትካል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ጸብጺቡ ነይሩ'ዩ።

    ጁበይል ኣብ ስግር ኢራን ዘሎ ምብራቓዊ ገማግም ስዑዲ ዝርከብ እዩ።

    ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ከምዝተወለዐን፡ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐን ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ግን ነቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ቪድዮታትን ስእልታትን ክዝርግሑ ውዒሎም ነይሮም።

  9. 'መላእ ስልጣነ ሎም-ምሸት ፈጺሙ ከምዘይምለስ ክመውት እዩ'- ትራምፕ

    ኢራን ናብ ስምምዕ ክትመጽእ እንተዘይክኢላ ክትጠፍእ ከምእትኽእል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።

    "መላእ ስልጣነ ሎም-ምሸት ክመውት እዩ፡ ፈጺሙ ከምዘይምለስ" ክብል'ዩ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ትሩዝ ሶሻል' ጽሒፉ።

    "ከምኡ ክኸውን ኣይደልን እየ፡ ግና ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። እንተኾነ፡ ሕጂ ፍጹምን ምሉእን ናይ ስርዓት ለውጢ ስለዝተፈጸመ፣ ፍሉያት፡ በላሕቲን፡ ከምኡ'ውን ኣመና ሕሉፋት ዘይኮነ ኣእምሮ ዝነግሰሉ፡ ምናልባት'ውን፡ ሰውራዊ ዝኾነ ሰናይ ነገር ከጋጥም ይኽእል'ዩ፡ መን ይፈልጥ"።

    "ሎም-ምሸት ክንርእዮ ኢና፡ ሓደ ካብ ወሰንቲ ህሞታት ኣብቲ ነዊሕን ዝተሓላለኽን ታሪኽ ዓለም። 47 ዓመታት ምጥፍፋእ፡ ብልሽውናን ሞትን፡ ኣብ መወዳእታ ከብቅዕ'ዩ። ፈጣሪ ነቲ ዓቢይ ህዝቢ ኢራን ይባርኽ" ክብል'ዩ ትራምፕ ኣፍሊጡ ዘሎ።

  10. ኣመሪካ ኣብ ደሴት ካርግ ዳግማይ መጥቃዕቲ ፈጺማ

    እታ መትኒ ነዳዲ ኢራን ዝኾነት ደሴት ካርግ ዒላማ ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝኾነት ጸብጻባት ሓቢሮም።

    መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ፡ ንሓደ ብዓልስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ከምዝበሎ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብታ ደሴት ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሃሪሞም ኣለዉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ንትሕተ-ቅርጺ ነዳዲ እታ ደሴት ዝተንከፈ ከምዘይነበረ'ዩ እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓልመዚ ሓቢሩ ዘሎ።

  11. ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኢራናውያን ብባቡር ከይጓዓዙ ኣጠንቂቑ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ኢራናውያን ሎም መዓልቲ ብባቡር ከይጓዓዙ የጠንቅቕ ኣሎ።

    እቲ ሰራዊት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ- ፋርሲ ኣቢሉ ኣብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ኢራናውያን "ንድሕነትኩም ክትብሉ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ክሳብ ሰዓት 21፡00 ብኣቈጻጽራ ኢራን፡ ባቡር ካብ ምጥቃምን ምጕዓዝን ተቘጠቡ" ክብል ኣጠንቂቝ።

    ወሲኹ፡ "ኣብ ባቡራትን ኣብ ጥቓ መስመራት ባቡርን ምጽናሕ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ የውድቕ" ይብል።

    እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ስርዓት ክሳብ ሰሉስ ኣጋ ምሸት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኸፍት እንተዘይፈቒዱ፡ ኣብ መላእ ኢራን ንዝርከቡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ክገብር ምዃኑ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ምስቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር "መሰረተ ልምዓት ቴህራን" ዒላማ ዝገበረ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝዛዘመን፡ ኣባላት ሕዝቦላህ እዮም ዝበሎም ሰባት ከም ዝቐተለን'ውን ገሊጹ።

