ትራምፕ ብሰንኪ ጉዳይ ኢራን ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ይወቅስ
ዶናልድ ትራምፕ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ኣመሪካዊ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝዀኑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘስምዖ ምፍርራሕ ድሕሪ ምዅናኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል ነቐፌታ የመሓላልፍ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ነዊሕ ጽሑፍ፡ እቶም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ “ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣዝዮም ሃሳዪ፡” ምዃኖም ገሊጹ።
ትራምፕ ኣስዒቡ፡ "ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህሉዋ ንቡር እዩ ኢሉ ዝሓስብ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣይደልን እየ፡"ኢሉ።
ትራምፕ ብዛዕባ እቶም ጳጳስ ዘለዎ ዝተፈላለዩ ቅሬታታት ብምዝርዛር፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ፡ "ኣንጻር ገበን ድኹም እዩ፣ ኣብ ጉዳይ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር’ውን ድኹም እዩ፡"ክብል ጽሒፉ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ፡ ኢራን እቲ ውግእ ንኸብቅዕ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሓ፡ "ሎሚ ምሸት ሓደ ምሉእ ስልጣነ ክጠፍእ እዩ፡" ንዝብል ምፍርራሕ ትራምፕ ነቒፎም ነይሮም።
ነቲ ኵነታት፡ "ብሓቂ ተቐባልነት ዘይብሉ፡" ክብሉ ዝገለጹ እቶም ጳጳስ፡ "ብርግጽ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ሕቶታት ኣለዉ፤ እንተዀነ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ስነ-ምግባር ሕቶ እዩ፡" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።