እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

'ሓላፍነት ዝጐደሎ ባህሪ ሩስያ ንኩላትና ሓደጋ'ዩ'- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)

ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ተሪር ተቓውሞ ይቐርብ ኣሎ። "ሓደገኛ" ክብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ'ሎ። ሮማንያ ኣባል እቲ ኪዳን ብምዃና እቲ ኲናት ምስ ሩስያ ንዘሎ ምትፍናን ዘጋደደ ኮይኑ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈቱ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዳግማይ ከፊቱዎ

    ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈቱ ብሓሙስ ከም ዝኸፈተ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

    ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖርትሱዳን ኰይኑ እዩ ንጥፈታቱ ከሰላስል ጸኒሑ።

    ኣብቲ ዳይማይ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ምሕየዲን ሳልምን ኣመሓዳሪ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ሓምዛን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ ሰበስልጣን ኣህጉራዊ ትካላትን ዝተፈላለዩ ኤጀንሲታትንን ተረኺቦም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምሕያዲን ሳልም፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ ንጥፈታቱ ኣብ ካርቱም ዳግማይ ንምጅማር ንዝወሰኖ ውሳነ ብምንኣድ፡ “ንሃገርና ታሪኻዊ መዓልቲ፡” ክብል ገሊጹዎ።

    "ብመንገዲ እዚ ጽንብል ኣቢልና፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንዝርከቡ መሳርሕትና ንምርግጋእ ሱዳን ጐድኒ ንጐድኒ ኴንና ንሰርሕ ከም ዘለና መልእኽትና ነመሓላልፍ፡” ኢሉ።

    መንግስቲ፡ንሰላም ከም ዝጽውዕን ንዅሉ ኣህጉራዊ ተበግሶታት ብሓጐስ ከም ዝቕበሎን’ውን ኣመልኪቱ።

    እቲ ምኒስተር ወሲኹ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ንምእጋዳ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዳግማይ ክግምግሞ ብምጽዋዕ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምንጋስ ዝያዳ ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስድ ኣተሓሳሲቡ።

  2. ኣመሪካን ኢራንን ካብ ዝተወቕዐት ነፋሪት ንዝጠፍአ ወተሃደር ኣመሪካ ንምርካብ ይቀዳደማ

    ልዕሊ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ካብኣ ንዝወረደ ኣመሪካዊ ንምርካብ ኣመሪካን ኢራንን ይጓየያ ኣለዋ።

    እታ ኤፍ-15E ዝተባህለት ኣብ ሰማይን ምድርን እተጥቅዕ ነፋሪት ምስ ተሃርመት፡ ሓደ ካብ ኣብረርታ ብሓይልታት ኣመሪካ ተረኺቡ ክድሕን እንከሎ፡ ካልእ ኣካል እቲ በረራ ዝነበረ ሓደ ሓላፊ ስርዓተ ተተኳሲ ግን ከም ዝጠፍአ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ሓቢሮም።

    ኣሃዱ ተልእኾታት ምድላይን ምድሓንን ድማ ነቲ ዝጠፍአ ወተሃደር ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ኢራን ስርሒት ይገብር ከም ዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ይገልጽ።

    ኣብ ምድሓን ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከም ዝተራእያ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢራን ብወገነን፡ ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውጽአን ነቲ ኣባል ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ሰብ 66,100 ዶላር ግንዖ ክወሃቦ ብሰብመዚ ኢራን ቃል ከም ዝተኣትወ ኣቃሊሐን።

    እተን ማዕከናት ዜና ወሲኸን፡ እቲ ኣባል ናይታ ዝተወቕዐት ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢራን ክዓልብ ከም ዝኽእል ግምታተን ኣቐሚጠን።

  3. ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተሃሪማ ወዲቓ

    ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተሃሪማ ከምዝወደቐት ተረጋጊጹ።

    ዋይት ሃውስ ንምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ተነጊሩዎ ከምዘሎ ጠቒሱ።

    ሓደ ካብ ኣብረርቲ ናይታ ነፋሪት ብሓይልታት ኣመሪካ ተረኺቡ ከምዝደሓነ'ውን ሰብመዚ ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ሓቢሮም ኣለዉ።

    እታ ነፋሪት 'ኤፍ-15E ስትራይክ ኢግል' ዝተባህለት ኮይና ኣብ ሰማይን ምድርን ከተጥቅዕ እትኽል እያ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት ብመንገዲ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኢራን ወጺኡ ነይሩ'ዩ።

    እዚ ኲናት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ንፈለማ እዋን'ያ ነፋሪት ኣመሪካ ተሃሪማ ወዲቓ ዘላ።