    ብኻልእ ወገን፡ እቲ ሰራዊት ካብ ኢራን ናብ እስራኤል ገጹ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ከም ዝዓገተ'ውን ገሊጹ።

  12. እስራኤል ንትካል 'ፐትሮከሚካል' ኢራን ኣጥቂዓ

    ንትሕተ-ቅርጺ ኢራን ከዕኑ ሓድሽ ትእዛዝ ዝተዋህቦ ሰራዊት እስራኤል ድሮ ንሓደ ትካል ቀመም-ነዳዲ ('ፐትሮከሚካል') ኣጥቂዑ ኣሎ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዒላማ ዝኾነ ትካል ፍርቂ ፍርያት ፐትሮከሚካል ኢራን ዝውክል ምዃኑ ጠቒሱ።

    "ሰራዊት እስራኤል ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከባቢ [ኣሳሉየህ] ዝርከብ ዝዓበየ ትካል ፐትሮከሚካል ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዱ ኣሎ" ክብል'ዩ እቲ እስራኤል ካዝ ዝተባህለ ሚኒስተር ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ካልእ ዝርከብ ተመሳሳሊ ትካል ዒላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነ ካዝ ጠቒሱ'ሎ። እቲ ኢንዱስትሪ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ እዩ ክብል'ውን ከሲሱ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ መራሕቲ ኢራን ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምኽፋት ዝርከቦ ስምምዕ ክመጹ እንተዘይክኢሎም ንመደበራት ጸዓት እታ ሃገር ንምዕናው ሓድሽ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ፡ እዚ ንሲቪላዊ ትካላት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ።

    ሰብመዚ ኢራን እቲ መጥቃዕቲ ዘውረዶ ጉድኣት ኣብ ምግምጋም ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ።

    እቲ ትካላት፡ ዘይተጻረየ ነዳዲን ባህርያዊ ጋዝን ተጠቂሞም፡ ከም ድዅዒን ጐማታትን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ነገራት ንምስራሕ ዘገልግል ቀረባት ዘፍርዩ ምዃኖም ይፍለጥ።

  13. "ሰራዊት ኣመሪካ ንትራምፕ 'ኣይፋል' ክብል እንተዀይኑ ክንርኢ"- ኣማኻሪ ኦባማ ነበር

    ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ምክትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ቤን ሮድስ፡ ትራምፕ ኣብ ኲናት ኢራን ዝኽተሎ ዘሎ ኣቀራርባ "ንበይኑ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኰይኑ ውሳነታት ዝውስን ዘሎ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ" ክብል ነቒፉ።

    ኣቐዲሙ ንራድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትራምፕ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣማኸርቲ ዝምርኮስ ኣይመስልን፣ ከምኡ'ውን "ንቡር መስርሕ" ዝኽተል መራሒ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

    ሮድስ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢራን ንምዕናው ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ኣመልኪቱ፡ ገበናት ኲናት ክፍጽም ምዃኑ የፈራርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

    "ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ንትራምፕ ኣይፋል ክብል ድሉው እንተዀይኑ ክንርኢ ኢና" ድማ ይውስኽ።

    ትራምፕ፡ እዚ ኲናት ኣብ መኣዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝውዳእ ክቕበል ኣለዎ ዝብል ሮድስ፡ ኢራን ብመጥቃዕትታት'ኳ እንተ ተዳኸመት፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢላ ግን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ቍጠባ ክህልዋ ዝኽእል ጽልዋ ርኢኻ ሓያል ከምዘላ ይዛረብ።

  14. ሓላፊ ስለያ ኢራን ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ተቐቲሉ

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሓላፊ ስለያ’ታ ሃገር፡ ከም ዝተቐትለ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብማዕከናት ዜና ኢራን ዝተዋህበ መግለፂ፡ ማጂድ ኻደሚ፡ ሎሚ ንግሆ ከም ዝተቐትለ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ንእስራኤልን ኣመሪካን ተሓተትቲ ይገብር።

