ንሓወልቲ ምስሊ ክርስቶስ ዘዕነወ ወተሃደር እስራኤል ቁጠዐ ፈጢሩ
ሓደ ካብቶም ናብ ደቡብ ሊባኖስ ዝኣተዉ ሓይልታት ዝኾነ ወተሃደር እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሖ ሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብምፍራስ ከርክሶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተራእዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእሊ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ወተሃደር ነቲ ዝወደቐ ሓወልቲ ብማሳ ክድርዕሞ ይርአ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ወተሃደር "ቅልጡፍ፡ ተሪርን ህዝባዊን" መቕጻዕቲ ክውሳድ ጸዊዑ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብወገኑ፡ ንምፍራስ ናይቲ "ካቶሊካዊ ሃይማኖታዊ ምስሊ" ኣትሪሩ ከምዝኹንኖ ገሊጹ'ሎ።
በንጃሚን ነታንያሁ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ እስራኤላውያን" በቲ ፍጻመ "ከምዝሰንበዱን ከምዝሓዘኑን" ገሊጹ።
ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሰራዊት ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ብምሕባር ድማ፡ እቲ ወተሃደር "ዝግብኦ ተሪር ዲስፕሊናዊ ስጉምቲ" ክውሰደሉ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
"እስራኤል ኣብ ማእከእላይ ምብራቕ ናይ ኩሉ ናጽነት ኣምልኾ እተኽበር እንኮ ሃገር እያ። በቲ ፍጻመን ዘስዓቦ ዝኾነ ጓሂን ዝተሰመዓና ጣዕሳ ንገልጽ" ይብል ነታንያሁ።