    ኣብ መጀመርታ መዓልታት ሰለስተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ባሕሬን "ብናይ ወገን" ግጭት ተሓምሺሸን ምንባረን ግን ኣይርሳዕን።

    ኣብ ምድሓን ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከምዝተራእያ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ማዕከናት ዜና ኢራን ከምዝሓበርዎ፡ ንዝኾነ ኣባል ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ሰብ ናይ $50,000 ዶላር ጉንዖ ክወሃቦ ከምዝኾነ ሰብመዚ ቃልኣትዮም ኣለዉ።

    እንተኾነ፡ ክንደይ ኣባላት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ብንጹር ዝተረጋገጸ የለን።

  4. ካምፓላ፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዕሸላት

    ኣብ ዩጋንዳ ኣርባዕተ ህጻናት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምሰዝተቐትሉ ፖሊሲ ሓቢሮም።

    እቶም ሓንቲ ጓል ትርከቦም ግዳያት ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት'ዮም ብኻራ ተቐቲሎም። ህይወቶም ብኡንብኡ ከምዝሓለፈ'ዮም ፖሊስ ኣፍሊጦም።

    ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስት ዓመት ዕድመ ዘለዎም ዕሸላት ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

    ምስቲ ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ዝርከብ ዘሕዝን ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ሓደ ወዲ 39 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

    በቲ ጭካነ ዝተቖጥዑ ወለዲ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ባዕሎም ክሳሃልዎ ፈተነታት ኣካይዶም ምንባሮም ኣፈኛ ፖሊስ ተዛሪቡ።

    ኣብቲ እዋን ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ዝነበሩ 10 ቆልዑ'ውን ንወለዶም ተረኪቦም ኣለዉ።

    ከተማ ካምፓላ ብዙሓት ቆልዑ ዘለዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድራቤታት ዝነብሩላ ከተማ ምዃና ይፍለጥ። በቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ሰንቢዶም ከምዘለዉ'ውን ገለ ካብኦም ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።

  5. ናብ ሃገራት ወሽመጥን እስራኤልን ዝውንጨፍ ዘሎ ሚሳይላት ኢራን

    ኢራን ናብ እስራኤልን ሃገራት ወሽመጥን ከተካይዶ ዝጸንሐት ዳርባ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ሎሚ'ውን ቀጺላቶ'ላ።

    ሰራዊት እስራኤል ከምዝበሎ፡ ቴህራን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ሚሳይላት ክትትኩስ ሓዲራ። ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ ሓደ መዋፈሪ ባቡራት ጉድኣት ከምዝወረዶ'ውን ተገሊጹ'ሎ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መሓዙት ኢራን ምዃኖም ዝንገረሎም የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ናብ እስራኤል "ጽዑቕ ደብዳብ ባሊስቲክ ሚሳይላት" ከምዝወንጨፉ ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።

    ኣብታ ኣብ ጥቓ ኢራን እትርከብ ኲዌት'ውን ሓደ መጻረዪ ነዳዲ ድሮናት ኢራን ብዘካየድኦ መጥቃዕቲ ከምዝተባርዐ ተፈሊጡ። ሰብመዚ ኤለክትሪሲቲን ማይን እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ'ውን፡ መደበራት ጸዓትን ማይን ተሃሪሞም ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነነት ብሪጣንያ ጸረ-ሚሳይላትን ድሮናትን ናብ ኲዌት ንምውፋር ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪባ'ላ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፡ ካብ ኢራን ንዝተወንጨፈላ 18 ባሊስቲክን ክሩዝን ሚሳይላት ከምዘበርዓነት ኣፍሊጣ። ኲናት ኢራን ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ 475 ባሊስቲክ ሚሳይላት፡ 23 ክሩዝ ሚሳይላትን 2,085 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ናብ ኢማራት ከምዝተወንጨፈ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብቲ መጥቃዕትታት ክልተ ኣባላት ሰራዊት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 10 ሲቪላውያን ድማ ቆሲሎም። ኣብ ርእሰከተማ ኣቡ-ዳቢ ዝርከብ መደበር ጋዝ ሎሚ ክነድድ ከምዝተራእየ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

    ስዑዲ ዓረብ'ውን፡ ሎሚ ዓርቢ ናብታ ንግስነት ዝተወንጨፋ ሓያሎ ድሮናት ሃሪማ ከምዘውደቐት ሓቢራ ነይራ።

    ባሕሬን ድማ ህዝቢ ኣብ ውሑስ ቦታታት ክዕቆብ መጠንቀቕታት ክትህብ ውዒላ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊን ሲቪላዊን ዒላማታት ከካይድኦ ዝጸንሓ መጥቃዕትታት ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ሓደ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ቴህራን ኣብ ምህናጽ ዝርከብ ዝነበረ ዓቢ ድልድል ዒላማ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኮይኑ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱዎ ኣሎ። እስራኤል'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንገለ መደበራት ጸዓት ኢራን ከምዝሃረመት ይዝከር።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ነቲ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መግለጺ፡ ዋሽንግተን መጥቃዕትታታ ከተሐይል ምዃና ብምፍላጥ "ንኢራን ናብ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም" ኢና ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ዝጸወዐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን "ትካላት ኑክሌርን" ዒላማ መጥቃዕቲ ከይኮኑ ድ ማተማሕጺኑ።