    ብዛዕባ እዚ ቅትለት ዝተሓተተ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ነቲ ጸብጻብ "ክንርእዮ ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

    ኻደሚ፡ ነቲ ኣብ 15 ሰነ 2025 ዝተወልዐ፡ ን 12 መዓልታት ዝጸንሐ ኲናት፡ ብእስራኤል ዝተቐንፀለ መሓመድ ካዘሚ ተኪኡ’ዩ ኣብዚ ሓላፍነት ደዪቡ።

    ኻደሚ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መላእ ኢራን ዝተራእየ ተቓውሞታት፡ ኣሃዱ ሳይበር ውግእን ስለያ እስራኤልን ሓዊሱ፡ ልዕሊ 10 ትካላት 'ጸላኢ' ተራ ከም ዝነበሮም ገሊጹ ነይሩ።

    ብመሰረት ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኣብ ጥሪ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ብውሕዱ 7 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ወይ ድማ ተቐቲሎም።

  15. ቅድሚ ሕጂ ዒላማ ዝዀኑ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢራን

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝሃቦ፡ ግዜ ገደብ እንተዘይኣማሊኣ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ዒላታት ነዳዲን መጻረዪ ማይ ጨውን ከዕኑ ምዃኑ የፈራርሕ ኣሎ።

    ኣብዚ ኲናት ድሮ ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓትን ዒላማታት ኰይኖም ተሃሪሞም እዮም።

    ኣመሪካን እስራኤልን ገሊአን ምስ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብኣጋጣሚ ዝተሃርሙ ምዃኖም እየን ዝገልጻ።

    ብ28 ለካቲት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ኲናት፡ ክልተ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ሚናብ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሻጃረህ ጣየበህ ሃሪሞም።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 110 ህጻናት ተምሃሮ ደቀንስትዮ ዝርከባኦም ብውሕዱ 168 ሰባት ከምዝቐተለ ሰበስልጣን ኢራን ገሊጾም።

    ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ወተሃደራዊ መርመርቲ ሓይልታት ኣመሪካ ተሓተትቲ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ከም ዝኣምኑ'ኳ እንተገለጻ፣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ግን የለን።

    ኣብ መጀመርታ መጋቢት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን፡ ​​"ጸሊም ዝናብ" ንርእሰ ከተማ ቴህራን ኣንጠንጥዩዋ።

    እቶም ሽዑ ዒላማ ዝተገበሩ ድማ፡ መኽዘናት ነዳዲ ፋርዲስ፡ ሻህራንን ኣግዳሲህን፡ ከምኡ’ውን መጻረዪ ነዳዲ ቴህራንን ይርከብዎም።

    ክልተ ዝዓበዩ ትካላት ሓጺን ኢራን ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ- እስራኤል ከም ዝተዓጽዋ፡ እተን ኣካየድቲ ኩባንያታት ይገልጻ።

    ኢራን ዓባይ ዓለምለኻዊ ኣፍራዪት ሓጺን እያ።

    ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢራን ኣብ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮንዳብ "ከቢድ ጉድኣት" ከም ዘውረደ ተቘጻጻሪ ኑክሊየር ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ ዝሰዓበ ብከላ ግን ኣይተራእየን።

    ዝሓለፈ ሓሙስ 2 ሚያዝያ፡ ካብ ቴህራን ንምዕራብ እትርከብ ከተማ ካራጅ ዘሎ ዓቢ ድልድል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዓንዩ።

    ድሕሪኡ ትራምፕ ብዛዕባ ዕንወት እቲ ድልድል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክምካሕ እዩ ተሰሚዑ። ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሸሪፍ እውን ብዝወረዶ መጥቃዕቲታት ተሃስዩ ኣሎ።

