ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፓልም ቢች ቅድሚ ናብ ፕረዚደንታዊ ነፋሪቱ ኤር ፎርስ ዋን ምድያቡ ንጋዜጠኛታት ኣዘራሪኢቡ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ነቲ ቅድም ክብል ዝገለፆ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ምንዋሕ መጥቃዕቲ ጸዓት -ኢራን ብምጥቃስ፡ "ከምዚ ጽቡቕ እንተቐፂሉ፡ እቲ ጐንፂ በዚ ኢና ክንውድኦ፤ ከብቅዕ እዩ"
ይብል።
ትራምፕ ቀፂሉ፡ "እንተዘይኮይኑ ግን፡ ነተን ቦምባታት ክንድርብየን ጥራይ እዩ ዘለና" ክብል ሕዚ’ውን ኣፈራሪሑ።
ትራምፕ፡ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን፡ "ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ስምምዕ” ከምዝተበፅሐ እዩ ዝገልፅ። ካብ ኢራን ግን ዝዀነ ዝርርብ ከምዘየለ እዩ ዝንገር ዘሎ።
ኣብ ጎኒ ኤር ፎርስ ዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣማኻሪኡ ስቲቭ ዊትኮፍን ወዲ ሓሙኡ ጃረድ ኩሽነርን ኣብዚ ጉዳይ - ዘተ - ከምዝተሳተፉ ይዛረብ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ ምስ "ሓደ ላዕለዋይ ሰብ" ክትዛረብ ጸኒሓ ብምባል፡ ምስቲ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ግን
ከምዘይኰነ ተዛሪቡ።
ወሲኹ ድማ "ብህይወት ኣሎ ድዩ የለን’ውን ኣይንፈልጥን" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ቀፂሉ'ውን ምስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ እቲ ጉዳይ ክዛረበሉ ተሰሚዑ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ምስ ኢራን "ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ" ክብል ሓቢሩ።
ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ከምዝዘተያ ብምግላፅ፡ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ዒላማ ምግባር ንሓሙሽተ መዓልታት ደው ክብል ምዃኑ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።