    "እቲ መልእኽቲ ንጹር'ዩ። ኣመሪካን እስራኤልን፡ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ስቓይን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሳዕቤናትን ኣኸቲሉ ዘሎ ኲናት ደው ዘብላሉ እዋን ሕጂ'ዩ"።

    "ኢራን'ውን፡ ንጐረባብታ ምጥቃዕ ደው ከተብሎ" ከምዘለዋ ጉተረዝ ጸዊዑ ነይሩ።

  6. ኣዛዚ ሰራዊት ሚያንማር ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ

    ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዓቲሩ ዝጸንሐ ኣዛዚ ሰራዊት ሚያንማር ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ።

    እቲ ሎሚ ብፓርላማ እታ ሃገር ዝተመረጸ ጀነራል ሚን ኣንግ ሽላንግ ኣብ ለካቲት 2021 ነቲ ብተሸላሚት ኖበል ሰላም ኣንግ ሳን ሱ ኪዪ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ድሕሪ ምዕላዉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምርጫ ከምዝካየድን ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምዝምለስን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

    ንሱ ወተሃደራዊ መዝነቱ ኣረኪቡ'ኳ እንተሎ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ፓርላማ ሓደ-ርብዒ ውክልና ክህልዎ እንከሎ፡ በቲ ሰራዊት ዝዝወር ፖለቲካዊ ሰልፊ 'ዩ-ኤስ-ዲ-ፒ' 80% መናብር ተዓዊቱ ይርከብ።

    ቀንዲ ደጋፊ ናይቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ዝኾነ ጀነራል የ ዊን ኡ ኣዛዚ ሓይልታት እታ ሃገር ክኸውን ሓርይዎ ምህላዉ'ውን ግደ ሰራዊት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ከምዝኸውን ብኣጋኡ ዘግሃደ ኮይኑ'ሎ።

  7. ተልእኾ ኣርተሚስ-2 ናብ ወርሒ - ደረጃ ብደረጃ

    እቲ ንዓሰርተ መዓልታት ዝጸንሐ ተልእኾ፡ ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ-2 ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ዝበጽሖ ንላዕሊ ርሒቘም ክኸዱ ትጽቢት ይግበር። እዚ ድማ ንመጻኢ ኣብ ወርሒ ንዝዓልብ መንገዲ ንምጽራግ ዘኽእል ኰይኑ፡ ብዛዕባ ወርሒ ዝያዳ ሓበሬታ ንምእካብ ጻዕሪ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ከምቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእላዊ ዝርአ፡ ኣብታ ኦርዮን እትበሃል መርከብ ጠፈር ዘለዉ ኣባላት ሕጂ ራብዓይ ደረጃ ተልእኾኦም ወዲኦም፡ ናብቲ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ገጾም ይጓዓዙ ኣለዉ።

    እቶም ጠፈርተኛታት ን6 ሚያዝያ ኣብ ዙርያ ወርሒ ከንሳፍፉ ትጽቢት ይግበር።

  8. ቅድሚ ሕጂ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ክንዮ ወርሒ ምኻድ

    ኦርዮን፡ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣርባዕተ ሰባት ናብ ወርሒ ገጻ ኣምጺኣ ኣብ መንገዲ ኣላ።

    ኣርተሚስ 2 ኣብ ነዊሕ ክባዊ ዝዀነ ጕዕዞ መንገዲ እያ ዘላ፤ እዚ ድማ ነቶም ጠፈርተኛታት ካብ መሬት ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ተጓዒዝዎ ናብ ዘይፈልጥ ርሕቀት ተሰኪማቶም ከም ዝኸደት እዩ ዝግመት። ስሕበት ናብ መሬት ከይመርሖም ኣብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ እያ ትወዛወዝ ዘላ።

    ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት፡ ብመስኮቶም ኣቢሎም ናብ ህዋ ኣብ ዝጥምቱሉ፡ እዞም ጠፈርተኛታት ኣዝዩ ዘደንቕን ዘነቓቕሕን ትርኢት ክዕዘቡ እዮም። መሬት፡ ብድሕሪኦም ኰይና ናብ ንእሽቶ ሰማያዊ ጻዕዳ እምኒ-ዓረ መሲላ ክትርአ እያ። ወርሒ ድማ ካብ ድሙቕ ክባዊ ቅርጺን ብብዝሒ ጐዳጕዲ ዝርኣዮን ዓለም ክትዓቢ እንከላ ክትርኣዮም እያ።