    ኣብ ገለ ክፋል ቴህራን እውን ምቍራጽ ጋዝ ይርአ'ሎ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ዩኒቨርሲቲታት ተሃስዮም ኣለው፣ ካብኣቶም - ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ቴህራንን ዩኒቨርሲቲ ሻሂድ በሄሽቲን ይርከብዎም።

  16. ኣመሪካ'ቲ ትፍክሮ ዘላ እንተፈጺማ፡ ኢራን ከምዘይተናሕሲ ትገልጽ

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ኢራን ክትሃርም ምዃና እትገልጾ ዘላ ምፍርራሕ እንተፈጺማቶ፡ "ብዘይጥርጥር ካብ ዕጡቕ ሓይልታት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ወሳንን ኵለመዳያውን ምላሽ ከም ዝወሃቦ" ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ተሓንዩ።

    ምኒስተር ጉዳያtእ ወፃኢ ኢራን፡ ምስ ፈረንሳዊ መዘናኡ ዣን ኖኤል ባሮት ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ዝርርብ እዩ ከምኡ ዝበለ።

    ዓባስ ኣራግቺ፡ ምፍርራሕ ኣመሪካ "ምስ ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ዝመጣጠን'ዩ" ክብል'ውን ከሲሱ ኣሎ።

    ነቲ ዝተገብረ ዝርርብ ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ባሮት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ወጥሪ ከም ዘስዕብ ገሊጹ፤ ነዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

  17. ብጸርፊ ዝተሰነየ ምፍርራሕ ትራምፕ, ኣብ ጉዳይ መፃብቦ ሆርሙዝ

    ትራምፕ ከም ብሓድሽ ምፍርራሕ ጀሚሩ ዘሎ ፡ ኣባል ናይታ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት ብዓወት ምዝዛሙ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

    ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ዝወረደ ወተሃደር ኣመሪካ ንምሓዝ ተቐዳዲመን፣ እቲ ኣብራሪ ኤፍ-15 ብዓርቢ ነፋሪቱ ምስ ተሃርመት ቍሩብ ጸኒሑ እዩ ተረኺቡ።

    ኢራን ነዚ ንልዕሊ ወርሒ ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲታት ኣመሪካን እስራኤልን፡ መሻርኽተን ንዝበለተን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምጥቃዕ እያ ምላሽ ትህብ ዘላ።

    ኢራን ኣብቲ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር ማይ እውን ብዓቢዩ ዕጽዋ ኣካይዳ፣ ብሰንኩ ድማ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ዓሪጉን ዋጋታት ንብረት ወሲኹን።

    እዚ ቅልውላው፡ ትራምፕ ኣብ መጋቢት፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ክትከፍት ደጋጊሙ ገደብ ግዜ ከውጽእ ምኽንያት ኰይኑ። ብሰንበት'ውን ቅድመ-ዅነት ብምቕራብ ኣብ ትሩዝ ሶሻል መጠንቀቕታ ሂቡ።

  18. "ሰራዊት ኣመሪካ ንትራምፕ 'ኣይፋል' ክብል እንተዀይኑ ክንርኢ"- ኣማኻሪ ኦባማ ነበር

    ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ምክትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ቤን ሮድስ፡ ትራምፕ ኣብ ኲናት ኢራን ዝኽተሎ ዘሎ ኣቀራርባ "ንበይኑ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኰይኑ ውሳነታት ዝውስን ዘሎ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ" ክብል ነቒፉ።

    ኣቐዲሙ ንራድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትራምፕ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣማኸርቲ ዝምርኮስ ኣይመስልን፣ ከምኡ'ውን "ንቡር መስርሕ" ዝኽተል መራሒ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

    ሮድስ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢራን ንምዕናው ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ኣመልኪቱ፡ ገበናት ኲናት ክፍጽም ምዃኑ የፈራርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

    "ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ንትራምፕ ኣይፋል ክብል ድሉው እንተዀይኑ ክንርኢ ኢና" ድማ ይውስኽ።