    ኣብ ከባቢ ሻድሻይ መዓልቲ ናይቲ ተልእኾ፡ ኦርዮን ክንዮ ወርሒ እናተጓዕዘ፡ እቶም ጠፈርተኛታት ካብ ዓሚቝ ጠፈር ፍጹም ጸሓያዊ-ግርደት (ሶላር ኢክሊፕስ) ክዕዘቡ ትጽቢት ይግበር፤ ወርሒ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ስለ እትሰሓብ፡ ድሙቕ ገጻ ምሉእ ብምሉእ ተሸፊኑ፡ እቲ ረቂቕ ሃሎ ናይቲ ጸሓያዊ ኮሮና ድማ ናብ ምርኢት ይሰሓብ፤ መሬት ድማ ብሓደ ወገን ተንጠልጢላ ትርአ።

    እቶም ኣባላት እቲ ተልእኾ፡ ነዚ ፍሉይ ትርኢት ብስእልን ቪድዮን ኣብ ገዛና ከምጽኡልና ተዳልዮም ኣለዉ።

  9. ተልእኾ ኣርተሚስ 2 ኣብ ዜሮ ስሕበት

    እዚ ዳሕረዋይ ንኣባላት ተልእኾ ኣርተሚስን 2፡ ኣብ መሬት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ደገፍን ተንካፊ ዝነበረ ህሞት ምብጻሕ ስግረ-ወርሒ ብዓወት ክፍጽም ክኢሉ።

    እቲ ወሳኒ ሃልሃልታ ሞተር ነቶም ጠፈርተኛታት ናብ ዝረሓቐ ሸነኽ ወርሒ ብዓወት ድሕሪ ምድፋኡ፡ ሩፍታ ዝተሰምዓ ሳይንቲስት ናሳ ዶክተር ሎሪ ግራዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ድሕሪ 1972 ፍጻመ ኣፖሎ 17 ንፈለማ እዋን ደቂ ሰባት ካብ ቅናት ምድሪ ዝወጹ ከም ዝኸኣሉ ክነግር እንከለኹ ኣመና ሓጐስ ይስምዓኒ፡” ኢላ።

    ኣብ ዜሮ ስሕበት እናተንሳፈፉ እቶም ኣባላት ተልእኾ ኣርተሚስ፡ ጕዕዞኦም ከም ዘነቓቕሖም ገሊጾም። ኮማንደር ሪድ ዋይዝማን፡ ንመላእ መሬት ካብ ሓደ ዋልታ ናብቲ ካልእ ዋልታ ምርኣይ “ዘደንቕ ህሞት” ክብል ገሊጽዎ።

    ብተወሳኺ ብዛዕባ ካልእ ተመኵሮታቶም - እንተላይ ኣብ ሽቓቕ ዘለዎም ጸገማት፡ ኣብ ጠፈር ምድቃስ፡ ከምኡ’ውን ከም ጋንታ ከመይ ተጠርኒፎም ይዓዩ ከም ዘለዉ - ሓበሬታ ሂቦም ኣለዉ።

    እታ ነቶም ሰራሕተኛታት ዝጸዓነት ኦርዮን እትበሃል መርከብ ጠፈር፡ ክልተ መዓልቲ ኣብ ተልእኾ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ፈተነ ትኣቱ ኣላ፣ ትሓልፍ ከም ዘላ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።

    ተልእኾ ኣርተሚስ 2 ንዕለት 6 ሚያዝያ ኣብ ዙርያ ወርሒ ክትበርር ትጽቢት ይግበር።

  10. ሄግሰት፡ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣመሪካ ስርሑ ክለቅቕ ሓቲቱ

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ንሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ራንዲ ጆርጅ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝሓተተ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጆርጅ “ካብ መዝነት መበል 41 ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ብቕጽበት ክለቅቕ እዩ፡” ኢሉ።

    ጆርጅ፡ ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዌስት ፖይንት ዝተመረቐ ሞያዊ ወተሃደራዊ መኮነን ኰይኑ፡ ኣብ 2023 ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን እዩ ነቲ መዝነት ተሸይሙ። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ እዩ ዘገልግል።

    እዚ ሕቶ ምልቃቕ መዝነት፡ ትራምፕ ኲናት ኣመሪካ-እስራኤልን ምስ ኢራን ክዛዘም "ኣዝዩ ሓጺር" ግዜ ተሪፍዎ ከምዘሎ ኣብ ሃገራዊ መደረኡ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

    ጆርጅ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ወሽመጥ ዓረብን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዝተኻየዱ ወግኣትን ከም ኣዛዚ መኮንን ኣጋር ሰራዊት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ንምንታይ ሕጂ ክወርድ ይሕተት ኣሎ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

    ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቤትጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንኣገልግሎቱ ነመስግን፣ ኣብ ሰራዊት ግን ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ክግበር ግዜኡ ኣኺሉ እዩ፡” ኢሉ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል፡ "ጸሓፊ ምክልኻል ንጀነራል ጆርጅ ንዓሰርተታት ዓመታት ንሃገርና ዝሃቦ ኣገልግሎት የመስግን! ጽቡቕ ናይ ጥሮታ ግዜ ክዀነሉ ድማ ንምነየሉ፡” ኢሉ።

    ጀነራል ጆርጅ ብምክትል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ክሪስቶፈር ላኔቭ ክትካእ ምዃኑን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

    እቲ መገለጺ፡ ፓርነል ላኔቭ “ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ዝተፈተነ፡ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ስርሒታት ተመኵሮ ዘለዎን ምኵር መራሒ ኰይኑ፡ ራእይ ናይዚ ምምሕዳር ብዘይ ጌጋ ንምፍጻም ብጸሓፊ ሄግሰት ምሉእ ብምሉእ ዝእመንን፡” ምዃኑ የነጽር።

    ሄግሰት ናብ ፔንታጎን ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ባሕርን ምክትል ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ኣየርን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ስራሕ ኣባሪሩ እዩ።

  11. እስራኤልን ኣመሪካን ኲናት ደው ከብላ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

    እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ደው ከብላ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

    ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ኒውዮርክ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸዊዑ።

    "ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝሰፍሐ ኲናት ክሸምም ዝኽእልን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ዝህልዎን ድርኲዂት ኢና በጺሕና ዘለና" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

    "መጻብቦ ሆርሙዝ እንተ ተሓኒቑ፡ ድኻታትን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ከተንፍሱ ኣይክእሉን እዮም"።

    ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ዝጸወዐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን "ትካላት ኑክሌርን" ዒላማ መጥቃዕቲ ከይኮኑ ድ ማተማሕጺኑ።

    "እቲ መልእኽቲ ንጹር'ዩ። ኣመሪካን እስራኤልን፡ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ስቓይን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሳዕቤናትን ኣኸቲሉ ዘሎ ኲናት ደው ዘብላሉ እዋን ሕጂ'ዩ"።

    "ኢራን'ውን፡ ንጐረባብታ ምጥቃዕ ደው ከተብሎ" ከምዘለዋ ጉተረዝ ጸዊዑ።

  12. 'ንኢራን ናብ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና' - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ መሊሱ ከምዝሕይል ድሕሪ ምጠንቃቑ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒታት ተሰሚዑ።

    ኣብ ከባቢ ፍሉጥ መደበር ኑክሌር ኢራን ዝኾነ ኣስፋሃን ኣብ ዝርከብ ካልእ ማእከል ሚሳይላት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐን ሃልሃልታ ሓዊን ጸሊም ትኪን ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተራእየን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ምብራቓዊት ከተማ ማሻድ'ውን ተመሳሳሊ ነትጒን ትኪን ተኸሲቱ ኣሎ።

    ትራምፕ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መግለጺ፡ "ኣብ ዝመጽእ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ኣመና ክንሃርሞም ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    "ናብቲ ክህልውዎ ዝግባእ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና" ክብል'ዩ እቲ ኣመሪካዊ መራሒ ፈኪሩ።

    እቲ መግለጺ ንዕዳጋታት ዓለም ዘጋደደ ኮይኑ፡ ዋጋ ነዳዲ መሊሱ ክንህር ገይሩ'ሎ።

    ቴህራን ብወገና እስራኤልን ኣመሪካን ስዕረት ክጓናጸፋ ምዃነን ኣጠንቂቓ'ላ።

  13. ሶማላዊ ደራሲን ምሁርን ፕሮፌሰር ዓሊ ጅምዓለ ኣሕመድ ዓሪፉ

    ደራስን ምሁርን ፕሮፌሰር ዓሊ ጅምዓለ ኣሕመድ ብ31 መጋቢት 2026 ኣብ መበል 72 ዓመቱ ኣብ ኣመሪካ ዓሪፉ።

    እዚ ኣብ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ ብሕልፊ እኳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝዀነ ምሁር፡ ብዛዕባ ስነጽሑፍ ሶማልያ፡ ዓሌትን ምህናጽ ሃገርን ምዕባለ ሃገረ-መንግስትነትን ዝትንትኑ ሓያሎ ስርሓት ዘበርከተ እዩ።