    ትራምፕ፡ እዚ ኲናት ኣብ መኣዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝውዳእ ክቕበል ኣለዎ ዝብል ሮድስ፡ ኢራን ብመጥቃዕትታት'ኳ እንተ ተዳኸመት፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢላ ግን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ቍጠባ ክህልዋ ዝኽእል ጽልዋ ርኢኻ ሓያል ከምዘላ ይዛረብ።

  19. ኣመሪካን ኢራንን ነንሕድሕደን ‘ሲኦል’ ብምፍጣር ይሕነያ ኣለዋ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሓ፡ “ሲኦል ከውርደላ” ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    እዚ ድማ፡ እቲ ን10 መዓልታት ዝተናወሐ ገደብ-ግዜ ስምምዕ ስለዘብቅዕ እዩ።

    ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን፡ ጀነራል ዓሊ ዓብደላ ዓሊ ኣባዲ፡ ንዘረባ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ኣፍደገታት ሲኦል ክንኸፍተልኩም ኢና” ክብል ተሓንዩ።

    ኣመሪካን ኢራንን፡ ዝጠፍአ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሃድናሉ እዋን እየን ነንሕድሕደን ዝሕነያ ዘለዋ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ሕጂ እቲ ፓይለት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሙ፡ እቲ ናይ 10 መዓልታት ገደብ- ግዜ፡ ብዘይ ዝዀነ ስምምዕ ሰላም እንተ ኣብቂዑ፡ ማእከላት መመንጨዊ ፀዓት ኢራን ከጥቅዕ ክጅምር ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

    ኢራን፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ እንተዘይክኢላ፡ ወይ ድማ መጻብቦ ሆርሙዝ እንተዘይከፊታ፡ “ሲኦል ኣብ ልዕሊኦም ክትወርድ እያ” ኢሉ።

    ነቲ ናይ ትራምፕ ገደብ-ግዜ ዝነጸገት ኢራን፡ ነቲ ምፍርራሕ ኣናኢሳቶ።

    ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኢራን፡ ጀነራል ዓሊ ኣባዲ፡ ምፍርራሕ ትራምፕ “ናይ ረዳኢ ዝሰኣነ ሰብ ተግባር፣ ስንባደን ዕሽነትን” ክብል ኣንቋሺሹዎ።

    ወሃቢ ቃል ማእከላይ እዚ- ካታሚ ኣል-ኣንብያ፡ ኢብራሂም ዞልፋጋሪ፡ “እቲ መጥቃዕቲ እንተቐጺሉ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ነቲ ዞባ ብምልኡ ናብ ሲኦል ክትቅይሮ እያ። ኣብኣ እትጥሕልሉ ዓዘቕቲ ክኸውን’ዩ” ክብል ተሓንዩ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ንወተሃደራዊ፡ ጸዓትን ካልኦት ኢንዱስትርያዊ ቦታታትን ኢራን ዒላማ ምግባር ቀጺለን ኣለዋ።

    ኩዌት ብወገና፡ ክልተ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መፅረዪ ማይን ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ከምዝተሃስዩ ኣፍሊጣ።

  20. ኣብ’ቲ ኣመሪካዊ ኣብራሪ ዝተረኽበሉ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም

    ሓደ ኢራናዊ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባታት ኮህጊሉየን ቦየራህማድን፡ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

    ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ቦየር- ኣሕመድ፡ ኣባስ በሄሽቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሸሞንተ ድማ ቈሲሎም።

    በሄሽቲ፡ ብፍሉይ ንመንግስታዊማዕከን ዜና ኢርና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓደ ዞባ ዝርከባ ክልተ ከባቢታት- ካካንን ቬዝግን፡ ትማሊ ምሸት፡ "መጥቃዕቲ ጸላኢ ድሮን" ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።

    "ኣብ ከባቢ ካካን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት፡ ኣብ ቬዝግ ኣብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ሰለስተ ሰባት" ከምዝተቐትሉ በሄሽቲ ሓቢሩ'ሎ።