    ዓሊ ጅምዓለ ኣብ ታሕሳስ 1982 ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምግዓዙ፡ ኣብ ሶማልያ ብስነጽሑፉን ጋዜጠኝነትን ስም ኣጥርዩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ኣብቲ ግዜ'ቲ እንኮ ብእንግሊዝኛ እትሕተም ዝነበረት ሰሙናዊት ጋዜጣ `ቪጂላንስ` ከም ኣሰናዳኢ ኰይኑ ሰሪሑ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሎስ ኣንጀለስ ብስነጽሑፍ ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ድሕሪ ምጥንቓቑ፡ ድሒሩ ኣብ ኲንስ ኮለጅን ግራጅዌት ሰንተር ናይ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክን ብዛዕባ ኣፍሪቃ፡ ስነጽሑፍ እስላም፡ ኣፋዊ ስነጽሑፍ፡ ስነግጥምን ካልእን እናመሃረ ብዙሕ ኣበርኪቱ።

    ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ብሕልፈት ገጣሚ ፕሮፌሰር ዓሊ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ምሁራዊ ኣበርክቶኡን ሰብኣዊ ልግሱን ንህይወት ብዙሓት ዝጸለወ ምዃኑ መስኪሩ።

    ፕሮፌሰር ዓሊ ኣብ ርእሲ ኣካዳምያዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣብ ሶማልያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰላም ንምምጻእ ብዕምቈት ይሰርሕ ምንባሩ ፕሮፌሰር ግርማይ ወሲኹ ይገልጽ።

    ፕሮፌሰር ዓሊ፡ ብ1995`The Invention of Somalia` እትብል መጽሓፍ ከሕትም እንከሎ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ `Daybreak Is Near: Literature, Clans, and the Nation-State in Somalia እትብል ኣሕቲሙ። ብ2002 `Fear Is a Cow ከምኡ`ውን ብ2005 `Diaspora Blues` ዝብላ`ውን ኣስዒቡ።

  14. ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣመሪካ ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ክዝትዩ እዮም

    መራሕቲ 35 ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓበራዊ መግለጺ ክታሞም ድሕሪ ምንባር፡ "ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብውሕስ መንገዲ ንምሕላፍ ግቡእ ጻዕርታት፡" ንምግባር ድልዋት ምህላዎም ገሊጾም።

    እቶም ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሎሚ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ብማንዛ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም።

    እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ዘኽእል፡ "ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን" መፍትሒታት ኣተኲሮም ክዝትዩ ትጽቢት ይግበር።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኬር ስታርመር፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ "ንጸላእቲ ሃገርና" ዕጽው ኰይኑ ኣሎ ንዝበለቶ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዕማም ቀሊል ከም ዘይከውን ተዛሪቡ።

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣውስትራልያን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፋ ክዀና እንከለዋ፡ ኣመሪካ ግን ኣይክትህሉን እያ።

    ትራምፕ፡ እቲ ግጭት ምስ ኣብቅዐ ብሓደ ለይቲ "ብቕጽበት" ክኽፈት ምዃኑ ደኣ ይግለጽ`ምበር፡ ካልኦት ህዝቢታት ግን ርግጸኛታት ኣይኰኑን።

    ንኣብነት፡ ምእላይ ነተጕቲ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ናይ ሓያሎ ሃገራት ወተሃደራውያን ክኢላታት ውጥን፡ ውግእ ደው ምስ በለ መጻብቦ ሆርሙዝ ውሑስ ብዛዕባ ዝዀነሉ ንምዝታይ ክራኸቡ ከድሊ እዩ።

    እቲ ቀዳምነት፡ መራኽብ ብውሑስ መንገዲ ንኽጓዓዛ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ዋጋ ነዳዲ ክጐድልን ቀረብ ድዅዒ ብምቕራብ ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽን እዩ።

  15. ናሳ፡ ስለምንታይ ጠፈርተኛታት ኣብ ጥቓ ወርሒ ንኽዀልሉ ሰዲዱ?

    ኣፖሎ፡ ኣብ ሓምለ 1969 ንፈለማ እዋን ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ ካብ እተዕርፍ ልዕሊ 50 ዓመታት ሓሊፉ።

    ሰራሕተኛታት ኣርተሚስ 2 ኣብ ወርሒ ክዓልቡ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 10 መዓልታት ዝገብርዎ ተልእኾ ግን ንዝቕጽል ኣሰር ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ መንገዲ ዝጸርግ'ዩ።

    እቶም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ እዋን ጕዕዞኦም ካብቲ ኵሉ ግዜ ካብ ገጽ መሬት ዝተኸወለ ዳሕረዋይ ሸነኽ ወርሒ 10,299 ኪሎሜተር ርሒቘም ክጕዓዙ'ዮም።

    እዚ ንመጀመርታ ግዜ ክኸውን እዩ።

    ናሳ፡ ኣብዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድ ግዜ፡ እቶም ጠፈርተኛታት "ከም ጽልዋ ዘለዎም ጕድጓዳትን ጥንታዊ ዋሕዚ ላቫን ዝኣመሰሉ ጅኦሎጅያዊ ባህርያት ክትንትኑን ክስእሉን እዮም፡" ይብል።

    እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ንደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ንምድህሳስ ዝግበር ተልእኾታት ክሕግዝ እዩ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥዕና እቶም ጠፈርተኛታት ዝግበር መጽናዕቲ፡ ናሳ ዓሚቝ ጕዕዞ ህዋ ኣብ ኣእምሮን ኣካላትን ወዲሰብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዞ እዩ።

    እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ተልእኾታት ወርሒ ከምኡ’ውን ናብ ማርስ ዝገሹ ጠፈርተኛታት ዝሓሸ ርድኢትን ድልውነትን ክህልዎ የኽእል።

    እቶም ጠፈርተኛታት ኣብዚ ጕዕዞ ኣብ ዙርያ ወርሒ ብሰላም እንተ ሓሊፎም፡ ዕላማ ናሳ ኣርተሚስ ራብዓይን ሓምሻይን ኣብ ወርሒ ምዕላብ ክኸውን'ዩ - ክልቲኡ ድማ ኣብ 2028 ከሳኽዖ መደብ ኣለዎ።

  16. ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ህይወት ጠፈርተኛታት እንታይ ትመስል?

    ጠፈርተኛ ናሳ ስቲቨን ቦወን፡ ኣብ ጠፈር ቀዳማይ ካብ እተስተብህለሎም ነገራት ምሕንባብ ወይ ምንጽብላል ምዃኑ ይዛረብ።

    "ምሕንባብ ወይ ምንጽብላል ፈጺሙ ኣየሰልክን እዩ፡" ይብል።

    "ካብ ኣብ ምድሪ ንላዕሊ፡ ኣብ ጠፈር እየ ልዋም ድቃስ ዝድቅስ፡" ክብል ይውስኽ።

    ንልዕሊ 25 ዓመታት ጠፈርተኛ ኰይኑ ዝዓየየ ቦወን፡ ኣብ 10 ናይ ህዋ ጕዕዞን ካልኦት ዕማማትን ተሳቲፉ።

    ጠፈርተኛታት ምስታ መንኰርኰር ኣብ ዝተላገበ ክፋል ይድቅሱ።

    “እናተሓንበበት እንከላ ኢኻ ትድቅስ፡” ይብል`ሞ፡ “ክብን ለጠቐን ዝብል ስምዒት የሎን፡” ክብል የብርህ።

    መዓልትኻ ብቝርስን መዓልታዊ መደብ ብምርኣይን እዩ ዝጅምር፣ ብድሕሪኡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ትጽመድ።

    ቦወን፡ “ካብቲ ትበራበርሉ እዋን ኣትሒዝካ ክሳዕ እትድቅስ ትሑዝ ኢኻ፡” ይብል።

    ጠፈርተኛታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ የዘውትሩ፣ ናይ ስነፍልጠት ፈተነታት ይገብሩን ነታ መንኰርኰር ይከናኸኑን።

    ኣብ ጠፈር ንኣሽቱ ነገራት ከይተረፉ ብዝተፈልየ መንገዲ እዮም ዝፍጸሙ፤ ንኣብነት፡ ንብዓት ኣይነጥብን እዩ፣ “ኣብ ኣዕይንትኻ ይጸንሕ፡” ይብል። ንብዓት እናተዀመረ ምስ መጽአ ብሰሓቕ ዝፈልሐ መሳርሕቱ ይዝክር።

    ንቦወን፡ኣብ ህዋ ምጓዓዝ መሳጢ ክፋል ናይ ስርሑ እዩ፤ ኢዱ ኣብቲ መንኰርኰር ሒዙ ፕላኔት መሬት ኣብ ትሕቲኡ እናተንቀሳቐሰት ከም ዝርኢ ይገልጽ።

    “እቲ ትርኢት ንምእማኑ ዘጸግም እዩ፡” ይብል።

  17. እቶም ጠፈርተኛታት መን'ዮም፤ እንታይ'ከ ተማሊኦም?

    ኣብ በረራ ኣርተሚስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ንወርሒ ክዘሩዋ እዮም።

    ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በረራ ንምንቅስቓስ ናይታ 'ኦርዮን' ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታን፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከም ዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ምክያድ እዩ።

    ነዚ ንምግባር ኪኖ ወርሒ ብምሕላፍ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ናብ ሃው ዝበለ ጠፈር ክበሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

    ብዘይካ'ዚ፡ ነታ ካፕሱል ብኢዶም (ማንዋል) ብምዝዋር ድማ ኣብ ዙርያ ምድሪ ክሕምበቡ እዮም።

    ኣብዚ ፈታኒ ተልእኾ ኣርተሚስ፡ ጠፈርተኛታት ካብቲ ዝወስድዎ ዘይተርፍ ምርምራዊ ናውቲ፡ ብውልቆም ዘገድሶም ኣቚሑ'ውን ክማልኡ ወሲኖም ኣለዉ፤ መን እንታይ ወሲዱ።

  18. መስተንክራዊ ምውንጫፍ ኣርተሚስ 2 ብምስሊ

  19. ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ዳግማዊት ኣርተሚስ

    ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ንመዓልታት ዝተዳናጐየ ጉዕዞ ናይታ 'ኣርተሚስ 2' ዝተባህለት መንኮርኮር ሃገራዊ ትካል ጠፈር ኣመሪካ ብረቡዕ ምሸት ናብ ከባቢ ወርሒ ተወንጪፋ።

    እዚ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ናብ ዙርያ ወርሒ ዝካየድ በረራ ኣርተሚስ ፍሉይ ዝገብሮ ጠፈርተኛታት ዘሳተፈ ብምዃኑ'ዩ።

    ናሳ፡ ድሕሪ 52 ዓመት ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ጸሊምን ትርከቦም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ናብ ከባቢ እታ ግርማ ለይቲ ዝዀነት ወርሒ ሰዲዱ ኣሎ።

    ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ድሕሪ ሰዓት 18፡24 ብኣቆጻጽራ ፍሎሪዳ፡ 23፡24 ለንደን፡ ከምኡ'ውን ሰዓት 01፡24 ናይሮቢ ናይ ምውንጫፍ መስርሕ እዩ ጀሚሩ።

    ወንጫፊ ሮኬት ናይታ መንኮርኮር ኣብቲ ቀንዲ መደበር ናሳ ዝዀነ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ (ኬፕ ካናቨራል) ዝርከብ ማእከል ጠፈር ከነዲ እዩ ተዳልዩ። እዚ ናሳ ዘካይዶ ዘሎ በረራ ኣካል ናይቲ ሰብ ናብ ገጽ ወርሒ ንምምላስ ተተሊሙ ዘሎ ውጥን እዩ።

    ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ብወግዒ ኣብ ዙርያ ወርሒ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ታሪኻዊ ተልእኾ ይገብሩ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ካብ መሬት ንላዕሊ ዝወሰደ ጉዕዞ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

    እቶም ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ተልእኾ ዝተዋህቦም ጠፈርተኛታት ኣብ ወርሒ ኣይዓልቡን እዮም፤ እንተዀነ ክኸቡዋ መደብ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

    ናሳ፡ ኣብ 2022 ሰብ ኣልቦ ኣርተሚስ 1 ሰዲዱ ነይሩ፤ ኣብ 2030ታት ናብ ማርስ ንምብጻሕ ናይ ዕላማ ኣለዎ።

  20. ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ንድሮናት ኢራን ሃሪሙ የውድቕ

    ሓይልታት ኣመሪካ 10 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ሃሪሞም ከምዘውደቑ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እቲ ፍጻመ ኣበይ ምንባሩ'ኳ ብንጹር እንተዘይጠቐሰ፡ "ልዑል ስግኣት ኣብ ዘለዎ ቦታ" ከምዘጋጠመ የመልክት።

    ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ክትሳተፍ ከምዘይትደሊ ብወግዒ ዘፍለጠት ለንደን፡ ኣብ ምክልኻል ጥራይ ዝተሓጽራ ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ናብ ደሴት ሳይፕረስ፡ ንግስነት ዮርዳኖስ፡ ባሕሬን፡ ቐጠርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣዋፊራ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ኣብቲ ኲናት ዝሳተፋ ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ንመዓርፎ ነፈርታ ክጥቀማሉ'ውን ብሪጣንያ ኣፍቂዳ ምንባራ ይዝከር።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኪር ስታርመር፡ ሃገሩ ሕጂ'ውን ብጥታ ናብቲ ኲናት ከምዘይትጽንበር ብምርግጋጽ፡ ቀልውላው ነዳዲ ንከብቅዕ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

    ብሪጣንያ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኸፈተሉ ኩነታት ንምፍጣር ልዕሊ 35 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዋዕላ መራሕቲ ከአንግድ ምዃና'ውን ጸሓፊት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዪቨት ኩፐር ሓቢራ'ላ።